ጭቁን ምስ ቀበጸ፡ ሻቕሎቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍሲሱ ዚጽልዮ ጸሎት።+
102 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+
ኣውያተይ ከኣ ኣባኻ ይብጻሕ።+
2 ብግዜ ጭንቀይ ገጽካ ኣይትሕብኣለይ።+
እዝንኻ ኣድንነለይ፣
ክጽውዓካ ኸለኹ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+
3 መዓልትታተይሲ ኸም ትኪ ይበንና ኣለዋ፣
ኣዕጽምተይ ድማ ከም መጋርያ ሓሪሩ።+
4 ምግበይ ምብላዕ ረሲዐ እየ እሞ፡
ልበይ ከም ሳዕሪ ተወቒዑን ጸምልዩን።+
5 ዓው ኢለ ኻብ ምግዓረይ እተላዕለ፡+
ኣዕጽምተይ ምስ ስጋይ ተላጊቡ።+
6 ሓሓት በረኻ መሲለ፣
ከም ንእሽቶ ጕንጓ ኣብ ዑናታት ኰይነ።
7 ሰለም ከየበልኩ በጥ እብል፣
ከምታ ኣብ ናሕሲ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ።+
8 ጸላእተይ ምሉእ መዓልቲ የባጭዉለይ።+
እቶም ዜላግጹለይ ብስመይ ይረግሙ።
9 ንሓምዅሽትስ ከም እንጌራ እበልዖ ኣለኹ፣+
መስተይ እውን ምስ ንብዓት እተሓወሰ እዩ።+
10 ብምኽንያት ኵራኻን ቍጥዓኻንሲ፡
ኣልዒልካ ደርቢኻኒ።
11 መዓልትታተይ ከም ዚሃስስ ጽላሎት እየን፣+
ኣነ ድማ ከም ሳዕሪ እጽምሉ ኣለኹ።+
12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፣+
ዝናኻ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።+
13 ንዓኣ ሞገስካ እተርእየሉ ግዜ፡+
እቲ ምዱብ ግዜ በጺሑ እዩ እሞ፡+
ብርግጽ ክትትንስእን ንጽዮን ክትምሕራን ኢኻ።+
14 ከመይሲ፡ ገላዉኻ ብኣእማና ባህ ይብሎም፡+
ንሓመዳ እውን ይፈትውዎ እዮም።+
15 ኣህዛብ ንስም የሆዋ፡
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርህዎ እዮም።+
16 የሆዋ ንጽዮን ዳግም ኪሃንጻ እዩ፣+
ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።+
17 ንጸሎት ነዳያት ኬቕልበሉ እዩ፣+
ንጸሎቶም ኣይኪንዕቆን እዩ።+
18 እቲ ገና ዚውለድ ህዝቢ ንያህ ምእንቲ ኺውድሶ፡
እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ እዩ ተጻሒፉ።+
19 ካብቲ ቕዱስ ላዕሉ ኣንቈልቊሉ ይጥምት፣+
የሆዋ ኻብ ሰማያት ናብ ምድሪ ይርኢ፣
20 በዚ ኸምዚ፡ እህህታ እሱር ይሰምዕ፣+
ነቶም ንሞት እተፈርዶም ይፈትሖም።+
21 ስም የሆዋ ኣብ ጽዮን፡
ውዳሰኡ ድማ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ኺንገር ከምኡ ይገብር።+
22 ነዚ ኸኣ ህዝብታትን መንግስትታትን
ንየሆዋ ንምግልጋል ምስ ተኣከቡ እዩ ዚገብሮ።+
23 ንሓይለይ ቅድሚ ግዜኡ ኣድኪምዎ፣
ንመዓልትታተይ ኣሕጺርወን።
24 ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ፦ “ኦ ኣምላኸይ፡
ኣታ ዓመታቱ ንውሉድ ወለዶ ዝዀንካ፡+
ኣብ ፍርቂ ህይወተይ ኣይተጥፍኣኒ።
25 ጥንቲ፡ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣
ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።+
26 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣
ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም።
ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪሓልፉ እውን እዮም።
27 ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ።+
28 ደቂ ገላዉኻ ብደሓን ኪነብሩ፡
ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።”+