ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ
“ንሱ አዚዙ: ተፈጢሮም እዮም እሞ: ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።”—መዝሙር 148:5
1, 2. (ሀ) እንታይ ንዝብል ሕቶ ኢና ኣርዚንና ክንርእዮ ዝግባእ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ኢሳይያስ ሕቶ ፍጥረት እቱው ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
‘ኣይትፈልጥንዶ ኢኻ፧’ እዚ ንብዙሓት ‘ብዛዕባ እንታይ፧’ ኢሎም ንኽሓቱ ዘለዓዕል ሓባሪ ሕቶ ጥራይ ኢዩ ዝመስል። እንተዀነ ግን: ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ንምዕራፍ 40 ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት ኢሳይያስ ብምርኣይ ድማ ነቲ መልሱ ብዝበለጸ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኢሳይያስ ዝብሃል ናይ ጥንቲ እብራዊ ኢዩ ጽሒፍዎ: ስለዚ እቲ ሕቶ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ዝጸንሐ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ቀንዲ ትርጕም ናይ ህይወትካ ዝምልከት ዘመናዊ ሕቶ እውን ኢዩ።
2 እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:28 ዘሎ ሕቶ ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ካብ ኰነ እምበኣር ኣርዚንና ክንርእዮ ይግባእ። ከምዚ ድማ ይብል:- “እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: . . . ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እቲ ‘ምፍላጥ’ ንፈጣሪ ምድሪ ዝምልከት ኢዩ: እቲ ኣብታ ምዕራፍ ዘሎ ሓሳባት ከኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ዘጠቓልል ከም ዝዀነ የመልክት። ክልተ ቍጽሪ ልዕል ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባ ከዋኽብቲ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:- “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: . . . ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”
3. ብዛዕባ ፈጣሪ ብዙሕ ትፈልጥ እኳ እንተዀንካ: ዝያዳ ክትርዳእ ክትደሊ ዝግብኣካ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 እወ: እታ ‘ኣይትፈልጥንዶ ኢኻ፧’ እትብል ሕቶ ብርግጽ ብዛዕባ ፈጣሪ ናይዚ ኣድማስና ኢያ። ብብሕትኻ የሆዋ ኣምላኽ “ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ” ምዃኑ ትኣምን ትኸውን። ብዛዕባ ባህርያቱን መገድታቱን እውን ብዙሕ ትፈልጥ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ከም ዘሎ ዝጠራጠር ከምኡውን ብዛዕብኡ ኣነጺሩ ዘይፈልጥ ሰብ ምስ እትረክብከ፧ ከምዚ ምስ ዘጓንፈካ ክገርመካ የብሉን ምኽንያቱ ንፈጣሪ ዘይፈልጡ ወይ ህላወኡ ዘይኣምኑ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣለዉ።—መዝሙር 14:1፣ 53:1
4. (ሀ) ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ ፈጣሪ ምምርማር ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ስነ-ፍልጠት ክህቦ ዘይክእል መልስታት እንታይ ኢዩ፧
4 ኣብያተ-ትምህርቲ: ነቲ ብዛዕባ መበቆል ኣድማስን ህይወትን ዘሎ ሕቶታት ስነ-ፍልጠት መልሲ ይህብ ኢዩ (ወይ ክህብ ኢዩ) ዝብል ስምዒት ዘለዎም ተጠራጠርቲ ሰባት ኢየን ዘፍርያ ዘለዋ። እቶም ነታ ዘ ኦሪጅን ኦቭ ላይፍ (እቲ በዅሪ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኣርእስቲ ኦ ኦሪዢን ደ ላ ቪ ዝብል ኢዩ) እትበሃል መጽሓፍ ዝደረሱ ኣዣንን ሌናን ከምዚ ብምባል የመልክቱ:- “ኣብዚ መጀመርታ ናይ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ-ዘበን እውን እንተዀነ መበቆል ናይ ህይወት ገና ኣከራኻሪ ኢዩ ዘሎ። እዚ ንኽትፈትሖ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝዀነ ግድል ካብቲ ሰፊሕ ጠፈር ጀሚርካ ክሳዕ እቲ ኣዝዩ ንእሽቶ ነገር ብዅሉ መዳያት ምምርማር ዝሓትት ኢዩ።” እንተዀነ ግን: “እቲ ሕቶ ገና ኣይተመለሰን” ዘርእስታ ናይታ መጽሓፍ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ነቲ ‘ህይወት ኣብ ምድሪ ብኸመይ መጺኣ፧’ ዝብል ሕቶ ዝኸውን ሒደት ናይ ስነ-ፍልጠት መልስታት ረኺብና ኢና። ነቲ ‘ህይወት ስለምንታይ መጺኣ፧ ህይወት ዕላማ ኣለዋዶ፧’ ዝብል ሕቶታት ግን ስነ-ፍልጠት ክምልሶ ኣይከኣለን። ነቲ ‘ብኸመይ’ ዝብል ጥራይ ኢዩ ዝምርምር። ‘ብኸመይ’ ከምኡውን ‘ስለምንታይ’ ዝብል ሕቶታት ፈጺሙ እተፈላለየ ኢዩ። . . . ፍልስፍና: ሃይማኖት: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነፍሲ ወከፍና መልሲ ናይቲ ‘ስለምንታይ’ ዝብል ሕቶ ክረክብ ይግባእ።”
መልስን ትርጕምን ምርካብ
5. ብዛዕባ ፈጣሪ ዝያዳ ምስ ዝማሃሩ ክጥቀሙ ዝኽእሉ ብፍላይ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም፧
5 እወ: ህይወት ስለምንታይ ከም ዝሃለወት: ብፍላይ ከኣ ንሕና ስለምንታይ ብህይወት ከም ዘሎና ክንርዳእ ኢና እንደሊ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብዛዕባ እቶም ፈጣሪ ከም ዘሎ ገና ዘይኣመኑ: ብዛዕባ መገድታቱ ኸኣ ብዙሕ ዘይፈልጡ ሰባት ክንግደስ ይግብኣና። ወይ ድማ ኵነታት ናይቶም ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝህቦ ኣምር ኣዝዩ እተፈልየ ምርዳእ ሒዞም ዝዓበዩ ሰባት እስከ ንሕሰብ። ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ምብራቕ ወይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከም ሓደ ዘሐጕስ ባህሪ ዘለዎ ህያው ኣካል ገይሮም ዘይሓስብዎ ቦታታት ኢዮም ዓብዮም። ንዕኦም እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል ንሓደ ዘይንጹር ሓይሊ ወይ ንሓደ ኣካል ዘይብሉ ነገር ኢያ እተመልክት። ‘ንፈጣሪ’ ወይ ንመገድታቱ ‘ኣይፈለጡዎን’። እዚኣቶምን ከም ናቶም ዝበለ ኣረኣእያ ዘለዎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦትን ፈጣሪ ከም ዘሎ ክኣምኑ እንተ ዝኽእሉ: ንዘለኣለማዊ ተስፋ እውን ሓዊስካ ኣየ ከመይ ዝበለ ረብሓ ምረኸቡ ነይሮም! ኣብ ህይወቶም ናይ ሓቂ ትርጕም: ዕላማ: ከምኡውን ናይ ኣእምሮ ሰላም ምረኸቡ: እዚ ድማ ብሓቂ ሳሕቲ ጥራይ ዝርከብ ነገር ኢዩ።
6. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ከምቲ ናይ ፖል ጋውጒንን ሓደ ካብቲ ዘዳለዎ ቅብኣን ዝመስል ህይወት ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም፧
6 ንኣብነት ሓደ ፖል ጋውጒን እተባህለ ፈረንሳዊ ሰኣሊ ዘዕግብ ህይወት ንምርካብ ብ1891 ናብቲ ገነት ዝመስል ፍረንች ፖሊነዚያ ከደ። እንተዀነ ግን: እቲ ቀይዲ ዘይነበሮ ህይወቱ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ካልኦትን ሕማም ኣምጽአ። ዝሞተሉ ግዜ እናቐረበ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ተሰምዖ ኸኣ ኣብ ሓደ ዓቢ ጨርቂ ብምስኣል ‘ንህይወት ከም ሓደ ዓቢ ምስጢር ገይሩ ገለጻ።’ ጋውጒን ነዚ ቅብኣ እዚ እንታይ ኢሉ ከም ዝሰመዮ ትፈልጥዶ፧ “ካበይ ኢና መጺእና፧ እንታይ ኢና እንገብር ዘሎና፧ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘሎና፧” ዝብል መጸውዒ ኢዩ ሂብዎ። ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ሕቶታት ክሓቱ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ብዙሓት ይሓቱ ኢዮም። ዘዕግብ መልስን ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወትን ክስእኑ ከለዉ ግን እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧ ህይወቶም ካብቲ ናይ እንስሳታት ብዙሕ ከም ዘይፍለ ይድምድሙ ይዀኑ።—2 ጴጥሮስ 2:12a
7, 8. ናይ ስነ-ፍልጠት ምርምር ንበይኑ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 በዚ እምብኣር ከም ናይ ፊዚክስ ፕሮፌሰር ፍሪማን ዳይሰን ዝኣመሰለ ሰብ ስለምንታይ ከምዚ ኢሉ ከም ዝጽሕፍ ክርዳኣካ ይኽእል ኢዩ:- “ነቲ ‘ስለምንታይ ኢና እንሳቐ፧ ዓለም ብምጕዳል ፍትሒ መሊኣ ዘላ ስለምንታይ ኢያ፧ ናይ ስቓይን ዘሕዝን ፍጻመታትን ዕላማ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ናይ እዮብ ሕቶታት እንደገና ዝሓትት ንበይነይ ኣይኰንኩን።” (እዮብ 3:20, 21፣ 10:2, 18፣ 21:7) ከምቲ ድሮ ተጠቒሱ ዘሎ ብዙሓት ሰባት መልሲ ካብ ኣምላኽ ዘይኰነስ ካብ ስነ-ፍልጠት ክረኽቡ ኢዮም ትጽቢት ዝገብሩ። ናይ ስነ-ህይወት: ውቅያኖስን ካልእን ተመራመርቲ ነቲ ብዛዕባ ምድርናን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ዘሎና ፍልጠት ይውስኹሉ ኢዮም ዘለዉ። ብኻልእ ሸነኽ ክንምልከት ከሎና ድማ ናይ ስነ-ኮኾብ ተመራመርትን ናይ ፊዚክስ ሊቃውንትን ብዛዕባ ስርዓተ-ጸሓይ: ከዋኽብቲ: አረ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ርሑቕ ጋላክስታት እውን ከይተረፈ መመሊሶም ኢዮም ፍልጠት ዝውስኹ ዘለዉ። (ምስ ዘፍጥረት 11:6 ኣረኣእዮ።) እዚ መርትዖታት እዚ ናብ እንታይ ምኽንያታዊ መደምደምታ ኢዩ ከብጽሓና ዝኽእል፧
8 ገሊኦም ሊቃውንቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣድማስ ተገሊጹ ዘሎ “ሓሳብ” ኣምላኽ ወይ “ስርሓት ኢድ” ኣምላኽ ይዛረቡ ኢዮም። እዚ ግን ነቲ ቀንዲ ነጥቢ ዝስሕት ድዩ፧ መጽሔት ሳይንስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ርእይቶ ትህብ:- “ተመራመርቲ: እቲ ብዛዕባ ኣድማስ ዝግበር መጽናዕቲ ‘ሓሳብ’ ወይ ‘ስርሓት ኢድ’ ኣምላኽ ዝገልጽ ኢዩ ክብሉ ከለዉ: ነቲ ዝነኣሰ መዳይ ናይ ኣድማስ ማለት ነቲ ኣካላዊ ቅርጹ ምስ መለኮታዊ ምንጪ የተሓሕዝዎ ኣለዉ ማለት ኢዩ።” አረ እቲ ተሸላሚ ኖቤል ዝዀነ ናይ ፊዚክስ ሊቅ ስቲቨን ወይንበር ከምዚ ብምባል ኢዩ ጽሒፉ:- “ብዛዕባ ኣድማስ ዝያዳ እናተረዳእና ብዝኸድና መጠን መመሊሱ ዕላማ ዘይብሉ ኰይኑ ኢዩ ዝረኣየና።”
9. ንዓናን ንኻልኦትን ብዛዕባ ፈጣሪ ንምፍላጥ ዝሕግዘና መርትዖታት እንታይ ኢዩ፧
9 ሓደ ካብቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነቲ ጕዳይ ብርዝነት ዘጽንዕዎ እሞ ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ንፈጣሪ ምስ ምፍላጥ እተተሓሓዘ ምዃኑ ዝርድኦም ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይንፈልጥን ኢና ክብሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ካብ መጀመርታ ዓለም ኣትሒዞም ሰባት ኣምላኽ ከመይ ከም ዝዀነ በቲ ዝፈጠሮ ነገራት ኣቢሎም ክርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ንዘለኣለም ዝነብር ሓይሉ ዝገልጽ: ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ” ብምባል ዝጸሓፎ ዘክር። (ሮሜ 1:20 ሆሊ ባይብል: ኒው ላይፍ ቨርሽን) እወ: ሰባት ንፈጣሪ ኣፍልጦ ንኽህቡሉን ናይ ህይወት ትርጕም ንኽረኽቡን ዝሕግዝ ብዛዕባ ምድርን ብዛዕባናን ዝገልጽ መርትዖታት ኣሎ። ሰለስተ መዳይ ናይዚ መርትዖታት እዚ—ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣድማስ: መበቆል ህይወት: ከምኡውን ኣእምሮኣዊ ዓቕምና—ንርአ።
ዘእምን ምኽንያታት
10. ነቲ “መጀመርታ” ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዘፍጥረት 1:1፣ መዝሙር 111:10)
10 ኣድማስ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ህላወ መጺኡ፧ እቲ ካብ ናይ ህዋ ተሌስኮፕን ሓበሬታ ዝልእኽ መሳርሒታትን እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣድማስ ኵሉ ግዜ ኣብ ህላወ ዝነበረ ነገር ገይሮም ከም ዘይርድእዎ ትፈልጥ ትኸውን። መጀመርታ ኣለዎ: ይሰፍሕ ከኣ ኢዩ ዘሎ። እዚ እንታይ ትርጕም ዝሓዘ ኢዩ፧ ነቲ ሰር በርናርድ ሎቨል እተባህለ ናይ ስነ-ኮኾብ ተመራማሪ ዝበሎ እስከ ንስማዕ:- “ቅድሚ ዘይተወሰነ ግዜ ኣድማስ ክንዲ ሓንቲ ነጥቢ እውን ዘይኣክል ኣዝዩ ንእሽቶ ከምኡውን ገደብ ዘይብሉ ጻዕቂ ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ ክብሃል እንተድኣ ዀይኑ: ቅድሚኡ እንታይ ከም ዝነበረ ክንሓትት ይግባእ። . . . ነቲ መጀመርታ ኣለዎ ዝብል ግድል ክንጋጠሞ ኣሎና።”
11. (ሀ) ኣድማስ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ልክዕነት እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧
11 ንምድርና እውን ሓዊስካ ናይ ኣድማስ ኣፈጣጥራ ዘገርም ምውህሃዳት ዘንጸባርቕ ኢዩ። ንኣብነት: ጸሓይን ካልኦት ከዋኽብትን ብቕዓት ሓይሎም ቀጻሊ ምዃኑን ክሳብ ሎሚ ድማ ከይተናወጹ ምጽንሖምን እቲ ክልተ ዝድነቕ ባህርያቶም ኢዩ። እዋናዊ ግምት ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ዝርአ ኣድማስ ዘለዉ ጋላክሲታት ካብ 50 ቢልዮን (50,000,000,000) ክሳብ 125 ቢልዮን ዝበጽሕ ኢዩ። ኣብቲ ጸባዊ መገዲ ጋላክሲ ድማ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ከዋኽብቲ ኣለዉ። ነዚ ዝስዕብ ኣብነት ርአ: ናይ ሓንቲ ማኪና ሞተር ልክዕ ዝዀነ ዓቐን ነዳድን ኣየርን ከም ዘድልዮ ፍሉጥ ኢዩ። ማኪና እንተድኣ ኣልያትካ ብዘይሽግር ንኽትከደልካን ጥዕይቲ ንኽትኰነልካን ናብ ሓደ ሞተር ዘተዓራሪ ክኢላ መካኒክ ከም እትወስዳ ፍሉጥ ኢዩ። ንሓደ ተራ ሞተር ከምዚ ዝበለ ልክዕነት ዘድልዮ እንተድኣ ኰይኑ: ብዛዕባ እታ ውጺኢታዊ ብዝዀነ መገዲ “እትቃጸል” ጸሓይናኸ ደኣ እንታይ ኢዩ ዝብሃሎ፧ ኣብ ምድሪ ህይወት ምእንቲ ክህሉ እቶም ዘድልዩ ቀንዲ ሓይልታት ብልክዕ ከም እተወሃሃዱ ንጹር ኢዩ። እዚ ብኣጋጣሚ ዝዀነ ነገር ድዩ፧ ነቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ እዮብ “እቲ ንሰማያት ዝቕይድ መምርሒታት ትፈልጦ ዲኻ: ወይ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሕጊ ተፈጥሮ እትውስኖ ንስኻ ዲኻ፧” ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነበረ። (እዮብ 38:33፣ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ነዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይገበሮን። ስለዚ እቲ ልክዕነት ካበይ ዝመጸ ኢዩ፧—መዝሙር 19:1
12. ንዅሉ ዝፈጠረ ሓያል ኣእምሮ ከም ዘሎ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
12 እዚ ካብ ሓደ ብኣዒንቲ ሰብ ክርአ ዘይከኣል ነገር ድዩ ተረኺቡ ወይስ ካብ ሓደ ብኣዒንቲ ሰብ ክርአ ዘይክእል ኣካል፧ ነዚ ሕቶ ብኣረኣእያ ናይ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት እስከ ንመልከቶ። መብዛሕትኦም ናይ ስነ-ኮኾብ ተመራመርቲ ብላክ ሆልስ ዝብሃሉ ኣዝዮም ሓያላት ዝዀኑ ሰማያውያን ኣካላት ከም ዘለዉ ይቕበልዎ ኢዮም። እዞም ብላክ ሆልስ እዚኣቶም ዘይርኣዩ እኳ እንተዀኑ: ክኢላታት ግን ብዛዕባ ህላወኦም ርግጸኛታት ኢዮም። ብተመሳሳሊ መጽሓፍ ቅዱስ ክርኣዩ ዘይክእሉ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጥረታት ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዝነብሩ ይገልጽ። ዘይርኣዩ ሓያላት ፍጥረታት እንተድኣ ኣልዮም: እቲ ኣብ ብምሉኡ ኣድማስ ዝርአ ልክዕነት ካብ ሓደ ሓያል ኣእምሮ ዘለዎ ኣካል ዝመነጨ ኢዩ ምባልሲ ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧—ነህምያ 9:6
13, 14. (ሀ) ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ምንጪ ህይወት እንታይ ኢዩ ኣረጋጊጹ፧ (ለ) ህይወት ኣብ ምድሪ ምህላዉ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
13 ሰባት ፈጣሪ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ንኽህቡ ክሕግዞም ዝኽእል ካልኣይ መዳይ ናይ መርትዖ ኸኣ ምንጪ ህይወት ኢዩ። ካብቲ ልዊ ፓስተር ፈተነታት ዝገበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ህይወት ዘለዎ ነገር ካብ ሓደ ህይወት ዘይብሉ ነገር ክመጽእ ከም ዘይክእል ተረጋጊጹ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ምድራዊ ህይወት ብኸመይ ኢዩ ጀሚሩ፧ ኣብ መወዳእታ ናይ 1950ታት ኣቢሉ ሊቃውንቲ: ምድራዊ ህይወት ኣብቲ መብረቕ ብቐጻሊ ኣብ ሃዋሁ ዝወድቀሉ ዝነበረ እዋን ቀስ ብቐስ ኣብ ገለ ጥንታዊ ውቅያኖሳት ከም ዝጀመረ ንኸረጋግጹ ፈተኑ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተረኽበ መርትዖታት ምድራዊ ህይወት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጀማምራ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ከምኡ ዝበለ ሃዋሁ ፈጺሙ ሃልዩ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ገለ ሊቃውንቲ ብዙሕ ኣበር ዘይብሉ መግለጺታት ይደልዩ ኣለዉ። እንተዀነ ግን ነቲ ቀንዲ ነጥቢውን ስሒቶሞ ድዮም፧
14 ንዓሰርተታት ዓመታት ብዛዕባ ኣድማስን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘሎ ህይወትን ዘጽንዐ ብሪጣንያዊ ሊቅ ሰር ፍረድ ሆይል ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “እቲ ህይወት ብዕዉር ሓይልታት ናይ ፍጥረት ኢያ መጺኣ ዝብል ክእመን ዘይክእል: ንኽፍጸም ዘለዎ ተኽእሎ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ዝዀነ ሓሳባት ካብ ምቕባል: መበቆል ህይወት ኰነ ኢልካ እተገብረ ናይ ኣእምሮ ስራሕ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝሓይሽ ኢዩ ዝመስል።” እወ: ብዛዕባ እቲ ናይ ህይወት ድንቅታት ዘሎና ፍልጠት እናዓበየ ምስ ዝኸይድ: ናብቲ ካብ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ኣካል ዝመጸ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ንኽንበጽሕ ዝያዳ ምኽንያታዊ ይኸውን።—እዮብ 33:4፣ መዝሙር 8:3, 4፣ 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:28
15. ፍሉይ ኢኻ ክብሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ስለዚ እቲ ናይ መጀመርታ መዳይ መርትዖታት ንኣድማስ: እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ምንጪ ምድራዊ ህይወት ዘጣምር ኢዩ። ነቲ ሰባት ፍሉያት ምዃኖም ዝሕብር ሳልሳይ መዳይ እስከ ንመልከቶ። ብብዙሕ መገድታት ኵሎም ደቅሰብ ፍሉያት ኢዮም: ስለዚ ንስኻ እውን ፍሉይ ኢኻ ማለት ኢዩ። ብኸመይ፧ ምናልባት ሓንጐል ምስ ሓያል ኮምፒዩተር ከም ዝመሳሰል ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ብሓቂ ግን ናይዚ ቀረባ ግዜ ርኽበታት ከም ዘመልክቶ እዚ ምምስሳል እዚ ጕድለት ኣለዎ። ሓደ ናይ ማሳቹሰትስ ኢንስቲትዩት ኦቭ ቴክኖሎጂ ሊቅ ከምዚ ይብል:- “ናይ ሎሚ ኮምፒዩተራት ኣብቲ ናይ ምርኣይ: ምዝራብ: ምንቅስቓስ ወይ ናይ ምርዳእ ክእለት ምጥቃም ክንዲ ሓደ ወዲ 4 ዓመት ቈልዓ እውን ኣይኰናን ኢየን። . . . ነተን ሱፐር ኮምፒዩተር ዝብሃላ እውን ሓዊስካ እቲ ኮምፒዩተራት ዘለወን ሓበሬታ ናይ ምምማይ ክእለት ክንዲ ናይ ኣረነ ስርዓተ-መትኒ ምዃኑ ኢዩ ዝግመት። እዚ ድማ ሒደት ምቃል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሽክና [ርእስኻ] ዘሎ ሱፐር ኮምፒዩተር ኢዩ።”
16. ናይ ቋንቋ ክእለትካ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
16 ቋንቋ ብምኽንያት ሓንጐልካ ዝረኸብካዮ ክእለት ኢዩ። ገሊኦም ሰባት ክልተ: ሰለስተ: ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቋንቋታት ይዛረቡ: እንተዀነ ግን ሓንቲ እውን ትኹን ክንዛረብ ምኽኣልና ንርእሱ ፍሉያት ኢዩ ዝገብረና። (ኢሳይያስ 36:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:37-40) ፕሮፌሰር ኣር. ኤስ. ከምኡውን ፕሮፌሰር ዲ. ኤች. ፎውትስ ከምዚ ብምባል ሓተቱ:- “ብቛንቋ ክረዳዳእ ዝኽእል . . . ሰብ ጥራይ ድዩ፧ . . . ርግጽ ኢዩ ኵሎም እቶም ምዕቡላት እንስሳታት . . . ብምልክት: ብጨና: ብጻውዒት: ብምውጫጭ: ብምዝማር: ከምኡውን ንህቢ ብሳዕስዒት ይረዳድኡ ኢዮም። እንተዀነ ግን ብዘይካ ሰብ ናይ ሰዋሱው ቅርጺ ብዘለዎ ቋንቋ ዝዛረብ እንስሳ የለን። ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ድማ ብዘይካ ሰብ ኣምሲሉ ክስእል ዝኽእል የለን። እንተገበሩ ምጭሕጋር ጥራይ ኢዩ።” ሓቂ ኢዩ: ኣእምሮኦም ቋንቋ ንምዝራብን: ትርጕም ዘለዎ ስእልታት ንምስኣልን ዝጥቀሙሉ ሰባት ጥራይ ኢዮም።—ምስ ኢሳይያስ 8:1፣ 30:8፣ ሉቃስ 1:3 ኣረኣእዮ።
17. ኣብ መንጎ እቲ ሰብ ኣብ መስትያት ዝርእዮን ሓደ እንስሳ ኣብ መስትያት ዝርእዮን እንታይ መሰረታዊ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧
17 ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምግንዛብን ምርዳእን እውን ኣሎካ። (ምሳሌ 14:10) ዑፍ: ከልቢ: ወይ ድሙ ኣብ መስትያት ርእዮም ነቲ መስትያት ክተዅቡዎ: ክበኣስዎ: ወይ ክፍሕጥርዎ: ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ንርእሶም ስለ ዘየለልዩ ካልእ ከምኦም ዝመሰለ እንስሳ ዝረኣዩ ኢዩ ዝመስሎም። ኣንጻር ናይዚ ግን ኣብ መስትያት ምስ እትርኢ እቲ ኣብ መስትያት ዘሎ ምስሊ ንስኻ ምዃንካ ትፈልጥ ኢኻ። (ያእቆብ 1:23, 24) ትርኢትካ ከመይ ከም ዘሎ ክትዕዘብ ወይ ድሕሪ ሒደት ዓመታት እንታይ ከም እትመስል ክትርኢ ትኽእል። እንስሳታት ከምኡ ኣይገብሩን ኢዮም። እወ: ፍሉይ ዝገብረካ ሓንጐልካ ኢዩ። ብዛዕባ እዝስ መን ኢዩ ዝንኣድ፧ ካብ ኣምላኽ እንተዘይኰይኑ ሓንጐልካ ብኸመይ ጀሚሩ፧
18. ካብ እንስሳታት ዝፈልየካ እንታይ ናይ ኣእምሮ ክእለታት ኢዩ፧
18 ሓንጐልካ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ከም ዝርድኣካ ይገብር ኢዩ። (ዘጸኣት 15:20፣ መሳፍንቲ 11:34፣ 1 ነገስት 6:1, 29-35፣ ማቴዎስ 11:16, 17) እንስሳታት ዘይኰኑስ ንስኻ ጥራይ ከምኡ ዝዀንካ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንስሳታት ሓንጐሎም ነቲ ከም መግቢ ምብላዕ: ብጻይ ምርካብ: ወይ መንበሪ ምድላው ዝኣመሰለ ብኡንብኡ ዘድልዮም ቀንዲ ነገራት ኢዮም ዝጥቀሙሉ። ኣንዊሖም ዝሓስቡ ሰባት ጥራይ ኢዮም። አረ ገሊኦምሲ ተግባራቶም ንኣከባቢ ወይ ንመጻኢ ዘርኦም ብኸመይ ከም ዝትንክፎም ይሓስቡ። ስለምንታይ፧ መክብብ 3:11 ብዛዕባ ሰባት ከምዚ ይብል:- “[ፈጣሪ] ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።” እወ: ብዛዕባ ትርጕም ዘለኣለምነት ወይ ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ንምሕሳብ ዘሎካ ክእለት ፍሉይ ኢዩ።
ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ኣፍቅደሉ
19. ካልኦት ብዛዕባ ፈጣሪ ንኽሓስቡ ክትሕግዞም እንታይ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ኣረዳድኣ ኢኻ ክትጥቀም እትኽእል፧
19 ንሰለስተ መዳያት ጥራይ ኢና ተንኪፍና ዘሎና። እዚ ድማ ኣብቲ ሰፊሕ ኣድማስ ዝርአ ልክዕነት: መበቆል ምድራዊ ህይወት: ከምኡውን እቲ ሓንጐል ሰብ ዘለዎ ዘይክሓድ ፍሉይነት ምስቲ እተፈላለየ ክእለታቱ ኢዩ። እዚ ሰለስቲኡ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ሰባት ኣብ መደምደምታ ምእንቲ ክበጽሑ ንኽትሕግዞም ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣገላልጻ ርአ። ብቐዳምነት: ‘ኣድማስ መጀመርታ ኣለዎዶ፧ ’ ኢልካ ክትሓቶም ትኽእል። ብዙሓት መጀመርታ ከም ዘለዎ ይሰማምዑ ኢዮም። ቀጺልካ ድማ ‘እቲ ምጅማር ብዘይ ዋላ ሓንቲ ምኽንያ ት ዝዀነ ድዩ ወይስ ምኽንያ ት ኣለዎ፧ ’ ኢልካ ሕተቶም። መብዛሕትኦም ሰባት ኣድማስ ንኽጅምር ዝገበሮ ምኽንያት ኣሎ ኢሎም ኢዮም ዝሓስቡ። እዚ ድማ ናብቲ ‘መጀመርታ ብሓደ ዘለኣለማዊ ነገርዶ ኢዩ ተፈጺሙ ወይስ ብሓደ ዘለኣለማዊ ኣካል፧ ’ ዝብል ናይ መወዳእታ ሕቶ ይመርሕ። በዚ ኸምዚ እቲ ኣከራኻሪ ጕዳይ ንጹርን ምኽንያታውን ብዝዀነ መገዲ ምስ ቀረበ: ብዙሓት ሰባት ፈጣሪ ክህሉ ኣለዎ ናብ ዝብል መደምደምታ ይምርሑ! ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ህይወት ትርጕም ዘለዋ ክትከውንዶ ኣይትኽእልን፧
20, 21. ንፈጣሪ ምፍላጥ ኣብ ህይወትና ትርጕም ንምርካብ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ህላወና ምሉእ ብምሉእ: ከምኡውን እቲ ኣብ ስነ-ምግባር ዘሎና ኣረኣእያን ስነ-ምግባር ንባዕሉን ሓዊስካ ምስ ፈጣሪ እተተሓሓዘ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ዶክተር ሮሎ መይ ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ እንኮ ምንጪ ስነ-ምግባር ክወሃቦ ዝኽእል ትርጕም ኣብቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ህይወት እተመርኰሰ ኢዩ።” እዚኸ ኣበይ ኢዩ ዝርከብ፧ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቀንዲ ምንጪ ተባሂሉ ዘሎ ባህሪ ናይ ኣምላኽ ኢዩ። ናይ ኣምላኽ ስርዓታት እቲ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ንህይወት መሰረታ ዝዀነ ስርዓታት ኢዩ።”
21 ስለዚ እምበኣር እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ: ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ” ብምባል ብትሕትናን ብጥበብን ንፈጣሪ ዝለመኖ ስለምንታይ ምዃኑ ክርድኣና ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 25:4, 5) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንፈጣሪ ኣጸቢቑ ምስ ፈለጦ ህይወቱ ዝያዳ ትርጕም: ዕላማ: ከምኡውን መምርሒ ረኺቡ ኢዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ህይወት እውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ዘጸኣት 33:13
22. መገድታት ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ዘጣመረ ኢዩ፧
22 ‘መገድታት’ ፈጣሪ ምፍላጥ ማለት እንታይ ከም ዝመስል ኣጸቢቕካ ብምርዳእ ባህርያቱን መገድታቱን ምፍላጥ እውን ዘጣመረ ኢዩ። ፈጣሪ ዘይርአ: ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ ግን ብኸመይ ኢና ክንፈልጦ እንኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ እትምልከት ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ካብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ተመክሮታት ብምውሳድ ዶክተር ቪክቶር ኢ. ፍራንከል ከምዚ ዝስዕብ ተገንዘበ:- “ህይወት ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ክትፈልጥ ኢልካ ምጽዓር ኣብ ውሽጢ ሰብ ዝርከብ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ እምበር [ከምቲ ናይ እንስሳታት] ብባህርያዊ ድፍኢት ዝመጽእ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ባህሪ ኣይኰነን።” ወሲኹ ኸኣ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ፈረንሳ እተገብረ መጽናዕቲ “89% ናይቶም ሕቶ ዝቐረበሎም: ንሰብ ናይ ምንባር ዕላማ ዝህቦ ‘ገለ ነገር’ የድልዮ ኢዩ ብምባል ኣፍልጦ ከም ዝሃቡ ሓበረ።”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ብዛዕባ ኣድማስና ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ ካብ ምርካብ ንላዕሊ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካልኦት ብዛዕባ ፈጣሪ ክሓስቡ ምእንቲ ክትሕግዞም እንታይ ክትብል ምኽኣልካ፧
◻ ዘዕግብ ትርጕም ህይወት ንምርካብ እቲ ቀንዲ ምስጢሩ ንፈጣሪ ምፍላጥ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
እንታይ ኢልካ ኢኻ እትድምድም፧
ኣድማስና
↓ ↓
መጀመርታ መጀመርታ
የብሉን ኣለዎ
↓ ↓
ባዕሉ ኢዩ መጺኡ ዘምጽኦ ኣሎ
↓ ↓
ዘለኣለማዊ ዘለኣለማዊ
ነገር ኣካል
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣብ ኣድማስ ዝርአ ስፍሓትን ልክዕነትን ንብዙሓት ብዛዕባ ፈጣሪ ከም ዝሓስቡ ገይርዎም ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
ገጽ 15 ከምኡውን 18:- Jeff Hester (Arizona State University) and NASA