መዝሙር
77 ብድምጸይ ናብ ኣምላኽ ከእዊ እየ፣
ናብ ኣምላኽ ከእዊ፡ ንሱ እውን ኪሰምዓኒ እዩ።+
2 ብመዓልቲ ጭንቀይ ንየሆዋ ደልየዮ።+
ብለይቲ ኣእዳወይ ብዘይምቍራጽ* ናብኡ ተዘርጊሐን።
ክጸናናዕ ኣይከኣልኩን።*
4 ንኸበሮ ዓይነይ ክፉታት ትገብረን።
ተናዊጸ፡ ክዛረብ ከኣ ኣይከኣልኩን።
5 ሓሳባተይ ናብ ናይ ቀደም መዓልትታት፡+
ናብ ናይ ጥንቲ ዓመታት ተመሊሱ።
7 የሆዋዶ ንዘለኣለም ይድርብየና እዩ፧+
መሊሱኸ ሞገሱዶ ኸቶ ኣየርእን እዩ፧+
8 እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለምዶ ኣቋሪጹ እዩ፧
እቲ ዜተስፍዎ ተስፋኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኸንቱ ዀይኑ ኺተርፍ እዩ፧
9 ኣምላኽዶ ሞገሱ ምርኣይ ረሲዑ እዩ፧+
ወይስ ቍጥዓኡዶ ንምሕረቱ ኣቋሪጽዎ እዩ፧ (ሴላ)
11 ግብርታት ያህ ክዝክር እየ፣
ናይ ቀደም ድንቂ ተግባራትካ ኽዝክር እየ።
13 ኦ ኣምላኽ፡ መገድታትካ ቕዱስ እዩ።
ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን እዩ፧+
14 ንስኻ ድንቂ ነገራት እትገብር ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+
ብርታዐኻ ንህዝብታት ኣፍሊጥካዮም።+
16 ኦ ኣምላኽ፡ ማያት ርእዩካ፣
ማያት ርእዩካስ፡ ተረቢሹ።+
መዓሙቝ ማያት ከኣ ተናዊጹ።
17 ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሲሱ።
እተደባነወ ሰማያት ኣንጐድጒዱ፣
ፍላጻታትካ ድማ ኣብዝን ኣብትን ተወርዊሩ።+