14 ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፣+
ዓሻ ግና ብገዛእ ኣእዳዋ ተፍርሶ።
2 ብቕንዕናኡ ዚመላለስ፡ ንየሆዋ ይፈርሆ፣
መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ይንዕቆ።
3 በትሪ ትዕቢት ኣብ ኣፍ ዓያሹ እዩ፣
ከናፍር ጥበበኛታት ግና የዕቍቦም።
4 ከብቲ ኣብ ዘይብሉ፡ መብልዕ ማል ይጸሪ፣
ሓይሊ ብዕራይ ግና ብዙሕ እኽሊ የፍሪ።
5 እሙን ምስክር ኣይሕሱን፣
ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ።+
6 መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን።
ብዓል ኣእምሮ ግና ብቐሊሉ ፍልጠት ይረክብ።+
7 ካብ ዓሻ ርሓቕ፣
ኣብ ከናፍሩስ ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።+
8 ጐራሕ ብጥበብ ነታ ዚኸደላ መገዲ ይርድኣ፣
ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይታለሉ።+
9 ዓያሹ ብበደል ይዋዘዩ፣+
ኣብ መንጎ ቕኑዓት ግና ንምትዕራቕ ፍቓደኛነት ኣሎ።
10 ልቢ ንምረቱ ይፈልጦ፣
ካልእ ከኣ ኣብ ሓጐሱ ኣይካፈልን።
11 ቤት እኩያት ትጠፍእ፣+
ድንኳን ቅኑዓት ግና ትዕምብብ።
12 ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣+
ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+
13 እናሰሓቕካ እኳ ልቢ ይሳቐ፣
ሓጐስ ድማ ብጓሂ ኺውዳእ ይኽእል።
14 ፋሉል ዝልቡ፡ ፍረ መገድታቱ ይዓጽድ፣+
ሕያዋይ ሰብ ግና ዓስቢ ተግባራቱ ይዓጽድ።+
15 ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣
ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።+
16 ጥበበኛ ጥንቁቕ ብምዃኑ፡ ካብ እከይ ይርሕቕ፣
ዓሻ ግና ዘይግድሶን እምብዛ ብርእሱ ዚተኣማመንን እዩ።
17 ቀልጢፉ ዚቝጣዕ ዕሽነት ይገብር፣+
ዜመዛዝን ሰብ ግና ይጽላእ።
18 ገርህታት ዕሽነት ይወርሱ፣
ንጐራሓት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።+
19 ክፉኣት ኣብ ቅድሚ ሕያዎት ይሰግዱ፣
እኩያት ድማ ኣብ ኣፍ ደገታት ጻድቃን ይሰግዱ።
20 ድኻ ብብጾቱ እኳ ይጽላእ፣+
ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።+
21 ንብጻዩ ዚንዕቕ ይሓጥእ፣
ንትሑት ዚርሕርሓሉ ግና ሕጉስ እዩ።+
22 እቶም ክፍኣት ዚሓስቡስ ኣይጋገዩንዶ፧
ጽቡቕ ዚሕልኑ ግና ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ይረኽቡ።+
23 ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ፣
ዘረባ ጥራይ ግና ናብ ስእነት ይመርሕ።+
24 ሃብቲ ንጥበበኛታት ዘውዶም እዩ፣
ዕሽነት ዓያሹ ግና ዕሽነት ጥራይ እዩ።+
25 ሓቀኛ ምስክር ህይወት ሰባት የድሕን፣
መታለሊ ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ።
26 ኣብ ፍርሃት የሆዋ ጽኑዕ እምንቶ ኣሎ፣+
ንደቁ ኸኣ መዕቈቢ ይዀኖም።+
27 ፍርሃት የሆዋ፡ ምንጪ ህይወት እዩ፣
ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ።
28 ብዝሒ ህዝቢ ግርማ ንጉስ እዩ፣+
ተገዛእቲ ዘይብሉ ገዛኢ ግና ይጠፍእ።
29 ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፣+
ዓቕሊ ዘይብሉ ግና ዕሽነት የርኢ።+
30 ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ፣
ቅንኢ ግና ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።+
31 ንትሑት ዚዕምጾ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+
ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።+
32 እኩይ ብእከዩ ይወድቕ፣
ጻድቕ ግና ኣብ ንጽህናኡ መዕቈቢ ይረክብ።+
33 ጥበብ ኣብ ልቢ ብዓል ኣእምሮ ብጸጥታ ትዓርፍ፣+
ኣብ መንጎ ዓያሹ ግና ገዛእ ርእሳ ተፍልጥ።
34 ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፣+
ሓጢኣት ግና ንህዝቢ ውርደት እዩ።
35 ንጉስ ልቦና ብዘለዎ ጊልያ ባህ ይብሎ፣+
ነድሩ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዜሕፍር ዝግብሮም እዩ።+