ዘዳግም
26 “ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ተረስቲኻያ ኸኣ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ፡ 2 ካብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ ኻብ እትእክቦ በዅሪ ዅሉ ፍረ ምድሪ ውሰድ፣ ኣብ ከፈር ጌርካ ድማ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ኺድ።+ 3 ናብቲ በተን መዓልትታት እቲአን ዜገልግል ካህን ኬድካ፡ ‘ናብታ የሆዋ ንዓና ኺህበና ንኣቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣቶኹ፡ ሎሚ ንየሆዋ ኣምላኽካ አፍልጥ ኣለኹ’ በሎ።+
4 “እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ የንብሮ። 5 ንስኻ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምዚ በል፦ ‘ኣቦይ ኰብለል ዚብል* ኣራማዊ ነበረ፣+ ናብ ግብጺ ወሪዱ ድማ፡+ ቤተ ሰቡ ሒደት ከሎ ጓና ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ።+ ኣብኣ ግና ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ።+ 6 ግብጻውያን ከኣ ገፍዑና፡ ጨቈኑና፡ ብርቱዕ ባርነት ድማ ጸዓኑና።+ 7 ንሕና ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣእወና፣ የሆዋ ድማ ድምጽና ሰምዐ፡ ጸበባናን ሽግርናን ጭቈናናን እውን ረኣየ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን+ ብዜሸብር ግብርታትን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን+ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። 9 ናብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣምጽኣና፣ ነዛ ምድሪ እዚኣ፡ ነዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ሃበና።+ 10 ሕጂ ድማ፡ በዅሪ ፍረ እታ የሆዋ ዝሃበኒ ምድሪ ኣምጺአ ኣለኹ።’+
“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስገድ። 11 በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ንዓኻን ንቤተ ሰብካን ዝሃበካ ዅሉ ጽቡቕ፡ ንስኻ ምስ ሌዋውን ኣብ መንጎኻ ምስ ዚነብር ጓናን ክትሕጐስ ኢኻ።+
12 “ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር+ ኵሉ እቶትካ ኣውጽኢካ ምስ ወዳእካ፡ ንሌዋውን ንጓናን ንዘኽታምን* ንመበለትን ሃቦም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* በሊዖም ይጽገቡ።+ 13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ከምዚ በል፦ ‘እቲ ቕዱስ ግደ ኻብ ቤተይ ኣውጺአ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ድማ ንሌዋውን ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ሂበ እየ።+ ትእዛዛትካ ኣይጠሓስኩን፡ ዕሽሽ እውን ኣይበልኩን። 14 ኣብ እዋን ሓዘነይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ርኹስ ከለኹ ኸኣ ካብኡ ኣይተንከኹን፡ ካብኡ እውን ንምዉት ኣይሃብኩን። ድምጺ የሆዋ ኣምላኸይ ሰሚዐ፡ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝካኒ እውን ገይረ እየ። 15 ካብቲ ቕዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማያት ኣንቈልቊልካ ጠምት፣ ንህዝብኻ እስራኤልን ነታ ኸምቲ ንኣቦታትና ዝመሓልካሎም+ ንዓና ዝሃብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡+ ባርኽ።’+
16 “በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ኣምላኽካ ነዚ ስርዓታትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ። ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ሓልዎን ግበሮን።+ 17 ብመገድታቱ ምስ እትመላለስ፡ ስርዓታቱን+ ትእዛዛቱን+ ፍርድታቱን+ ከኣ ምስ እትሕሉ፡ ድምጹ እውን ምስ እትሰምዕ፡ ንሱ ኣምላኽካ ኸም ዚኸውን፡ ሎሚ ቓል የሆዋ ረኺብካ ኣለኻ። 18 ከምቲ ዘተስፈወካ፡ ህዝቡ፡ ፍሉይ ጥሪቱ*+ ኸም እትኸውን፡ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ከም እትሕሉ፡ ሎሚ የሆዋ ቓልካ ረኺቡ ኣሎ። 19 ንየሆዋ ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ምስ እትኸውን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ልዕሊ ዅሎም እቶም ዝገበሮም ኣህዛብ ልዕል ኬብለካ፡+ ውዳሰን ዝናን ክብርን እውን ኪህበካ እዩ።”+