2 ዜና መዋእል
33 ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+
2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 3 ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡+ ንበዓላት መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ገበረ፡ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።+ 4 ኣብታ የሆዋ፡ “ኣብ የሩሳሌም ስመይ ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ” ዝበለላ+ ቤት የሆዋ ኸኣ፡ መሰውኢታት ሰርሐ።+ 5 ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብቲ ኽልተ ኣጸድ ቤት የሆዋ መሰውኢታት ሰርሓሎም።+ 6 ንኣወዳቱ ኸኣ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ብሓዊ ኣሕለፎም፣+ ስሒር ገበረ፡+ ጠንቈለ፡ ኣስማት ገበረ፡ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ።
7 ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ኸኣ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንበሮ፣+ ብዛዕባኣ ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን፡ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንሓዋሩ ኸንብር እየ።+ 8 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዎም፡ ብዘሎ እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፡ ንኣእጋር እስራኤል ካብታ ንኣቦታቶም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣይከልግስን እየ” ኢሉ ነበረ። 9 ምናሴ ድማ ንይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+
10 የሆዋ ኸኣ ንምናሴን ንህዝቡን ይዛረቦም ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየቕለቡን።+ 11 ሽዑ፡ የሆዋ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ኣሶር ኣንጻሮም ኣምጽአ፣ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብዓንቃሪቦታት ሓዝዎ፡* ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 12 ብጭንቁ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኹ ሞገስ ለመኖ፡* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱ እውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ። 13 ናብኡ ድማ ይጽሊ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ልማኖኡ ራሕርሓሉ፡ ነቲ ናይ ሞገስ ልማኖኡ ድማ ሰምዖ፡ ናብ የሩሳሌም ናብ ንግስናኡ እውን መለሶ።+ ሽዑ፡ ምናሴ፡ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠ።+
14 ድሕርዚ፡ ንኸተማ ዳዊት+ ብምዕራብ ጊሖን+ ኣብቲ ስንጭሮ* ኽሳብ ኣፍ ደገ ዓሳ+ ናይ ወጻኢ መካበብያ ሃነጸ፣ ናብ ዖፌል+ ከኣ ኣዞሮ፡ ኣዝዩ እውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ኣሕሉቕ ሰራዊት ሸመ። 15 ካብ ቤት የሆዋ ኸኣ ጓኖት ኣማልኽትን ምስሊ ጣኦትን ኣርሓቐ፣+ ኣብቲ ኸረን ቤት የሆዋን ኣብ የሩሳሌምን ሰሪሕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣርሓቐ፣+ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ እውን ደርበዮ። 16 ነቲ መሰውኢ የሆዋ ኸኣ ኣዳለዎ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መስዋእቲ ሕብረትን+ መስዋእቲ ምስጋናን+ ሰውአ፣ ንይሁዳ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬገልግልዎ ኣዘዞም። 17 ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡ ነበሩ።
18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሴ፡ እቲ ናብ ኣምላኹ ዝጸለዮ ጸሎትን ቃላት እቶም ብስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ረኣይትን፡ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተመዝጊቡ ኣሎ። 19 ጸሎቱን+ ልማኖኡ ኸመይ ከም እተሰምዐን፡ ኵሉ ሓጢኣቱን ጥልመቱን፡+ በረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣዕኑድ ኣምልኾን*+ ቅሩጽ ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ ኣብ ቃላት ረኣይቱ ተጻሒፉ ኣሎ። 20 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።+
21 ኣሞን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ነገሰ።+ 22 ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ ኣሞን ከኣ ንዅሎም እቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ቅሩጽ ምስልታት+ ይስውኣሎምን የገልግሎምን ነበረ። 23 ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሓተ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርእሱ ኣየትሓተን፣+ የግዳስ፡ ኣሞን ንበደሉ ኣዝዩ ኣብዝሖ። 24 ገላዉኡ ድማ ውዲት ኣለሙሉ+ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 25 ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ንዅሎም እቶም ንንጉስ ኣሞን ውዲት ዝኣለሙሉ ቐተሎም።+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።+