ትምህርቲ 49
ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—1ይ ክፋል
ሓደስቲ ተመራዓውቲ፡ እቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ዚረኽብዎ ሓጐስ ንሓዋሩ ኪቕጽል ይምነዩ እዮም። እዚ ድማ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ካብ ዚምርዓዉ ነዊሕ ዝገበሩን ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብሩ ዚጽዕሩን ክርስትያናት፡ እዚ ኸም ዚከኣል ይፈልጡ እዮም።
1. መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት እንታይ ምኽሪ ይህቦም፧
የሆዋ ንሰብኣይ፡ ርእሲ ስድራ ቤቱ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። (ኤፌሶን 5:23 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንስድራ ቤቱ ዚጠቅም ውሳነታት ኪገብር ይጽበዮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት፡ “ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ ይምዕዶም እዩ። (ኤፌሶን 5:25) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ፈቃር ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ ኣብ ቤት ኰነ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብለውሃት እዩ ዚሕዛ። ካብ ጕድኣት ይከላኸለላ እዩ፣ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ዜድልያ ንምምላእ ከኣ ዚከኣሎ ይገብር እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልያ የማልኣላ እዩ። (ማቴዎስ 4:4) ንኣብነት፡ ምስ ሰበይቱ ሓቢሩ ይጽልን መጽሓፍ ቅዱስ የንብብን እዩ። ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብፍቕሪ ዚሓልየላ እንተ ዀይኑ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት ሓልዩ ኺመላለስ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።
2. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ እንታይ ምኽሪ ይህበን፧
ቃል ኣምላኽ ንሰበይቲ፡ “ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ይብላ እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ከመይ ገይራ ኸምኡ ትገብር፧ ብዛዕባ እቲ ሰብኣያ ዘለዎ ጽቡቕ ባህርያትን ንዓኣ ዀነ ንደቆም ንምክንኻን ዚገብሮ ጻዕርታትን ክትሓስብ ትኽእል እያ። ብዘይካዚ ድማ፡ ዋላ እውን ዘይኣማኒ እንተ ዀነ፡ ንውሳነታቱ ብምድጋፍ፡ ንዕኡ ብሕያውነት ብምዝራብ፡ ንኻልኦት ከኣ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገር ብምዝራብ፡ ኣኽብሮታ ኸተርእዮ ትኽእል እያ።
3. ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ኬደልድሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ ሓዳር፡ “ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ” እዩ ዚብል። (ማቴዎስ 19:5) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ምእንቲ ኸይረሓሓቑ ኺጽዕሩ ኣለዎም ማለት እዩ። ኣዘውቲሮም ብሓባር ግዜ ብምሕላፍ፡ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ከኣ ብግልጽን ብፍቕርን ብምግልላጽ፡ ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ዝዀነ ነገር ካብ መጻምድቶም ኣየቐድሙን እዮም። ብሕልፊ ኸኣ ምስ ካልእ ሰብ ዘይግቡእ ርክብ ከየማዕብሉ ይጥንቀቑ እዮም።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ንሓዳርካ ኼደልድሎ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።
4. ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩን ተኸናኸኑን
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኡት፡ . . . ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:28, 29) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ዜፍቅራን ከም ዚከናኸናን ዜርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
ቈሎሴ 3:12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሰብኣይ ኣብ ሓዳሩ ነዚ ባህርያት እዚ ኼርኢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
5. ኣትን ኣንስቲ፡ ሰብኡትክን ኣፍቅራን ኣኽብራን
መጽሓፍ ቅዱስ ንሰበይቲ፡ ሰብኣያ ንየሆዋ ዜገልግል ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ከተኽብሮ የተባብዓ እዩ። 1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልዩኪ፡ ንየሆዋ ኼምልኽ ከም እትደልይዮ ኣየጠራጥርን እዩ። እንታይ ዚሓይሽ ይመስለኪ—ብቐጻሊ ኽትሰብክሉዶ ወይስ ጽቡቕ ኣካይዳን ኣኽብሮትን ከተርእይዮ፧ ስለምንታይ፧
ሰብኡትን ኣንስትን ብሓባር ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ሰበይቲ ምስቲ ሰብኣያ ዚብሎ ኸይትሰማማዕ ትኽእል እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓሳባታ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ክትገልጽ ትኽእል እያ። እንተዀነ ግና፡ ንስድራ ቤቱ ዚሓይሽ ኪውስን የሆዋ ሓላፍነት ከም ዝሃቦ ኽትርስዕ የብላን። ንውሳነኡ ንምድጋፍ ከኣ፡ ዚከኣላ ኽትገብር ኣለዋ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣብ ቤታ ሓጐስ ኪሰፍን እጃማ ተበርክት እያ። 1 ጴጥሮስ 3:3-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸተኽብሮ ኸላ፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧
6. ኣብ ሓዳርኩም ንዜጋጥመኩም ጸገማት ክትሰግርዎ ትኽእሉ ኢኹም
ፍጹም ሓዳር የልቦን። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ንጸገማቶም ንምስጋር ብሓባር ኪዓይዩ ኣለዎም። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ይረሓሓቑ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እንታይ ምልክታት ነይሩ፧
ሓዳሮም ንምድልዳል እንታይ ስጕምትታት ወሲዶም፧
ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:24ን ቈሎሴ 3:13ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት እዚ ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ነዚ ምኽሪ እዚ ምትግባር ንሓዳር ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕድና ኽንከባበር ከም ዘሎና ይምሕጸነና እዩ። ንሰብ ነኽብሮ ኺብሃል ከሎ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ንሕዞ ማለት እዩ። ሮሜ 12:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ሰብኡት ወይ ኣንስቲ፡ ቅድም ካብ መጻምድቶም ኣኽብሮት ኪጽበዩ ኣለዎም ድዩ፧ ስለምንታይ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣነን መጻምድተይን ከም ቀደምና ኣይንቀራረብን ኢና።”
መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ብኸመይ ምገለጽካ፧
ጽማቝ
ሰብኣይን ሰበይትን ዚፋቐሩ፡ ዚከባበሩ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ዚትግብሩ እንተ ዀይኖም፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ክለሳ
ሰብኣይ ኣብ ሓዳሩ ሓጐስ ምእንቲ ኺሰፍን ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧
ሰበይቲ ኣብ ሓዳራ ሓጐስ ምእንቲ ኺሰፍን ኣበርክቶ እትገብር ብኸመይ እያ፧
ምርዑው እንተ ዄንካ፡ እንታይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ንሓዳርካ ኼደልድሎ ዚኽእል፧
ዳህስስ
ሕጉስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወካ ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ተምሃር።
ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ሓዳርካ ምትግባር እንታይ በረኸት ከም ዜምጽእ እተጕልሕ ሙዚቃዊት ቪድዮ ርአ።
ንርእስነት ሰብኣይ ተገዛኢ ምዃን ዘለዎ ትርጉም መርምር።
“ኣትን ኣንስቲ፡ ንርእስነት እትግዝኣ ስለምንታይ ኢኽን፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ግንቦት 2010)
ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ሓዳሮም ዘጋጠሞም ከቢድ ጸገማት፡ እንተላይ ንፍትሕ ብኸመይ ተዋጺኦምሉ፧