6 ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተዋሒስካዮ፡+
ምእንቲ ኻልእ ሰብ ኢድ እንተ ጠቒዕካ፡+
2 ብዝኣቶኻዮ ቓል እንተ ተፈንጢርካ፡
ብቓላት ኣፍካ ድማ እንተ ተታሒዝካ፡+
3 ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፡
ከምዚ ጌርካ ንርእስኻ ኣናግፋ፦
ኪድ፡ ትሕት በል፡ ንብጻይካ ድማ ብህጹጽ ለምኖ።+
4 ንኣዒንትኻ ድቃስ፡
ንኸበሮ ዓይንኻ ድማ ሰለምታ ኣይትሃብ።
5 ከም ሰስሓ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፡
ከም ዑፍ ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ ርእስኻ ኣድሕን።
6 ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፣+
መገድታቱ ተዓዘብ እሞ፡ ጥበበኛ ኹን።
7 ኣዛዚ፡ ወይ ሓለቓ፡ ወይ ገዛኢ እኳ እንተ ዘይብሉ፡
8 ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ፣+
ቀለቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9 ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ በጥ ክትብል፧
ካብ ድቃስካኸ መዓስ ክትትንስእ ኢኻ፧
10 ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡
ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣+
11 ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡
ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+
12 ዘይጠቅምን እኩይን ሰብ ብቔናን ዘረባ ይመላለስ፣+
13 ዓይኑ ይጸቅጥ፡+ ብኣእጋሩ የመልክት፡ ኣጻብዑ ኸኣ የንቀሳቕስ።
14 ብቔናን ልቢ፡
ወትሩ ኽፉእ ይሓስብ፡+ ባእሲ ድማ ይዘርእ።+
15 ስለዚ፡ ጥፍኣቱ ብሃንደበት ኪመጽእ፣
ብቕጽበት ከኣ ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ኺስበር እዩ።+
16 የሆዋ ዚጸልአን ሽዱሽተ ነገር ኣለዋ፣
እወ፡ ዚፍንፍነን ሸውዓተ ነገር ኣለዋ፦
17 ዕብይቲ ዓይኒ፡+ ሓሳዊት ልሳን፡+ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡+
18 እኩይ ሓሳብ ዚምህዝ ልቢ፡+ ናብ ክፍኣት ቀልጢፈን ዚጐይያ ኣእጋር፡
19 ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ሓሳዊ ምስክር፡+
ኣብ መንጎ ኣሕዋት ከኣ ባእሲ ዚዘርእ።+
20 ወደየ፡ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓሉ፣
ትምህርቲ ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+
21 ወትሩ ኣብ ልብኻ እሰሮ፣
ኣብ ክሳድካ እውን ግበሮ።
22 ክትከይድ ከለኻ፡ ኪመርሓካ እዩ፣
በጥ ክትብል ከለኻ፡ ኪሕልወካ እዩ፣
ምስ ነቓሕካ፡ ኪዛረበካ እዩ።
23 ትእዛዝሲ መብራህቲ፡+
ሕጊ ኸኣ ብርሃን፡+
መግናሕቲ ተግሳጽ ድማ መገዲ ህይወት እዩ።+
24 ካብ ክፍእቲ ሰበይቲ፡+
ካብ ዜስሕት ልሳን እትምንዝር ሰበይቲ ኺሕልወካ እዩ።+
25 ብልብኻ ንጽባቐኣ ኣይትመነዮ፣+
ብዚስሕብ ኣዒንታ ድማ ኣይትማርኽካ፣
26 ብሰንኪ ኣመንዝራስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፣+
ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ከኣ ክብርቲ ህይወት እያ እትሃድን።
27 ሰብዶ ሓዊ ሓቚፉስ ክዳውንቱ ኣይነድድን እዩ፧+
28 ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን እዩ፧
29 ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፣
ዚትንክያ ዘበለ ኸይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ።+
30 ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰሪቑ፡
ሰብ ኣይንዕቆን እዩ።
31 ምስ ተረኽበ ግና፡ ሸውዓተ ዕጽፊ እዩ ዚኽሕስ፡
ኵሉ ጥሪት ቤቱ ድማ እዩ ዚህብ።+
32 ምስ ሰበይቲ ዚዝሙ ዘበለ ልቢ የብሉን፣
እቲ ኸምኡ ዚገብር፡ ኣብ ርእሱ ጥፍኣት የምጽእ።+
33 ቍስልን ውርደትን ጥራይ እዩ ዚረክብ፣+
ነውሩ ኸኣ ኣይድምሰስን እዩ።+
34 ቅንእስ ንሰብኣይ የነድሮ እዩ፣
ሕነ ኺፈዲ ኸሎ ድማ ኣይርሕርሕን እዩ።+
35 ካሕሳ ኣይቅበልን እዩ፣
ህያብ ኣብዚሕካ እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይሃድእን እዩ።