12 “ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ ኣሎ።
ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ይጐዪ ኣሎ።
ሓሶትን ዓመጻን የብዝሕ ኣሎ።
ምስ ኣሶር ኪዳን ይኣትዉ፡+ ናብ ግብጺ እውን ዘይቲ ይወስዱ ኣለዉ።+
2 የሆዋ ምስ ይሁዳ ጕዳይ ኣለዎ፣+
ንያእቆብ ከምቲ መገድታቱ ተሓታቲ ኺገብሮ፡
ከም ግብርታቱ ድማ ኪፈድዮ እዩ።+
3 ኣብ ማሕጸን ንሓዉ ብሸዀናኡ ሒዝዎ፣+
ብሓይሉ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተቓሊሱ።+
4 ምስ መልኣኽ ተቓሊሱ ኣሕሚቑ።
በኽዩ ድማ ሞገሱ ለሚኑ።”+
ንሱ ኣብ ቤት-ኤል ረኺብዎ፡ ኣብኡ እውን ተዛሪቡና፣+
5 ንሱ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡+
ስም መዘከርታኡ ኸኣ የሆዋ እዩ።+
6 “ስለዚ፡ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፣+
ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍትሕን ሓሉ፣+
ወትሩ ድማ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።
7 ኣብ ኢድ ነጋዳይ ግና መታለሊ ሚዛን ኣሎ፣
ንሱ ምዕማጽ ይፈቱ እዩ።+
8 ኤፍሬም፡ ‘ብርግጽ ሃብቲመ፣+
ሃብቲ ረኺበ።+
ኣብ ኵሉ ጻዕረይ፡ ጌጋ ዀነ ሓጢኣት ኣይኪረኽቡለይን እዮም’ ይብል ኣሎ።
9 ኣነ ግና ካብ ምድሪ ግብጺ ኣትሒዘ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+
ከምቲ ብመዓልትታት ምዱብ ግዜ፡
ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ከንብረካ እየ።
10 ንነብያት ተዛሪበ፣+
ራእያቶም ኣብዚሐ፣
ብነብያት ገይረ እውን ምሳሌታት ተዛሪበ።
11 ምስ ጊልዓድ ምትላልን ሓሶትን ኣሎ።+
ኣብ ጊልጋል ኣብዑር ሰዊኦም እዮም።+
መሰውኢታቶም ከኣ ኣብ ነግሕታት ግራት ከም እተዀመረ ኣእማን እዩ።+
12 ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሃዲሙ፣+
እስራኤል+ ምእንቲ ሰበይቲ ኣብኡ ተገዚኡ፣+
ምእንቲ ሰበይቲ እውን ኣባጊዕ ሓልዩ።+
13 የሆዋ ንእስራኤል ብነብዪ ኻብ ግብጺ ኣደይብዎ፣+
ብነብዪ ድማ ተሓልዩ።+
14 ኤፍሬም ኣምሪሩ ኸም ዚዅሪ ገይርዎ፣+
ዕዳ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፣
ጐይታኡ ኸምቲ ጸርፉ ኺፈድዮ እዩ።”+