ዘካርያስ
7 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ቃል የሆዋ ናብ ዘካርያስ+ መጸ። 2 ህዝቢ ቤት-ኤል ከኣ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑ* ኢሎም ንሻሬጽርን ንረገም-ሜሌክን ንሰቡን ለኣኽዎም፣ 3 ንዓታቶም ድማ ንኻህናት ቤት* የሆዋ ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን፡ “ከምቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበርክዎ፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ+ ኽበክን ካብ ምግቢ ኽሕረምንዶ፧” ኪብልዎም ለኣኽዎም።
4 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 5 “ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሓምሸይቲ ወርሕን ኣብ ሻውዐይቲ ወርሕን+ ን70 ዓመት+ ኣብ እትጾሙሉን ዋይዋይ ኣብ እትብሉሉን ዝነበርኩም እዋን፡ ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ጾይምኩምለይ፧ 6 ኣብ እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ዝነበርኩም እዋንከ፡ ንርእስኹም ደይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን ዝነበርኩም፧ 7 ነቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ብሰላም ነባሪ ኣብ ዝነበረለንን ኣብ ነጌብን ሼፈላን ነባሪ ኣብ ዝነበረሉን እዋን የሆዋ በቶም ቀዳሞት ነብያት ኣቢሉ ዝኣወጆ ቓልዶ ኽትእዘዙ ኣይግብኣኩምን፧’”+
8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ ንዘካርያስ መጾ፦ 9 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብናይ ሓቂ ፍትሒ ፍረዱ፣+ ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን+ ተምሓሓሩን። 10 ንመበለት ወይ ንዘኽታም፡*+ ንጓና+ ወይ ንድኻ+ ኣይትዓምጹ፣ ብልብኹም ድማ ሓደ ነቲ ሓደ እከይ ኣይሕሰበሉ።’+ 11 ንሳቶም ግና ምቕላብ ኣብዮም፡+ ብንቕጽና ኸኣ ዝባኖም መሊሶም፡+ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ደፊኖም።+ 12 ልቦም ከም ኣልማዝ*+ ገይሮም፣ ነቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ገይሩ በቶም ቀዳሞት ነብያቱ ዝሰደዶ ሕግን* ቃላትን ኣይተኣዘዙን።+ ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ መጺእዎም።”+
13 “‘ከምቲ ኣነ ምስ ጸዋዕኩ* ዘይሰምዑ፡+ ንሳቶም ምስ ጸውዑ እውን ኣይሰምዖምን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 14 ‘ኣብ ዘይፈልጥዎም ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ብህቦብላ ንፋስ ፋሕ ኣቢለዮም፣+ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ናብ መሰክሒ ለዊጦምዋ እዮም እሞ፡ ብድሕሪኦም እታ ምድሪ ብእኣ ዚሓልፍ ኰነ ዚምለስ ዘይብላ ባድም ኰይና ተሪፋ ነይራ።’”+