ገላትያ
4 ኣነ እብል ኣለኹ፦ ወራሲ ብግዜ ሕጻንነቱ፡ ዋላ እኳ ጐይታ ዅሉ እንተ ዀነ፡ ካብ ባርያ ፈሊኻ ኣይርአን እዩ፣ 2 የግዳስ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደባ መዓልቲ እትኣክል፡ ኣብ ትሕቲ ኣለይትን ኣመሓደርቲ ቤትን እዩ። 3 ከምኡ ድማ፡ ንሕና ሕጻናት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብመባእታዊ ነገራት ዓለም ባሮት ኴንና ኔርና።+ 4 ኰይኑ ግና፡ እቲ ተወሲኑ ዝነበረ እዋን ምስ ኣብቅዐ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ሰበይቲ እተወልደን+ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነን+ ወዱ ልኢኽዎ እዩ፣ 5 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓዲጉ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም እሞ፡+ ንሕና ውሉድነት ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።+
6 ውሉዳት ስለ ዝዀንኩም፡ ኣምላኽ ነቲ፡ “ኣባ፡* ኣቦ!”+ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና+ ልኢኽዎ እዩ።+ 7 ስለዚ፡ ደጊም ውሉድ ደኣ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፣ ውሉድ ካብ ኰንካ ኸኣ፡ ኣምላኽ እውን ወራሲ ገይሩካ እዩ።+
8 ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸለኹም፡ ባሮት እቶም ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኢኹም ኔርኩም። 9 ሕጂ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ እውን ኣምላኽ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ጌርኩም ናብቲ ድኹምን+ ድርባይን መባእታዊ ነገራት ትምለሱን ከም ብሓድሽ ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩን ኣለኹም፧+ 10 መዓልትታትን ኣዋርሕን+ ወቕትታትን ዓመታትን ተጠንቂቕኩም ትሕልዉ ኣለኹም። 11 ምናልባት ንኸንቱ ጽዒረልኩም ከይከውን፡ እፈርሃልኩም ኣለኹ።
12 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸማኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ ከማይ ክትኰኑ እልምነኩም ኣለኹ።+ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። 13 ግናኸ፡ ብስጋ ብምሕማመይ እየ ነቲ ብስራት ክነግረኩም ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ። 14 ሽዑ፡ ሕማመይ ፈተና እኳ እንተ ዀነኩም፡ ኣይነዓቕኩምንን ወይ ኣይተጸየፍኩምንን፣* የግዳስ፡ ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምኒ። 15 እቲ ዝነበረኩም ሓጐስ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚከኣል እንተ ዚኸውን ነይሩስ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም ከም እትህቡኒ እምስክረልኩም እየ።+ 16 እሞ ደኣ፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢኹም ኰይነ እየ፧ 17 ንጽቡቕኩም ዘይኰነስ፡ ካባይ ኪፈልዩኹም እሞ፡ ተሃንጢኹም ምእንቲ ኽትስዕብዎም ኢሎም እዮም ብወገኖም ኪገብሩኹም ብቕንኣት ዚጽዕሩ ዘለዉ። 18 ኰይኑ ግና፡ ኣነ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ኢሉ ብቕንኣት ዚደልየኩም እንተሎ ሰናይ እዩ፣ 19 ደቀየ፡+ ክርስቶስ ክሳዕ ዚቕረጸልኩም፡ ከም ብሓድሽ ብቕልውላው ተታሒዘልኩም ኣለኹ። 20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉን ብእተፈልየ መገዲ ኽዛረበኩምን ምደለኹ።
21 ኣቱም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ እስከ ንገሩኒ፡ ነቲ ሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ 22 ንኣብነት፡ ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት ከም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ገረድ፡+ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ+ ኸም ዝነበረ ጽሑፍ እዩ። 23 ኰይኑ ግና፡ እቲ ኻብታ ገረድ እተወልደ፡ ብንቡር* እዩ ተወሊዱ፣+ እቲ ኻብታ ጭዋ እተወልደ ግና፡ ብእተተስፈወ ተስፋ እዩ ተወሊዱ።+ 24 እዚ ኸም ምሳልያዊ ዛንታ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዘን ኣንስቲ እዚአን ንኽልተ ኺዳን እየን ዜመልክታ፣ እታ ንባርነት እትወልድ ካብ ከረን ሲና+ ዝዀነት፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25 ኣጋር ነቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዘሎ ኸረን ሲና+ እያ እተመልክት፣ ንሳ ኣምሳል እታ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘላ የሩሳሌም እያ። 26 እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና፡ ጭዋ እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣዴና እያ።
27 ከመይሲ፡ “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይትወልዲ መኻን፡ ተሓጐሲ፣ ኣቲ ቕልውላው ዘይብልኪ እልል በሊ” ዚብል ጽሑፍ እዩ።+ 28 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ከም ይስሃቅ፡ ደቂ ተስፋ ኢኹም።+ 29 ግናኸ፡ ከምቲ እቲ ብንቡር* እተወልደ ነቲ ብመንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡+ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ።+ 30 ይኹን እምበር፡ ቅዱስ ጽሑፍ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ወዲ እታ ገረድ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኸቶ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ገረድን ንወዳን ስጐጎም።”+ 31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ገረድ ዘይኰንናስ፡ ደቂ እታ ጭዋ ኢና።