ሕዳር
ዓርቢ 1 ሕዳር
ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።—ኤፌ. 4:29።
ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ከናፍር ክርስትያን ፈጺሙ ኺወጽእ የብሉን። እንተዀነ ግና፡ ክንጥቀቐሉ ዜድልየና ስዉር ዓይነት ጸርፊ እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ባህሊ፡ መበቈል፡ ወይ ዓሌት ክንዛረብ ከለና፡ ኣሉታዊ ንጽጽር ከይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ብዚወግእ ቃላት ጌርና ንሰባት ክንጐድኦም ኣይንደልን ኢና። ንኻልኦት ዚሃንጽ ዘረባ ተዛረብ። ኣብ ክንዲ ምንቃፍ ወይ ምምራር፡ ንምንኣድ ቅልጡፍ ኩን። እስራኤላውያን ብዙሕ ዜመስግኑሉ ነገራት እኳ እንተ ነበሮም፡ ወግሐ ጸብሐ የማርሩ ነይሮም እዮም። ናይ ምምራር መንፈስ ብቐሊሉ ኺላባዕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ኣሉታዊ ወረ ሒዞም ምስ ተመልሱ፡ ‘ኵሎም እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምሪሞም እዮም።’ (ዘሁ. 13:31-14:4) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ናእዳ ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንኻልኦት ካብ ልቢ እትንእደሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። w22.04 8 ¶16-17
ቀዳም 2 ሕዳር
ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ንኽንክንካ ሕድሪ ተዋሂበ፣ ካብ ማሕጸን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።—መዝ. 22:10።
የሆዋ ኻብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ ማእለያ ንዘይብሎም ውሉዳት ኣዕሩኹ ኪዀኑ ሓጊዙ እዩ። ደቅኺ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ድሌት እንተ ኣልይዎም፡ ንሱ ኺሕግዞም እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 7) ደቅኺ ኻብ ሓቂ ዘልገሱ እኳ እንተ መሰሉ፡ የሆዋ በተን ፈቃራት ኣዒንቱ ወትሩ ይጥምቶም እዩ። (መዝ. 11:4) ከም “ዘንቀዱ” ቝሩብ እኳ ምልክት ምስ ኣርኣዩ ኸኣ፡ ንምሕጋዞም ድሉው ኰይኑ እዩ ዚጸንሕ። (ግብ. 13:48፣ 2 ዜና 16:9) ኣብ ልክዕ ግዜ፡ ማለት ደቅኺ ኺሰምዕዎ ኣብ ዜድልዮም እዋን፡ ልክዕ ቃላት ክትዛረቢ ኺሕግዘኪ እዩ። (ምሳ. 15:23) ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤኺ ዘለዉ ሓው ወይ ሓብቲ ንደቅኺ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዜርእይዎም ኪገብር እዩ። ውሉዳት ዓበይቲ ምስ ኰኑ እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ እተማህርዎ ነገር የዘክሮም ይኸውን። (ዮሃ. 14:26) እምበኣር፡ ንደቅኺ ብቓልን ብኣብነትን እንተ ኣሰልጢንኪ የሆዋ ኺባርኸኪ እዩ። w22.04 21 ¶18
ሰንበት 3 ሕዳር
እቲ ገበል [ተቘጥዐ]።—ራእ. 12:17።
ሰይጣን ድሕሪ ደጊም ናብ ሰማይ ኪኣቱ ስለ ዘይከኣለ፡ ነቶም ተረፍ ቅቡኣት፡ ማለት ነቶም “ብዛዕባ የሱስ ዚምስክሩ” ምድራውያን ተወከልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቘጥዖም። (2 ቈረ. 5:20፣ ኤፌ. 6:19, 20) ብ1918 ሸሞንተ ኣሕዋት ብናይ ሓሶት ክሲ ንነዊሕ ዓመታት ኪእሰሩ ተፈርዶም። እቲ ናይቶም ቅቡኣት ዕዮ ኸም ‘እተቐትለ’ እዩ ዚመስል ነይሩ። (ራእ. 11:3, 7-11) እንተዀነ ግና፡ ኣብ መጀመርታ 1919፡ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ካብ ማእሰርቲ ተፈትሑ፣ ጸኒሑ ድማ እቲ ኽሶም ተሰረዘ። እቶም ኣሕዋት ድማ ብኡብኡ ናብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ተመልሱ። እዚ ግና ንሰይጣን፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኻብ ምፍናው ደው ኣየበሎን። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ከም “ውሒዝ” ዝበለ መስጐጕቲ ይፍኑ ኣሎ። (ራእ. 12:15) ብሓቂ እምበኣር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና “ተጻዋርነትን እምነትን . . . ኣብዚ እዩ” ዚርአ።—ራእ. 13:10። w22.05 5-6 ¶14-16
ሰኑይ 4 ሕዳር
ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፣ . . . 144,000 [ድማ እዩ]።—ራእ. 7:4።
ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ንግዝኣት የሆዋ ዚድግፉን በረኸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡን ክልተ ጕጅለ ረኣየ። እቶም ቀዳማይ ጕጅለ፡ ቍጽሮም 144,000 እዩ። ንሳቶም ከኣ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ መንግስቲ ኬቝሙ ኻብ ምድሪ እተወስዱ እዮም። ምስኡ ሓቢሮም ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም። (ራእ. 5:9, 10፣ 14:3, 4) ኣብቲ ራእይ፡ ዮሃንስ ንዓታቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማያዊ ኸረን ጽዮን ደው ኢሎም ርእይዎም እዩ። (ራእ. 14:1) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ኣብ ዘሎ ዘመናት፡ ኣሽሓት ሰባት ክፍሊ እቶም 144,000 ኪዀኑ ተሓርዮም እዮም። (ሉቃ. 12:32፣ ሮሜ 8:17) ኰይኑ ግና፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝተረፉ ኽፋሎም ወይ ሒደት ዝቝጽሮም ጥራይ ኣብ ምድሪ ብህይወት ከም ዚነብሩ ንዮሃንስ ተነግሮ። (ራእ. 12:17) ድሕሪኡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እዞም ተረፍ እዚኦም ምስቶም ኣቐዲሞም ብተኣማንነት ዝሞቱ ኻልኦት ክፋል እቶም 144,000 ንምሕባር ናብ ሰማይ ኪውሰዱ እዮም። ኣብኡ ድማ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ መጋዝእቱ ኪዀኑ እዮም።—ማቴ. 24:31፣ ራእ. 5:9, 10። w22.05 16 ¶4-5
ሰሉስ 5 ሕዳር
ናብ ትእዛዛተይ [ኣቕልብ]።—ኢሳ. 48:18።
የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ግቡእ ኣረኣእያ ኺሕዙ ምሂርዎም እዩ። “ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን” ኢሉ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴ. 10:30) ምናዳ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ እዚ ቓላት እዚ ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባና ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣዒንቱ እውን ዋጋ ኸም ዘሎና ኽንግንዘብ የኽእለና እዩ። ኣምለኽቲ የሆዋ ንምዃንን ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት ንምርካብን ከም ዘይንበቅዕ ጌርና ብምድምዳም፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ሕቶ ኸነእትዎ ኣይንደልን ኢና። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣስታት 15 ዓመት ይገብር ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ምኽሪ ኽትህብ ከላ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ነይራ፦ “ርግጽ እዩ ብዛዕባ ርእስና ኻብ ዚግባእ ንላዕሊ ኽንሓስብ ወይ ድማ ዘይንረብሕ ከም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል፡ ብዛዕባ ብርታዐናን ድኽመትናን ከኣ ክንግንዘብ ኣሎና።” w22.05 24-25 ¶14-16
ረቡዕ 6 ሕዳር
ዝልምን ዘለኹ . . . ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ።—ዮሃ. 17:20, 21።
ነዚ ሓድነት እዚ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ብውልቅና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴ. 5:9፣ ሮሜ 12:18) ኣብ ጉባኤና ምስ ዘለዉ ሰባት ብሰላም ንምንባር ተበግሶ ብዝወሰድና መጠን፡ ንጽባቐ እቲ መንፈሳዊ ገነት ኢና እንውስኸሉ ዘለና። ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ዘሎ ሰብ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ኺመጽእ የሆዋ ኸም ዝሰሓቦ ኽንርስዕ የብልናን። (ዮሃ. 6:44) ነቲ ኣብ መንጎ እቶም የሆዋ ዚፈትዎም ኣገልገልቱ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ዚከኣለና ኽንገብር ከለና፡ ንሱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! (ኢሳ. 26:3፣ ሃጌ 2:7) ካብቲ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን እንረኽቦ በረኸት ከመይ ጌርና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ንኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንገብሮ መጽናዕቲ ብዕምቈት ክንሓስብ ኣሎና። እዚ መጽናዕትን ምስትንታንን ከኣ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብል ስለ ዚሕግዘና፡ ኣብ ጉባኤ ‘ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድና ኻብ ልቢ ኽንፋቐር’ የለዓዕለና እዩ።—ሮሜ 12:10። w22.11 12-13 ¶16-18
ሓሙስ 7 ሕዳር
ስሕተቶም ይቕረ ኽብል፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።—ኤር. 31:34።
የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለልና እንተ ተሰሚዑና፡ “እዋን ዕረፍቲ” ንረክብ ኢና፣ ማለት ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንጹህ ሕልናን ንረክብ ኢና። ከምዚ ዝበለ ይቕረታ፡ “ካብ የሆዋ ባዕሉ” ደኣ እምበር፡ ካብ ሰብ ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ። (ግብ. 3:19) የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ነቲ ምሳና ዝነበሮ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜዐርዮ፡ ከም ዘይሓጣእና እዩ ዚቘጽሮ። የሆዋ ሓንሳእ ይቕረ ምስ በለልና፡ ድሕሪኡ በቲ ሓጢኣት እቲ ኣይከስሰናን ወይ ኣይቀጽዓናን እዩ። (ኢሳ. 43:25) “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡” ንሓጢኣትና ኣዝዩ የርሕቖ እዩ። (መዝ. 103:12) ይቕረታ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ምስ እነስተንትን፡ ልብና ብምስጋናን ብኣድንቖትን ይምላእ እዩ። (መዝ. 130:4) የሆዋ ይቕረ ንምባል ዚገብሮ ውሳነ፡ እቲ ሓጢኣት ዓብዪ ወይ ንእሽቶ ኣብ ምዃኑ እተመርኰሰ ኣይኰነን። የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ነቲ ኸም ፈጣርን ሓጋግ ሕግን ፈራድን መጠን ዘለዎ ፍልጠት ይጥቀመሉ እዩ። w22.06 5 ¶12-14
ዓርቢ 8 ሕዳር
እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።—እብ. 11:6።
የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ጽቡቕ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ንሕማምን ንሓዘንን ንሞትን መወዳእታ ኽገብረሉ እዩ። (ራእ. 21:3, 4) ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ “ዓቃላት” እውን ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ ኺሕግዞም እዩ። (መዝ. 37:9-11) ንነፍሲ ወከፍና ኸኣ ምስኡ ኻብዚ ሕጂ ዚበልጽ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ናይ ብሕቲ ርክብ ክንምስርት ኪሕግዘና እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ድንቂ ተስፋ ዀን እዩ! ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዜእምን እንታይ መሰረት ኣሎና፧ የሆዋ ወትሩ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ይፍጽሞ እዩ። ስለዚ ኣብ ‘የሆዋ ተስፋ ንምግባር’ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። (መዝ. 27:14) ኣምላኽና ዕላማኡ ኽሳዕ ዚፍጽም ብትዕግስትን ብታሕጓስን ብምጽባይ ኣብኡ ተስፋ ኸም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 55:10, 11) የሆዋ “ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ” ዓስቢ ኸም ዚህቦም ርግጸኛታት ብምዃን፡ ንዕኡ እሙናት ንኹን። w22.06 20 ¶1፣ 25 ¶18
ቀዳም 9 ሕዳር
ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ።—ማቴ. 6:8።
የሆዋ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ተመዝጊቡ ዘሎ ስርዓት ከም ዜኽብሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ንስድራ ቤትና ኸም ዜፍቅሮምን እንተ ኣሚንና፡ ዜድልየና ኸም እንረክብ ንምእማን ኣይንሽገርን ኢና። (ማቴ. 6:31-33) የሆዋ ዜድልየና ኺህበና ይደሊ እዩ፣ ብሓቂ ድማ ፈቃርን ለጋስን ወሃቢ እዩ። ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ፡ ንምንባር ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ሂቡና። ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንምድሪ ብኣዝዩ ዜሐጕስ ነገራት መሊእዋ እዩ። (ዘፍ. 2:9) ሓድሓደ ግዜ፡ ብህይወት ንምንባር ዚኣክል ጥራይ እኳ እንተ ረኸብና፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ኸነማስወሉ ኣሎና። የሆዋ ዜድልየና ኣየስኣነናን። (ማቴ. 6:11) ሕጂ ብስጋዊ መዳይ እንኸፍሎ መስዋእቲ ምስቲ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ሕጅን ኣብ መጻእን ዚህበና ነገራት ኪወዳደር ከሎ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ።—ኢሳ. 65:21, 22። w22.06 15 ¶7-8
ሰንበት 10 ሕዳር
ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም . . . ብሱላት እዩ።—እብ. 5:14።
ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ዜድልዮም፡ ሓደስቲ ግዱሳት ጥራይ ኣይኰኑን። ኵላትና የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ መንፈሳዊ ምግቢ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ” ከም ዚጠቕመና ጽሒፉ ኣሎ። ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ስነ ምግባር ባይታ ዘቢጡ ኣሎ። ንመለክዒታት የሆዋ ሓሊኻ ምምልላስ ብሓቂ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንሸውሃትና ብዜዐንግል መንፈሳዊ ምግቢ ኣቢሉ ብርታዐ ኽንረክብ የኽእለና ኣሎ። ምንጪ እዚ ምግቢ እዚ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ከም የሱስ፡ ንስም ኣምላኽ ዚግብኦ ኽብሪ ንህቦ ኣለና። (ዮሃ. 17:6, 26) ንኣብነት፡ ብ1931 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ተቐቢልና ኢና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብስም እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንፍለጥ ከም እንደሊ ኣርኢና ኢና። (ኢሳ. 43:10-12) ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንስም ኣምላኽ ናብቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ግቡእ ቦታኡ መሊስዎ እዩ። w22.07 11 ¶11-12
ሰኑይ 11 ሕዳር
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።—መዝ. 119:105።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ተጠቓልል እያ። የሱስ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተገልጸ ሓቂ ምስ ሕቡእ መዝገብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብ ማቴዎስ 13:44 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ እዩ ኢሉ፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ሓንቲ ግራት ተሓቢኡ ዝነበረ እሞ፡ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ስለ እተሓጐሰ ድማ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ።” ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እቲ ሰብኣይ መዝገብ ኪረክብ የናዲ ኸም ዘይነበረ ኣስተብህል። ምስ ረኸቦ ግና፡ ምእንቲ ኼጥርዮ ኢሉ ዓብዪ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ። ዘለዎ ዅሉ እዩ ሸይጡ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ መዝገብ እቲ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዛ ዓለም እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ምስቲ ሕጂ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ፡ ከምኡ እውን ምስቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘሎና ተስፋ ኣይወዳደርን እዩ። ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ፡ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ እንተ ተኸፍለሉ እኳ ይግብኦ እዩ። ንዓና ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሰና ነገር፡ ‘ብዅሉ ንዕኡ ምሕጓስ’ እዩ።—ቈሎ. 1:10። w22.08 15 ¶8-9፣ 17 ¶12
ሰሉስ 12 ሕዳር
ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧—ዘፍ. 39:9።
ኣምላኽ ንዝሙት ከም “ዓብዪ ኽፍኣት” ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዮሴፍ ብኸመይ ፈሊጡ፧ እቲ “ኣይትዘሙ” ንዚብል ትእዛዝ ዜጠቓልል ሕጊ ሙሴ፡ ድሕሪኡ ድሕሪ ኽልተ ሚእቲ ዓመት እዩ ተጻሒፉ። (ዘጸ. 20:14) ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ዝሙት ከመይ ከም ዚስምዖ ኼስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንመውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ከም ዝገበረ፡ ብርግጽ ኪፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ እታ ኣደ ኣቦሓጎኡ ዝዀነት ሳራ ኽትዕመጽ እትኽእለሉ ሓደገኛ ዅነታት ምስ ተፈጥረ፡ የሆዋ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ጣልቃ ብምእታው ከም ዘዕቈባ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 2:24፣ 12:14-20፣ 20:2-7) ዮሴፍ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ኺሓስብ ከሎ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕን ጌጋን ኬስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ። ዮሴፍ ንኣምላኹ የፍቅሮ ብምንባሩ፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ጽድቂ እውን ይፈትዎ ነይሩ እዩ፣ ንምሕላዉ እውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ። w22.08 26 ¶1-2
ረቡዕ 13 ሕዳር
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ . . . ኪበራበሩ እዮም።—ዳን. 12:2።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረና ርድኢት እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚፍጸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ምሳልያዊ ትንሳኤ ወይ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ኣይኰነን ዜመልክት። የግዳስ፡ እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዚኸውን ትንሳኤ ምዉታት እዩ ዜመልክት። ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ክኢልና፧ እታ “ሓመድ” እትብል ቃል ኣብ እዮብ 17:16 ማዕረ እታ “መቓብር” እትብል ቃል ጌርካ እዩ ተዓይዩላ ዘሎ። እዚ ሓቂ እዚ ኸኣ፡ ዳንኤል 12:2 ነቲ ዳሕሮት መዓልትታት ድሕሪ ምብቃዑን ውግእ ኣርማጌዶን ድሕሪ ምውዳኡን ዚኸውን ቃል ብቓሉ ትንሳኤ ኸም እተመልክት ይሕብረና። ኣብ ዳንኤል 12:2፡ ገሊኦም ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ይትንስኡ ኺብሃል ከሎ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ እቶም ኣብተን 1,000 ዓመት ካብ ምዉታት ዚትንስኡ እሞ ንየሆዋን ንየሱስን ዚፈልጥዎምን ዚእዘዝዎምን፡ ወይ ብቐጻሊ ዚፈልጥዎምን ዚእዘዝዎምን ሰባት ኣብ መወዳእታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረኽቡ ማለት እዩ።—ዮሃ. 17:3። w22.09 21 ¶6-7
ሓሙስ 14 ሕዳር
[ፍቕሪ] ዅሉ ትኣምን።—1 ቈረ. 13:7።
ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ንዅሉ ሰብ ብዕሙትና ኽንኣምን ይጽበየና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ እሙናት ምዃኖም ስለ ዘርኣዩ፡ ክንኣምኖም ይጽበየና እዩ። እምነት ከም ኣኽብሮት ጽዒርካ ዚርከብ እዩ፣ እዚ ድማ ግዜ ይሓትት እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንኣሕዋትካ ኽትኣምኖም እትኽእል፧ ኣጸቢቕካ ፍለጦም። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዛርቦም። ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ዕየ። እሙናት ምዃኖም ኬርእዩ ኣጋጣሚ ብምሃብ ድማ ተዓገሶም። ኣብ ፈለማ፡ ንሓደ እትፈልጦ ዘለኻ ሰብ እንታይ ብሕታዊ ጕዳያት ከም እትገልጸሉ ኽትሓሪ የድልየካ ይኸውን። ርክብኩም እናደልደለ ምስ ከደ ግና፡ ከይተሰከፍካ ስምዒታትካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ትኸውን። (ሉቃ. 16:10) እንተዀነ ግና፡ ሓደ ዝኣመንካዮ ሰብ እንተ ጠሊሙካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ቀልጢፍካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። የግዳስ፡ ነቲ ነገር ግዜ ሃቦ። ብሰንኪ ተግባራት ሒደት ሰባት ኣብ ኣሕዋትካ ዝነበረካ እምነት ኣይተጥፍእ። w22.09 4 ¶7-8
ዓርቢ 15 ሕዳር
ኣዒንቲ የሆዋ . . . ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።—2 ዜና 16:9።
ሚኬያስ ንዝስሙ ሽማግለ ገሊኦም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኣመና ዝበደልዎ ዀይኑ እተሰምዖ እዋን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቀልቡ ሓለወ፡ ስምዒቱ ንምቍጽጻር እውን ጸዓረ። ንምጽዋር ዜድልዮ መንፈስ ቅዱስን ብርታዐን ምእንቲ ኺውሃቦ ኸኣ፡ ናብ የሆዋ ብጽኑዕ ጸለየ። ኣብ ጽሑፋትና እውን፡ ኪሕግዞ ዚኽእል ሓበሬታ ኣናደየ። ካብዚ እንታይ ትምሃር፧ ሓው ወይ ሓብቲ ዝበደለካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ፈለማ ህዳእ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታትካ እውን ክትቈጻጸሮ ጽዓር። እቲ ሰብ እቲ ነቲ ዘረባ ኸም ዚዛረብ ወይ ነቲ ተግባር ከም ዚገብር ዝገበሮ ዅነታት ኣይትፈልጥን ትኸውን። ስለዚ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ተዛረቦ፣ ከም ናይቲ ሰብ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ እውን ኪሕግዘካ ለምኖ። ንክርስትያን ብጻይካ ዕድል ሃቦ፡ ንበደሉ እውን ዕሽሽ ክትብሎ ጽዓር። (ምሳ. 19:11) የሆዋ ንዅነታትካ ኸም ዚርድኦ፡ ክትጻወር እውን ሓይሊ ኸም ዚህበካ ኣይትረስዕ።—መክ. 5:8። w22.11 21 ¶5
ቀዳም 16 ሕዳር
ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ።—መዝ. 26:4።
ንየሆዋ ዜፍቅሩ ፈተውቲ ሕረ። ናይ ፈተውቲ ምርጫኻ ንክርስትያናዊ ዕቤትካ ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዩ። (ምሳ. 13:20) ሕጂ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ጁልየን ከምዚ ይብል፦ “ብግዜ ንእስነተይ፡ ኣብ ኣገልግሎት እየ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክገብር ክኢለ። እቶም ኣዕሩኸይ ከኣ ብቕንኣት ዜገልግሉ እዮም ነይሮም፣ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኪኸውን ከም ዚኽእል ከኣ ክርኢ ሓጊዞምኒ እዮም። . . . ምስቶም ኣብ ናተይ ክሊ ዕድመ ዚርከቡ ጥራይ ብምትዕርራኽ ጽቡቕ ምሕዝነትን መሳጢ ዕርክነትን የምልጠኒ ኸም ዝነበረ እውን ኣስተውዒለ።” ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ሓደ ሰብ ጥዑይ ዓርኪ ኸም ዘይኰነካ እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ ገሊኦም ሰባት፡ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ኸም ዘይነበሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንጢሞቴዎስ ካባታቶም ኪርሕቕ ኣጠንቂቕዎ እዩ። (2 ጢሞ. 2:20-22) ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ኣዝዩ ኽቡር እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ብብዙሕ ጻዕሪ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዝመስረትናዮ ርክብ ኬበላሹ ኸነፍቅደሉ የብልናን። w22.08 5-6 ¶13-15
ሰንበት 17 ሕዳር
ካብ ዓሻ ርሓቕ።—ምሳ. 14:7።
ንሕና ኸምቶም ካብ ኣምላኽ ንዚመጽእ ምኽሪ ዚጸልኡ ሰባት ኣይኰንናን። የግዳስ፡ ንመገድታት ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ንፈትዎ ኢና። ተኣዛዝነት ዜፍርዮ ፍረ ምስቲ ዘይተኣዛዝነት ዜፍርዮ ፍረ ምስ እነነጻጽሮ፡ ንመገድታቱ ብዝያዳ ኽንፈትዎ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ነቲ ሰባት ብሰንኪ ዕሽነቶም ንጥበባዊ ምኽሪ የሆዋ ብዘይምቕባሎም ኣብ ርእሶም ዜምጽእዎ ጸገማት ተዓዘብ። ድሕሪኡ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ብምዃንካ፡ ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ሕሰብ። (መዝ. 32:8, 10) የሆዋ ንዅሉ ሰብ ጥበብ የቕርብ እዩ፣ ንዋላ ሓደ ሰብ ግና ብግዲ ኸም ዚቕበሎ ኣይገብርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ንጥበብ ዘይሰምዑ እንታይ ሳዕቤናት ከም ዚዓጽዱ ይገልጸልና እዩ። (ምሳ. 1:29-32) ‘ሳዕቤናት መገዶም ይስከሙ’ እዮም። ውዒሉ ሓዲሩ፡ እቲ ኣነባብራኦም ጭንቂ፡ ሽግር፡ ኣብ መወዳእታኡ እውን ጥፍኣት እዩ ዜስዕበሎም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ነቶም ነቲ የሆዋ ዚህቦ ጥበባዊ ምኽሪ ዚሰምዑን ኣብ ህይወቶም ዚትግብርዎን ሰባት፡ “እቲ ዚሰምዓኒ . . . ብደሓን ኪነብር፡ መዓት ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእ እዩ” ዚብል ቃል ተኣትዩሎም ኣሎ።—ምሳ. 1:33። w22.10 21 ¶11-13
ሰኑይ 18 ሕዳር
ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ።—መዝ. 128:1።
ፍርሃት የሆዋ ኺብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ኻብ ዘሎና ዓብዪ ኣኽብሮት እተላዕለ ዜጕህዮ ዘበለ ኣይንገብርን ማለት እዩ። (ምሳ. 16:6) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘውጽኦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለክዒታት ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ንጽዕር። (2 ቈረ. 7:1) የሆዋ ዚፈትዎ እንተ ጌርና፡ ካብቲ ንሱ ዚጸልኦ እውን እንተ ርሒቕና ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝ. 37:27፣ 97:10፣ ሮሜ 12:9) ሓደ ሰብ፡ የሆዋ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን ስልጣን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ኪቕበሎ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2) የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ምስዓብ ንህይወትና ብሉጽ ምዃኑ ብሓቂ ኸም እንኣምን ብኣካይዳና ኢና እነርኢ። (ምሳ. 12:28) ዳዊት ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ንየሆዋ፡ “መገዲ ህይወት ተፍልጠኒ። ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ ሓጐስ ኣሎ፣ ኣብ የማንካ ድማ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ።—መዝ. 16:11። w22.10 8 ¶9-10
ሰሉስ 19 ሕዳር
ወድስ ኣቦ ኺገብሮ ዝረኣዮ ጥራይ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።—ዮሃ. 5:19።
የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፣ ብተወሳኺ እውን ትሑት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህልውና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜደንቕ ነገራት ገይሩ ነይሩ እዩ። “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ . . . ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ።” (ቈሎ. 1:16) የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ኵሉ እቲ ምስ ኣቦኡ ኸሎ ዝገበሮ ነገራት ዘኪርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 3:16፣ ዮሃ. 17:5) እቲ ፍልጠት እቲ ግና ኣየዐበዮን። ኣብ ልዕሊ ዋላ ሓደ እኳ ርእሱ ልዕል ኣየበለን። ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግሮም ከሎ፡ “ወዲ ሰብ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 20:28) ካብ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኺገብር ከም ዘይክእል ድማ፡ ብትሕትና ገሊጹ እዩ። ብሓቂ የሱስ ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ! ንሕና ኽንስዕቦ ዚግባእ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። w22.05 24 ¶13
ረቡዕ 20 ሕዳር
ናብ . . . የሆዋ . . . ይመለስ።—ኢሳ. 55:7።
የሆዋ ይቕረ ንምባል ኣብ ግምት ዜእትዎ፡ እቲ ሓጥእ ነቲ ዝገበሮ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ እንተ ነይሩ ወይ እንተ ዘይነይሩ እዩ። የሱስ ነዚ ኣብ ሉቃ. 12:47, 48 ንጹር ገይርዎ ኣሎ። ብፍታዉ እከይ ኪገብር ዚሕልንን ንየሆዋ ዜጕህዮ ነገር ይገብር ከም ዘሎ ኣጸቢቑ ዚፈልጥን ሰብ፡ ሓጢኣቱ ኸቢድ እዩ ዚኸውን። የሆዋ ንኸምዚ ዚገብር ሰብ ይቕረ ኸይብለሉ ይኽእል እዩ። (ማር. 3:29፣ ዮሃ. 9:41) ኣብቲ መዳይ እቲኸ ተስፋ ኣሎ ድዩ፧ እወ! ብዘይካዚ፡ የሆዋ እቲ ሓጥእ ካብ ልቡ እንተ ተነሲሑ ወይ እንተ ዘይተነሲሑ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ምንሳሕ ኪብሃል ከሎ፡ “ሓሳብካ፡ ኣረኣእያኻ፡ ወይ ዕላማኻ ምቕያር” ማለት እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ሓደ ሰብ ክፉእ ብምግባሩ ወይ ኪገብሮ ዚግባእ ሰናይ ብዘይምግባሩ ንዚስምዖ ጣዕሳን ዓሚቝ ጓህን የመልክት እዩ። ሓደ ዚንሳሕ ሰብ በቲ ዝፈጸሞ ኣበሳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ናብቲ ኣበሳ ዝመርሖ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት እውን ይጕሂ እዩ። w22.06 5-6 ¶15-17
ሓሙስ 21 ሕዳር
እኳ ደኣስ፡ ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።—2 ጢሞ. 3:12።
ጸላእትና ብዛዕባ እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ፡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ሓሶት ወይ ግጉይ ሓበሬታ ይነዝሑ እዮም። (መዝ. 31:13) ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮምን ከም ገበነኛታት ተኸሲሶምን እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብጌጋ ምስ ተኸስሰን ምስ ተኣስረን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንዕኡ ዚህብዎ ዝነበሩ ደገፍ ኣቋሪጾም እዮም። (2 ጢሞ. 1:8, 15፣ 2:8, 9) ጳውሎስ ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ንሕሰብ። ብዙሕ ጸገማት እዩ ኣሕሊፉ፣ ምእንታኦም ኢሉ እውን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ። (ግብ. 20:18-21፣ 2 ቈረ. 1:8) እምበኣር፡ ከምቶም ንጳውሎስ ዝጠንጠንዎ ሰባት ፈጺምና ኣይንኹን! ስለዚ፡ ሰይጣን፡ ሓላፍነት ንዘለዎም ኣሕዋት ዕላማ መጥቃዕቱ እንተ ገበሮም ኬገርመና የብሉን። በዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣቢሉ ንጽህናኦም ኬበላሹን ኬፈራርሃናን እዩ ዚደሊ። (1 ጴጥ. 5:8) ንኣሕዋትካ ደግፎም፡ ብተኣማንነት እውን ምሳታቶም ልገብ።—2 ጢሞ. 1:16-18። w22.11 16-17 ¶8-11
ዓርቢ 22 ሕዳር
ንኣምላኽ ኣይትፈርህን ዲኻ፧—ሉቃ. 23:40።
እቲ ቕድሚ ሙማቱ ኣብ ጐድኒ የሱስ ተሰቒሉ ዝነበረ እተነስሐ ገበነኛ፡ ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣይሁድ ሓደ ኣምላኽ እዮም ዜምልኹ ነይሮም፣ ኣህዛብ ግና ብዙሓት ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። (ዘጸ. 20:2, 3፣ 1 ቈረ. 8:5, 6) እቲ ገበነኛ ኻብ ኣህዛብ እንተ ዚኸውን፡ እተን ኣብ ናይ ሎሚ ጥቕሲ ዘለዋ ቓላት “ንኣማልኽቲ ኣይትፈርህን ዲኻ፧” ምዀና ነይረን። ብተወሳኺ እውን፡ የሱስ ናብ ኣህዛብ ዘይኰነስ፡ ናብተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” እዩ ተላኢኹ። (ማቴ. 15:24) ኣምላኽ ድማ ንእስራኤላውያን፡ ምዉታት ከም ዜተንስእ ገሊጹሎም ነይሩ እዩ። እቲ እተነስሐ ገበነኛ ብዛዕባ እዚ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ቃላቱ ኸም ዚሕብሮ ድማ፡ የሆዋ ንየሱስ ኣተንሲኡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚገብሮ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ እቲ ገበነኛ፡ ኣምላኽ ንዕኡ እውን ከም ዜተንስኦ ተስፋ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ እተነስሐ ገበነኛ ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እታ የሆዋ መንበሪኦም ክትከውን ዝሃቦም ገነት ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ እታ የሱስ ዝጠቐሳ ገነት ኣብ ምድሪ እትድኰን ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም እትኸውን ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘፍ. 2:15። w22.12 8-9 ¶2-3
ቀዳም 23 ሕዳር
ኵሎም እዚኣቶም . . . ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ።—ግብ. 1:14።
ከም ህዝቅኤል ንዕዮ ስብከት ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንፍጽሞ እንኽእል። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ንንጥፈታት ስብከትና ደው ንምባል ይዋግኣና ኣሎ። (ራእ. 12:17) ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ኸነሰንፍ ፈጺምና ኣይንኽእልን ኢና። ብዕዮ ምስክርነት ኣቢልና ግና ንስዕሮ ኣለና! (ራእ. 12:9-11) ብኸመይ፧ ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና፡ ንሰይጣን ከም ዘይንፈርሆ ኢና እነርኢ። ብዝሰበኽና መጠን ከኣ ሰይጣን ይሰዓር እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኸም ዝረኸብናን ሞገስ የሆዋ ኸም ዘሎናን ክንድምድም ንኽእል ኢና። (ማቴ. 5:10-12፣ 1 ጴጥ. 4:14) መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣገልግሎትና ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸገም ክንሰግሮ የኽእለና እዩ። (2 ቈረ. 4:7-9) እሞ ደኣ ብቐጻሊ መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ብምትእምማን ከይተሓለልና ኽንጽሊ ኣሎና። w22.11 5 ¶10-11
ሰንበት 24 ሕዳር
ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡ ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምሕጸነኩም ኣለና።—1 ተሰ. 5:14።
ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሰላም ንምዕቃብ ዚከኣለና ብምጽዓር እውን፡ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። እቲ የሆዋ ይቕረ ብምባል ዝሓደገልና ኣብነት ክንስዕብ ንጽዕር ኢና። የሆዋ ምእንቲ ሓጢኣትና ኢሉ ወዱ ኺሞተልና ፍቓደኛ ኻብ ኰነ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪብድሉና ኸለዉ ይቕረታ ንምግባር ድሉዋት ክንከውንዶ ኣይግባእን፧ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ እኩይ ባርያ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። እቲ ባርያ እቲ ጐይታኡ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ ምስ ሰረዘሉ እኳ፡ ብተዛማዲ ሒደት ዕዳ ንዝነበሮ ብጻዩ ባርያ ዕዳኡ ኺስርዘሉ ኣይደለየን። (ማቴ. 18:23-35) ኣብ ጉባኤ ምስ ዘሎ ሰብ ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ቕድሚ ምእካብካ ንምትዕራቕ ቀዳማይ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧ (ማቴ. 5:23, 24) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ሓያል ፍቕሪ ኸም ዘላትካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። w23.01 29 ¶8-9
ሰኑይ 25 ሕዳር
ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ።—ምሳ. 19:17።
ሓደ ኻብቲ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን እንታይ ከም ዜድልዮም እትፈልጠሉ መገዲ ብሜላ ብእትሓትቶም ሕቶ ኣቢልካ ኣብ ልቦም ዘሎ ኸም ዚገልጹልካ ብምግባር እዩ። (ምሳ. 20:5) እኹል ምግብን መድሃኒትን ካልእ ነገራትን ኣለዎምዶ፧ ስራሖም ወይ ቤቶም ኪስእኑ ይኽእሉዶ፧ ካብቲ መንግስቲ ዚህቦ ረድኤት ምእንቲ ኺጥቀሙ ሓገዝ የድልዮምዶ፧ የሆዋ ንዅላትና፡ ንኻልኦት ከነተባብዕን ክንሕግዝን ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ገላ. 6:10) ንእሽቶ መግለጺ ፍቕሪ እኳ ንሓደ ዝሓመመ ሰብ ሓያል ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ቘልዓ ንሓደ ሓው ካርድ ወይ ስእሊ ኺሰድደሉ ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ዓባይ ሓብቲ ኺልኣኻ ወይ ኪዓዳድገላ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ድማ ንዝሓመሙ ምግቢ ኼዳልሎም ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስጋናኦም ዚገልጽ ወረቐት ጽሒፎም ሰዲዶምሎም እዮም። እወ፡ ነቲ “ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” ዚብል ምሕጽንታ ንምትግባር እጃምና እንተ ጌርና፡ እዚ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ።—1 ተሰ. 5:11። w22.12 22 ¶2፣ 23 ¶5-6
ሰሉስ 26 ሕዳር
ብዙሕ ተጋጊኹም።—ማር. 12:27።
ሰዱቃውያን ነተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከባ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ኣጸቢቖም ይፈልጥወን ነይሮም እዮም። ነቲ ኣብተን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ መጻሕፍቲ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቅታት ግና ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ንየሱስ ምስ ተማጐትዎ፡ ንሱ እንታይ ከም ዝበሎም ክንርኢ ንኽእል ኢና። “ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኸም ዝበሎዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” ኢሉ እዩ ሓቲትዎም። (ማር. 12:18, 26) ነቲ ዛንታ እቲ ብዙሕ ሳዕ እኳ እንተ ኣንበብዎ፡ ነቲ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዝዀነ ትምህርቲ ትንሳኤ ዕሽሽ ከም ዝበልዎ እዩ በዚ ሕቶ እዚ ኣቢሉ ኣቃሊዕዎም። (ሉቃ. 20:38) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ከነንብብ ከለና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሓንቲ ፍቕዲ ወይ ኣብ ሓደ ዛንታ ዘሎ ትምህርቲ ኸነቕልበሉ ንደሊ ኢና። ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብኡ ተሓቢኡ ዚርከብ ዝዓመቘ ሓቅታትን ስርዓታትን እውን ከነስተውዕሎ ንደሊ ኢና። w23.02 11 ¶9-10
ረቡዕ 27 ሕዳር
ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና [ኣለና]።—እብ. 12:1።
ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ሎሚ ጥቕሲ ተጠቒሶም ዘለው መሰኻኽር፡ ከቢድ ፈተናታት ኣሕሊፎም እዮም፣ ንየሆዋ እሙናት ብምዃን ግና ዜደንቕ ስም ኣጥርዮም እዮም። (እብ. 11:36-40) እሞኸ እቲ ተጻዋርነቶምን ጻዕሮምን ከንቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን! ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጸም እኳ እንተ ዘይረኣዩ፡ ብየሆዋ ተስፋ ኻብ ምግባር ግና ኣየቋረጹን። ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዝረኸቡ ርግጸኛታት ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብ መጻኢ ኺፍጸም ከም ዚርእዩ እምንቶ ነይርዎም እዩ። (እብ. 11:4, 5) እቲ ኣብነቶም ነቲ ወትሩ ብየሆዋ ተስፋ ኽንገብር ዘሎና ቘራጽነት ኬደልድለልና ይኽእል እዩ። ሎሚ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ኣብ እትጐዓዝ ዘላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:13) እቲ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ዜምጽኣሎም ፈተናታት መወዳእታ የብሉን። ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታት ብዘየገድስ ግና፡ “ተስፋና ኣብቲ . . . ህያው ኣምላኽ” ብምግባር፡ ምእንቲ የሆዋ ንምጽዓር ቈራጽነት ንግበር።—1 ጢሞ. 4:10። w22.06 25 ¶17-18
ሓሙስ 28 ሕዳር
ካብ ሞተይ እንታይ ረብሓ ይርከብ፧ ሓመድዶ ይውድሰካ እዩ፧—መዝ. 30:9።
ሓደ ኻብቲ ጥዕናና እንሕልወሉ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ብምሉእ ዓቕምና ኸነገልግሎ ምእንቲ ኽንክእል እዩ። (ማር. 12:30) ንጥዕናና ኺጐድእ ካብ ዚኽእል ነገራት ንርሕቕ ኢና። (ሮሜ 12:1) ልክዕ እዩ፡ ዝገበርና እኳ እንተ ገበርና፡ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ጥዕና ይህልወና ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ስለቲ ዝሃበና ህይወት ዘሎና ሞሳ ኸነርእዮ ስለ እንደሊ፡ ዚከኣለና ንገብር ኢና። ሕማምን እርጋንን መብዛሕትኡ እቲ ኣቐዲምና እንገብሮ ዝነበርና ነገራት ካብ ምግባር ኪዓግተና ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ክንበሳጮን ክንጕህን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ በዚ ኽንሕለልን ንጥዕናና ዕሽሽ ክንብሎን የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እርጋን ወይ ሕማም ሽሕ ሳዕ ይኽበደና ብዘየገድስ፡ ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ንየሆዋ ኽንውድሶ ንኽእል ኢና። ዘይፍጹማት ክነስና ኣምላኽ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየና ምፍላጥና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። (ማቴ. 10:29-31) ዋላ እኳ እንተ ሞትና፡ ኬተንስኣና ይናፍቕ እዩ። (እዮ. 14:14, 15) ስለዚ፡ ብህይወት ከለና ንጥዕናናን ንህይወትናን ንምሕላው ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና። w23.02 20-21 ¶3-5
ዓርቢ 29 ሕዳር
መንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ዘበለ . . . ንዘለኣለም ሕድገት ኣይረክብን እዩ።—ማር. 3:29።
ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኪቕጽል ድዩ፧ እወ። (ራእ. 7:14) የሱስ እዞም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪኸዱ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 25:46) ኰይኑ ግና፡ እዞም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ብኡብኡ ኣይኰኑን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ድማ፡ የሱስ “ኪጓስዮምን ናብ ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት ኪመርሖምን እዩ።” እቶም ንመሪሕነት ክርስቶስ ዚቕበሉን ኣብ መወዳእታ እሙናት ዚዀኑን ስማቶም ንሓዋሩ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኪጽሓፍ እዩ። (ራእ. 7:16, 17) እቶም ኣጣል ግና ኣብ ኣርማጌዶን ኪጠፍኡ እዮም። የሱስ፡ ንሳቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚኸዱ እዩ ገሊጹ። (ማቴ. 25:46) ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ንሳቶም “ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም” ኢሉ ነጊሩና እዩ።—2 ተሰ. 1:9፣ 2 ጴጥ. 2:9። w22.09 16 ¶7-8
ቀዳም 30 ሕዳር
ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ።—መክ. 3:1።
ስድራ ቤታት ብፍጥረት የሆዋ ኺዛነዩን ኪዘናግዑን ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍቕሪ ኼሐይልዎ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ብተግባራት ኢዱ ኣቢሉ ኽንዘናግዓሉ እንኽእል ጥዑይ ንጥፈታት ሂቡና ኣሎ። ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ተፈጥሮ ኣብ ዚርኣየሉ ሕዛእቲ፡ ኣብ ገጠራት፡ ኣብ ኣኽራን፡ ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብሓባር ግዜ ምሕላፍ የሐጕሶም እዩ። ኣብታ ኣምላኽ ዜቝማ ሓዳስ ዓለም ወለድን ውሉዳትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብፍጥረት የሆዋ ኺሕጐሱ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ንእንስሳታት ኣይክንፈርሆምን ኢና፣ ንሳቶም እውን ኣይኪፈርሁናን እዮም። (ኢሳ. 11:6-9) በቲ የሆዋ ዝገበሮ ንምሕጓስ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ኺህልወና እዩ። (መዝ. 22:26) እንተዀነ ግና፡ ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍጥረታት ኪሕጐሱ ንምምሃር ክሳዕ ሽዑ ኣይትጸበዩ። ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ኽትምህርዎም ከለኹም፡ ምስቲ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ሓሳብ ኪሰማምዑ እዮም። ንሱ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ከም ግብርታትካ ዝበለ . . . የልቦን” ኢሉ ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ።—መዝ. 86:8። w23.03 25 ¶16-17