2 ነገስት
14 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል፡ ኣማስያ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዮዓዲን እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+ 3 ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣ ከም ኣቦኡ ዳዊት ግና ኣይነበረን።+ ከም ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዮኣስ ዝገበሮ ደኣ ገበረ።+ 4 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቲ ህዝቢ ድማ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ 5 እታ መንግስቲ ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምስ ኰነት፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።+ 6 ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይቀተሉ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይቀተል” ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዝ የሆዋ፡ ነቶም ደቂ እቶም ቀተልቲ ነፍሲ ኣይቀተሎምን።+ 7 ካብ ኤዶማውያን+ ድማ ኣብ ስንጭሮ ጨው+ 10,000 ሰባት ቀተለ፣ ንሴላዕ ከኣ ብውግእ ሓዛ እሞ፡+ ስማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዮቅትኤል ኰነ።
8 ኣማስያ ድማ ናብ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ንጉስ እስራኤል ልኡኻት ልኢኹ፡ “ንዓ፡ ንሓድሕድና ኣብ ውግእ ንጋጠም”* በሎ።+ 9 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ፡ ‘ጓልካ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ግናኸ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እንስሳ ዘገዳም ሓለፈ እሞ፡ ነቲ እሾዅ ረገጾ። 10 ብርግጽ ንኤዶም ወቒዕካ ኢኻ፣+ ልብኻ ድማ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፡ ኣብ ቤትካ* ድማ ተቐመጥ። ንይሁዳ ምሳኻ ኽትልክሞሲ፡ ስለምንታይ መዓት ኣለዓዒልካ እትወድቕ፧” 11 ኣማስያ ግና ኣይሰምዐን።+
ሽዑ፡ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ፣ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ቤት-ሸመሽ+ ናይ ይሁዳ ንሓድሕዶም ኣብ ውግእ ተጋጠሙ።+ 12 ይሁዳ ኸኣ ብእስራኤል ተሳዕረ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ቤቱ* ሃደመ። 13 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ኣብ ቤት-ሸመሽ ሓዞ። ናብ የሩሳሌም ድማ መጹ፣ ንሱ ኸኣ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ኣፍ ደገ ኤፍሬም+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡+ 400 እመት* ኣፍረሰ። 14 ነቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቕሑን ወሰደ፣ ብዘይካዚ እውን ጅሆ ወሰደ። ናብ ሰማርያ ድማ ተመልሰ።
15 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ እቲ ዝገበሮን ኵሉ ሓይሉን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ኣብ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 16 ዮኣስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ነገስታት እስራኤል ድማ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ የሮብዓም*+ ነገሰ።
17 ኣማስያ+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል 15 ዓመት ብህይወት ጸንሐ።+ 18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣማስያ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 19 ኣብ የሩሳሌም ከኣ ውዲት ኣለሙሉ፣+ ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሃደመ፣ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰደዱ፡ ኣብኣ እውን ቀተልዎ። 20 ኣብ ኣፍራስ ጽዒኖም ከኣ መለስዎ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ 21 ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ነቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ+ ዓዛርያ*+ ወሲዶም፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።+ 22 ንጉስ* ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ንሱ ንኤላት+ ዳግም ሰርሓ፡ ናብ ይሁዳ እውን መለሳ።+
23 ኣብ መበል 15 ዓመት ኣማስያ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፡ የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 41 ዓመት ድማ ነገሰ። 24 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ድማ ኣየልገሰን።+ 25 ንሱ ኸምቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋት-ሔፈር+ ዝዀነ ጊልያኡ ነብዪ ዮናስ+ ወዲ ኣሚታይ እተዛረቦ ቓል፡ ንዶብ እስራኤል ካብ ለቦ-ሓማት*+ ክሳብ ባሕሪ ዓራባ*+ ኣምለሰ። 26 ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ኣዝዩ መሪር ጸበባ እስራኤል ርእዩ ነበረ።+ ንእስራኤል ኪረድእ ዝተረፈ፡ ረዳኢ ኣልቦ ወይ ድኹም እኳ ኣይነበረን። 27 የሆዋ ግና ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማያት ከይድምስሶ ኣተስፍዩ ነበረ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ኣድሓኖም።+
28 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሮብዓም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን ከመይ ከም እተዋግአን ንደማስቆን+ ንሓማትን+ ናብ ይሁዳ ኣብ እስራኤል ከመይ ከም ዘምለሰንን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 29 የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ዓረፈ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።+