መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+
ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።+
2 እዝንኻ ናባይ ኣድንን።*
ከተናግፈኒ ቐልጢፍካ ምጻእ።+
ዕርዲ ኸረን፡
እወ፡ ዕርዲ ድሕነተይ ኩነኒ።+
6 ነቶም ንዘይጠቕሙ ኸንቱ ጣኦታት እተወፈዩ እጸልኦም እየ፣
ኣነ ግና ብየሆዋ እየ ዝእመን።*
8 ናብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍካ ኣይሃብካንን፣
የግዳስ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ* ደው ኣቢልካኒ።
9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።
ጓሂ ንኣዒንተይ ኰነ ንብዘሎ ሰብነተይ* ኣድኪምዎ።+
ብሰሪ ስሕተተይ ሓይለይ ማህሚኑ፣
ኣዕጽምተይ ድማ ደኺሙ።+
11 ኵሎም ተጻረርተይ፡
ምናዳ ኸኣ ጐረባብተይ ኣስተናዒቖምኒ።+
ፈለጥተይ ብኣይ ርዒዶም፣
ኣብ ግዳም ምስ ዚርእዩኒ፡ ካባይ ይሃድሙ ኣለዉ።+
12 ከም ዝሞትኩስ፡ ካብ ልቦም* ኣውጺኦምንን ተረሲዐን፣
ከም ስቡር ሳርማ ዀይነ።
13 ብዙሕ ክፉእ ወረ ሰሚዐ፣
ሽበራ ይኸብበኒ ኣሎ።+
14 ኣነ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ እእመን* እየ።+
“ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” እብል እየ።+
15 መዓልትታተይ* ኣብ ኢድካ እየን።
ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።+
16 ገጽካ ኣብ ልዕሊ ጊልያኻ ኣብርሃዮ።+
ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ።
18 እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ብንዕቀትን ተመኪሐን ዚዛረባኦ
ሓሰውቲ ኸናፍር ዓባሳት ይኹና።+
22 ኣነስ ሰምቢደ፡
“ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍእ እየ” ኢለ ነይረ።+
ናባኻ ምስ ኣእወኹ ግና፡ ንስኻ ልማኖይ ሰሚዕካ።+