እተን ካልኦት ኣባጊዕን እቲ ሓድሽ ኪዳንን
‘መጻእተኛታት: ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ: ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዅላቶም: . . . ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም እየ።’—ኢሳይያስ 56:6, 7
1. (ሀ) ብመሰረት እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢት: እቶም ንፋሳት ፍርዲ የሆዋ ተታሒዞም ከለዉ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም፧ (ለ) ዮሃንስ ከመይ ዝበለ ዓቢ ጭፍራ ኢዩ ዝረኣየ፧
ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብታ ራብዓይቲ ትርኢት ናይ መጽሓፍ ራእይ: ኵሎም ኣባላት ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ምሕታሞም ክሳዕ ዝውዳእ: እቶም ፍርዲ የሆዋ ዘውርዱ ናይ ጥፍኣት ንፋሳት ተታሒዞም ረኣየ። እዚኣቶም በቲ ቐንዲ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ ኣቢሎም ብቐዳምነት ዝባረኹ ኢዮም። (ገላትያ 6:16፣ ዘፍጥረት 22:18፣ ራእይ 7:1-4) ኣብታ ትርኢት እቲኣ: ዮሃንስ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]: . . . ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ: እናበሉ ዓው ኢሎም [ክጭድሩ]” ረኣየ። (ራእይ 7:9, 10) እቶም ዓቢ ጭፍራ ‘ምድሓን ናይቲ ገንሸል እዩ’ ምባሎም: ንሳቶም እውን ብዘርኢ ኣብርሃም ከም እተባረኹ ኢዩ ዘርኢ።
2. እቶም ዓቢ ጭፍራ መዓስ ኢዮም እተቐልቀሉ: ብኸመይከ ኢዮም ዝልለዩ፧
2 እዞም ዓቢ ጭፍራ ብ1935 ኢዮም ተለልዮም: ሕጂ ድማ ቍጽሮም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንኽድሕኑ ምልክት ስለ እተገብረሎም: የሱስ “ነተን ኣባጊዕ” ካብተን “ኣጣል” ክፈላሊ ኸሎ እቶም ኣባላቱ ንዘለኣለማዊ ህይወት ክፍለዩ ኢዮም። ኣባላት እቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ክርስትያናት ካብቶም ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ መጓሰ ኣባጊዕ ዝሃቦ ምሳሌ ዘለዉ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኢዮም። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ድማ ተስፋ ኣለዎም።—ማቴዎስ 25:31-46፣ ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 21:3, 4
3. በቲ ሓድሽ ኪዳን ዝመጸ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ካልኦት ኣባጊዕን እተፈላለዩ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧
3 እቶም 144,000 ንበረኸት ኪዳን ኣብርሃም በቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሎም ኢዮም ዝረኽብዎ። ከም ተኻፈልቲ ናይዚ ኪዳን እዚ መጠን: “ትሕቲ ጸጋ” ከምኡውን ‘ኣብ [ትሕቲ] ሕጊ ክርስቶስ’ ኢዮም። (ሮሜ 6:15፣ 1 ቈረንቶስ 9:21) ስለዚ: እቶም 144,000 ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ጥራይ ኢዮም ኣብ ግዜ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝካፈሉ: የሱስ ናይ መንግስቲ ኪዳን ዝገበረ ድማ ምስኣቶም ጥራይ ኢዩ። (ሉቃስ 22:19, 20, 29) ኣባላት ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ተኻፈልቲ ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ምስቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ይሓብሩ: ምስኣቶም ድማ ኣብታ ‘ሃገር’ ይቕመጡ። (ኢሳይያስ 66:8) ስለዚ እዚኣቶም እውን ኣብ ትሕቲ ጸጋ የሆዋ ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ ኢዮም ምባል ምኽንያታዊ ኢዩ። ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ተኻፈልቲ እኳ እንተ ዘይኰኑ: ካብኡ ግን ተጠቀምቲ ኢዮም።
‘መጻእተኛታትን’ እቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤልን”
4, 5. (ሀ) ብመሰረት ኢሳይያስ: ከመይ ዝበሉ ጕጅለ ኢዮም ንየሆዋ ዘገልግልዎ፧ (ለ) ኢሳይያስ 56:6, 7 ኣብቶም ዓቢ ጭፍራ እተፈጸመት ብኸመይ ኢያ፧
4 ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ: ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ: ባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት: ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ: ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዅላቶም: ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ እሞ: ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም: ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጕሶም እየ: ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 56:6, 7) እዚ ድማ: ኣብ እስራኤል “መጻእተኛታት:” እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት: ንየሆዋ የምልኹ—ስሙ የፍቅሩ: ንቓላት ናይቲ ሕጊ ኪዳን ይእዘዙ: ሰንበት ይሕልዉ: ከምኡውን ኣብ ቤት መቕደስ: ናይ ኣምላኽ ‘ቤት ጸሎት:’ መስዋእትታት የቕርቡ—ነይሮም ማለት ኢዩ።—ማቴዎስ 21:13
5 ኣብ ግዜና: “ምስ እግዚኣብሄር ዝሐብሩ መጻእተኛታት” እቶም ዓቢ ጭፍራ ኢዮም። እዚኣቶም ምስቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብምሕባር ንየሆዋ የገልግልዎ። (ዘካርያስ 8:23) ከም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ማዕረ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእትታት የቕርቡ። (እብራውያን 13:15, 16) ኣብቲ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ኣምላኽ: ‘ቤት ጸሎቱ’ ኰይኖም የምልኹ። (ምስ ራእይ 7:15 ኣረኣእዮ።) ነቲ ሰሙናዊ ሰንበትከ የኽብርዎዶ ኢዮም፧ እቶም ቅቡኣት ይኹኑ ካልኦት ኣባጊዕ ከምዚ ኽገብሩ ኣይተኣዘዙን። (ቈሎሴ 2:16, 17) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት “እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ: ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ: ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ አሎ እሞ: ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ” በሎም። (እብራውያን 4:9, 10) እዞም እብራውያን እዚኣቶም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲ “ጽድቂ ኣምላኽ” ከግዝእዋ ኸለዉ ከምኡውን ንርእሶም ብግብሪ ሕጊ ገይሮም ንምርኣይ ካብ ምፍታን ከዕርፍዋ ኸለዉ ኣብታ “ዕረፍቲ ሰንበት” ይኣትዉ ነበሩ። (ሮሜ 10:3, 4) ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ቅቡኣት ክርስትያናት ድማ ገዛእ ርእሶም ንጽድቂ ኣምላኽ ብምግዛእ ተመሳሳሊ ዕረፍቲ የስተማቕሩ። እቶም ዓቢ ጭፍራ ኸኣ ኣብቲ ዕረፍቲ ይሓብርዎም።
6. ካልኦት ኣባጊዕ ሎሚ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣጽኒዖም ዝሕዝዎ ብኸመይ ኢዮም፧
6 ብተወሳኺ: ልክዕ ከምቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ መጻእተኛታት ነቲ ሕጊ ኪዳን ኣጽኒዖም ዝሓዝዎ ካልኦት ኣባጊዕ ድማ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣጽኒዖም ኢዮም ዝሕዝዎ። ከመይ ገይሮም፧ ኣብኡ ተኻፈልቲ ብምዃን ዘይኰነስ: ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዘሎ ሕግታት ብምእዛዝ ካብቲ ምድላዋቱ ድማ ተጠቀምቲ ብምዃን ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ። (ምስ ኤርምያስ 31:33, 34 ኣረኣእዮ።) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ልክዕ ከምቶም ቅቡኣት ብጾቶም: ሕጊ ኣምላኽ ‘ኣብ ልቦም’ ኢዩ ተጻሒፉ። ንትእዛዛትን ስርዓታትን የሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ የርእዩ: ይእዘዝዎ ድማ። (መዝሙር 37:31፣ 119:97) ከምቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንየሆዋ ይፈልጥዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 17:3) ብዛዕባ ግዝረትከ፧ እቲ ሓድሽ ኪዳን ከይተገብረ ኸሎ ገለ 1,500 ዓመታት ኣቐዲሙ: ሙሴ ንእስራኤላውያን “ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ” ብምባል ተማሕጺንዎም ነበረ። (ዘዳግም 10:16፣ ኤርምያስ 4:4) ግድነታዊ ናይ ስጋ ግዝረት ምስቲ ሕጊ ተሪፉ እኳ እንተዀነ: እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ኣልባቦም ‘ክግዘሩ’ ኣለዎም። (ቈሎሴ 2:11) ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ብመሰረት እቲ ዝፈሰሰ ‘ናይ ሓድሽ ኪዳን ደም’ የሱስ ገይሩ ሓጢኣቶም ይቕረ ይብለሎም። (ማቴዎስ 26:28፣ 1 ዮሃንስ 1:9፣ 2:2) ኣምላኽ ከምቲ ነቶም 144,000 ዝገበሮ: ከም ብመንፈስ እተወልዱ ደቁ ገይሩ ኣይቅበሎምን ኢዩ። ግናኸ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ጻድቃን ይብሎም: እዚ ድማ ከምቲ ንኣብርሃም ከም ዓርኪ ኣምላኽ መጠን ጻድቕ እተባህለሉ ኢዩ።—ማቴዎስ 25:46፣ ሮሜ 4:2, 3፣ ያእቆብ 2:23
7. ሎሚ ነዞም ካልኦት ኣባጊዕ ከመይ ዝበለ ተስፋ ኢዩ ተኸፊትሎም ዘሎ: ከም ኣብርሃም ጻድቃን ዝበሃለሎም መን ኢዮም፧
7 እቶም 144,000 ጻድቃን ተባሂሎም ምጽውዖም: ምስ የሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ናይ ምግዛእ ተስፋ ንኽህልዎም መገዲ ዝኸፍተሎም ኢዩ። (ሮሜ 8:16, 17፣ ገላትያ 2:16) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ጻድቃን ተባሂሎም ምጽውዖም ድማ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ—ከም ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ መጠን ካብ ኣርማጌዶን ብምድሓን ወይ ‘ብትንሳኤ ጻድቃን’—ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ከም ዝህልዎም ዝገብር ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ከምዚ ዝበለ ተስፋ ክህልወካ ከምኡውን ዓርኪ ናይቲ ጐይታ ኣድማስ ምዃን: ‘ኣብ ድንኳኑ ምሕዳርሲ’ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! (መዝሙር 15:1, 2) እወ: እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን በቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ ኣቢሎም ብዘደንቕ መገዲ ተባሪኾም ኢዮም።
ዝዓበየት መዓልቲ ምትዕራቕ
8. እቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ቅድመ-ጽላሎት ናይ እንታይ ኰይኑ ኢዩ ዝዓዪ ነይሩ፧
8 ጳውሎስ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ: ነቶም ኣንበብቱ ብዛዕባ እታ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበረት ዓመታዊት መዓልቲ ምትዕራቕ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: እተፈላለየ መስዋእትታት ይቐርብ ነበረ—ሓደ ነቶም ካህናት ዝነበሩ ነገድ ሌዊ: ካልእ ድማ ነቶም ክህነት ዘይነበሮም 12 ነገዳት። እዚ ቅድመ-ጽላሎት ናይቲ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም 144,000 ከምኡውን ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝጥቀምሉ ዝዓበየ መስዋእቲ የሱስ ምዃኑ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክግለጽ ዝጸንሐ ኢዩ።a ጳውሎስ ኣብቲ ፍጻሜ ናይታ መዓልቲ ምትዕራቕ መስዋእቲ የሱስ በታ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን ዘላ ዝዓበየት መዓልቲ ምትዕራቕ ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ኸም ዝውዕል ገሊጹ ኢዩ። የሱስ ከም ሊቀ ካህን ናይዛ ዝዓበየት መዓልቲ መጠን: ንደቅሰብ “ናይ ዘለኣለም ምድሓን” ምእንቲ ኸምጽኣሎም ፍጽምቲ ህይወቱ መስዋእቲ ምትዕራቕ ንኽትከውን ሂቡ ኢዩ።—እብራውያን 9:11-24
9. እብራውያን ዝዀኑ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ብምዃኖም እንታይ ኢዮም ክረኽቡ ዝኸኣሉ፧
9 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ብዙሓት እብራውያን ክርስትያናት ገና “ብዛዕባ ሕጊ [ሙሴ] ቕንኣት” ነበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 21:20) ጳውሎስ ድማ ምስዚ ብዝሰማማዕ መገዲ: ከምዚ ኢሉ ኣዘኻኸሮም:- “ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ: እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ: ንሱ [የሱስ] ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን [ኰነ]።” (እብራውያን 9:15) እቲ ሓድሽ ኪዳን ንእብራውያን ክርስትያናት ካብቲ ንሓጢኣቶም ዘቃልዐ ብሉይ ኪዳን ናጻ ገበሮም። ነቲ ሓድሽ ኪዳን ምስጋና ይዅኖ: ነቲ ‘ተስፋ ናይ ዘለኣለም [ሰማያዊ] ርስቲ’ ክረኽብዎ ክኢሎም ኢዮም።
10. እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ብምንታይ ኢዮም ንኣምላኽ ዘመስግንዎ፧
10 ‘ብወዲ ዝኣመነ ዅሉ’ ካብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ክጥቀም ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16, 36) ጳውሎስ “እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ” በለ። (እብራውያን 9:28) ሎሚ: እቶም ንየሱስ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ: ካብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀኑ ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናትን እቶም ዘለኣለማዊ ውርሻ ዘለዎም ነቲ ዓቢ ጭፍራ ድማ ዘቝሙ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትን ዘጠቓልሉ ኢዮም። ክልቲኦም ጕጅለታት: ነታ ዝዓበየት መዓልቲ ምትዕራቕን ኣብታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ዝግበር ናይቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ኣገልግሎትን ሓዊስካ: ብምኽንያት እቲ ሓድሽ ኪዳንን ምስኡ ተተሓሒዙ ዘሎ ህይወት ዝህብ በረኸታትን ንኣምላኽ የመስግንዎ ኢዮም።
ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ትሑዝ ምዃን
11. ብመስዋእቲ የሱስ ገይሮም ሕልንኦም ብምጽራይ: እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ተሓጒሶም እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧
11 ጳውሎስ ኣብታ ንእብራውያን ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ: ኣብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምድላው ዝቐረበ መስዋእቲ የሱስ ምስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ብሉይ ኪዳን ምእንቲ ሓጢኣት ተባሂሉ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ተወዳዲሩ ዝበለጸ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኣጕሊሑ ኢዩ። (እብራውያን 9:13-15) እቲ ዝሓሸ መስዋእቲ የሱስ ‘ነቲ ህያው ኣምላኽ ንኸነገልግል ንሕልናና ካብ ምዉት ግብሪ ከንጽሆ’ ክእለት ኣለዎ። ነቶም እብራውያን ክርስትያናት “ምዉት ግብሪ” ክበሃል ከሎ “ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ” ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ድማ: ነቲ ናይ ሓቂ ነስሓ እተገብረሉን ኣምላኽ ከኣ ይቕረ ዝበለሉን ቀደም እተፈጸመ ሓጢኣት ዘጠቓልል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ቅቡኣት ክርስትያናት ጽሩይ ሕልና ብምሓዝ ‘ነቲ ህያው ኣምላኽ የገልግሉ’። እቶም ዓቢ ጭፍራ ድማ ልክዕ ከምኡ። ሕልናኦም “ብደም እቲ ገንሸል” ስለ ዘጽረይዎ: ‘ለይትን መዓልትን እናኣገልገሉ’ ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኢዮም ዘለዉ።—ራእይ 7:14, 15
12. ‘ምሉእ እተረዳእናያ እምነት’ ከም ዘላትና እነርኢ ብኸመይ ኢና፧
12 ብተወሳኺ ጳውሎስ “ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ: ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ: ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ” በለ። (እብራውያን 10:22) ‘ምሉእ እተረዳእናያ እምነት’ ከም ዘላትና ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ተማሕጸኖም:- “እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ: ነታ እሙንቶ [ሰማያዊ] ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:23-25) እምነትና ህያው እንተድኣ ዀይና: ንሕና እውን ‘ኣኼባና ኣይክንሓድግን’ ኢና። ንሕና ንዓኣቶም ንሳቶም ድማ ንዓና ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ: ተስፋና ምድራዊ ይኹን ሰማያዊ ብዘየገድስ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምእዋጁ ትጉሃት ክንከውን ኢና።—ዮሃንስ 13:35
እቲ ‘ናይ ዘለኣለም ኪዳን’
13, 14. እቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለኣለማዊ ዝኸውን በየናይ መገድታት ኢዩ፧
13 ካብቶም 144,000 እቶም ናይ መወዳእታ ሰማያዊ ተስፋኦም ምስ ረኸቡ እንታይ ክፍጸም ኢዩ፧ እቲ ሓድሽ ኪዳን ካብ ዕዮኡ ከቋርጽ ድዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ: ካብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ምድሪ ዝተርፍ ኣባል ኣይክህሉን ኢዩ። ኵሎም ተኻፈልቲ እቲ ኪዳን ምስ የሱስ ‘ኣብታ መንግስቲ ኣቡኡ’ ክዀኑ ኢዮም። (ማቴዎስ 26:29) ነተን ኣብታ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝርከባ ቃላት ጳውሎስ ግን ንዝክረን ኢና:- ‘ኣምላኽ ሰላም ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ነቲ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።’ (እብራውያን 13:20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ኢሳይያስ 55:3) እቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለኣለማዊ ኢዩ ዝበሃል በየናይ መገዲ ኢዩ፧
14 መጀመርታ: ከምቲ ሕጊ ኪዳን ዘይኰነስ: ፈጺሙ መተካእታ ኣየድልዮን ኢዩ። ካልኣይ: ረብሓታት ናይቲ ዕዪኡ ልክዕ ከም ናይ የሱስ ንግስነት ነባሪ ኢዩ። (ሉቃስ 1:33 ምስ 1 ቈረንቶስ 15:27, 28 ኣረኣእያ።) እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለኣለማዊ ቦታ ኢዩ ዘለዋ። (ራእይ 22:5) ሳልሳይ ድማ: ካልኦት ኣባጊዕ ካብቲ ምድላው ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ቀጻሊ ኢዮም ክጥቀሙ። ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ: እሙናት ደቅሰብ ልክዕ ከምዚ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለዉ ‘ኣብታ መቕደሱ ለይትን መዓልትን [ንየሆዋ] ከገልግልዎ’ ኢዮም። የሆዋ ነቲ ብመሰረት ናይ የሱስ ‘ኪዳን ደም’ ይቕረታ ዝገበረሉ ዝሓለፈ ሓጢኣቶም ኣይክዝክሮን ኢዩ። ከም ኣዕሩኽ የሆዋ መጠን ኣብ ቅድሚኡ ጽድቃዊ ኣቕዋም ምስትምቓር ክቕጽሉ ኢዮም: ሕጉ ድማ ገና ኣብ ኣልባቦም ክጸሓፍ ኢዩ።
15. ኣብታ ሓዳስ ዓለም የሆዋ ምስ ምድራውያን ኣምለኽቱ ዝህልዎ ርክብ ግለጽ።
15 ሽዑኸ የሆዋ ብዛዕባ እዞም ሰብኣውያን ኣገልገልቱ “ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ክብልዶ ይኽእል ኢዩ፧ እወ። “ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።” (ራእይ 21:3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ‘ሰፈር እቶም ቅዱሳት:’ ምድራውያን ወኪላት ናይታ ‘ፍቕርቲ ኸተማ:’ ሰማያዊት መርዓት የሱስ ክርስቶስ: ክዀኑ ኢዮም። (ራእይ 14:1፣ 20:9፣ 21:2) ኣብቲ ዝፈሰሰ ‘ኪዳን ደም’ የሱስ እምነት ብምርኣዮምን ነቶም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝነበሩ ሰማያውያን ነገስታትን ካህናትን ስለ እተገዝኡን ኵሉ እዚ ኸም ዝፍጸም ርግጽ ኢዩ።—ራእይ 5:10
16. (ሀ) ነቶም ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ ሰባት እንታይ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዝጽበዮም፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ ናይተን ሽሕ ዓመት እንታይ በረኸታት ኢዩ ክመጽእ፧
16 ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ ምዉታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ (ዮሃንስ 5:28, 29) ንሳቶምውን በቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ ‘ንኽባረኹ’ ዕድመ ክቐርበሎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:18) ንዕኡ ብምግልጋል: ቅቡል መስዋእትታት ብምቕራብ: ከምኡውን ኣብቲ ቤት ጸሎቱ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምሃብ ንስም የሆዋ ከፍቅሩ ኣለዎም። እቶም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ዕረፍቲ ክኣትዉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 56:6, 7) ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት: ኵሎም እሙናት ሰባት በቲ ናይ የሱስ ክርስቶስን ናይቶም 144,000 ብጾቱ ካህናትን ኣገልግሎት ኣቢሎም ናብ ፍጽምና ኽበጽሑ ኢዮም። ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ጻድቃን ክበሃሉ ጥራይ ዘይኰነስ ጻድቃን ክዀኑ ኢዮም። ካብቲ ካብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣትን ሞትን ምሉእ ብምሉእ ናጻ ብምዃን ‘ህይወት ክረኽቡ’ ኢዮም። (ራእይ 20:5፣ 22:2) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ክኸውን! ሎሚ ኣማዕዲና ክንርእዮ ከሎና: እቲ ናይ የሱስ ከምኡውን ናይቶም 144,000 ኣገልግሎት ክህነት ብዓወት እተፈጸመ ኢዩ ዝመስል። በረኸታት ናይታ ዝዓበየት መዓልቲ ምትዕራቕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኢዩ። ብተወሳኺ: የሱስ ‘እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ክውፍያ’ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24) ደቅሰብ ዝጋጠምዎ ናይ መወዳእታ ፈተና ክህሉ ኢዩ: ድሕርዚ ድማ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም።—ራእይ 20:7, 10
17. ብመንጽር እቲ ዝጽበየና ዘሎ ሓጐስ ክርአ ኸሎ: ነፍሲ ወከፍና እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧
17 እቲ ‘ናይ ዘለኣለም ኪዳን’ ኣብቲ ሽዑ ዝጅምር ባህ ዘብል መዋእል እንታይ ግደ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን፧ ከምዚ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ክንብል ቦታና ኣይኰነን። እቲ የሆዋ ክሳዕ ሕጂ ገሊጹልና ዘሎ ነገራት እኹል ኢዩ። በዚ ድማ ኣዚና ኢና እንድነቕ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: ከም ኣባል ናይቲ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኴንካስ ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ማለት እኳ ኢዩ! (2 ጴጥሮስ 3:13) ነዚ መብጽዓ እዚ ንምውራስ ዘሎና ባህጊ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይቕህሞ። ጸኒዕካ ደው ምባል ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም: ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ: ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ” በለ። (እብራውያን 10:36) ከነሰንፎ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ግድል: ክንስዕሮ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ምጽራር ምስቲ ዝጽበየና ዘሎ ሓጐስ ክወዳደር ከሎ ኣብ ቍጽሪ ዘይኣቱ ምዃኑ ግን ዘክር። (2 ቈረንቶስ 4:17) ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ካባና: ‘ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለስ’ ኣይኹን። ኣብ ክንድኡ: ከምቶም “ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ኴንና ንረኸብ። (እብራውያን 10:39) ነፍሲ ወከፍና ዘለኣለማዊ በረኸት ምእንቲ ኽንረክብ ኣብቲ ኣምላኽ ኪዳናት ዝዀነ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ይሃልወና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ሳርቫይቫል ኢንቱ አ ኒው አርዝ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 13 ርአ።
ተረዲኡካዶ፧
◻ ብዘይካ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: መን ኢዮም በቲ ዘርኢ ኣብርሃም እተባረኹ፧
◻ በቲ ሓድሽ ኪዳን በረኸት ንምርካብ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ልክዕ ከምቶም ኣብ ትሕቲ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ጵሮሴሊት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ በቲ ናይታ ዝዓበየት መዓልቲ ምትዕራቕ ምድላው ኣቢሎም እተባረኹ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ጳውሎስ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ‘ናይ ዘለኣለም ኪዳን’ ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]
ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት
እቶም ዓቢ ጭፍራ ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ሓቢሮም ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ ዝዓበየት መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኰይኖም ኢዮም ዘምልኹ። (ራእይ 7:14, 15፣ 11:2) ኣብቲ ንበይኑ እተፈልየ ናይ ኣህዛብ ኣጸድ ኢዮም ዘለዉ ኢልና እንድምድመሉ ምኽንያት የለን። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ኣብታ ቤት መቕደስ ናይ ኣህዛብ ኣጸድ ዝበሃል ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብተን ብመሪሕነት መለኮታዊ ንድፊ እተሃንጻ ናይ ሰሎሞንን ህዝቅኤልን ኣብያተ መቓድስ: ነቲ ናይ ኣህዛብ ኣጸድ ዝኸውን ምድላው ኣይነበረን። ኣብታ ናይ ሰሎሞን ቤት መቕደስ: እስራኤላውያንን ጵሮሴሊትን: ሰብኡትን ኣንስትን: ሓቢሮም ዘምልኽሉ ደጋዊ ኣጸድ ነይሩ ኢዩ። እዚ ትንቢታዊ ጽላሎት ናይቲ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ዝርከብ ምድራዊ ኣጸድ ኢዩ: ዮሃንስ እቶም ዓቢ ጭፍራ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ዝረኣዮም ኣብዚ ቦታ እዚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናብቲ ዓቢ መሰውኢ ተሃኒጽሉ ዝነበረ ውሽጣዊ ኣጸድ ክኣትዉ ዝኽእሉ ካህናትን ሌዋውያንን ጥራይ ኢዮም ነይሮም፣ ናብታ ቅድስቲ ክኣትዉ ዝኽእሉ ድማ ካህናት ጥራይ ኢዮም ነይሮም፣ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ዝኽእል ዝነበረ ኸኣ እቲ ሊቀ ኻህናት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ውሽጣዊ ኣጸድን እታ ቅድስትን ጽላሎት ናይቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ቅቡኣት ዘለዎም ፍሉይ መንፈሳዊ ኵነታት ኢዩ። እታ ቅድስተ ቅዱሳን ድማ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ምስቲ ሰማያዊ ሊቀ ኻህኖም ብምዃን ዘይትመውት ህይወት ዝቕበሉላ ሰማይ ኢያ እተመልክት።—እብራውያን 10:19, 20
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ሓጐስ ብምርኣይ: ‘ንምድሓን ነፍስና [እትኸውን ] እምነት’ ትሃልወና