ዘዳግም
17 “ጕድለት ወይ ዝዀነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትሰውኣሉ።+
2 “ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታትካ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ኪገብርን ኪዳኑ ኺጥሕስን እንተ ተረኺቡ፡+ 3 ከይዱ ኸኣ ኣነ ንዘይኣዘዝክዎ+ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኹ፡ ንዓታቶም ወይ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ እንተ ሰጊዱሎም፡ 4 እዚ ምስ ተነግረካ ወይ ብዛዕባኡ ምስ ሰማዕካ፡ ነቲ ነገር ኣጸቢቕካ መርምሮ። እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡+ 5 ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ኣፍ ደገታት ከተማ ኣውጽኣዮ፣ እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቀተል።+ 6 እቲ ዚመውት ብምስክርነት* ክልተ መሰኻኽር ወይ ሰለስተ መሰኻኽር+ ይቀተል። ብምስክርነት ሓደ ምስክር ኣይቀተል።+ 7 ንምቕታሉ፡ ቅድም ኢድ እቶም መሰኻኽር ኣብ ልዕሊኡ ትኹን፣ ድሕሪኡ፡ ኢድ ኵሉ ህዝቢ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+
8 “ኣብ ሓደ ኻብ ከተማታትካ ኽትፈርዶ ዜጸግመካ ነገር እንተ ተላዒሉ፡ እቲ ነገር ከኣ ብዛዕባ ምፍሳስ ደም፡+ ወይ ብዛዕባ ጥርዓን፡ ወይ ብዛዕባ መውቃዕቲ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ ባእሲ እንተ ዀይኑ፡ ተንሲእካ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ኺድ።+ 9 ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልትታት እቲአን ዘሎ ፈራድን+ ኬድካ ሕተት፣ ንሳቶም ድማ ውሳነ ኺነግሩኻ እዮም።+ 10 ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ዝነገሩኻ ውሳነ ግበር። ከም ኵሉ እቲ ዝኣዘዙኻ ተጠንቂቕካ ግበር። 11 ከምቲ ዜርእዩኻ ሕግን ከምቲ ዚነግሩኻ ውሳነን ግበር።+ ካብቲ ዚነግሩኻ ውሳነ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 12 እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንዜገልግል ካህን ወይ ንፈራዲ ብዘይምስማዕ ዚዳፈር ሰብ፡ ይሙት።+ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።+ 13 ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፣ መሊሱ እውን ኣይኪዳፈርን እዩ።+
14 “ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻን ምስ ተረስተኻያን ምስ ነበርካላን፡ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ክሸይም’ እንተ ኢልካ፡+ 15 ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርየልካ ንጉስ ብርግጽ ሽም።+ ካብ መንጎ ኣሕዋትካ ንጉስ ሽም። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኸይትሸይም ተኸልኪልካ ኢኻ። 16 ግናኸ፡ ንዕኡ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፡+ ወይ ኣፍራስ ኬብዝሕ ኢሉ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ፣+ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ደጊም በዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለሱ’ ኢሉኩም እዩ። 17 ልቡ ኸየላግስ ድማ፡+ ንዕኡ ኣንስቲ ኣየብዝሕ፣ ንዕኡ ድማ ብሩርን ወርቅን እምብዛ ኣየብዝሕ።+ 18 ኣብ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቲ ምስ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንዕኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ* ይጽሓፍ።+
19 “ፍርሃት የሆዋ ኣምላኹ ምእንቲ ኺምሃር፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዝን እዚ ስርዓታት እዝን ከኣ ምእንቲ ኺገብር፡+ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ የንብቦ።+ 20 በዚ ኸምዚ፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ልዕል ኣይብልን፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላግስን፣ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ማእከል እስራኤል ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ነዊሕ ግዜ ይጸንሕ።