ሚክያስ
1 ብዘመን ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ናብ ሚክያስ*+ ብዓል ሞረሸት ዝመጸ፡ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ከኣ ብራእይ ዝረኣዮ ቓል የሆዋ፦
2 “ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፡ ስምዑ!
3 እንሆ፡ የሆዋስ ካብ ቦታኡ ይወጽእ ኣሎ፣
ወሪዱ ድማ ንበረኽቲ ምድሪ ኺረግጾ እዩ።
በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፧
ሰማርያ ደይኰነትን፧+
በረኽቲ ይሁዳኸ እንታይ እዩ፧+
የሩሳሌም ደይኰነትን፧
ንዅሎም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።
ንዓታቶምሲ ብዓስቢ ምንዝርና እያ ኣኪባቶም፡
መሊሶም እውን ዓስቢ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም።”
ዋይዋይታይ ከም ናይ ወኻሩ፡*
ሓዘነይ ድማ ከም ናይ ሰገናት ኪኸውን እዩ።
መዓት ናብ ኣፍ ደገ ህዝበይ ናብ የሩሳሌም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።+
10 “ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፣
ጠሪስኩም ኣይትብከዩ።
ኣብ ቤት-ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ።
11 ኣቱም ነበርቲ ሳፊር፡ ዓሪቕኩምን ሓፊርኩምን ተሳገሩ።*
ነበርቲ ጾኣናን ኣይወጹን።*
ኣብ ቤት-ኤጽል ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ፣ ደገፋ እውን ካባኻትኩም ከተርሕቕ እያ።
12 ነበርቲ ማሮትሲ ጽቡቕ ተጸብዮም፣*
ክፉእ ግና ካብ የሆዋ ናብ ኣፍ ደገ የሩሳሌም መጺኡ።
13 ኣቱም ነበርቲ ላኪሽ፡+ ሰረገላ ምስ ጕጅለ ኣፍራስ እሰሩ።*
ኣባኻትኩም በደላት እስራኤል ተረኺቡ እዩ እሞ፡
ንስኻትኩም ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኢኹም ኔርኩም።+
14 ስለዚ፡ ንሞረሸት-ጋት ህያባት ስንብታ ኽትህቡ ኢኹም።
ኣባይቲ ኣክዚብ+ ንነገስታት እስራኤል ዜታልል እዩ ነይሩ።
15 ኣቱም ነበርቲ ማረሻ፡+ ነቲ ሰዓሪ* ኸምጽኣልኩም እየ።*+
ክብሪ እስራኤል ክሳብ ዓዱላም+ ኪመጽእ እዩ።
16 ነቶም እትፈትውዎም ደቅኹም፡ ጸጕርኹም ተመለጡሎምን ተላጸዩሎምን።
ካባኺ ናብ ምርኮ ተወሲዶም እዮም እሞ፡+
ከም ንስሪ ተመለጡ።”