ሚልክያስ
3 “እንሆ፡ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፣ ንሱ ድማ ቀቅድመይ መገዲ ኺጸርግ* እዩ።+ ብሃንደበት ከኣ እቲ እትደልይዎ ናይ ሓቂ ጐይታ ናብ ቤተ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣+ እቲ ብእኡ ደስ ዝበለኩም ልኡኽ እቲ ኺዳን ድማ ኪመጽእ እዩ። እንሆ፡ ብርግጽ ኪመጽእ እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
2 “ግናኸ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ኪጻወራ እዩ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎ መን ኪቐውም ይኽእል፧ ንሱስ ከም ሓዊ ዀላዕን ከም ሳሙና+ ሓጻባይን ኪኸውን እዩ። 3 ከም ኰላዕን ኣጽራይን ብሩር ኪቕመጥ፡+ ንደቂ ሌዊ ድማ ኬጽርዮም እዩ፣ ከም ወርቅን ከም ብሩርን ኬጽርዮም* እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ብርግጽ ንየሆዋ ብጽድቂ መባእ ዜቕርቡሉ ህዝቢ ኪዀኑ እዮም። 4 መባእ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ፡ ከም ናይ ቀደም መዓልትታትን ከም ናይ ጥንቲ ዓመታትን ንየሆዋ ባህ ኬብሎ* እዩ።+
5 “ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን+ ኣንጻር ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን+ ኣንጻር እቶም ንዕሱብን+ ንመበለትን ንዘኽታምን*+ ዚዕምጹን ኣንጻር እቶም ንጓና+ ምሕጋዝ ዚኣብዩን* ፈጣን ምስክር ክኸውን እየ። እዚኣቶምሲ ኣይፈርሁንን” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
6 “ኣነስ የሆዋ እየ፣ ኣይልወጥን እየ።*+ ንስኻትኩም ድማ ደቂ ያእቆብ ኢኹም፣ ገና ኸኣ ኣይተወዳእኩምን። 7 ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ኣትሒዝኩም ካብ ስርዓታተይ ኣልጊስኩም ኢኹም፡ ኣይሓሎኹምዎን እውን።+ ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርና ኢና ኽንምለስ፧” ትብሉ ኣለኹም።
8 “ሰብዶ ንኣምላኽ ይሰርቆ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም።”
“ከመይ ጌርና ኢና ዝሰረቕናካ፧” ድማ ትብሉ ኣለኹም።
“ብዕሽርን ብመባእን እዩ። 9 ንስኻትኩም ትሰርቁኒ ኣለኹም፡ እወ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸምኡ ይገብር ኣሎ እሞ፡ ብርግጽ ርጉማት ኢኹም።* 10 ኣብ ቤተይ ምግቢ ኺህሉስ፡+ ብዘሎ ዕሽር ናብቲ ማዕከን ኣምጽኡ፣+ መሳዅቲ ሰማያት እንተ ዘይከፊተልኩም፡+ ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለኩም ድማ በረኸት እንተ ዘየፍሲሰልኩም* ክትርእዩስ፡ በዚ ግዳ ፈትኑኒ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
11 “ንወሓጢ* ኸኣ ክገንሓልኩም እየ፣ ንሱ ድማ ፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍእን እዩ፣ ኣብ ግራት ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ከኣ ፍረ ዘይብሉ ኣይኪኸውንን እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
12 “ምድሪ ደስታ ኽትኰኑ ኢኹም እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ሕጉሳት ኪብልኹም እዮም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
13 “ኣንጻረይ እተዘርበ ቓላትኩም በርቲዑኒ” ይብል የሆዋ።
“ንሓድሕድና ኸመይ ጌርና ኣንጻርካ ተዛሪብና፧” ትብሉ ኣለኹም።+
14 “ከምዚ ትብሉ ኣለኹም፦ ‘ንኣምላኽ ምግልጋል ዋጋ የብሉን።+ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ግዴታ ምሕላውናን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ጕሁያት ኴንና ምምልላስናን እንታይ ጠቒሙና፧ 15 ሕጂ ንተዳፈርቲ ሕጉሳት ንብሎም ኣለና። እቶም እከይ ዚገብሩ እውን ዕዉታት እዮም።+ ንኣምላኽ ፈቲኖምዎስ የምልጡ።’”
16 ሽዑ፡ እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ተዛራረቡ፣ የሆዋ ኸኣ ኣቕለበን ሰምዐን። ነቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎን ነቶም ንስሙ ዜስተንትኑሉን*+ ድማ መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።+
17 “በታ ፍሉይ ጥሪተይ*+ ዝገብረላ መዓልቲ፡ ናተይ ኪዀኑ እዮም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ከምቲ ሰብ ንዜገልግሎ ወዱ ዚርሕርሓሉ፡ ኣነ ኽርሕርሓሎም እየ።+ 18 ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”+