ኢሳይያስ
4 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ ኣጽኒዐን ኪሕዛኦ፡+
“እንጌራና ኽንበልዕ፡
ክዳንና እውን ክንክደን ኢና፣
ብስምካ ኽንጽዋዕ ጥራይ ፍቐደልና” ኺብላኦ እየን።
2 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ የሆዋ ዜጠጥዖ ንጌጽን ንኽብርን ኪኸውን፡ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ሓበንን ጽባቐን እቶም ተረፍ እስራኤል ኪኸውን እዩ።+ 3 ኣብ ጽዮን እተሓድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ንህይወት እተጻሕፈ፡ ቅዱስ ኪብሃል እዩ።+
4 የሆዋ ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን፡*+ ንርስሓት* ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሓጸበ፡+ ንምፍሳስ ደም የሩሳሌም ካብ ማእከላ ምስ ኣጽረየ፡ 5 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ቦታ ኸረን ጽዮንን ኣብ ልዕሊ ቦታ ኣኼባታታን፡ ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ብሩህ ሃልሃልታ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ፣+ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ዘበለ ዅሉስ መዕቈቢ ኪኸውን እዩ። 6 ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡+ ካብ ሃጽፍን ዝናምን እውን መዕቈብን መዕቀልን ዚኸውን ዳስ ኪህሉ እዩ።+