ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ሕልሚ ኣይኰነትን!
ዳንየል ወብስተር እተባህለ ኣመሪካዊ ፖለቲከኛ “ንሰብ ኣብ ምድሪ ዘገድሶ ዝዓበየ ነገር ፍትሒ ኢዩ” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “እግዚኣብሄር ፍርዲ [“ፍትሒ: NW ] ይፈቱ” ኢዩ ዝብል። (መዝሙር 37:28) እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ብምዃኖም: ፍትሕን ካልእ ኣምላኻዊ ባህርያትን ነይርዎም ኢዩ።—ዘፍጥረት 1:26, 27
ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ‘እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ዝገብርዎ’ እውን ይዛረብ ኢዩ። እዚኣቶም ድማ “ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ” ኢዮም። (ሮሜ 2:14, 15) እወ: ሰባት ናይ ሕልና ኣእምሮኣዊ ክእለት—ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ውሽጣዊ ስምዒት—ተዋሂብዎም ኢዩ። ብሓቂ: ፍትሒ ምድላይ መፋጥርቲ ሰብ ከም ዝዀነ ንጹር ኢዩ።
ምስ ፍትሒ ምድላይ ብቐረባ ተኣሳሲሩ ዘሎ ድማ ሰብ ሓጐስ ንምርካብ ዘለዎ ድሌት ኢዩ: ከመይሲ መዝሙር 106:3 ከምዚ ኢያ እትብል:- “ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ዚሕልዉ: ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን [“ሕጕሳት:” NW ] እዮም።” ሰብ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ከምጽእ ዘይከኣለ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧
ሰብ ዘይተዓወተ ስለምንታይ ኢዩ፧
ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ንኸይትርከብ ዕንቅፋት ዝዀነ መሰረታዊ ምኽንያት እቲ ካብቶም ቀዳሞት ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: እተወርሰ ኣበር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:12) እቲ ኣበር እቲ ሓጢኣት ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ጕድለት ዘይብሎም ብምዃን ተፈጢሮም እኳ እንተ ነበሩ ኣንጻር ኣምላኽ ክዓልዉ ወሰኑ: በዚ ኸኣ ሓጥኣን ኰኑ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:1- 6) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ንደቆም ሓጥእን ግጉይን ዝንባለታት ኣውረስዎም።
ከም ስስዐን ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለን ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ጠባያት ናይ ሓጥእ ዝንባለታት ውጽኢትዶ ኸይኰኑ፧ እዚ ጠባያት እዚኸ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘይፍትሓውነት ግዲኡ ኣየበርክትንዶ፧ ደይ መደይ ኢልካ ዝግበር ናይ ኣከባቢ ምብልሻውን ቁጠባዊ ግፍዕን ምንጩ ስስዐ ኢዩ! ብድሕሪ ቐቢላዊ ግጭትን ዓሌታዊ ዘይፍትሓውነትን: ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ። ብዘይ እዚውን ከምዚ ዝበለ ጠባያት ንሰባት ክሰርቁ: ከጠፋፍኡ: ከምኡውን ንኻልኦት ዝጐድእ ነገራት ክገብሩ ይደፋፍኦም ኢዩ።
ፍትሒ ንምንጋስን ሰናይ ንምግባርን እተራእየ ጻዕርታት እውን ይኹን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ እቲ ሓጥእ ዝንባለታትና ከይተዓወተ ይተርፍ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ።” ነቲ ቓልሲ ክገልጾ ኸሎ ድማ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።” (ሮሜ 7:19-23) ሎሚውን ከምኡ ዓይነት ቃልሲ ከም ዘሎና ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዘይፍትሓውነት ብተደጋጋሚ ዝርአ።
ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እውን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓውነት ግዲኡ ኣበርኪቱ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሕግታትን ንዕኡ ዘተግብር ኣካልን ኣሎ። ደያኑን ኣብያተ-ፍርድን ከም ዘሎ እውን ፍሉጥ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ንመሰረታዊ ስርዓታት ዘኽብሩ ገለ ሰባት ሰብኣዊ መሰል ክሕሎን ንዅሉ ሰብ ማዕረ ዝገብር ፍትሒ ክህሉን ጽዒሮም ኢዮም። ዝበዝሕ ካብቲ ጻዕርታቶም ግን ኣይተዓወተን። ስለምንታይ፧ ኤርምያስ 10:23 ነቲ ንኸይዕወቱ ምኽንያት ዝዀነ እተፈላለየ ረቛሒታት ኣጠቓልል ኣቢላ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ኢያ እትገልጾ። ሰብ ካብ ኣምላኽ ተነጺሉ ጽድቃዊትን ፍትሒ ዝሰፈናን ዓለም ከቕውም ዓቕሚ የብሉን።—ምሳሌ 14:12፣ መክብብ 8:9
ሰብ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዝገብሮ ጻዕርታት እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝዓለወ መልኣኽ: ሰይጣን: ናይ መጀመርታ “ቐታል ነፍሲ:” ከምኡውን “ሓሳዊ” ከም ዝዀነ: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ኣነጺሩ ይዛረብ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምባል ኢዩ ዝጽውዖ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ሰይጣን ጸላእ ጽድቂ ብምዃኑ: እከይ ንምስፍሕፋሕ ዝከኣሎ ኢዩ ዝገብር። ንዓለም ክሳዕ እተቘጻጸራ ድማ: ኵሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነትን ሳዕቤናቱን ንደቅሰብ ባሮት ክገብሮም ኢዩ።
እዚ ግን ዘይፍትሓውነት ኣብ ሰብኣዊ ሕብተረሰብ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ ማለት ድዩ፧ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም: ዘይጋሃድ ሕልሚ ድያ፧
ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ክትጋሃድ ኢያ—ብኸመይ፧
እቲ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ክትመጽእ ዝብል ተስፋ ክጋሃድ እንተድኣ ዀይኑ: ደቅሰብ ናብ ሓደ ንጠንቅታት ዘይፍትሓውነት ምሕዩ ከጥፍእ ዝኽእል ምንጪ ክጥምቱ ኣለዎም። ንሓጢኣት ከጥፍእ ንሰይጣንን ግዝኣቱን ድማ ከጽንት ዝኽእል እሞ መን ኢዩ፧ ንኸምዚ ዝበለ ከቢድ ዕማም ክፍጽም ዝኽእል ሰብ ወይ ሰብኣዊ ወኪል ከም ዘየለ እተረጋገጸ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል! መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንዕኡ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል:- “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።” (ዘዳግም 32:4) የሆዋ “ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ይፈቱ” ስለ ዝዀነ: ደቅሰብ ፍትሒ ኣብ ዝሰፈና ዓለም ህይወት ከስተማቕሩ ይደልዮም ኢዩ።—መዝሙር 37:28
ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ንምምጻእ ዝምልከት መደብ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባል ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ‘ሓድሽ ሰማያት’ እዚ ቃል ብቓሉ ሓድሽ ዝርአ ሰማያት ኣይኰነን። ኣምላኽ ነዚ ዝርአ ሰማያትና ፍጹም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎ: ንዕኡ ድማ ክብሪ የምጽኣሉ ኢዩ። (መዝሙር 8:3፣ 19:1, 2) እቲ ‘ሓድሽ ሰማያት’ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝህሉ ሓድሽ ግዝኣት ኢዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ‘ሰማያት’ ሰብ ዘቘሞ ምምሕዳራት ዝሓዘ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ: ኣብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዝካየድ ውግእ ኣምላኽ: ነቲ ‘ሓድሽ ሰማያት’—ሰማያዊ መንግስቱ: ወይ ምምሕዳሩ—ቦታ ክሓድገሉ ኢዩ። (ራእይ 16:14-16) ንጉስ ናይታ መንግስቲ እቲኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንሰብኣዊ ግዝኣት ንሓዋሩ ብምጥፋእ: ንዘለኣለም ክትገዝእ እያ።—ዳንኤል 2:44
እቲ ‘ሓድሽ ምድሪኸ’ እንታይ ኢዩ፧ ሓዳስ ፕላኔት ኣይኰነትን: ከመይሲ ኣምላኽ ንምድሪ ሰብ ንኽነብራ እትምችእ ፍጽምቲ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዋ: ንዘለኣለም ክትነብር ድማ ፍቓዱ ኢዩ። (መዝሙር 104:5) እቲ ‘ሓድሽ ምድሪ:’ ንሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘመልክት ኢዩ። (ዘፍጥረት 11:1፣ መዝሙር 96:1) እታ እትጠፍእ ‘ምድሪ’ ገዛእ ርእሶም ክፍሊ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝገበሩ ሰባት ዝሓዘት ኢያ። (2 ጴጥሮስ 3:7) እቶም ንዓኣቶም ዝትክእዎም ‘ሓድሽ ምድሪ’ በቶም እከይ ዝጸልኡ ጽድቅን ፍትሕን ድማ ዘፍቅሩ ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝቘሙ ኢዮም። (መዝሙር 37:10, 11) በዚ ኸኣ: ናይ ሰይጣን ዓለም ክትጠፍእ ኢያ።
ንሰይጣን ግን እንታይ ኢዩ ዝጽበዮ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ነበረ:- “[የሱስ ክርስቶስ] ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ።” (ራእይ 20:1-3) እቲ ብመቑሕ እተኣስረ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዘሕድሮ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኣይክህልዎን ኢዩ: ከመይሲ ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ዓሚቝ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ እሱር: ዘየለ ክኸውን ኢዩ። እዚ ትንቢት እዝስ ከም ኣበሳሪ ናይ ሓንቲ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ብምዃን ንደቅሰብ ክሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዘምጽኣሎም ኰን ኢዩ! ኣብ መወዳእታ ናይተን ሽሕ ዓመታት ድማ ሰይጣን ካብ ህላወ ከቋርጽ ኢዩ።—ራእይ 20:7-10
እቲ እተወርሰ ሓጢኣትከ ከመይ ይኹን፧ የሆዋ ሓጢኣት ንምጥፋእ መሰረት ዝኸውን ነገር ድሮ ኣዳልዩ ኢዩ። ‘ወዲ ሰብ [የሱስ ክርስቶስ] ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኸሕልፍን ኢዩ መጺኡ።’ (ማቴዎስ 20:28) እታ “በጃ” እትብል ቃል ንምሩኻት ንምንጋፍ ዝሕተት ዋጋ ኢያ እተመልክት። የሱስ ንደቅሰብ ንምድሓን ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጃ ኸፊሉ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 5:14፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19
መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ሕጂ እውን ከይተረፈ ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ በጅነት እቲ እምነት ብምርኣይ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኣቃውማ ብምሓዝ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:43፣ 1 ቈረንቶስ 6:11) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ: እቲ በጅነት ንደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሓጢኣት ሓራ ከም ዝዀኑ ክገብሮም ኢዩ። እታ ናይ መወዳእታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ: ብዛዕባ ሓደ ካብቲ ዝፋን ኣምላኽ ዝወጽእ: ኣብ ወሰናስኑ ድማ ቈጽላ “ፈውሲ ህዝብታት” ዝዀነ ፍረ ዝፈሪ ኦም ዝርከቦ: ምሳልያዊ “ርባ ማይ ህይወት” ትገልጽ ኢያ። (ራእይ 22:1, 2) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዝገልጾ ዘሎ ነገር ነቲ ደቅሰብ ብመሰረት መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ዝረኽብዎ ካብ ሓጢኣት ናጻ ናይ ምዃን: ዘደንቕ ምድላው ፈጣሪ ዘመልክት ኢዩ። ናይዚ ምድላው እዚ ምሉእ ፍጻሜ ንእዙዛት ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ክገብሮም ኢዩ።
ፍትሒ ኣብ ዝሰፈና ዓለም ዝህሉ ህይወት
ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ህይወት እንታይ ከም ዝመስል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ገበንን ዓመጽን ነበረ ዀይኑ ክተርፍ ኢዩ። (ምሳሌ 2:21, 22) ቁጠባዊ ዘይፍትሓውነት ንሓዋሩ ከልግስ ኢዩ። (መዝሙር 37:6፣ 72:12, 13፣ ኢሳይያስ 65:21-23) ኵሉ ኣሰራት ማሕበራዊ: ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ከምኡውን ናይ ትውልዲ ኣድልዎ ክሕከኽ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ውግእን ኣጽዋር ውግእን ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። (መዝሙር 46:9) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ምዉታት ፍትሒ ኣብ ዝሰፈና ዓለም እንደገና ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍጹምን ምሉእን ጥዕና ከስተማቕር ኢዩ። (እዮብ 33:25፣ ራእይ 21:3, 4) መጽሓፍ ቅዱስ ‘[የሱስ ክርስቶስ] ፍትሒ ብሓቂ ከውጽእ’ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ።—ኢሳይያስ 42:3
ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይፍትሓውነት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ: ግናኸ ብግዴና ድማ ፈጺምና ፍትሒ ዘይብሎም ኣይንኹን። (ሚክያስ 6:8) ዘይፍትሓውነት ክንጽመሞ ዘሎና እኳ እንተዀነ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንዓቅብ። እታ ተስፋ ተገይሩላ ዘሎ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክትጋሃድ ኢያ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:11-13) እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተማባጺዑ ኢዩ: “ከምኡ [ድማ] ኪኸውን” ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) ነቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት ብምምሃር ኣብታ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ንምንባር ምድላው እንገብረሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።—ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ኵሉ ኣሰራት ዘይፍትሓውነት ክሕከኽ ኢዩ