ዝዓበየ ነገር ንምርካብ ብዙሕ ምሕዳግ
ብጁልየስ ኦዎ ቤሎ እተዘንተወ
ንገለ 32 ዓመታት ዝኸውን ኣላደራ ነበርኩ።a ብእምነት ዝግበር ምፍዋስን ጸሎትን ንዅሉ ሽግራተይ ክፈትሕ ከምኡውን ንዅሉ ሕማማት የሕዊ ኢዩ ኢለ እኣምን ነበርኩ። ዝዀነ መድሃኒት: ፈውሲ ቃንዛ ከይተረፈ እውን ዓዲገ ኣይፈልጥን። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን: ካብ ስድራቤተይ ዋላ ሓደ ሆስፒታል ዝኣተወ የለን። ደቀይ ክሓሙ ከለዉ: ክሳዕ ዝሓውዩ ለይትን መዓልትን እጽልየሎም ነበርኩ። ኣምላኽ ጸሎተይ ይምልሰለይን ይባርኸንን ከም ዝነበረ ኸኣ እኣምን ነበርኩ።
ኣብ ምዕራባዊ ናይጀርያ እትርከብ ከተማ ኣኩሬ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝዀነት ኢግበ ጃሊ ናይ እተባህለት ማሕበራዊ ክለብ ኣባል ነበርኩ። ኣዕሩኸይ ኣብ ከተማና እቶም ዝሃብተሙን ኣዝዮም ዝሓየሉን ነበሩ። እቲ ደጂ: ንጉስ ኣኩሬ ድማ: ወትሩ ገዛይ እናመጸ ይበጽሓኒ ነበረ።
ብተወሳኺ: ሽዱሽተ ኣንስትን ብዙሓት ኣንስቲ ወሰንን ዝነበራኒ: ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ ነበርኩ። ስርሐይ ከኣ በልጸገ። ኵሉ ነገር ጽቡቕ ይኸደለይ ነበረ። ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ክቡር ዕንቍ ዝደሊ ነጋዳይ: ክቡር ነገር ረኸብኩ እሞ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ሓሙሽተ ኣንስተይ: ኣንስቲ ወሰነይ: ቤተ-ክርስትያን: ማሕበራዊ ክለብ: ከምኡውን ዓለማዊ ተፈላጥነት ሓደግኩ።—ማቴዎስ 13:45, 46
ከመይ ኢለ ኣላደራ ከም ዝዀንኩ
ወዲ 13 ዓመት ከለኹ ኢየ ንመጀመርታ ግዜ ብ1936 ብዛዕባ ኣላደራውያን ዝሰማዕኩ። ሓደ ገብርኤል ዝስሙ ዓርከይ “ናብታ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን እንተድኣ በጺሕካ: ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ክትሰምዖ ኢኻ” በለኒ።
“ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይዛረብ፧” ኢለ ሓተትክዎ።
“ምጻእ እሞ: ክትርእዮ ኢኻ” ኸኣ በለኒ።
ንኣምላኽ ክሰምዕ ተሃንጥየ ነበርኩ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ምስ ገብርኤል ናብታ ቤተ-ክርስትያን ከድና። እታ ንእሽቶ ህንጻ ብኣምለኽቲ መሊኣ ነበረት። እቲ ጉባኤ ድማ ከምዚ እናበለ ክዝምር ጀመረ:- “ኣቱም ሰባት ንዑ! የሱስ ኣብዚ ኢዩ ዘሎ!”
ከምዚ ኢሎም እናዘመሩ ከለዉ: ሓደ ሰብ “መንፈስ ቅዱስ: ውረድ!” ኢሉ ጨደረ። ካልእ ሰብ ከኣ ቃጭል ደወለ እሞ: እቲ ጉባኤ ስቕ በለ። ቀጺላ ሓንቲ ሰበይቲ ፍረ ነገሩ ብዘይስማዕ ዘረባ ብስምዒት ክትዛረብ ጀመረት። ሃንደበት ከኣ ከምዚ ኢላ ጨደረት:- “ኣቱም ሰባት: ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ስምዑ! ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ:- ‘ሰብ ምእንቲ ከይቀትሉ ኣብ ክንዲ እቶም ሃዳኖ ጸልዩ!’ ” እቲ ሃዋሁ ስምዒት ሰፊንዎ ነበረ።
ኣምላኽ ብኣኣ ገይሩ ከም እተዛረበ ስለ ዝኣመንኩ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ኣባል ናይ ክርስቶስ ሃዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ብምዃን ተጠመቕኩ።
ናይ መጀመርታ ርክብ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ብ1951 ካብ ኣደደጂ ቦቦየ ዝስሙ ምስክር ሓንቲ ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ተቐበልኩ። እታ መጽሔት ኣገዳሲት ስለ ዝነበረት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባ ገበርኩ: ስርዓታዊ ኰይነ ድማ አንብቦ ነበርኩ። ብ1952 ኣብ ከተማ ኣዶ ኢኪቲ ኣብ እተኻየደ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኻፈልኩ።
ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝረኣኽዎ ዘበለ መሰጠኒ። ነቲ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃን ዝብል ነገር ኣርዚነ ሓሰብኩሉ: ነቲ ሓሳብ ግን ካብ ኣእምሮይ ኣውጻእክዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰለስተ ኣንስትን ሓንቲ ሰበይቲ ወሰንን ስለ ዝነበራኒ እዚ ንዓይ ሽግር ኰነኒ። ብሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክነብረሉ ዝኽእል መገዲ የለን: ኢለ ሓሰብኩ።
ናብ ኣኩሬ ምስ ተመለስኩ: ኣደደጂ ንኸይመጸኒ ነገርክዎ: ከምኡውን ነቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባይ ኣየሐደስክዎን። ኣብ ቤተ-ክርስትያነይ ከኣ ዝያዳ ንጡፍ ኰንኩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ናይ ክርስቶስ ሃዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣባል ካብ ዝኸውን ኣምላኽ ከም ዝባረኸኒ ገይረ ሓሰብኩ። ሰለስተ ኣንስቲ ተመርዕየ ብዙሓት ቈልዑ ወሊደ ነበርኩ። ናይ ገዛእ ርእሰይ ገዛ ኣስራሕኩ። ሆስፒታል ኣትየ ኣይፈልጥን። ኣምላኽ ጸሎተይ ከም ዝመለሰለይ ገይረ ስለ ዝወሰድክዎ: ስለምንታይ ሃይማኖተይ ዝልውጥ፧
ካብ ምድንጋር ናጻ ምዃንን እናዓበየ ዝኸደ ተፈላጣነትን
ነታ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ገንዘብ ከዋጽእ ጀመርኩ። ሽዑ ሽማግለ ቤተ-ክርስተያን ገበሩኒ: እዚ ኸኣ ነቲ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ እታ ቤተ-ክርስትያን ንኽርኢ ዘኽኣለኒ ቦታ ኢዩ። እቲ ዝረኣኽዎ ረበሸኒ። እቲ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን እቶም “ነብያት” ገንዘብ ዘፍቅሩ ነበሩ፣ እቲ ዝነበሮም ስስዐ ኸኣ ኣሰምበደኒ።
ንኣብነት: ኣብ መጋቢት 1967 ካብ እተፈላለያ ኣንስቲ ሰለስተ ቈልዑ ተወልዱለይ። ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ስርዓተ-ጥምቀት ቈልዓ ምግባር ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብ ምድላው ናይቲ ጽምብል ናብቲ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን ናይ ዓሳ: ጽማቝ ለሚን: ከምኡውን ልስሉስ መስተታት ህያብ ወሰድኩ።
ኣብ መዓልቲ ቅዳሴ ናይታ ቤተ-ክርስትያን: እቲ ቐሺ ኣብ ቅድሚ እቲ ምሉእ ጉባኤ ኰይኑ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ኣብዚ ቤተ-ክርስትያን ዘለዉ ሃብታማት ኣገሪሞምኒ ኣለዉ። ጥምቀት ቈልዓ ክገብሩ ይደልዩ: እቲ ኵላቶም ዘምጽእዎ ኸኣ ልስሉስ መስተን ዓሳን ኢዩ። ስጋ ኣየምጽኡ! ጤል ኣየምጽኡ! ሕሰብዎ እሞ! ቃኤል ካብ ሱር ናይ ዓበይቲ ኣታኽልቲ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕረበ: ይኹን እምበር ደም ስለ ዘይነበሮ ኣምላኽ ኣይተቐበሎን። ኣምላኽ ደም ዘለዎም ነገራት ኢዩ ዝደሊ። ኣቤል እንስሳ ኣምጸአ: መስዋእቱ ድማ ተቐባልነት ረኸበ።”
እዚ ምስ በለ: ብድድ ኢለ ጠሓሒሰ ወጻእኩ። ይኹን እምበር: ጌና ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ይእከብ ነበርኩ። ኣብቲ ናይ ክለበይ ኣኼባታት ብምሕባርን ብምክፋልን ኣብኡ ብዝያዳ ብዙሕ ግዜ ኣሕለፍኩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት እካፈል ነበርኩ: ነቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባይ ድማ ኣሐደስክዎ። እንተዀነ ግን: ጌና ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን ድሉው ኣይነበርኩን።
ንየሆዋ ንምግልጋል እተገብረ ውሳነ
1968 ንዓይ ነጥበ-መቐይሮ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ነታ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማላዊ ዘጋጠሞም ኣራዊታዊ መስጐግቲ ዝገለጸት ዓንቀጽ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከንብብ ጀመርኩ። ብዛዕባ ሓንቲ እምነታ ክትሓድግ ብምእባያ ኣብ ኦም ተኣሲራ ሽዱሽተ ግዜ ብሓይሊ እተገሰሰት 15 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ከኣ ትዛረብ ነበረት። ኣዝየ ሰምበድኩ: ነታ መጽሔት ምንባብ ድማ ሓደግክዎ: ብዛዕባ እታ መጽሔት ምሕሳብ ግን ኣየቋረጽኩን። ካብ ቤተ-ክርስትያነይ ዋላ ሓንቲ ጓል ከምዚ ዝበለ እምነት ከም ዘይተርኢ ተገንዘብኩ። ጸኒሐ ኣብታ ምሸት እቲኣ: እታ መጽሔት ኣልዒለ እንደገና ነታ ገጽ ኣንበብክዋ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብርዝነት ከጽንዕ ጀመርኩ። ብፍልጠት እናዓበኹ ምስ ከድኩ: እታ ቤተ-ክርስትያን ክሳዕ ክንደይ ተታልለና ከም ዝነበረት ክርኢ ጀመርኩ። ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝግበር ዝነበረ ኣቕሽሽትና “ሕሰም ይገብሩ” ነበሩ። (ሆሴእ 6:9) ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ካብቶም የሱስ ብዛዕብኦም ዘጠንቀቐ ናይ ሓሶት ነብያት ኢዮም ነይሮም! (ማቴዎስ 24:24) ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ራእያቶምን ናይ ሓይሊ ተግባራቶምን እምነት ኣይገበርኩን። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ክወጽእን ንኻልኦት ከኣ ከምኡ ክገብሩ ክሕግዝን ወሰንኩ።
ኣባል እታ ቤተ-ክርስትያን ኰይነ ክተርፍ እተገብረ ጻዕሪ
እቶም ሽማግለታት ቤተ-ክርስትያን ነታ ቤተ-ክርስትያን ክገድፋ ከም ዝቘረጽኩ ምስ ፈለጡ ክልምኑኒ ልኡኻት ሰደዱ። ነቲ ቐንዲ ምንጪ ኣታዊኦም ክስእንዎ ኣይደለዩን። ናይ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣኩሬ ዝርከባ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያዊት ኣብያተ ክርስትያናት ባባ ኢግቤ: ናይ ቍምስና መዓርግ ክንህበካ በሉኒ።
ኣነ ግን ነጸግክዎም: እቲ ምኽንያት ድማ ነገርክዎም። “እታ ቤተ-ክርስትያን ከተዐሽወና ኢያ ጸኒሓ። ንሳቶም: ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ሰማይ ክኸዱ ኢዮም ይብሉ: ኣነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ 144,000 ጥራይ ንሰማይ ከም ዝኸዱ ኣሚነ ኢየ። ካልኦት ጻድቃን ሰባት ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክነብሩ ኢዮም” በልክዎም።—ማቴዎስ 5:5፣ ራእይ 14:1, 3
እቲ ኣገልጋሊ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ኣንስተይ ኣንጻረይ ክገብረን ፈተነ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና ምምጻእ ክኽልክልኦም ነገረን። ሓንቲ ካብተን ኣንስተይ ኣብ መግበይ መርዚ ገበረትለይ። ክልተ ካብኣተን ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝረኣየኦ ራእይ ኣጠንቀቓኒ። እቲ ራእይ ቤተ-ክርስትያን እንተድኣ ሓዲገ: ክመውት ምዃነይ የርኢ ነበረ። ከምዚ እኳ እንተዀነ: ንኣንስተይ ምምስካር ብምቕጻል ናብ ኣኼባታት ክመጻ ዓደምክወን። “ኣብኡ ካልኦት ሰብኡት ክትረኽባ ኢኽን” በልክወን። ይኹን እምበር: ዋላ ሓንቲ ካብኣተን ተገዳስነት ዘርኣየት ኣይነበረትን: ተስፋ ከቝርጻኒ ምፍታን ቀጺለን ኢየን።
ኣብ መወዳእታ: 2 ለካቲት 1970 ናብ ሓንቲ ጐረቤት ከተማ ገይሸ ምስ ተመለስኩ: እቲ ገዛ ጥራዩ ጸንሓኒ። ኵላተን ኣንስተይ ገዛ ራሕሪሐን ምስቶም ቈልዑ ከይደን ነበራ።
ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ምልጋብ
‘ሕጂ ናይ መርዓ ኵነታተይ ከተዓራሪ እኽእል ኢየ ኢለ’ ሓሰብኩ። ነታ ቐዳመይቲ ሰበይተይ ጃኔት: ንገዛ ክትምለስ ከም እትኽእል ነገርክዋ። ንሳ ኸኣ ተሰማምዐት። ይኹን እምበር: ስድራቤታ ነቲ ሓሳብ ብሓይሊ ተቓወምዎ። እተን ካልኦት ኣንስተይ: ንጃኔት ክትምለስ ከም ዝሐተትክዋ ምስ ፈለጣ: ናብ ቤት ኣቦኣ ከዳ: ክወቕዓኣ ኸኣ ፈተና። ሽዑ ስድራኣ ኣኼባ ክንገብር ጸውዑኒ።
ኣብቲ ኣኼባ ዳርጋ 80 ዝዀኑ ሰባት ነበሩ። ርእሲ ናይታ ስድራቤት ዝነበረ ሓወቦ ጃኔት: ከምዚ በለ:- “ንጓልና እንደገና ክትምርዓዋ እንተድኣ ደሊኻ: ነተን ካልኦት እውን መሊስካ ክትወስደን ኣሎካ። ነዚ ሓድሽ ሃይማኖትካ ክትሕዝን ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክትነብርን እንተድኣ ደሊኻ ግን: ካልእ ሰበይቲ ትደሊ። ንጃኔት መሊስካ እንተድኣ ወሲድካያ: እተን ካልኦት ኣንስትኻ ክቐትላኣ ኢየን: ጓልና ክትመውት ድማ ኣይንደልን ኢና።”
ድሕሪ ብዙሕ ምዝርራብ: እታ ስድራቤት ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክትህልወኒ ከም ዝቘረጽኩ ተገንዘበት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሃድኡ። ሽዑ እቲ ሓወቦኣ ከምዚ በለ:- “ሰበይትኻ ኣይንወስደልካን ኢና። ምሳኻ ክትወስዳ ትኽእል ኢኻ።”
ኣነን ጃኔትን ከአ 21 ግንቦት 1970 ብሕጊ ተመርዓና። ድሕሪ ትሽዓተ መዓልትታት ድማ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ተጠመቕኩ። ጃኔት እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይታ ዓመት እቲኣ ተጠመቐት።
በረኸት የሆዋ ምስትምቓር
ናይ ቅድም ቤተ-ክርስትያንና ኣባላት: መሰኻኽር እንተድኣ ዄንና ከም እንመውት ተነብዮም ነይሮም ኢዮም። እዚ ዳርጋ 30 ዓመታት ይገብር ዝበልዎ ኢዩ። ሕጂ እንተ ዝመውትከ: ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃነይ ድዩ፧ በዓልቲ ቤተይ ሕጂ እንተ ትመውትከ: ዝዀነ ሰብ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃና ኢያ ሞይታ ክብል ይኽእልዶ፧
ን17 ደቀይ መገዲ ሓቂ ከርእዮም ተቓሊሰ ኢየ። ኣብቲ ምስክር ዝዀንኩሉ እዋን መብዛሕትኦም በጽሕታት እኳ እንተ ነበሩ: መጽሐፍ ቅዱስ ከጽንዑ አተባብዖም: ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከኣ እወስዶም ነበርኩ። ሓሙሽተ ካብኣቶም ምሳይ ንየሆዋ የገልግሉ ምህላዎም: ሓጐሰይ ኢዩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ጐድነይ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ካልእ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ኣብ ቀረባ እትርከብ ጉባኤ: ኣገልጋሊ ጉባኤ ኢዩ። ክልተ ካብ ደቀይ ድማ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
ነቲ ኣገልጋሊኡ ክኸውን ዝሓገዘኒ ይግብኣኒ ኢዩ ዘይብሎ ሕያውነት የሆዋ ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ: እድነቕ። “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ዝብላ ቃላት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢየን!— ዮሃንስ 6:44
[እግረ-ጽሑፍ]
a ካብታ “ዝጽሊ ሰብ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ዮሩባ ቃል ዝመጸት ኢያ። ንኣባል ናይቲ መንፈሳዊ ምሕዋይ ዝገብር ኣፍሪካን ቸርች ድማ ተመልክት።