መዝሙር
2 እስራኤል ሕጂ፡
“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበል።
3 ኣብ ቤት ኣሮን ዘለዉ፡ ሕጂ፡
“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበሉ።
4 እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ፡ ሕጂ፡
“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበሉ።
6 የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ።+
ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧+
11 ከቢቦምኒ፡ እወ፡ ምሉእ ብምሉእ ከቢቦምኒ፣
ኣነ ግና ብስም የሆዋ
መኪተዮም።
12 ከም ንህቢ ኸቢቦምኒ፣
ግናኸ፡ ከም ሓዊ እሾዅ ብቕልጡፍ ጠፊኦም።
ኣነ ድማ ብስም የሆዋ
መኪተዮም።+
13 ክወድቕሲ ብሓይሊ ተደፊአ፣*
የሆዋ ግና ረዲኡኒ።
14 ያህ መዕቈብየይን ሓይለይን እዩ፣
ድሕነተይ እውን ኰይኑኒ እዩ።+
15 ደሃይ እልልታን ድሕነትን*
ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ኣሎ።
የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓይላ ተርኢ ኣላ።+
16 የማነይቲ ኢድ የሆዋ ልዕል ትብል ኣላ፣
የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓይላ ተርኢ ኣላ።+
19 ኣፍ ደገታት ጽድቂ ኽፈቱለይ፣+
ብእአን ክኣቱን ንያህ ክውድሶን እየ።
20 ኣፍ ደገ የሆዋ እዚኣ እያ።
ጻድቃን ብእኣ ኺኣትዉ እዮም።+
21 መሊስካለይ፡+ ድሕነተይ እውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡
ክውድሰካ እየ።
24 እታ የሆዋ ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣
ብእኣ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ።
25 ኦ የሆዋ፡ ንልምነካ ኣለና፡ በጃኻ ኣድሕነና!
ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኣዐውተና!
27 የሆዋስ ኣምላኽ እዩ፣
የብርሃልና እውን እዩ።+
28 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ክውድሰካ እየ፣
ኦ ኣምላኸይ፡ ልዕል ከብለካ እየ።+