ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
ጥዑያት ኣዕሩኽ ክንመርጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. ኣዕሩኽ ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
መብዛሕትና ብኻልኦት ተቐባልነት ክንረክብ ንደሊ ኢና። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምኒት ድማ፡ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ንኽንመስሎም ይድርኸና እዩ። ስለዚ፡ ኣዕሩኽና ነቲ ኣብ ልብና እነሕድሮ ኣመለኻኽታ ጽልዋ ይገብሩሉ እዮም። እንመርጾም ኣዕሩኽ እምበኣር፡ ንባህርይና ኺጸልውዎ ይኽእሉ እዮም።—ምሳሌ 4:23፣ 13:20 ኣንብብ።
ዳዊት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ብመንፈስ ተደሪኾም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት፡ ንኣዕሩኹ ብጥበብ እዩ መሪጽዎም። ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ንጽህናኡ ንኺሕሉ ምስ ዚሕግዝዎ ሰባት እዩ ዚቀራረብ ነይሩ። (መዝሙር 26:4, 5, 11, 12) ንኣብነት፡ ዮናታን ንዳዊት ኣብ የሆዋ ንኺእመን የተባብዖ ስለ ዝነበረ፡ ዳዊት ነቲ ምስ ዮናታን ዝነበሮ ዕርክነት ዓቂብዎ እዩ።—1 ሳሙኤል 23:16-18 ኣንብብ።
2. ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣዕሩኹ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብርሃም፡ ዓርኪ ኣምላኽ ኰይኑ እዩ። ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ይእመንን ይእዘዞን ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ኸም ዓርኩ ቘጸሮ። (ዘፍጥረት 22:2, 9-12፣ ያእቆብ 2:21-23፡ ትርጕም 1990) ንሕና እውን ብየሆዋ ንእመንን ንእዘዞን እንተ ዄንና፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 15:1, 2 ኣንብብ።
3. ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪጠቕሙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እሙናት እዮም፡ ቅኑዕ ንምግባር ድማ ይሕግዙኻ እዮም። (ምሳሌ 17:17፣ 18:24) ንኣብነት፡ ዮናታን ንዳዊት ብ30 ዓመት ኣቢሉ ይዓብዮ ነበረ፡ ወራሲ ዝፋን እስራኤል ድማ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዳዊት ንጉስ ኪኸውን ብኣምላኽ ስለ እተሓርየ፡ ዮናታን ንዳዊት ብተኣማንነት ደጊፍዎ እዩ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ፡ ናይ ዕሽነት ተግባራት ክትገብር ከለኻ እንተ ርእዮምኻ፡ ብትብዓት እዮም ዚእርሙኻ። (መዝሙር 141:5) ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ጽቡቕ ልማድ ንኺህልወካ ይሕግዙኻ እዮም።—1 ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ።
ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ልክዕ ከማኻ ቕኑዕ ኪገብሩ ዚደልዩ ሰባት ኣለዉ። ኣብኡ፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዚድግፉኻ ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።
ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ሓድሓደ ግዜ ኼጕህዩና ይኽእሉ እዮም። ብጌጋታቶም ብቐሊሉ ኣይትዀሪ። (መክብብ 7:9, 20-22) ፍጹም ዓርኪ ዚብሃል ከም ዘየለ፡ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ድማ ክቡራት ከም ዝዀኑ ኣይትረስዕ። ቃል ኣምላኽ ንጕድለታት ክርስትያን ብጾትና ዕሽሽ ክንብል ይመኽረና እዩ።—ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።
4. “ኣዕሩኽ” እንተ ተጻሪሮምኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ሓያሎ ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪመሃሩ ምስ ጀመሩ፡ ገለ ኻብ ኣዕሩኾም ይጻረርዎም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብካዮ ግብራዊ ምኽሪ ወይ ርግጽ ተስፋ ኣይርድእዎን ይዀኖ። ምናልባት ክትሕግዞም ትኽእል ትኸውን።—ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።
ገሊኣቶም “ኣዕሩኽ” ከኣ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብስራት የላግጹሉ ይዀኑ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ገሊኣቶም ቅኑዕ ንምግባር ክትጽዕር ከለኻ የላግጹልካ ይዀኑ። (1 ጴጥሮስ 4:4) ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ወይ ንዕርክነቶም ወይ ንዕርክነት ኣምላኽ ክትመርጽ ኣሎካ። ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እንተ መሪጽካ፡ ብሉጽ ዓርኪ ኢኻ መሪጽካ።—ያእቆብ 4:4, 8 ኣንብብ።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 12ን 19ን እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።