ኤርምያስ
10 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ የሆዋ ኣንጻርኩም እተዛረቦ ቓል ስምዑ። 2 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
3 ልምድታት ህዝብታትሲ ናይ ሓሶት* እዩ።
ኪጐድኡ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፣
ጽቡቕ ኪገብሩ እውን ኣይክእሉን እዮም።”+
ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ እውን ዓብይን ሓያልን እዩ።
7 ኦ ንጉስ ኣህዛብ፡+ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧
ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡
ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+
8 ኵላቶም ዘይሓስቡን ዓያሹን እዮም።+
ካብ ኦም ዚውሃብ ትምህርትስ ፍጹም ናይ ሓሶት* እዩ።+
9 ስራሕ ኢደ ጥበበኛ ዝዀነን ብኣእዳው ኣንጠረኛ እተገብረን
ተቐጥቂጡ ዝረቐቐ ብሩር ካብ ተርሲስ፡+ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፋዝ የምጽኡ።
ክዳውንቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን እዩ።
ኵላቶም ብኽኢላታት ሰራሕተኛታት እተገብሩ እዮም።
10 ግናኸ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ።
ንሱ ህያው ኣምላኽን+ ናይ ዘለኣለም ንጉስን+ እዩ።
ብቝጥዓኡ ምድሪ ኸተንቀጥቅጥ እያ፣+
ካብ ኣህዛብ እውን ንዅነኔኡ ኺጻወር ዚኽእል የልቦን።
11 * ከምዚ ድማ በልዎም፦
“እዞም ሰማያትን ምድርን ዘይገበሩ ኣማልኽቲ
ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማያትን ኪጠፍኡ እዮም።”+
14 ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን።
15 ናይ ሓሶት* እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም።+
መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም።
ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+
17 ኣቲ ኣብ ትሕቲ ኸበባ እትቕመጢ፡
ኣቕሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ።
18 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
19 ብሰሪ መስበርተይሲ ወይለይ!+
ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ።
ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እዝስ ብርግጽ ሕማመይ እዩ፡ ክጾሮ ድማ እየ።
20 ድንኳነይ ዓንያ፡ ኣግማድ ድንኳነይ ከኣ ተበቲኹ።+
ደቀይ ሓዲጎምኒ፡ የለዉን እውን።+
ድንኳነይ ዚግትር ወይ ዓለባታት ድንኳነይ ዜልዕል ሓደ እኳ የልቦን።
ስለዚ፡ ብልቦና ኣይተመላለሱን፣
ኵለን መጓሰታቶም ከኣ ፋሕ ኢለን ኣለዋ።”+
22 ስማዕ! ወረ ይመጽእ ኣሎ!
23 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።
ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።+
24 ኦ የሆዋ፡ ብፍርዲ ኣርመኒ፣
ከይተጥፍኣኒ ግና ብቝጥዓኻ ኣይኹን።+
25 ነድርኻ ኣብቶም ዕሽሽ ዚብሉኻ ኣህዛብ፡+
ኣብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌታት ክዖ።