እዮብ
26 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ!
ነቲ ብርታዐ ዘይብሉ ቕልጽምሲ ኸመይ ኣድሒንካዮ!+
3 ነቲ ጥበብ ዝሰኣነስ ከመይ ዝበለ ምኽሪ ሂብካዮ!+
4 ንመን ኢኻ ኽትዛረቦ እትፍትን ዘለኻ፧
ከምዚ ኽትብል ዘለዓዓለካኸ መን እዩ፧*
5 እቶም ብሞት እተሰነፉ ራዕራዕ ይብሉ፣
ካብ ማያትን ኣብኡ ኻብ ዚነብሩን እኳ ይትሕቱ።
7 ንሰሜናዊ ሰማይ* ኣብ ልዕሊ ባዶ* ይዝርግሖ፣+
ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ፣
8 ንማያት ኣብ ደበናታቱ ይጥቕልሎ፣+
እቲ ደበናታት ከኣ ብኽብደቱ ኣይቅደድን።
9 ደበናኡ ኣብኡ ዘርጊሑ፡+
ዝፋኑ ኸይርአ ይኽውሎ።
11 ኣዕኑድ ሰማያት ይናወጹ፣
ብመግናሕቱ እውን ይድንጽዎም።
14 እንሆ፡ እዚ ጫፍ መገድታቱ ጥራይ እዩ፣+
ብዛዕባኡስ ድኹም ሕሹዅሹዅታ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ!
ነቲ ሓያል ነጕዱኸ መን ኪርድኦ ይኽእል፧”+