ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
19 ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር፣+
ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይእውጅ።+
2 መዓልቲ መዓልቲ ዘረባኦም ይወጽእ፣
ለይቲ ለይቲ ድማ ፍልጠት ይገልጹ።
3 ዘረባ የልቦን፡ ቃላት ከኣ የልቦን፣
ድምጾም እውን ኣይስማዕን።
4 ደሃዮም ግና ናብ ኵላ ምድሪ፡
መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም ወጺኡ።+
ንሱ ንጸሓይ ኣብ ሰማያት ድንኳን ተኺሉላ፣
5 ንሳ ኸምቲ ኻብ ቤት ሕጽኖት ዚወጽእ መርዓዊ እያ፣
መገዱ ኸም ዚጐዪ ጅግና ኸኣ ትሕጐስ።
6 ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ትወጽእ፡
ናብቲ ኻልእ ወሰን ድማ ትዘውር፣+
ካብ ዋዒኣ ዚኽወል ከኣ የልቦን።
7 ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡+ ሓይሊ የሐድስ።+
መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡+ ንዘይለበመ የጥብቦ።+
8 ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ።+
ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን።+
9 ፍርሃት የሆዋ+ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር።
ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡ ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።+
10 ካብ ወርቂ፡
ካብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ይብሃግ፣+
ካብ መዓር፡ ካብቲ ኻብ ጎጎኡ ዜንጠብጥብ መዓር እኳ ይጥዕም።+
11 ጊልያኻ ብእኡ መጠንቀቕታ ይውሃቦ፣+
ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ።+
12 ንጌጋታት መን ኬስተውዕሎ ይኽእል፧+
ካብቲ ዘይፈልጦ ሓጢኣት ኣንጽሃኒ።
13 ንጊልያኻ ድማ ካብ ድፍረት ሓልዎ፣+
እዚ ኺመልከኒ እውን ኣይትሕደግ።+
ሽዑ፡ ምሉእ ክኸውን፡+
ካብ ዕሉል ሓጢኣት ከኣ ክነጽህ እየ።
14 ኦ የሆዋ፡ ከውሐይን+ ተበጃውየይን፡+
ቃላት ኣፈይን ምስትንታን ልበይን ባህ ዜብለካ ይኹን።+