መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት እቲ ጊልያ የሆዋ።
36 ኣበሳ ንእኩይ ኣብ ውሽጢ ልቡ ይዛረቦ፣
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።+
2 ስሕተቱ ኸም ዘይርከብን ከም ዘይጽላእን ገይሩስ
ብኣዒንቱ ንርእሱ ይሽሕጣ።+
3 ቃላት ኣፉ ጐዳእን መታለልን እዩ፣
ሰናይ ንምግባር ከኣ ልቦና የብሉን።
4 ኣብ ዓራቱ እኳ ኽፍኣት ይሓስብ።
ጽብቕቲ ኣብ ዘይኰነት መገዲ ይቐውም፣
ንኽፉእ ኣይነጽጎን።
5 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽሳብ ሰማያት፡+
ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ደበናታት ይበጽሕ።
7 ኦ ኣምላኽ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽንደይ ክቡር እዩ!+
ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ፡ ደቂ ሰብ ይምዕቈቡ።+
11 እግሪ ዕቡይ ኪረግጸኒ፡
ኢድ እኩያት ኪሰጕጐኒ ኣይትሕደግ።
12 ገበርቲ ኽፉእ ኣብኣ ወዲቖም፣
ተደፊኦም፡ ኪትንስኡ ድማ ኣይክእሉን እዮም።+