ናይ ዳዊት። መዝሙር።
110 የሆዋ ንጐይታይ፡
“ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡
ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።+
2 የሆዋ ኻብ ጽዮን ዘንጊ ስልጣንካ ኺዝርግሕ፡
“ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ከኣ ኪብል እዩ።+
3 ብመዓልቲ ሰራዊትካ፡ ህዝብኻ ፈትዩ ኺመጽእ እዩ።
ግርማዊ ቕድስና ለቢሶም፡ ካብ ከርሲ ወጋሕታ ዚወጹ፡
ከም ኣውሊ ዝበሉ ጭፍራ መንእሰያት ኣለዉኻ።
4 የሆዋ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ
ንዘለኣለም ካህን ኢኻ!”+
ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ።
5 የሆዋ ኣብ የማንካ ኪኸውን፡+
ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ድማ ንነገስታት ኪጭፍልቖም እዩ።+
6 ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ፍርዲ ኺፍጽም፣+
ነታ ምድሪ ብሬሳታት ኪመልኣ እዩ።+
ንመራሒ ገፋሕ ምድሪ ኺጭፍልቖ እዩ።
7 ንሱ ኣብ ጥቓ መገዲ ኻብ ዘሎ ወሓዚ ኺሰቲ እዩ።
ስለዚ፡ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።