5 ወደየ፡ ንጥበበይ ኣቕልበሉ።
ንምስትውዓለይ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ።+
2 በዚ ኸምዚ፡ ምምዝዛንካ ኽትሕሉ፡
ብኸናፍርካ ኸኣ ፍልጠት ከተዕቍብ ኢኻ።+
3 ከናፍር ፋሉል ሰበይትስ ከም ጎጎ መዓር የንጠብጥብ፡+
ኣፋ ድማ ካብ ዘይቲ ይልስልስ።+
4 ኣብ መወዳእታ ግና፡ ከም ዕረ መራር፡+
ከም ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኸኣ በላሕ እያ።+
5 ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ።
ስጕምትታታ ብቐጥታ ናብ መቓብር ይመርሕ።
6 ብዛዕባ መገዲ ህይወት ኣይትሓስብን።
ብኣካይዳኣ ትዅብልል፡ ናበይ ከም እትኸይድ ግና ኣይትፈልጥን።
7 ሕጂ ኸኣ፡ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣
ካብዚ ዝብሎ ዘለኹ ድማ ኣይተልግሱ።
8 ካብኣ ርሓቕ፣
ናብ ኣፍ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ።+
9 እንተ ዘይኰነስ፡ ክብርኻ ንኻልኦት ክትህብ፡+
ዓመታት ሕሰም ድማ ክትዓጽድ ኢኻ፣+
10 ንጥሪትካ ኻልኦት ኪምዝምዝዎ፡+
ጻማ ጻዕርኻ ኸኣ ናብ ቤት ጓና ኪኸይድ እዩ።
11 ኣብ መወዳእታ ህይወትካ ድማ፡
ስጋኻን ሰብነትካን ምስ ተወድአ፡ ክትግዕር ኢኻ።+
12 ከምዚ እውን ክትብል ኢኻ፦ “ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ተግሳጽ ጸሊአ!
ልበይ እውን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ መግናሕቲ ንዒቑ!
13 ድምጺ መምህራነይ ኣይሰማዕኩን፣
ንዚምህሩኒ እውን ኣየቕለብኩሎምን።
14 ኣብ ማእከል ብዘሎ ጉባኤ፡
ፈጺመ ኽጠፍእ ቍሩብ ተሪፉኒ ነይሩ።”+
15 ማይ ካብ መዕቘር ማይካ፡
ዚውሕዝ ማይ ከኣ ካብ ዒላኻ ደኣ ስተ።+
16 ዓይኒ ማያትካ ናብ ወጻኢ፡
ወሓይዝ ማይካ ናብ ኣደባባያትዶ ኺፈስስ ይግባእ እዩ፧+
17 ንዓኻ ጥራይ ደኣ ይኹን፣
ካልኦትሲ ኣይካፈሉኻ።+
18 ምንጭኻ ይባረኽ፡
ብሰበይቲ ንእስነትካ ድማ ተሓጐስ፣+
19 ንሳ ተፈታዊት እራብ፡ ውቅብቲ ወይጠል እያ።+
ኣጥባታ ዅሉ ግዜ የዕግብካ።
ፍቕራ እውን ወትሩ ይማርኽካ።+
20 ስለዚ፡ ወደየ፡ ስለምንታይ ብፋሉል ሰበይቲ እትማረኽ፡
ሕቝፊ እትምንዝር ሰበይትስ እትሓቍፍ፧+
21 ጐደናታት ሰብሲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እየን፣
ንዅለን መገድታቱ ኸኣ ይምርምረን።+
22 እኩይ ብስሕተቱ ይፍንጠር፡
ብኣግማድ ሓጢኣቱ ድማ ይተሓዝ።+
23 ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡
መጠኑ ብዝሓለፈ ዕሽነት ከኣ ይስሕት።