ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። መስኪል። ዚፋውያን መጺኦም ንሳኦል፡ “ዳዊት ኣብ መንጎና ተሓቢኡ ኣሎ” ምስ በልዎ፡ ዳዊት ዝዘመሮ።+
54 ኦ ኣምላኽ፡ ብስምካ ኣድሕነኒ፣+
ብሓይልኻ እውን ተጣበቐለይ።+
2 ኦ ኣምላኽ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+
ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።
3 ከመይሲ፡ ካልኦት ይትንስኡኒ፡
ጨካናት ድማ ንህይወተይ ይደልይዋ ኣለዉ።+
ንኣምላኽ ግዱ የብሎምን።+ (ሴላ)
4 እንሆ፡ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣+
የሆዋ ምስቶም ዚድግፉኒ እዩ።
5 ንጸላእተይ ከም እከዮም ኪፈድዮም እዩ፣+
ብተኣማንነትካ መወዳእታ ግበረሎም።+
6 ብፍታው ክስውኣልካ እየ።+
ኦ የሆዋ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ንስምካ ኽውድሶ እየ።+
7 ንሱስ ካብ ኵሉ ጭንቂ የድሕነኒ እዩ እሞ፡+
ንጸላእተይ ብዓወት ክርእዮም እየ።+