ኢሳይያስ
41 “ኣትን ደሴታት፡ ስቕ ኢልክን ስምዓኒ፣*
ኣህዛብ ሓይሎም ይሓድሱ።
ይቕረቡ እሞ ይዛረቡ።+
ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።
ኣብ ቅድሚ ሰይፉ ኸም ሓመድ፡
ኣብ ቅድሚ ቐስቱ እውን ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓሰር ዝገበሮም መን እዩ፧
3 ኣእጋሩ ብዘይተጓዕዛኦ መገድታት
ብዘይ ዓጋቲ እናሓለፈ ይሰጕጎም።
4 ንወለዶታት ካብ መጀመርታ ብምጽዋዕ
ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ፧
5 ደሴታት ርእየን ፈርሃ።
ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ።
ቀረቡ፡ መጹ ኸኣ።
6 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ይድግፍ፣
ንሓዉ ድማ፡ “በርትዕ” ይብል።
ብዛዕባ እቲ ብየዳ፡ “ጽቡቕ እዩ” ይብል።
ከይክምበል ተባሂሉ ድማ ብመሳምር ጌርካ ይጸንዕ።
ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ።+
ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡+
ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።’
11 እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ኺሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም።+
እቶም ምሳኻ ዚብኣሱ፡ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።+
12 ምሳኻ ዚቃለሱ ሰባት ክትደሊ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን ኢኻ፣
እቶም ዚዋግኡኻ ሰባት ከም ዘየለዉን ከም ዘይነበሩን ኪዀኑ እዮም።+
15 “እንሆ፡ መኼዲ ገይረካ፡+
ክልተ ዝኣፉ ስኒ ዘለዎ ሓድሽ መኼዲ ገይረካ ኣለኹ።
ኣኽራን ክትረግጽን ክትደቍስን፡
ንዅርባታት ከኣ ከም ብቝቡቝ ክትገብሮም ኢኻ።
16 ከተዝርዎም ኢኻ፣
ንፋስ ድማ ኪወስዶም እዩ፣
ህቦብላ ንፋስ ከኣ ፋሕ ኬብሎም እዩ።
17 “ስኡናትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ ኣለዉ፡ ግናኸ የልቦን።
ልሳኖም ብጽምኢ ነቒጹ ኣሎ።+
ኣነ የሆዋ ኽምልሰሎም እየ።+
ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ።+
ንበረኻ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያ ማይ፡
ማይ ንዘይብሉ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ክቕይሮ እየ።+
19 ኣብ ምድረ በዳ ኦም ቄድሮስን
ኦም ሰራውን ኦም ኣደስን ኦም ጽሕዲ ኣለጶን ክተክል እየ።+
ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኦም ጽሕዲ፡*
ምስኡ ድማ ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን ክተክል እየ፣+
20 ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበሮ፡
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ፡
ኵሎም ምእንቲ ኺርእዩን ምእንቲ ኺፈልጡን
ምእንቲ ኬቕልቡን ምእንቲ ኺርድኡን፡ ከምኡ ኽገብር እየ።”+
21 “ጕዳይኩም ኣቕርቡ” ይብል የሆዋ።
“መጐተኹም ኣምጽኡ” ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ።
22 “መርትዖ ኣምጽኡ እሞ፡ እቲ ዚኸውን ንገሩና።
ወይ ብዛዕባ ዚመጽእ ኣስምዑና።+
23 ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡
ኣብ መጻኢ ዚኸውን ንገሩና።+
እወ፡ ምስ ረኣናዮ ኽንግረመሉስ፡
ጽቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።+
24 እንሆ፡ ንስኻትኩም ዘየለኹም ኢኹም፣
ሓንቲ እኳ ኣይትዓምሙን ኢኹም።+
ንዓኻትኩም ዚሓሪ ዘበለ ፍንፉን እዩ።+
26 ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ካብ መጀመርታ፡
‘ቅኑዕ እዩ’ ኽንብልሲ፡ ካብ ቀደም ብዛዕባ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧+
ብሓቂ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረን!
ሓደ እኳ ኣየስምዐን!
ካባኻትኩም ዝሰምዐስ ሓደ እኳ የልቦን!”+
27 ቅድሚ ዅሉ ንጽዮን፡ “እነዉ! እነዉ!” ዝበልክዋ ኣነ እየ።+
ናብ የሩሳሌም ድማ ኣበሳሪ ኽሰድድ እየ።+
28 ግናኸ፡ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣
ምኽሪ ዚህብሲ ኻባታቶም ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ኪምልሱ ኸኣ መመሊሰ ሓተትክዎም።
29 እንሆ፡ ኵላቶም ናይ ሓሶት* እዮም።
ግብርታቶም ገለ እኳ ኣይኰነን።
ፍሱስ ምስሎም ንፋስን ብላሽን እዩ።+