ማቴዎስ
18 በታ ሰዓት እቲኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ ቀሪቦም፡ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይዓቢ፧” በልዎ።+ 2 ንቘልዓ ጸዊዑ ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኣቢሉ፡ 3 ከምዚ በሎም፦ “እንተ ዘይተመሊስኩም፡* ከም ቈልዑ እውን እንተ ዘይኴንኩም፡+ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 4 እምበኣር፡ እቲ ኸምዚ ቘልዓ እዚ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ይዓቢ፣+ 5 እቲ ንኸምዚ ቘልዓ ዝኣመሰለ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ኸኣ፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ። 6 እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ንኣሽቱ ዚዕንቅፍ ዘበለ ግና፡ ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ።+
7 “ብሰሪ መዐንቀፊታትሲ፡ ወይለኣ ዓለም! መዐንቀፊታት እኳ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፣ ነቲ ብሰሩ መዐንቀፊ ዚመጽእ ሰብ ግና ወይለኡ! 8 እምበኣር፡ ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሒታትካ፡* ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ።+ ምስ ክልተ ኢድካ ወይ ምስ ክልተ እግርኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ጐናይ ወይ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።+ 9 ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ* እውን፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ምስ ክልተ ዓይንኻ ናብ ገሃነም* ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።+ 10 ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም፡ ወትሩ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 11 *——
12 “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብ 100 ኣባጊዕ እንተ ኣልየናኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን እንተ ጠፊኣ፡+ ነተን 99 ኣብ ኣኽራን ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት ኪደሊዶ ኣይከይድን፧+ 13 እንተ ረኺብዋ ድማ፡ ካብቲ በተን 99 ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ዝያዳ ይሕጐስ እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 14 ከምኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡* ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።+
15 “ሓውካ እንተ በዲሉካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም በደሉ ንገሮ።*+ እንተ ሰሚዑካ፡ ንሓውካ ረቢሕካዮ።+ 16 እንተ ዘይሰሚዑካ ግና፡ ኵሉ ነገር ብምስክርነት* ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።+ 17 ንዓታቶም እንተ ዘይሰሚዕዎም ከኣ፡ ንጉባኤ ንገራ። ነታ ጉባኤ እውን እንተ ዘይሰሚዕዋ ግና፡ ከም ካብ ኣህዛብን+ ከም ኣካብ ቀረጽን ቍጸሮ።+
18 “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ምድሪ እትኣስርዎ ዘበለ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሕዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 19 ደጊመ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚልምንዎ ዘበለ ጕዳይ እንተ ተሰማሚዖም፡ ሳላ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ኪዀነሎም እዩ።+ 20 ከመይሲ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ፡+ ኣነ ኣብ ማእከሎም እየ።”
21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በዲሉኒ፡ ክንደይ ሳዕ እየ ኽሓድገሉ፧ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕዶ፧” በሎ። 22 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ክሳዕ 77 ሳዕ* እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን።+
23 “ስለዚ፡ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። 24 ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ 10,000 ታለንት* ዕዳ ዘለዎ ኣምጽኡሉ። 25 ዚኸፍሎ ስለ ዘይነበሮ ግና፡ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ተሸይጡ፡ ኪኽፈል ኣዘዘ።+ 26 እቲ ባርያ ኸኣ ፍግም ኢሉ፡ ‘ተዓገሰኒ፡ ኵሉ ክኸፍለካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ።* 27 እቲ ጐይታ እቲ ባርያ፡ ስለ ዝደንገጸሉ፡ ፈትሖ፡ ዕዳኡ እውን ሰረዘሉ።+ 28 ግናኸ፡ እቲ ባርያ ምስ ወጸ፡ ንሓደ 100 ዲናር* ዚእውዶ ኻብቶም ብጾቱ ባሮት ረኸበ፣ ሒዙ ኸኣ፡ ‘ዝእውደካ ዘበለ ኽፈለኒ’ እናበለ ሓነቖ። 29 እቲ ብጻዩ ባርያ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ‘ተዓገሰኒ፡ ክኸፍለካ እየ’ እናበለ ለመኖ። 30 ንሱ ግና ኣበዮ፣ ከይዱ ድማ፡ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበ ገበሮ። 31 እቶም ብጾቱ ባሮት ነቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ብዙሕ ጐሃዩ፣ ከይዶም ከኣ፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። 32 ሽዑ፡ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ምስ ለመንካኒ፡ ኵሉ ዕዳኻ ሰሪዘልካ። 33 ንስኻኸ ኸምቲ ዝመሓርኩኻ ንብጻይካ ኽትምሕሮዶ ኣይምተገብኣካን፧’ በሎ።+ 34 ጐይታኡ ተቘጢዑ ድማ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ንሓለውቲ እሱራት ኣሕሊፉ ሃቦ። 35 ነፍሲ ወከፍኩም ንሓዉ ኻብ ልቡ ዘይሓድገሉ እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”+