ዘሁልቍ
18 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ንስኻን ደቅኻን ምሳኻ ኸኣ ማይ ቤትካን በቲ ኣብ ልዕሊ መቕደስ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስሕተት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንስኻን ደቅኻን ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ኽህነትኩም ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስሕተት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም።+ 2 ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ፡ ካብ ነገድ ኣቦታትካ ዝዀኑ ኣሕዋትካ፡ ምሳኻ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ከኣ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር+ ምእንቲ ኼገልግሉ+ ኣቕርቦም። 3 ንዓኻን ንብዘሎ እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+ ግናኸ፡ ንሳቶም ኰኑ ንስኻትኩም ምእንቲ ኸይትሞቱ፡+ ናብቲ ኣቕሑ እቲ መቕደስን ናብቲ መሰውእን ኣይቕረቡ። 4 ምሳኻ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኵሉ ኣገልግሎት እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ከኣ ናባኻትኩም ኣይቕረብ።+ 5 ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ተወሳኺ ቝጥዓ ምእንቲ ኸይመጽእ፡+ ነቲ መቕደስን+ ነቲ መሰውእን+ ዘሎኩም ሓላፍነት ፈጽሙ። 6 ኣነ ንኣሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ንዓኻትኩም ውህበት ኪዀኑ ወሲደዮም ኣለኹ።+ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኪፍጽሙ፡ ንየሆዋ እተዋህቡ እዮም።+ 7 ንስኻን ደቅኻን ነቲ ምስቲ መሰውእን ምስቲ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ+ ዘሎን ዚተሓሓዝ ዕዮ ኽህነት ተሓተትቲ ኢኹም፣ ንስኻትኩም ኣገልግሉ።+ ንዓኻትኩም ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህበት ሂበኩም ኣለኹ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ ግና፡ ይቀተል።”+
8 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓይ ዚውሃብ መባእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ።+ ካብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ዚህብዎ ቕዱስ ነገር ሓደ ግደ ንዓኻን ንደቅኻን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+ 9 ካብቲ ብሓዊ ዚግበር ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ መስዋእቲ፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኵሉ መስዋእቲ፡ እንተላይ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን+ መስዋእቲ በደሎምን+ ንዓኻ ይኹን። እዚ ንዓኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። 10 ቅዱስ ቅዱሳን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዓዮ።+ ኵሉ ተባዕታይ ኪበልዖ ይኽእል እዩ። ቅዱስ ድማ ይኹነልካ።+ 11 እቲ እስራኤላውያን ምስ መስዋእቲ ውዝወዛ+ ዚህብዎ መባእ+ እውን ንዓኻ ይኹን። ንዓኻን ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ነዚ ሂበካ ኣለኹ።+ ኣብ ቤትካ ዘሎ ንጹህ ዘበለ ኺበልዖ ይኽእል እዩ።+
12 “ኵሉ ብሉጽ ዘይትን ኵሉ ብሉጽ ጕዕሽ ወይንን እኽልን፡ እቲ ንየሆዋ ዚህብዎ በዅራት፡+ ንዓኻ ሂበካ ኣለኹ።+ 13 ናብ የሆዋ ዜምጽእዎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንዓኻ ይኹን።+ ኣብ ቤትካ ዘሎ ንጹህ ዘበለ ኺበልዖ ይኽእል እዩ።
14 “ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዘበለ ዅሉ፡* ንዓኻ ይኹን።+
15 “ካብ ኵሉ ህያው* ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዘበለ በዅሪ፡+ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ንዓኻ ይኹን። ግናኸ፡ ንበዅሪ ሰብ ብርግጽ ተበጀዎ፡+ ንበዅሪ ርኹስ እንስሳ እውን ተበጀዎ።+ 16 ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ምስ ኰነ፡ በቲ 20 ጌራ* ዝዀነ ሲቃል መቕደስ* እተገምገመ ሓሙሽተ ሲቃል* ብሩር፡+ ብዋጋ በጃ ተበጀዎ። 17 በዅሪ ዘበለ ብዕራይ፡ በዅሪ ዘበለ ገንሸል፡* ወይ በዅሪ ዘበለ ጤል ኣይትበጀዎም።+ እዚኣቶም ቅዱሳት እዮም። ደሞም ኣብቲ መሰውኢ ንጸጎ፡+ ስብሖም ከኣ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣሕርሮ።+ 18 ስጋኦም ድማ ንዓኻ ይኹን። ከም ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ከም የማናይ እግርን ንዓኻ ይኹን።+ 19 እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚህብዎ ዅሉ ቕዱስ መባእ፡+ ንዓኻን ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+ እዚ ንዓኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ጨው* እዩ።”
20 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ የብልካን፡ ኣብ መንጎኦም ከኣ ናትካ ግደ ዚኸውን ምድሪ የብልካን።+ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ግደኻን ርስትኻን ኣነ እየ።+
21 “ንደቂ ሌዊ ድማ፡ ስለቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎቶም፡ ኵሉ ዕሽር እስራኤል ከም ርስቲ ሂበዮም ኣለኹ።+ 22 ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ምእንቲ ኸይጾሩን ምእንቲ ኸይሞቱን፡ ድሕሪ ደጊም ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ። 23 ሌዋውያን ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ይፈጽሙ፡ ብስሕተቶም ከኣ ንሳቶም ተሓተትቲ ይኹኑ።+ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ርስቲ ኸይርስተዩ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 24 እቲ ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ዚህብዎ ዕሽር ንሌዋውያን ርስቲ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ። ስለዚ እየ፡ ‘ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ርስቲ ኣይረስተዩ’ ዝበልክዎም።”+
25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 26 “ንሌዋውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካብ እስራኤላውያን እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ዝሃብኩኹም ዕሽር ክትወስዱ ኢኹም፣+ ካብኡ ድማ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ንየሆዋ መባእ ኪኸውን ሃቡ።+ 27 እዚ ኸኣ ከም መባእኩም፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚእከብ እኽሊ+ ወይ ከምቲ ኻብ መጽመቝ ወይኒ ወይ መጽመቝ ዘይቲ ዚእከብ ኣኺሉ ዚተርፍ እቶት ይቝጸረልኩም። 28 በዚ ኸምዚ፡ ንስኻትኩም እውን ካብ ኵሉ እቲ ኻብ እስራኤላውያን እተቐበልኩምዎ ዕሽር ንየሆዋ መባእ ትህቡ፣ ካብኡ ኸኣ መባእ የሆዋ፡ ንኻህን ኣሮን ሃቡ። 29 ካብ ኵሉ እቲ እተዋህበኩም ውህበት፡+ ኵሉ እቲ ዝበለጸ፡ ቅዱስ ኪኸውን ንየሆዋ መባእ ሃቡ።’
30 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ እትህቡ፡ ንሌዋውያን ከም እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቝ ወይኒ ወይ መጽመቝ ዘይቲ ኪቝጸረሎም እዩ። 31 ስለቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ዓስብኹም ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ኽትበልዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።+ 32 ካብኡ እቲ ዝበለጸ ኽሳዕ ዝሃብኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይክትጾሩን ኢኹም፣ ከይትሞቱስ፡ እቲ እስራኤላውያን ዝቐደስዎ ኣይተርክሱ።’”+