ዘዳግም
4 “ሕጂ ድማ፡ ኦ እስራኤል፡ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን+ ናብታ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉን ክትርስተይዋን፡ ነዚ ኽትገብሮ ዝምህረካ ዘለኹ ስርዓታትን ፍርድታትን ስማዕ። 2 ነዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ቓል ኣይትወስኹ፡ ካብኡ እውን ኣይትነክዩ።+
3 “የሆዋ ብናይ በዓል ጴዖር ነገር ዝገበሮ፡ ኣዒንትኹም ርእየን እየን፣ የሆዋ ኣምላኽካ ንዅሎም እቶም ደድሕሪ በዓል ጴዖር ዝኸዱ ሰባት፡ ካብ ማእከልካ ኣጥፍኦም።+ 4 ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝለገብኩም ንስኻትኩም ግና፡ ኵላትኩም ሎሚ ብህይወት ኣለኹም። 5 ርኣዩ፡ ኣብታ እትርስተይዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትሕልውዎ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ፡ ስርዓታትን ፍርድታትን ምሂረኩም ኣለኹ።+ 6 ነዚ ተጠንቂቕኩም ስዓብዎ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ ዅሉ እዚ ስርዓታት ዝሰምዑ ህዝብታት፡ ጥበብኩምን+ ኣእምሮኹምን+ ኬርኢ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ፡ ብዘይ ጥርጥር ጥበበኛን ኣእምሮ ዘለዎን ህዝቢ እዩ’ ኺብሉ እዮም።+ 7 ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና፡ ከምኡ ኣማልኽቱ ዚቐርብዎ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧+ 8 ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘለኹ ዅሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቕኑዕ ስርዓታትን ፍርድታትን ዘለዎኸ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧+
9 “ሓንትስ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ነገራት ከይትርስዖ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ተጠንቀቕ፡ ርእስኻ* እውን ሓሉ። ነዚ ኸኣ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ኣፍልጦም።+ 10 በታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ዝቘምካላ መዓልቲ፡ የሆዋ፡ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ብህይወት ኣብ ዚነብሩለን ኵለን መዓልትታት ንዓይ ምፍራህ ምእንቲ ኺምሃሩ፡+ ንደቆም ከኣ ምእንቲ ኺምህሩ፡+ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም’+ በለኒ።
11 “ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩም፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በልኩም፣ እቲ ኸረን ድማ ክሳብ ሰማያት* ሓዊ ይነድድ ነበረ። ጸልማትን ደበናን ብርቱዕ ድነን እውን ነበረ።+ 12 የሆዋ ኸኣ ካብቲ ሓዊ ተዛረበኩም።+ ድምጺ ዘረባ ድማ ሰማዕኩም፣ ግናኸ፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡+ መልክዕሲ ኣይረኣኹምን።+ 13 ንሱ ኸኣ ኪዳኑ፡+ እተን ክትሕልውወን ዝኣዘዘኩም ዓሰርተ ትእዛዛት*+ ነገረኩም። ንዓታተን ድማ ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጸሓፈን።+ 14 በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንዓይ፡ ኣብታ ኽትርስተይዋ እትኣትውዋ ምድሪ እትሕልውዎ ስርዓታትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ።
15 “ስለዚ፡ በታ የሆዋ ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ እተዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ ስለ ዘይረኣኹም፡ ርእስኹም* ሓልዉ፣ 16 ማለት፡ ንዓኻትኩም ጽሩብ ምስሊ ብምግባር ከይትበላሸዉ፡ መልክዕ ዝዀነ ምስሊ፡ ምስሊ ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ፡+ 17 ምስሊ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝዀነ እንስሳ ወይ ምስሊ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዝዀነት ዑፍ፡+ 18 ምስሊ ዝዀነ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል፡ ወይ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማያት ዘሎ ዝዀነ ዓሳ ኣይትግበሩ።+ 19 ኣዒንትኻ ናብ ሰማያት ኣልዒልካ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኰታስ ኵሎም ሰራዊት ሰማያት ምስ ረኣኻ፡ ኣይትስሓት፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተገልግሎም እውን።+ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ዝሃቦም እዮም። 20 ንዓኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘለኹምዎ፡ ጥሪቱ* ዝዀነ ህዝቢ ኽትኰንዎ ኢሉ፡+ የሆዋ ኻብ እቶን ሓጺን፡ ካብ ግብጺ፡ ወሲዱ ኣውጺኡኩም እዩ።
21 “የሆዋ ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፣+ ኣነ ዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ከይኣቱ መሓለ።+ 22 ኣነስ ዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፣+ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩን ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ኽትርስተይዋን ኢኹም። 23 እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡+ ንርእስኹም ድማ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ ጽሩብ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።+ 24 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊ፡+ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+
25 “ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ነዊሕ ግዜ ምስ ተቐመጥኩም፡ ዝዀነ ዓይነት ጽሩብ ምስሊ ብምግባርኩም ድማ ምስ እትበላሸዉ፡+ ከተዀርዮ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ እከይ ምስ እትገብር፡+ 26 ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድሪ ብርግጽ ቀልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ፈጺምኩም ክትጠፍኡ ኢኹም እምበር፡ ኣብኣ ነዊሕ ኣይክትነብሩን ኢኹም።+ 27 የሆዋ ናብ መንጎ ህዝብታት ፋሕ ኬብለኩም እዩ፣+ ኣብቶም የሆዋ ናብኦም ዚሰጕጐኩም ኣህዛብ፡ ሒደት ካባኻትኩም ጥራይ ኪተርፉ እዮም።+ 28 ኣብኡ ኸኣ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ኺርእዩን ኪሰምዑን ኪበልዑን ኬጫንዉን ዘይክእሉ ኣማልኽቲ ዕንጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም።+
29 “ካብኡ ንየሆዋ ኣምላኽካ እንተ ደሊኹምዎ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* እንተ ሓቲትካሉ፡ ብርግጽ ክትረኽቦ ኢኻ።+ 30 ኣመና ምስ ጨነቐካን እዚ ዅሉ ምስ በጽሓካን፡ ኣብ ዳሕራይ ግዜ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትምለስ፡ ድምጹ ኸኣ ክትሰምዕ ኢኻ።+ 31 የሆዋ ኣምላኽካስ መሓሪ ኣምላኽ እዩ።+ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኬጥፍኣካን፡ ወይ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓሎ ኺዳን ኣይኪርስዖን እዩ።+
32 “ካብታ ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቐዳሞት መዓልትታት ሕተት፣ ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ክሳብ እቲ ሓደ ወሰን ሰማያት ድለ። ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰይኑዶ ይፈልጥ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑዶ ይፈልጥ፧+ 33 ከምዚ ንስኻ ባዕልኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ሓዊ ኺዛረብ ድምጹ ሰሚዑስ፡ ብህይወት ዚነብር ካልእ ህዝቢዶ ኣሎ፧+ 34 ወይ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበሮ፡ ብፍርድታትን* ብትእምርትታትን ብተኣምራትን+ ብውግእን+ ብሓያል ኢድን+ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዜሸብር ግብርታትን+ ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንዕኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፧ 35 የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንዓኻ እዚ ተራእየካ፣+ ብዘይካኡ ኻልእ የልቦን።+ 36 ምእንቲ ኺእርመካ፡ ካብ ሰማያት ድምጹ ኣስምዓካ፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ሓዉ ኣርኣየካ፣ ቃላቱ ድማ ካብቲ ሓዊ ሰማዕካ።+
37 “ንኣቦታትካ ስለ ዝፈተዎም፡ ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦም ስለ ዝሓረየ፡+ ካብ ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ብዓብዪ ሓይሉ ወጻእካ። 38 ናብ ምድሮም ምእንቲ ኼእትወካን ርስቲ ገይሩ ኺህበካን ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ካባኻ ዚዓብዩን ዚሕይሉን ኣህዛብ ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም።+ 39 እምበኣር፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፍለጥ፡ ኣብ ልብኻ እውን ኣሕድሮ።+ ካልእ የልቦን።+ 40 ንዓኻን ብድሕሬኻ ኸኣ ንደቅኻን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ዘሎ ምድሪ ድማ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብር፡ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ስርዓታቱን ትእዛዛቱን ሓሉ።”+
41 ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ።+ 42 ብዘይፍላጥ ንብጻዩ ዝቐተለ ዘበለ ቐታሊ፡ ኣቐዲሙ ኸኣ ጽልኢ እንተ ዘይነይርዎ፡+ ብህይወት ኪነብር፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ምእንቲ ኺሃድም፡ ከምኡ ገበረ።+ 43 እተን ከተማታት ድማ፡ ንሮቤላውያን እታ ኣብ በረኻ ኣብ ከበሳ እትርከብ ቤጸር፡+ ንጋዳውያን እታ ኣብ ጊልዓድ እትርከብ ራሞት፡+ ንምናስያውያን ከኣ እታ ኣብ ባሳን እትርከብ ጎላን+ እየን።+
44 እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ+ እዚ እዩ። 45 እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ሙሴ ዝሃቦም መዘኻኸሪታትን ስርዓታትን ፍርድታትን እዚ እዩ።+ 46 ነዚ ድማ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ፡+ ኣብ ምድሪ እቲ ሙሴን እስራኤላውያንን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝሰዓርዎ+ ኣብ ሔስቦን ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ሃቦም።+ 47 ምድሩን ምድሪ ዖግ+ ንጉስ ባሳንን፡ እቶም ኣብ ዞባ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት፡ ከኣ ተረስተዩ፣ 48 ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር+ ክሳብ ከረን ሲዮን፡ ማለት ሄርሞን፡+ 49 ኵሉ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ዓራባ፡ ክሳብ እቲ ኣብ እግሪ ቝልቍለት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ዓራባ* ተረስተዩ።+