1 ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ዑዝያን+ ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን፡+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ፦
2 ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፣+
የሆዋስ እዚ ተዛሪቡ ኣሎ፦
“ደቂ ኣዕብየን ተኸናኺነን፣+
ንሳቶም ግና ካባይ ዓልዮም።+
3 ብዕራይ ንዓዳጊኡ፡
ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ዋናኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ፣
እስራኤል ግና ኣይፈልጠንን፡+
ህዝበይ ከኣ ብኣእምሮ ኣይመላለስን እዩ።”
4 እቶም ሓጥኣን ህዝቢ፡+
እቶም ዘርኢ እኩያት፡ ብልሹዋት ደቂ ዝዀኑ
ስሕተት ዝኸበዶም ህዝቢ፡ ወይለኦም!
ንየሆዋ ሓዲጎምዎ፣+
ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖምዎ፣
ዝባኖም መሊሶምሉ።
5 ንዕልወትኩም ምስ ወሰኽኩምሉስ፡ ዚቕጽል ኣበይ ክትውቅዑ ኢኹም፧+
ብዘሎ እቲ ርእሲ ሕሙም እዩ፣
ብዘሎ እቲ ልቢ ድማ ድኹም እዩ።+
6 ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳብ ርእሲ፡ ገለ ጥዑይ የብሉን።
ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መቝሰልትን ጥራይ እምበር፡
ኣይተሓከመን፡ ወይ ኣይተዘነነን፡ ወይ ብዘይቲ ኣይለስለሰን።+
7 ምድርኹም ባዲማ።
ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን።
ጓኖት ንምድርኹም ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዋ ኣለዉ።+
ጓኖት ከም ዝገልበጥዋ ባድም ኰይና እያ።+
8 ጓል ጽዮን ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡
ከም ጎጆ ኣብ ግራት ኣጕርሲ፡
ከም እተኸብበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ።+
9 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሒደት ዚድሕኑ እንተ ዘይሓድገልናስ፡
ከም ሶዶም ምዀንና፡
ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና።+
10 ኣቱም መለኽቲ ሶዶም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ።+
ኣቱም ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ጽን በሉ።+
11 “እቲ ብዙሕ መስዋእትኹም እንታይ ይጠቕመኒ፧”+ ይብል የሆዋ።
“ዚሓርር መስዋእቲ ደዓውልኩምን+ ስብሒ ስቡሓትኩምን+ ፍጊዕ ኢሉኒ፣
ብደም+ ዝራብዓትን+ ገንሸላትን ድቤላታትን+ ከኣ ደስ ኣይብለንን እዩ።
12 ኣብ ቅድመይ ክትርኣዩ ምስ እትመጹ፡+
ኣጸዳተይ ክትረግጹስ፡+
እዚ ኽትገብሩ ዝደለየኩም መን እዩ፧
13 ከንቱ መስዋእቲ እኽሊ ደጊም ኣይተምጽኡ።
ዕጣንኩም ኣባይ ፍንፉን እዩ።+
ሰርቂ ኣዋርሕን+ ሰናብትን+ ጻውዒት ኣኼባታትን፡+
—ንስሒር+ ምስ ፍሉይ ኣኼባ ኽዕገሶ ኣይክእልን እየ።
14 ንሰርቂ ኣዋርሕኩምን ንበዓላትኩምን ጸሊአዮ እየ።
15 ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡
ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክሓብእ እየ።+
ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡+
ኣይሰምዓኩምን እየ፣+
ኣእዳውኩም ብደም መሊአን እየን።+
16 ተሓጸቡ፡ ንጽሁ፣+
እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፣
ምግባር ክፉእ ሕደጉ።+
17 ምግባር ጽቡቕ ተምሃሩ፡ ፍትሒ ድለዩ፣+
ንጨቋኒ ኣርምዎ፣
ንመሰላት ዘኽታም ተጣበቑ፣
ንመበለት ተማጐቱላ።”+
18 “እምበኣር፡ ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ይብል የሆዋ።+
“ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡
ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣+
ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡
ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ።
19 ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩምን እንተ ሰሚዕኩምን፡
ጽቡቕ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።+
20 እንተ ኣቢኹምን እንተ ዓሊኹምን ግና፡
ኣፍ የሆዋ ተዛሪባ እያ እሞ፡
ብሰይፊ ኽትውሓጡ ኢኹም።”+
21 እታ እምንቲ ኸተማስ+ ከመይ ኰን ኣመንዝራ ዀነት!+
ፍትሒ ዝመልኣ ነበረት፣+
ጽድቂ ድማ ኣብኣ ትሓድር ነበረት፣+
ሕጂ ግና፡ ቀተልቲ ነፍሲ።+
22 ብሩርኪ ሓተላ ብረት ኰይኑ፣+
ስዋኺ ብማይ ተጀሊሑ።
23 መሳፍንትኺ ነቓጻትን መሻርኽቲ ሰረቕትን እዮም።+
ነፍሲ ወከፎም ጉቦ ይፈትዉ፡ ደድሕሪ ህያባት ድማ ይጐይዩ።+
ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፣
ጕዳይ መበለት ድማ ናባታቶም ከቶ ኣይበጽሕን።+
24 ስለዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡
እቲ ናይ እስራኤል ሓያል ከምዚ ይብል፦
“ወይለኦም! ንተጻረርተይ ከወግዶም እየ፣
ኣብ ልዕሊ ጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈዲ እየ።+
25 ንኢደይ ድማ ኣንጻርኪ ኽመልሳ፡
ንሓተላ ብረትኪ ኸኣ ከም ብሳሙና ኸጽርዮ፡
ንዅሉ ርስሓትኪ እውን ከወግዶ እየ።+
26 ንፈራዶኺ መሊሰ ኸም ናይ ቀደም፡
ንኣማኸርትኺ ድማ ከም ናይ መጀመርታ ኽገብሮም እየ።+
ድሕርዚ፡ ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትብሃሊ ኢኺ።+
27 ጽዮን ብፍትሒ፡
እቲ ዚምለስ ህዝባ ኸኣ ብጽድቂ እተበጀወ ኪኸውን እዩ።+
28 ዓለውትን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡+
እቶም ንየሆዋ ዚሓድግዎ ድማ ኪውድኡ እዮም።+
29 በቲ እተመነኹምዎ ገዘፍቲ ኣእዋምሲ ኺሓፍሩ እዮም፣+
በቲ ዝመረጽኩምዎ ስፍራ ኣታኽልቲ እውን ክትዋረዱ ኢኹም።+
30 ከመይሲ፡ ኣቝጽልቱ ኸም ዝጸምለወ ዓብዪ ኦም፡+
ማይ ከም ዘይብሉ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትኰኑ ኢኹም።
31 ሓያል ሰብ ከም ልሕጺ፡
ዕዮኡ ድማ ከም ቍልዒ ሓዊ ኪኸውን እዩ፣
ክልቲኡ ብሓደ ኺነድድ እዩ፣
ዜጥፍኦ ድማ ሓደ እኳ የልቦን።”