ዘዳግም
24 “ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ እንተ ተመርዕዩ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ግና ባህ እንተ ዘይኢላቶ፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ+ ኣብ ኢዳ ይሃባ፡ ካብ ቤቱ ኸኣ ይስደዳ።+ 2 ካብ ቤቱ ምስ ወጸት፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ክትከውን ትኽእል እያ።+ 3 እቲ ኻልኣይ ሰብኣይ እውን እንተ ጸሊእዋ፡* ጽሑፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ድማ ኣብ ኢዳ እንተ ሂብዋ እሞ ኻብ ቤቱ እንተ ሰዲድዋ፡ ወይ እቲ እተመርዓዋ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞይቱ፡ 4 እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ምስ ረኸሰት፡ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኺወስዳ ኣይፍቀደሉን እዩ፣ እዝስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ። ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽእ።
5 “ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ተመርዓወ፡ ኣብ ሰራዊት ኣየገልግል፡ ወይ ዝዀነ ኻልእ ዚዕየ ግቡእ ኣይውሃቦ። ሓደ ዓመት ኣብ ቤቱ ናጻ ይኹን፡ ንሰበይቱ ድማ የሐጕሳ።+
6 “ሓደ እኳ ኸም ትሕጃ ገይሩ መጥሓን ወይ መዲድ ኣይውሰድ፣+ እዝስ መነባብሮ ህይወት* ከም ትሕጃ ጌርካ ምውሳድ እዩ።
7 “ሓደ ሰብ ንሓደ* ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ እስራኤላውያን ጨውዩ እንተ ገፊዕዎን እንተ ሸይጥዎን፡+ እቲ ጨዋዪ ይሙት።+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+
8 “ሕማም ደዌ* እንተ ተረኺቡ፡ ከም ኵሉ እቲ ሌዋውያን ካህናት ዚምህሩኹም ተጠንቂቕኩም ግበሩ።+ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎም ተጠንቂቕኩም ግበሩ። 9 ካብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸለኹም፡ የሆዋ ኣምላኽካ ንሚርያም ዝገበራ ዘክር።+
10 “ንብጻይካ ገለ ልቓሕ እንተ ኣለቂሕካዮ፡+ ትሕጃ ኪኸውን ዚህበካ ነገር ክትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ። 11 ኣብ ግዳም ደው በል፡ እቲ ዘለቃሕካዮ ሰብ ድማ ነቲ ትሕጃ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮ። 12 እቲ ሰብ ሽጉር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ነቲ ትሕጃ ምሳኻ ኣይተሕድሮ።+ 13 ነቲ ትሕጃ ጸሓይ ምስ ዓረበት ምለሰሉ፣ ንሱ ድማ ምስ ክዳኑ ኺድቅስን+ ኪምርቐካን እዩ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ እውን ጽድቂ ኪዀነልካ እዩ።
14 “ንሽጉር ወይ ንድኻ ወዓላይ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ ዀነ፡ ወይ ኣብ ምድርኻ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ጓና፡ ኣይትዓምጾ።+ 15 ሽጉር ስለ ዝዀነን ህይወቱ* ኣብኡ ስለ ዚምርኰስን፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ጸሓይ ከይዓረበት ውዕለቱ ሃቦ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ ኺጠርዓልካ እዩ፡ ሓጢኣት ድማ ኪዀነካ እዩ።+
16 “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይቀተሉ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ።+ ሰብ ብሓጢኣቱ ጥራይ ይቀተል።+
17 “ንጓና ወይ ንዘኽታም* ፍርዲ ኣይተቕንን፣+ ክዳን መበለት ከኣ ትሕጃ ጌርካ ኣይትውሰድ።+ 18 ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ካብኣ ተበጀወካ።+ ስለዚ እየ እዚ ኽትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ።
19 “ዓጺድካ ኻብ ግራትካ ኽትዓጽድ ከለኻ፡ ኣብ ግራትካ እንዳእቲ እንተ ረሲዕካ፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ። የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምእንቲ ኺባርኸካ፡+ ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን።+
20 “ኣውልዕካ ምስ እተርግፍ፡ መሊስካ ነቲ ጨናፍር ከምኡ ኣይትግበር። እቲ ዝተረፈስ ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን።+
21 “ካብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ፍረ ወይኒ ምስ እትእክብ፡ ነቲ ዝተረፈ ኽትእክቦ ኣይትመለስ። ንሱስ ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን። 22 ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር። ስለዚ እየ እዚ ኽትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ።