ኤርምያስ
31 “በቲ ግዜ እቲ” ይብል የሆዋ፡ “ንዅሎም ዓሌታት እስራኤል ኣምላኽ ክዀኖም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።”+
2 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እስራኤል ናብ መዕረፊኡ ኪኸይድ ከሎ፡
እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ኣብ በረኻ ሞገስ ረኺቡ።”
3 የሆዋ ኻብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ከምዚ እውን በለኒ፦
“ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቂረኪ።
ስለዚ እየ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ናባይ ዝሰሓብኩኺ።*+
4 ከም ብሓድሽ ከኣ ዳግም ክሃንጸኪ እየ እሞ፡ ዳግም ክትህነጺ ኢኺ።+
6 እቶም ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውትስ፡
‘ተንስኡ፡ ናብ ጽዮን፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ንደይብ’ ኢሎም ዜድህዩላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ።”+
7 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“ንያእቆብ ብታሕጓስ ጨድሩሉ።
ንስኻትኩም ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኢኹም እሞ እልል በሉ።+
ኣውጅዎ፣ ከምዚ ኢልኩም ድማ ወድሱ፦
‘ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ፡ ንተረፍ እስራኤል ኣድሕኖ።’+
8 ካብ ምድሪ ሰሜን መሊሰ አምጽኦም ኣለኹ።+
ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኽእክቦም እየ።+
ኣብ መንጎኦም ዕዉራትን ሓንካሳትን+
ጥንስትን ቅልውላው ሕርሲ እተታሕዘትን ሓቢሮም ኪህልዉ እዮም።
ዓብዪ ጉባኤ ዀይኖም ናብዚ ኺምለሱ እዮም።+
9 እናበኸዩ ኺመጹ እዮም።+
ሞገስ እናለመኑ ኽመርሖም እየ።
10 ኣቱም ኣህዛብ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፡
ኣብተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ኣውጅዎ፦+
“እቲ ንእስራኤል ፋሕ ዘበሎ፡ ኪእክቦ እዩ።
ከም ጓሳ ንመጓሰኡ ድማ ኪሕልዎ እዩ።+
12 ንሳቶም ኪመጹ፡ ኣብቲ በሪኽ ጽዮን ድማ እልል ኪብሉ፡+
ብሕያውነት የሆዋን*
ብእኽልን ብጕዕሽ ወይንን+ ብዘይትን፡
ብውላዳት ጤለ በጊዖምን ከብቶምን እውን ኬንጸባርቑ እዮም።+
13 “ሽዑ፡ ድንግል ብታሕጓስ ክትስዕስዕ እያ፣
ኣጕባዝን ኣረገውትን እውን ሓቢሮም ኪስዕስዑ እዮም።+
ሓዘኖም ናብ ፍስሃ ኽልውጦ እየ።+
ከጸናንዖም፡ ኣብ ክንዲ ጓሂ ኸኣ ሓጐስ ክህቦም እየ።+
15 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ኣብ ራማ+ ድምጺ ልቕሶን መሪር ብኽያትን ይስማዕ ኣሎ፦
ራሄል ንደቃ ትበኽየሎም ኣላ።+
ስለ እተወድኡ ድማ፡
ስለ ደቃ ምጽንናዕ ኣብያ ኣላ።’”+
16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“‘ተግባርኪ ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡
ድምጽኺ ኻብ ብኽያት፡ ኣዒንትኺ ኸኣ ካብ ንብዓት ዕገቲ’ ይብል የሆዋ።
‘ካብ ምድሪ ጸላኢ ኺምለሱ እዮም።’+
17 ‘ንመጻኢኺ ድማ ተስፋ ኣሎ’+ ይብል የሆዋ።
‘ደቅኺ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ እዮም።’”+
18 “ከምዚ ዚብል ቍዝማ ኤፍሬም ብርግጽ ሰሚዐዮ ኣለኹ፦
‘ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካ
ንስኻ ኣሪምካኒ፡ ኣነ እውን ተኣሪመ።
ንስኻ የሆዋ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡
ምለሰኒ፡ ኣነ እውን ብቐሊሉ ኽምለስ እየ።
ጸርፊ ንእስነተይ ጾይረ እየ እሞ፡
ሓፊረን ተዋሪደን እየ።’”+
20 “ኤፍሬምዶ ኽቡር ወደይ፡ ፍቑር ውሉደይ ኣይኰነን፧+
ኣንጻሩ ብእተዛረብኩ መጠን ግና፡ እዝክሮ ኣለኹ።
ብርግጽ እውን ክድንግጸሉ እየ” ይብል የሆዋ።+
21 “መሐበሪታት መገዲ ኣቝሚ፡
መፈለጥታታት ከኣ ግበሪ።+
ነቲ ጐደና፡ ነቲ እትኸድሉ መገዲ ኣቕልብሉ።+
ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ተመለሲ፡ ናብዘን ከተማታትኪ ተመለሲ።
22 ኣቲ ጠላም ጓል፡ ክሳዕ መዓስ ነግፈረግ ክትብሊ ኢኺ፧
የሆዋስ ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ ኣሎ፦
ሰበይቲ ንሰብኣይ ተሃንጥያ ኽትስዕቦ እያ።”
23 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ንምሩኻቶም መሊሰ ምስ ኣከብክዎም፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን መሊሶም ከምዚ ቓላት እዚ ኺብሉ እዮም፦ ‘ኣታ ጻድቕ መንበሪ፡+ ኣታ ቕዱስ ከረን፡ የሆዋ ይባርኽካ።’+ 24 ኣብኡ ድማ ይሁዳን ኵለን ከተማታቱን፡ ሓረስቶትን መጓሰኦም ዚመርሑን፡ ብሓባር ኪነብሩ እዮም።+ 25 ኣነስ ንዝደኸሙ ኸርውዮም፡ ንዝማሰኑ እውን ከጽግቦም እየ።”*+
26 ድሕርዚ፡ ተበራበርኩ፡ ኣዒንተይ ከኣ ቋሕ ኣበልኩ፣ ድቃሰይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበረ።
27 “እንሆ፡ ንቤት እስራኤልን ንቤት ይሁዳን ብዘርኢ ሰብን ብዘርኢ ማልን ዝዘርኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ።+
28 “ከምቲ ንምምሓውን ንምፍራስን ንምዕናውን ንምጥፋእን ንምጕዳእን+ እተቛመትክዎም፡ ከምኡ እውን ንምህናጽን ንምትካልን ክቋመቶም እየ”+ ይብል የሆዋ። 29 “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ‘ኣቦታት መጺጽ ወይኒ በልዑ፣ ግናኸ፡ ኣስናን ደቂ ኰዀየ’*+ ደጊም ኣይኪብሉን እዮም። 30 ነፍሲ ወከፍ ብስሕተቱ ደኣ ኺመውት እዩ። መጺጽ ወይኒ ዚበልዕ ዘበለ ኸኣ፡ ኣስናኑ ኪዀዅዮ እዩ።”
31 “እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”+ ይብል የሆዋ። 32 “ከምቲ ኣብታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣+ ‘ኣነ ናይ ሓቂ ጐይታኦም* ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳነይ ኣፍሪሶምዎ’+ ይብል የሆዋ።”
33 “ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ” ይብል የሆዋ። “ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፡+ ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።”+
34 “ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ‘ንየሆዋ ፍለጦ’+ ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ” ይብል የሆዋ። “ከመይሲ፡ ስሕተቶም ይቕረ ኽብል፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።”+
35 እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡
ሕግታት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ዝሃበ፡
እቲ ንባሕሪ ዜለዓዕሎን ንማዕበላቱ ዜናውጾን፡
ስሙ እውን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀነ+
የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
36 “‘እዚ ስርዓታት እዚ ኸንቱ እንተ ዚኸውን፡’ ይብል የሆዋ፡
‘ሽዑ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ምጠፍአ።’”+
37 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማያት ኪልካዕ እንተ ዚከኣል፡ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሰረታት ምድሪ ኺምርመር እንተ ዚከኣል ነይሩ፡ ሽዑ ንዘርኢ እስራኤል ብሰሪ ዅሉ እቲ ዝገበርዎ ኽድርብዮም ምኸኣልኩ’ ይብል የሆዋ።”+
38 “እንሆ፡ እዛ ኸተማ ኻብ ግምቢ ሓናንኤል+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን+ ንየሆዋ እትህነጸለን+ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ። 39 “ገመድ መለክዒ+ ኸኣ ክሳብ ኵርባ ጋሬብ ትኽ ኢሉ ኺወጽእ፡ ናብ ጎዓ ድማ ኬብል እዩ። 40 ኵሉ እቲ ስንጭሮ* ሬሳታትን ሓምዅሽትን* ኵሉ እቲ ኽሳብ ስንጭሮ ቄድሮን+ ዘሎ ዛላታትን ከኣ፡ ናብ ምብራቕ ክሳብ መኣዝን ኣፍ ደገ ኣፍራስ፡+ ንየሆዋ እተቐደሰ ኪኸውን እዩ።+ ደጊም ከቶ ኣይኪምሓውን ወይ ኣይኪፈርስን እዩ።”