ንኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት ኢዩ፧
እቲ ቐዳማይ ሰብኣዊ ህጻን: ሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ተወልደ። ምስ ተወልደ ኣዲኡ: ሄዋን: “ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ” በለት። (ዘፍጥረት 4:1) እቲ ሄዋን እተዛረበቶ ሓሳባት: ሽሕ’ኳ ንሳን ኣዳም ሰብኣያን ብምኽንያት ዕልወቶም ድሮ ንሞት ተፈሪዶም እንተ ነበሩ: ጌና ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኻዊ ርእስነት ይፈልጥዎ ከም ዝነበሩ የመልክተልና። ጸኒሖም ድማ ካልኣይ ወዲ ወለዱ። እቶም ኣወዳት ድማ ቃየልን ኣቤልን ተባሂሎም ተጸውዑ።
ምስ ዓበዩ ኸኣ ፍጥረታቱ ብምምርማር ጥራይ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ብዙሕ ከም እተማህሩ እተረጋገጸ ኢዩ። በቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ውቁብ ሕብርታትን በቶም እተፈላለዩ እንስሳታትን ኣታኽልትን ይሕጐሱ ነይሮም ኢዮም። ኣምላኽ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ህይወት ሓጐስ ናይ ምርካብ ክእለት እውን ሂብዎም ኢዩ።
ወለዶም ፍጹማት ኰይኖም ከም እተፈጥሩን ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ድማ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ከም ዝዀነን ፈሊጦም ኢዮም። ኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ እታ ውቅብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን ገሊጾምሎም ክዀኑ ኣለዎም: ስለምንታይ ካብዛ ገነታዊት ቤቶም ከም እተሰጕ እውን ኣብሪሆምሎም ክዀኑ ኣለዎም። ቃየልን ኣቤልን ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ መለኮታዊ ትንቢት እውን ተገንዚቦምዎ ክዀኑ ኣለዎም። በቲ ትንቢት እቲ ገይሩ: የሆዋ ንጥቕሚ እቶም ዘፍቅርዎን ኣብኡ ዘለዎም ተኣማንነት ዘረጋግጹን ክብል ነገራት ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከተዓራሪ ዘለዎ ዕላማ ገሊጹ ኢዩ።
ቃየልን ኣቤልን ብዛዕባ የሆዋን ባህርያቱን ምምሃሮም: ኣብ ውሽጦም ስምረት ኣምላኽ ናይ ምርካብ ባህጊ ኣሕዲሩሎም ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ መስዋእቲ ብምምጻእ ንየሆዋ ቀሪቦምዎ ኢዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ: ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ በዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ።”—ዘፍጥረት 4:3, 4
እቲ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ዝነበሮም ባህጊ: ምስኡ ርክብ ንምግባር መሰረት ኰይኑ ኢዩ። ቃየል ኣብ መወዳእታ ኣንጻር ኣምላኽ ብምዕላዉ ምስኡ ዝነበሮ ርክብ ከቋርጽ ከሎ: ኣቤል ግን በቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምልዕዓሉ ቀጺሉ ኢዩ። ኣቤል መጀመርያ ብዛዕባ ባህርያትን ዕላማታትን የሆዋ ፍልጠት እንተዘየጥሪ ነይሩ: ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝዓይነቱ ርክብ ኣይመማዕበለን።
ንስኻውን ንየሆዋ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ኣምላኽ ሓደ ስቕ ኢሉ ብሃውሪ ነገራት እናፈጠረ ዝነብር ህይወት ዘይብሉ ሓይሊ ዘይኰነስ: ህያው ኣካል ከም ዝዀነ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። (ምስ ዮሃንስ 7:28፣ እብራውያን 9:24፣ ራእይ 4:11 ኣረኣእዮ።) መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑውን ይምህረና ኢዩ።—ዘጸኣት 34:6
‘ምስማዕ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ’
ኣብቲ ናይ ቃየልን ኣቤልን ጸብጻብ ተገሊጹ ከም ዘሎ: ፍልጠት ኣምላኽን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንምጥራይ ዝብል ባህግን ምሓዝ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሓቂ ኢዩ: እቶም ክልተ ኣሕዋት ንኣምላኽ መስዋእቲ ሒዞም ቀሪቦምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር “እግዚኣብሄር . . . ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ: ገጹ ድማ ጸለመ።”—ዘፍጥረት 4:3-5
የሆዋ ንመስዋእቲ ቃየል ዝነጸጎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ዓይነት ናይቲ መስዋእቱ ገለ ጉድለትዶ ነይሩ ኢዩ፧ ቃየል ኣብ ክንዲ መስዋእቲ እንስሳ “ካብ ፍረ ምድሪ” ስለ ዘቕረበ የሆዋ ቅር ኢሉዎዶ ኢዩ፧ እቲ ምኽንያት እዚ ከይከውን ይኽእል ኢዩ፧ ድሕርዚ ኣምላኽ ካብ ብዙሓት ኣምለኽቱ መስዋእቲ እኽልን ካልእ ፍረ ምድርን ብሓጐስ ተቐቢሉ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 2:1-16) በዚ መሰረት እዚ እምበኣር: ቃየል ኣብ ኵነታት ልቡ ገለ ጕድለት ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። የሆዋ ንልቢ ቃየል ከንብቦ ይኽእል ነይሩ ኢዩ: ከምዚ ብምባል ድማ ኣጠንቀቖ:- “እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፤ ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ: ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ አላ: ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ።”—ዘፍጥረት 4:6, 7
ንኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምርኣይ ክበሃል ከሎ: መስዋእቲ ጥራይ ካብ ምቕራብ ንላዕሊ ማለት ኢዩ። ስለ ዝዀነ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ንቃየል ‘ጽቡቕ ንኽገብር’ ዘተባብዖ። ኣምላኽ ተኣዛዝነት ኢዩ ዝደሊ። ቃየል ከምዚ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ምእዛዝ እንተ ዝህልዎ ነይሩ: ምስ ፈጣሪ ፍቕራዊ ርክብ ንኽህልዎ ጽቡቕ መሰረት ንምግባር ምሓገዞ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቕሚ ናይ ምእዛዝ በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ኣጕሊሕዎ ኣሎ:- “ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ: ምስማዕ ካብ መስዋእቲ: ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።”—1 ሳሙኤል 15:22
እዚ ሓሳብ እዚ ጸኒሑ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 ብዝርከቡ ቃላት ኣጸቢቑ ተረጋጊጹ ኢዩ:- “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።” ገዛእ ርእስና ንስልጣኑ ካብ ምግዛእ ሓሊፍና ንየሆዋ ፍቕርና ከነርእየሉ እንኽእል ካልእ ዝሓሸ መገዲ የልቦን። እዚ ድማ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት ምእዛዝ ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ንሰናይ ምፍቃር ንእከይ ከኣ ምጽላእ ማለት ኢዩ።—መዝሙር 97:10፣ 101:3፣ ምሳሌ 8:13
ሓደ ካብቲ ንኣምላኽ ፍቕርና እንገልጸሉ ዝዓበየ መገዲ ንብጻይና ምፍቃር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ” ብምባል ይገልጸልና።—1 ዮሃንስ 4:20
ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምግባር ይከኣል ኢዩ
ገለ ሰባት: ‘ኣነ ንየሆዋ አምልኾ ኢየ። ንሕጋጋቱ እእዘዝ ኢየ። ምስ ብጻየይ ድማ ብዘይ ኣድልዎ ኢየ ዝመላለስ። ነዚ ዅሉ እገብሮ ኢየ። ጌና ግን ብሓቂ ናብ ኣምላኽ ዝቐረብኩ ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። ኣዕሚቘ ዘፍቅሮ ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ: እዚ ድማ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዝስምዓኒ ይገብረኒ’ ይብሉ ይዀኑ። ገሊኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምስ የሆዋ ክገብሩ: ዘይበቕዑ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን።
ሓደ ክርስትያን ድሕሪ ናይ 37 ዓመታት ንየሆዋ ዝገበሮ ውፉይ ኣገልግሎት: ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ግዜ እቲ ንየሆዋ ዝገብሮ ኣገልግሎት ንማለቱ ኢለ ጥራይ ይገብሮ ከም ዘሎኹ: አረ ብውሽጠይ ተላዒለ ንየሆዋ የገልግሎ ከም ዘየለኹ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኢዩ። ንየሆዋ ምግልጋል ግን እቲ ቅኑዕ ነገር ከም ዝዀነ እፈልጥ ኢየ: ነዚ ዕዮዚ ንኸቋርጽ ድማ ኣይፈቅድን ኢየ። ይኹን እምበር: ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ‘ልቡ ወይ ከኣ ልባ ብፍቕሪ የሆዋ መሊኡ:’ ዝብል ከንብብ ከሎኹ ‘ኣነ ግን ፈጺሙ ከምኡ ተሰሚዑኒ ዘይፈልጥሲ እንታይ ኢየ ኰይነ፧’ ብምባል እግረም።” ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክንገብር እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧
ንሓደ ሰብ ብሓቂ ተፍቅሮ እንተድኣ ኰይንካ: መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሰብ እቲ ኢኻ እትሓስብ። ትግደሰሉ ስለ ዝዀንካ ድማ ንኽትቀርቦ ኣጸቢቕካ ኢኻ እትህንጠ። ዝያደ ብዝርኣኻዮ: ብእተዛረብካዮ: ከምኡውን ብዛዕባኡ ዝያዳ ብዝሓሰብካ መጠን እቲ ኣብኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኸኣ ብእኡ መጠን ይዓቢ። እዚ መምርሒ እዚ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እትገብሮ ምዅስኳስ እውን ዝውዕል ኢዩ።
እቲ ብመንፈስ እተመርሐ ጸሓፊ ኣብ መዝሙር 77:12 “ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ይብል። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንምዅስኳስ ምስትንታን ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣድላዪ ዝዀነሉ ድማ ንሱ ዘይርአ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ግናኸ ብዛዕብኡ ብዝያዳ ብዝሓሰብካ መጠን: ዝያዳ ህያው ይዀነልካ። ብዛዕብኡ ምስ እተስተንትን ንዓኻ ህያው ስለ ዝዀነ: ምስኡ ልባዊ ከምኡውን ምፍታው ዘለዎ ርክብ ከተማዕብል ትኽእል።
ብዛዕባ መገድታት የሆዋን ተግባራቱን ብተደጋጋሚ ናይ ምስትንታን ዝንባለ ክህልወካ ዝኽእል: ኣብቲ ንዕኡ ዘሎካ ምስማዕ እተጸግዐ ኢዩ። ንቓሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ኰይንካ ብምንባብን ብምጽናዕን ከኣ ኢኻ ክትሰምዖ እትኽእል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ሕጕስ ሰብ ክዛረብ ከሎ ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብ’ ኢዩ ኢሉ ኣሎ።—መዝሙር 1:1, 2
ካልእ ኣድላዪ ረቛሒ ድማ ጸሎት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ:” ‘ንጸሎት ግዜ ብምፋላይ:’ ‘ጸሎት ብምዝውታር:’ ‘ከየባተኽና ብምጽላይ’ ብተደጋጋሚ ንኽንጽሊ ዘተባብዓና። (ኤፌሶን 6:18 ትሓዓ፣ 1 ቈረንቶስ 7:5 ትሓዓ፣ ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) እቲ ናብ የሆዋ እንገብሮ ዘየባትኽ ጸሎት ብእኡ ከም እንፍቶ ኢዩ ዝገብረና: ከም ዝሰምዓና ርግጸኛታት ምዃንና ድማ ናብኡ ከም እንጽጋዕ ይገብረና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንሓቅነት ናይዚ ነገር እዚ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ:- “ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ። እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ: ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ።”—መዝሙር 116:1, 2
ነቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ምምሳል
የሆዋ ንዓና ሰናይ ኢዩ። ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ብምዃኑ ኸኣ: ዝሓስበሉን ዝግደሰሉን ብዙሕ ነገራት ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣዝዩ ግሩም ኣምላኽ ክነሱ: ጌና ኸኣ ንሰብኣውያን ፍጥረታቱ ከም ዝሓሊ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። ንሱ የፍቅረና ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) እቲ ጸሓፍ መዝሙር በዚ ዝስዕብ ቃላቱ ገይሩ ነዚ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ጐይታና: ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ: ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ [“መዋቲ:” ትሓዓ ] ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧”—መዝሙር 8:1, 3, 4
የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ንመዋቲ ሰብ ዝዝክሮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቐሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ” ብምባል ይምልሰልና።—1 ዮሃንስ 4:9, 10
እዚ መተዓረቒ መስዋእቲ እዚ እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ክኸውን ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ኣብ ገነት ኤደን እንታይ ከም እተፈጸመ እስከ ንርአ። ኣዳምን ሄዋንን ንሕጊ የሆዋ ብምግዛእ ንመጻኢ ፍጹም ህይወት ሃልይዎም ንዘለኣለም ክነብሩ ወይ ከኣ ኣንጻር ኣምላኽ ብምዕላው ፍሪኡ ሞት ክዓጽዱ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ክውስኑ ነበሮም። ክዓልዉ ኸኣ መረጹ። (ዘፍጥረት 3:1-6) እዚ ምርጫ እዚ ብምምራጾም: ንዅሎም ደቅሰብ ንሞት ኰነንዎም። (ሮሜ 5:12) በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ንገዛእ ርእስና ንምውሳን ክህልወና ዝነበሮ ኣጋጣሚ ብድርቅና ሰሪቖምና ኢዮም። ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ካባና ኣብቲ ጉዳይ እቲ ባዕሉ ክውስን ኣጋጣሚ ዝረኸበ የልቦን።
ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ናይ ወድሰብ ዘሕዝን ኵነታት ብምግንዛብ ንመዋቲ ሰብ ብፍቕሪ ተለዓዒሉ ዘኪርዎ ኢዩ። የሆዋ በቲ መስዋእታዊ ሞት ናይ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍና ህይወት ወይ ሞት ምእዛዝ ወይ ከኣ ዕልወት ክንመርጽ መሰረት ኣንቢሩልና ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) እዚ ድማ የሆዋ ብመሰረት እቲ እንገብሮ ምርጫ እንፍረደሉ ኣጋጣሚ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ኤደን ተመሊስና ውሳነና ክንገብረሉ እንኽእል ኣጋጣሚ: ሂቡና ማለት ኢዩ። እዚ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተራእየ ናይ ፍቕሪ መግለጺ እቲ ዝዓበየ ኢዩ።
የሆዋ እቲ በዅሪ ወዱ ክጽረፍ: ክሳቐ: ከም ዓመጸኛ ክስቀል ክርኢ ከሎ እተጸመሞ ስቓይ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ምእንታና ክብል ከኣ ኢዩ እተጸመመ። የሆዋ ባዕሉ ተበግሶ ወሲዱ ብመጀመርታ ከም ዘፍቀረና ምፍላጥና: ንሕና እውን ብግዴና ንኸነፍቅሮ ክድርኸናን ንኽንደልዮ ድማ ከለዓዕለናን ይግብኦ። (ያእቆብ 1:17፣ 1 ዮሃንስ 4:19) መጽሓፍ ቅዱስ “[ንእ]ግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ: ኣዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ . . . ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ” ብምባል ይዕድመና ኣሎ።—መዝሙር 105:4, 5
ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ምቅርራብን ፍቕራዊ ርክብን ክህልወካ: ዓርኩ ክትከውን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኰነን። ክብጻሕ ዝከኣል ኢዩ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ምስቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከነመዓራርዮ ከም ዘይንኽእል ሓቂ ኢዩ። እቲ ንኣሚንና: ንወለድና: ነቶም ብስጋ ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ንውሉዳትና: ወይ ንኣዕሩኽና ዘሎና ፍቕሪ ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እተፈልየ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:37፣ 19:29) ንየሆዋ ምፍቃር ነቲ ንዕኡ እንገብሮ ተወፋይነትናን ኣምልኾናን ምሉእ ወፈያናን ዘጠቓለለ ኢዩ። (ዘዳግም 4:24) ዝዀነ ይኹን ካልእ ርክብ ነዚ ነገራት እዚ ኣየጣምርን ኢዩ። ጌና ግን: ንኣምላኽ ብኣኽብሮታዊ መገድን ብፍርሃትን ከም እነፍቅሮ ዝገብረና I INSERTED THIS FOR CLARIFICATION ጽኑዕን ዓሚቝን ስምዒታት ከነማዕብል ንኽእል ኢና።—መዝሙር 89:7
ሽሕ’ኳ ዘይፍጹም እንተዀንካ: ከም ቃየልን ኣቤልን ንፈጣሪኻ ናይ ምፍቃር ተኽእሎ ኣሎካ። ቃየል ምስ ሰይጣን ብምሕባር ምርጫኡ ገበረ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ቀዳመይ ቀታሊ ሰብ ኰነ። (1 ዮሃንስ 3:12) ኣቤል ግን ብኣንጻሩ ከም ናይ እምነትን ናይ ጽድቅን ሰብ መጠን ብየሆዋ ክዝከር: ኣብታ እትመጽእ ገነት ድማ ዓስቡ ክረክብ ኢዩ።—እብራውያን 11:4
ንስኻውን ምርጫ ኣሎካ። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽን ቃሉን “ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን” ንኣምላኽ ከተፍቅሮ ትኽእል ኢኻ። (ዘዳግም 6:5) የሆዋ ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ’ ዝህብ ስለ ዝዀነ ንሱ እውን ብግዲኡ ብቐጻሊ ከፍቅረካ ኢዩ።—እብራውያን 11:6
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
መስዋእቲ ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ