ዘጸኣት
3 ሙሴ ድማ መጓሰ ሓሙኡ የትሮ እቲ ኻህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ።+ ነተን መጓሰ ናብቲ ናብ ምዕራብ ሸነኽ እቲ በረኻ ኺመርሐን ከሎ፡ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ናብ ሆሬብ መጸ።+ 2 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ።+ ምስ ጠመተ ኸኣ፡ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዐትን። 3 ሙሴ ድማ፡ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እዚኣ ስለምንታይ ሞኽ ከም ዘይትብል፡ ነዚ መስተንክር ትርኢት እዚ ኸይደ ኽርኢ” በለ። 4 የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ኺርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረኣየ፡ ኣምላኽ ካብታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ “ሙሴ፡ ሙሴ” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ” በለ። 5 ንሱ ኸኣ፡ “ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ።
6 “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ይስሃቅን+ ኣምላኽ ያእቆብን+ እየ” ድማ በሎ። ሽዑ፡ ሙሴ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይጥምት ስለ ዝፈርሀ፡ ገጹ ኸወለ። 7 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+ 8 ካብ ኢድ ግብጻውያን ከናግፎም፡+ ካብታ ምድሪ እቲኣ ኸኣ ናብ ሓንቲ ጽብቕትን ርሕብትን ምድሪ፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም ክወርድ እየ።+ 9 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ህዝቢ እስራኤል ናባይ በጺሑ ኣሎ፣ እቲ ግብጻውያን ዚጭቍንዎም ጭቈና እውን ርእየ ኣለኹ።+ 10 ሕጂ ኸኣ ንዓ፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ፣ ንስኻ ድማ ንህዝበይ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም ኢኻ።”+
11 ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘውጽኦምንከ ኣነ መን እየ፧” በሎ። 12 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግልዎ* ኢኹም” በለ።+
13 ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ እስራኤላውያን ከይደ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፡ ‘ስሙ መን እዩ፧’+ እንተ ኢሎምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧” በሎ። 14 ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ”*+ በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘እቲ ክኸውን ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም” በሎ።+ 15 ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦
“ንእስራኤላውያን፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ይስሃቅን+ ኣምላኽ ያእቆብን+ ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፣+ እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ መዘከርታይ እዩ። 16 ሕጂ ኺድ እሞ፡ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ኸምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ተራእዩኒ፡ “ንዓኻትኩም ብርግጽ ኣስተብሂለልኩም፡+ ነቲ ኣብ ግብጺ ዚገብሩኹም ዘለዉ እውን ኣስተብሂለሉ ኣለኹ። 17 ካብቲ ኣብ ኢድ ግብጻውያን ዝበጽሓኩም ጸበባ ኣውጺአ፡+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን+ ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ ኢለ ኣለኹ” ኸኣ ኢሉኒ።’+
18 “ቃልካ ኸኣ ብርግጽ ኪሰምዑ እዮም፣+ ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኼድኩም፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን+ ተራኺቡና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ’ በልዎ።+ 19 ንጉስ ግብጺ ብሓያል ኢድ እንተ ዘይተገዲዱ፡ ክትከዱ ኸም ዘይፈቕደልኩም ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ 20 ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ንግብጺ ብዅሉ እቲ ኣብኣ ዝገብሮ ዜደንቕ ግብርታት ክወቕዓ እየ፣ ድሕርዚ፡ ኪሰድደኩም እዩ።+ 21 ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ፣ ክትከዱ ኸለኹም ከኣ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይክትከዱን ኢኹም።+ 22 ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን ኣብ ቤታ ኻብ እትነብር ሰበይትን ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ትለምን፣ ነዚ ድማ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣብ ኣዋልድኩምን ግበርዎ፣ ንግብጻውያን ከኣ ክትገፍፍዎም ኢኹም።”+