መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—መጋቢት 2018
5-11 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 20-21
“ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን”
(ማቴዎስ 20:3) ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ፣
nwtsty ሚድያ
ዕዳጋ
ከምቲ ኣብዚ ደብተር ኣኼባ ዚርአ ዘሎ ዝኣመሰለ ገሊኡ ዕዳጋታት፡ ኣብ ጐደናታት እዩ ዚግበር ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሸቃጦ ብዙሕ ዚሽየጥ ንብረት ኣብቲ ጐደናታት የቐምጡ ስለ ዝነበሩ፡ መገዲ ይዓግት ነይሩ እዩ። ተቐማጦ እቲ ኸባቢ፡ ተራ ኣቕሑ ገዛን ስርሓት ካይላን ክቡር ኣቕሑ ጥርሙስን ሓድሽ ፍርያትን ኪዕድጉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ መዝሓሊ ስለ ዘይነበረ፡ ሰባት ዜድልዮም ነገራት ንምዕዳግ መዓልታዊ ናብ ዕዳጋ ኪኸዱ የድልዮም ነይሩ እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸኣ፡ ዓደግቲ፡ ሸቃጦ ወይ ካልኦት በጻሕቲ ዘምጽእዎ ወረ ኺሰምዑ፡ ቈልዑ ኺጻወቱ፡ ስራሕ ዘይብሎም ድማ ዚቘጽሮም ክሳዕ ዚረኽቡ ኺጽበዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዳጋ፡ የሱስ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ጳውሎስ ከኣ ሰቢኹ እዩ። (ግብ 17:17) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ዕቡያት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብዚ ህዝባዊ ቦታታት እዚ ኣቓልቦ ኺግበረሎምን ሰላምታ ኺውሃቦምን ይደልዩ ነበሩ።
(ማቴዎስ 20:20, 21) ድሕርዚ፡ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐረበት እሞ፡ እናሰገደትሉ ሓደ ነገር ለመነቶ። 21 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትደልዪ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እዞም ክልተ ደቀይ፡ ኣብ መንግስትኻ፡ ሓደ ኣብ የማንካ፡ ሓደ ኣብ ጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል” ኢላ መለሰትሉ።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 20:20, 21
ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ፦ እዚኣ፡ ኣደ ሃዋርያ ያእቆብን ሃዋርያ ዮሃንስን እያ። ብመሰረት እቲ ማርቆስ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ናብ የሱስ ቀሪቦም እተዛረብዎ፡ ያእቆብን ዮሃንስን እዮም። ስለዚ፡ ምንጪ እቲ ዝቐረበ ሕቶ ንሳቶም ከም ዝነበሩ ርዱእ እዩ፣ ንሕቶኦም ግና በታ ንየሱስ ሓትኖኡ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ሰሎሜ ዝስማ ኣዲኦም ኣቢሎም እዮም ኣቕሪቦምዎ።—ማቴ 27:55, 56፣ ማር 15:40, 41፣ ዮሃ 19:25።
ሓደ ኣብ የማንካ፡ ሓደ ኣብ ጸጋምካ፦ እዚ ኽልቲኡ ስፍራ እዚ፡ ንኽብርን ንስልጣንን እዩ ዜመልክት፣ ዝዓበየ ኽብሪ ዘለዎ ስፍራ ግና ወትሩ እቲ የማናይ እዩ።—መዝ 110:1፣ ግብ 7:55, 56፣ ሮሜ 8:34።
(ማቴዎስ 20:25-28) የሱስ ግና ናብኡ ጸዊዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ንኣህዛብ፡ ኣሕሉቖም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። 26 ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣ 27 ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያኹም ይኹን። 28 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።”
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 20:26, 28
ኣገልጋሊ፦ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ ዲያኮኖስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ ኸይተሓለለ ብትሕትና ንኻልኦት ዜገልግል ሰብ ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ። እታ ቓል፡ ንክርስቶስ (ሮሜ 15:8)፡ ንኣገልገልቲ ክርስቶስ (1ቈረ 3:5-7፣ ቈሎ 1:23)፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ (ፊል 1:1፣ 1ጢሞ 3:8)፡ ንኣገልገልቲ ቤት (ዮሃ 2:5, 9)፡ ከምኡ ድማ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ (ሮሜ 13:4) ንምምልካት ውዒላ ኣላ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 21:9) እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን! ብስም የሆዋ ዚመጽእ ብሩኽ እዩ! ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕኖ!” እናበሉ ጨደሩ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 21:9
በጃኻ ኣድሕን፦ ቃ.ቃ.፡ “ሆሳእና።” እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ፡ ካብታ “በጃኻ ኣድሕን” ዝትርጉማ ናይ እብራይስጢ ሓረግ ዝመጸት እያ። ኣብዚ፡ እዛ ቓል እዚኣ ድሕነት ወይ ዓወት ምእንቲ ኺህብ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ልመና ዀይና እያ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ዘላ፣ “በጃኻ ድሕነት ሃብ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ድሕሪ ግዜ፡ ንጸሎትን ንውዳሰን እትውዕል መግለጺ ዀነት። እታ ናይ እብራይስጢ ሓረግ ኣብ መዝ 118:25 ትርከብ እያ፣ እዛ መዝሙር እዚኣ ኽፍሊ እተን ኣብ ቅንያት ፋስጋ ብስሩዕ ዚዝመራ ዝነበራ ሃለል ተባሂለን ዚፍለጣ መዝሙራት እያ። ስለዚ፡ እዘን ቃላት እዚአን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብቐሊሉ ዚዝከራ እየን ነይረን። ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ነዚ ንወዲ ዳዊት ኬድሕኖ ዝቐረበሉ ጸሎት ዝመለሰሉ መገዲ፡ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ እዩ። ኣብ ማቴ 21:42፡ የሱስ ባዕሉ ኻብ መዝ 118:22, 23 ብምጥቃስ ኣብ መሲሕ ከም ዚውዕል ኣብሪሁ እዩ።
ወዲ ዳዊት፦ እዚ መግለጺ እዚ፡ ሰባት ንመስመር ወለዶ የሱስ ከምኡ ድማ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ከም ምዃኑ መጠን ንዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ኸም ዝሃቡሉ ዜርኢ እዩ።
(ማቴዎስ 21:18, 19) ኣንጊሁ ናብታ ኸተማ ኺምለስ ከሎ፡ ጠመየ። 19 ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ፣ ኣቝጽልቲ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ስለ ዘይረኸበላ፡ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ” በላ። እታ ኦም በለስ ከኣ ብቕጽበት ነቐጸት።
ብኦም በለስ ገይሩ ብዛዕባ እምነት መሃረ
የሱስ ነታ ኦም ከም እትሓርር ዝገበራ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ንሱ ዝሃቦ ምላሽ ከምዚ ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እንተ ኣሚንኩምን እንተ ዘይተጠራጢርኩምን፡ ነዛ ኦም በለስ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ኸኣ ተደርበ’ እኳ እንተ ኢልኩምዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዘበለ ድማ፡ ክትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴዎስ 21:21, 22) እምበኣር፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እምነት ዝሃቦም ትምህርቲ እዩ ዚደግሞ ነይሩ።—ማቴዎስ 17:20።
ስለዚ፡ የሱስ ነታ ኦም ከም እትሓርር ብምግባሩ፡ ብኣምላኽ ምእማን ዘለዎ ኣገዳስነት ዜጕልሕ ውድዓዊ ትምህርቲ እዩ ዚህብ ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኵሉ እቲ እትጽልይዎን እትልምንዎን፡ ከም እተቐበልኩምዎ ጌርኩም እመኑ እሞ፡ ክትረኽብዎ ኢኹም” በሎም። (ማርቆስ 11:24) እዝስ ንዅሎም ሰዓብቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዀን እዩ! ብፍላይ ነቶም ብዙሕ ፈተናታት ዚጽበዮም ዝነበረ ሃዋርያቱ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መንጎ ምሕራር እታ ኦም በለስን እምነትን ካልእ ዝምድና እውን ኣሎ።
ህዝቢ እስራኤል ከምታ ኦም በለስ ዜታልል ትርኢት እዩ ነይርዎም። እቶም ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪዳን እተኣታተዉ እዮም ነይሮም፣ ብደጊኦም ከኣ ሕጉ ዚሕልዉ እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ብሓፈሻ ኺርኣዩ ኸለዉ ግና፡ ዘይኣምኑን ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርእዩን ኰይኖም እዮም ተረኺቦም። ሕሉፍ ሓሊፎም ንወዲ ኣምላኽ እውን ኣይተቐበልዎን! ስለዚ፡ የሱስ ነታ ፍረ ዘይፈረየት ኦም በለስ ብምሕራር፡ ነቶም ዘይፈርዩን ዘይኣምኑን ህዝቢ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዜጋጥሞም እዩ ኣርእዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 20:1-19) “መንግስተ ሰማያት፡ ንኣታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪቘጽር ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። 2 ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ብሓደ ዲናር ምስ ተሰማምዐ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3 ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ፣ 4 ንዓታቶም ከኣ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ፡ ዚግባእ ዘበለ ኽህበኩም እየ’ በሎም። 5 ንሳቶም ድማ ከዱ። ከም ብሓድሽ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓትን ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። 6 ኣብ መበል 11 ሰዓት ኣቢሉ ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፣ ‘ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ስለምንታይ ኣብዚ ደው እትብሉ፧’ በሎም። 7 ንሳቶም ከኣ፡ ‘ዋላ ሓደ ስለ ዘይቈጸረና’ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ’ በሎም። 8 “ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ዝመዘዞ ሰብ፡ ‘ነቶም ሰብ ውዕለት ጸዊዕካ፡ ካብቶም ዳሕሮት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም’ በሎ። 9 እቶም ሰብ መበል 11 ሰዓት ምስ መጹ፡ ነፍሲ ወከፎም ደዲናር ተቐበሉ። 10 ስለዚ፡ እቶም ቀዳሞት ምስ መጹ፡ ዝያዳ ዚቕበሉ መሰሎም። ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ደዲናር ተቐበሉ። 11 ምስ ተቐበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዓል ቤት ኣጕረምረሙ፣ 12 ‘እዞም ዳሕሮት ሓንቲ ሰዓት እዮም ሰሪሖም፣ ምሳና ድኻም መዓልትን ሃሩርን ምስ ዝጾርና ግና ኣደላዲልካዮም’ ድማ በልዎ። 13 ንሱ ግና ንሓደ ኻባታቶም፡ ‘ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ 14 ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ክንዲ እቲ ናትካ ኽህቦ እደሊ እየ። 15 ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብር መሰልዶ የብለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝዀንኩዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧’ ኢሉ መለሰሉ። 16 በዚ ኸምዚ፡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም፣ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።” 17 የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ወሲዱ፡ ኣብ መገዲ ኸምዚ በሎም፦ 18 “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ። ንሳቶም እውን ንሞት ኪፈርድዎ እዮም። 19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን ኢሎም ከኣ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ።”
12-18 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 22-23
“ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ሓልወን”
(ማቴዎስ 22:36-38) “መምህር፡ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧” 37 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ 38 እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 22:37
ልብኻ፦ እዛ ቓል እዚኣ ብምሳልያዊ መገዲ፡ ንብዘሎ ውሽጣዊ ሰብ ብሓፈሻ እያ እተመልክት። ምስ ‘ነፍስን’ ‘ኣእምሮን’ ብሓባር ክትጥቀስ ከላ ግና፡ ውሱን ትርጉም እዩ ዘለዋ፣ ብቐንዱ ኸኣ ንስምዒታትን ባህግታትን ሓደ ሰብ ተመልክት። እተን ኣብዚ ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ቓላት (ልቢ፡ ነፍሲ፡ ኣእምሮ) ንሓድሕደን እተኣሳሰራ ደኣ እየን እምበር ነናይ በይነን ትርጉም የብለንን። ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ብዅለንትናኡ ኼፍቅሮ ኸም ዚግባእ ድማ የጕልሓ።
ነፍስኻ፦ ወይ “ኵለንትናኻ።”
ኣእምሮኻ፦ እዚ ንናይ ምሕሳብ ክእለት የመልክት። ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጦን ምእንቲ ኼፍቅሮን ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ኺጥቀመሉ ኣለዎ። (ዮሃ 17:3፡ እ.ጽ.፣ ሮሜ 12:1) እታ እዚ ሓሳባት እዚ እተወስደላ ዘዳ 6:5 ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ፡ ነተን ‘ልብኻ፡ ነፍስኻ ኸምኡ ድማ ሓይልኻ’ ዚብላ ሰለስተ ቓላት እያ እትጥቀም። ብመሰረት እቲ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ማቴዎስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ግና፡ ኣብ ክንዲ “ሓይልኻ፡” እታ “ኣእምሮኻ” እትብል ቃል እያ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ። እተፈላለየ ቓላት እተጠቕሙ፡ ብእተፈላለየ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀዳማይ ምኽንያት፡ ጥንታዊ እብራይስጢ ን“ኣእምሮ” እተመልክት ሓንቲ ቓል እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ እቲ ሓሳባት ግና ኣብታ ን“ልቢ” እተመልክት ናይ እብራይስጢ ቓል ይጠቓለል ነይሩ እዩ። እዛ ቓል እዚኣ ብምሳልያዊ መገዲ ኽትውዕል ከላ ንብዘሎ ውሽጣዊ ሰብ፡ እንተላይ ንሓሳባትን ስምዒታትን ኣረኣእያታትን ድራኸታትን ሓደ ሰብ እያ እተመልክት። (ዘዳ 29:4፣ መዝ 26:2፣ 64:6፣ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ኣብ ዘሎ ነጥቢ መጽናዕቲ፡ ልብኻ ኣብ ዚብል ርአ።) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ነታ “ልቢ” እትብል ቃል ኪጥቀም ከሎ፡ እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ግና መብዛሕትኡ ግዜ ነታ እትመዓራረያ፡ “ኣእምሮ” እትብል ቃል እዩ ዚጥቀም። (ዘፍ 8:21፣ 17:17፣ ምሳ 2:10፣ ኢሳ 14:13) ማቴዎስ ካብ ዘዳ 6:5 ኺጠቅስ ከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ሓይልኻ፡” ነታ “ኣእምሮኻ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እተጠቕመሉ ኻልእ ምኽንያት ድማ፡ እታ “ሓይልኻ [ወይ፡ “ክእለትካ፡” እ.ጽ.]” እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንኣካላዊ ሓይል ከምኡ ድማ ንኣእምሮኣዊ ወይ ንናይ ምሕሳብ ክእለት ከተጠቓልል ስለ እትኽእል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ መንጎ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽኛን ቃላት ዘሎ ንሓድሕዱ ዚተሓሓዝ ሓሳባት፡ ጸሓፍቲ ወንጌል ካብ ዘዳግም ኪጠቕሱ ኸለዉ ሕደ ቓላት ዘይተጠቕሙሉ ምኽንያት ምእንቲ ኺርድኣና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።
(ማቴዎስ 22:39) እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 22:39
እታ ኻልአይታ፦ ኣብ ማቴ 22:37፡ እቲ የሱስ ነቲ ፈሪሳዊ ዝሃቦ ቐጥታዊ መልሲ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ሕጂ ግና የሱስ ክንየው እቲ ቐንዲ ሕቶ ኸይዱ ኻልአይቲ ትእዛዝ (ዘሌ 19:18) ብምጥቃሱ፡ ክልቲአን ትእዛዛት ከም ዘይነጻጸላ፡ ብምሉኡ ሕግን ነብያትን ከኣ ኣብአን ከም ዚጠቓለል መሃረ።—ማቴ 22:40።
ብጻይካ፦ እታ “ብጻይካ” (ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቀረባኻ ዘሎ”) እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል ነቶም ኣብ ጥቓኻ ዚነብሩ ጥራይ እተጠቓልል ኣይኰነትን። ንዝዀነ ይኹን እትረኽቦ ሰብ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።—ሉቃ 10:29-37፣ ሮሜ 13:8-10።
(ማቴዎስ 22:40) ብምሉኡ ሕግን ነብያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአን ተመስሪቱ ኣሎ።”
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 22:40
ሕግን ነብያትን፦ “ሕጊ፡” ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ዘዳግም ንዘሎ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ የመልክት። “ነብያት፡” ንትንቢታዊ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ የመልክት። እዘን ቃላት እዚአን ብሓንሳእ ኪጥቀሳ ኸለዋ ግና፡ ንብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ዜጠቓልላ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ።—ማቴ 7:12፣ 22:40፣ ሉቃ 16:16።
ተመስሪቱ፦ የሱስ፡ እቲ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ሕጊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ ዘሎ።—ሮሜ 13:9።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 22:21) ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ “እምበኣር፡ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 22:21
ናይ ቄሳር ንቄሳር፦ እቲ የሱስ ኣብዝን ኣብቲ ኣብ ማር 12:17 ኸምኡ ድማ ኣብ ሉቃ 20:25 ኣብ ዚርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብን ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ሮማዊ ሃጸይ ኣመልኪቱ ኸም እተዛረበ ዚገልጽ እንኮ ጸብጻብ እዩ። እቲ “ናይ ቄሳር” ዚብል ሓረግ፡ ነቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ንዚህብዎ ኣገልግሎታት ዚውዕል ክፍሊት ከምኡ ድማ ነቲ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰበ ስልጣን ዚውሃብ ኣኽብሮትን ግቡእ ተገዛእነትን የጠቓልል።—ሮሜ 13:1-7።
ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ፦ እዚ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ምምላኽ፡ ብምሉእ ነፍስኻ ምፍቃር፡ ከምኡ እውን ምሉእ ብምሉእን ብተኣማንነትን ምእዛዝ የጠቓልል።—ማቴ 4:10፣ 22:37, 38፣ ግብ 5:29፣ ሮሜ 14:8።
(ማቴዎስ 23:24) ኣቱም ካብ መስተኹም ቃርማ እተጻርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ፡ ዕዉራት መራሕቲ!
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 23:24
ቃርማ እተጻርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ፦ ቃርማን ገመልን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ገለ ኻብቶም ዝነኣሱን ዝዓበዩን ርኹሳት ፍጥረታት እየን ነይረን። (ዘሌ 11:4, 21-24) የሱስ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብቃርማ ኸይረኽሱ ኢሎም ንመስተኦም ዜጻርይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገመል ምስ ምውሓጥ ዚመጣጠን ተግባራት ከም ዚፍጽሙ፡ ማለት ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር ምሉእ ብምሉእ ሸለል ከም ዚብልዎ ንምግላጽ እዩ ብእተወሰነ መጠን ሕጫጨ እተሓወሶ እተጋነነ መግለጺ ተጠቒሙ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 22:1-22) ከም ብሓድሽ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ብምሳሌታት ተዛረቦም፦ 2 “መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3 ነቶም ናብቲ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ድማ፡ ባሮቱ ለኣኸ፣ ንሳቶም ግና ምምጻእ ኣበዩ። 4 ከም ብሓድሽ፡ ‘ነቶም ዕዱማት፡ “እንሆ፡ ምሳሕ ኣዳልየ ኣለኹ፣ ኣብዑረይን ስቡሓተይን ተሓሪዶም፡ ኵሉ ኸኣ ተዳልዩ ኣሎ። ናብ መርዓ ንዑ” በልዎም’ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። 5 ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ሓደ ናብ ግራቱ፡ ሓደ ኸኣ ናብ ንግዱ ኸዱ፣ 6 እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ገፍዕዎምን ቀተልዎምን። 7 “እቲ ንጉስ ተቘጥዐ፣ ሰራዊቱ ልኢኹ ድማ፡ ነቶም ቀተልቲ ነፍሲ ቐተሎም፡ ከተማኦም እውን ኣንደደ። 8 ሽዑ ንባሮቱ፡ ‘መርዓስ ተዳልዩ እዩ፣ እቶም ዕዱማት ግና ብቑዓት ኣይኰኑን። 9 እምበኣር፡ ካብ ከተማ ናብ ዜውጽእ መገድታት ኬድኩም፡ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ዓድሙ’ በሎም። 10 እቶም ባሮት ከኣ፡ ናብ መገድታት ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንእኩያትን ንሕያዎትን ኣከብዎም፣ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ድማ፡ በቶም ኣብ መኣዲ እተቐመጡ መልአ። 11 “እቲ ንጉስ ነቶም ኣጋይሽ ኪምርምር ምስ መጸ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብ ረኣየ። 12 ስለዚ፡ ‘ዓርከይ፡ ብዘይ ክዳን መርዓስ ከመይ ጌርካ ናብዚ ኣቲኻ፧’ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኢዱን እግሩን ኣሲርኩም ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ኸኣ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ’ በሎም። 14 “ዕዱማትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።” 15 ድሕርዚ፡ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺጠልፍዎ ውዲት ኣለሙ። 16 ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከኣ፡ ከምዚ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካን መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህርን ንፈልጥ ኢና፣ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርኢኻ ስለ ዘይተዳሉ ድማ፡ ኣይዓጅበካን እዩ። 17 እምበኣር፡ እንታይ ይመስለካ፧ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧ እስከ ንገረና።” 18 የሱስ ግና ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧ 19 ሰልዲ ግብሪ እስከ ኣርእዩኒ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። 20 ንሱ ድማ፡ “እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። 21 ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ “እምበኣር፡ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም። 22 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሓዲጎምዎ ድማ ከዱ።
19-25 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 24
“ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብመንፈስ ንቑሕ ኩን”
(ማቴዎስ 24:12) ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።
it-2 279 ¶6
ፍቕሪ
ፍቕሪ ሓደ ሰብ ክትዝሕል ትኽእል እያ። የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገራት ኪነግሮም ከሎ፡ ፍቕሪ (ኣጋፐ) እቶም ብኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዚዛረቡ ብዙሓት ሰባት ከም እትዝሕል ገለጸ። (ማቴ 24:3, 12) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከም መርኣያ እቲ ዚመጽእ ጽንኩር ግዜ፡ ሰባት “ፈተውቲ ገንዘብ” ከም ዚዀኑ ተዛረበ። (2ጢሞ 3:1, 2) ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ሰብ ካብ ቅኑዕ ስርዓታት ኪርሕቕ፡ እታ ዝነበረቶ ግቡእ ዓይነት ፍቕሪ ድማ ክትጠፍእ ከም እትኽእል ርዱእ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምስትንታንን ንህይወቱ ብስርዓታት ኣምላኽ ብምቕራጽን ብቐጻሊ ፍቕሪ ኼርእን ኬዕብን ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ።—ኤፌ 4:15, 22-24።
(ማቴዎስ 24:39) ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎካ ምሉእ ግዴታ ትፍጽሞዶ ኣሎኻ፧
የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ጽንኩር እዋን ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:37-39) ሚዛናዊ ኴንካ ምብላዕን ምስታይን ነውሪ የብሉን፡ መርዓ ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ ዝሰርዖ ነገር ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:20-24) እቲ ናይ ህይወት ተራ ነገራት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ቦታ ምስ ዝሕዝ ግን፡ ስለምንታይ ብዛዕብኡ ዘይንጽሊ፧ የሆዋ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነቐድም፡ ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር፡ ከምኡውን ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ግዴታ ንኽንፍጽም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 6:33፣ ሮሜ 12:12፣ 2 ቈረንቶስ 13:7።
(ማቴዎስ 24:44) ስለዚ፡ ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።
ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ
ደቀ መዛሙርቱ ነቒሖም ኪጽበዩን ድሉዋት ኪዀኑን ከም ዜድልዮም እዩ ተዛሪቡ። የሱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ በዛ እትስዕብ ምሳሌ ገይሩ ኣጕልሖ፦ “ሓደ ነገር ፍለጡ፦ ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየናይ እዋን ሓለዋ ኸም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡ ምነቕሐ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን። ስለዚ፡ ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።”—ማቴዎስ 24:43, 44።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 24:8) እዚ ዅሉ፡ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 24:8
ቅልውላው፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ ነቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ ዜጋጥም ብርቱዕ ቃንዛ እያ እተመልክት። ኣብዚ ብሓፈሻኡ ንጭንቅን ስቓይን መከራን ንምምልካት እኳ ውዒላ እንተላ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ጭንቅን መከራን ክሳዕ እቲ ኣብ ማቴ 24:21 ተጠቒሱ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ እዋን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ ዜጋጥም ቃንዛ፡ ብብዝሑን ብጻዕቁን ብንውሓቱን እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ እትእምት ክትከውን ትኽእል እያ።
(ማቴዎስ 24:20) ህድማኹም ብኽረምቲ ወይስ ብሰንበት ከይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 24:20
ብኽረምቲ፦ ኣብዚ ወቕቲ እዚ፡ ብርቱዕ ዝናምን ውሕጅን ቈራሪ ዅነታት ኣየርን ስለ ዚህሉ፡ ክትጐዓዝን ምግቢ ዀነ መጽለሊ ኽትረክብን ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።—እዝ 10:9, 13።
ብሰንበት፦ ኣብ ከም ይሁዳ ዝኣመሰለ ኸባቢታት፡ ምስ ሕጊ ሰንበት ዚተሓሓዝ ቀይድታት ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ሰብ ነዊሕ ጕዕዞ ኺጐዓዝን ጾር ኪጸውርን ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ ኣፍ ደገታት ከተማ እውን ብመዓልቲ ሰንበት ዕጹው እዩ ነይሩ።—ግብ 1:12 ኸምኡ ድማ መ.ጽ. ለ12 ርአ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 24:1-22) የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። 2 ንሱ ድማ፡ “እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣለኹም፧ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብዚ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎም። 3 ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕት ኢሎም፡ “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። 4 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፣ 5 ከመይሲ፡ ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም። 6 ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፣ ኣይትሰምብዱ። እዝስ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 7 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8 እዚ ዅሉ፡ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 “ሽዑ፡ ንጸበባ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም፣ ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም። 10 ብዙሓት ድማ ኪዕንቀፉን ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሃቡን ንሓድሕዶም ኪጻልኡን እዮም። 11 ብዙሓት ናይ ሓሶት ነብያት ከኣ ኪትንስኡን ንብዙሓት እውን ኬስሕቱን እዮም፣ 12 ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ። 14 እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ። 15 “እምበኣር፡ እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) 16 ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 17 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ፣ 18 ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን! 20 ህድማኹም ብኽረምቲ ወይስ ብሰንበት ከይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ 21 ሽዑስ፡ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። 22 እተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን።
26 መጋቢት–1 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 25
“ንቕሑ”
(ማቴዎስ 25:1-6) “ሽዑ፡ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2 ካባታተን እተን ሓሙሽተ ዓያሹ፡ እተን ሓሙሽተ ኸኣ ለባማት ነበራ። 3 እተን ዓያሹ፡ ቀቀንዴለን እኳ እንተ ወሰዳ፡ ዘይቲ ግና ኣይተማልኣን። 4 እተን ለባማት ግና፡ መምስ ቀንዴለን፡ ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማልኣ። 5 መርዓዊ ምስ ደንጐየ፡ ኵላተን ትኽስ በላ፡ ደቀሳ ኸኣ። 6 ፍርቂ ለይቲ፡ ‘እንሆ መርዓዊ! ክትቅበላኦ ውጻ’ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ተሰምዐ።
(ማቴዎስ 25:7-10) ሽዑ፡ ኵለን እተን ደናግል ተንሲአን፡ ቀቀንዴለን ኣሰናደዋ። 8 እተን ዓያሹ ነተን ለባማት፡ ‘ቀነዲልና ኺጠፍእ ስለ ዝበለ፡ ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና’ በላአን። 9 እተን ለባማት ከኣ፡ ‘ምናልባት ንዓናን ንዓኻትክንን ኣይኣክልን ይኸውን። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኼድክን ንርእስኽን ዓድጋ’ ኢለን መለሳለን። 10 ንሳተን ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ፣ እተን ድሉዋት ዝነበራ ኸኣ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፣ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ።
(ማቴዎስ 25:11, 12) ደሓር፡ እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ኣርሕወልና!’ በላ። 12 ንሱ ግና፡ ‘ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ’ ኢሉ መለሰለን።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 25:31-33) “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ሽዑ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኪቕመጥ እዩ። 32 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ። 33 ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ ኺገብረን እዩ።
ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም
ሎሚ ብዛዕባ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ንጹር ምርዳእ እዩ ዘሎና። ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ንምግላጽ፦ እቲ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ እዩ። እቶም “ኣሕዋተይ” ተባሂሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰብኡትን ኣንስትን እዮም ዜመልክቱ። (ሮሜ 8:16, 17) እተን ‘ኣባጊዕን ኣጣልን፡’ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንእተዋጽኡ ውልቀ ሰባት እየን ዜመልክታ። እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ኣይኰኑን። ብዛዕባ ግዜ እቲ ፍርዲኸ እንታይ ኪብሃል ይክኣል፧ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ኺፍጸም እዩ። ሰባት በየናይ ምኽንያት እዮም ከም በጊዕ ወይ ከም ጤል ዚፍረዱ፧ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ኣብቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚሕዙሉ መገዲ እተመርኰሰ እዩ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣዝዩ ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ የሆዋ ነዚ ምሳሌ እዝን ነቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን ዘሎ ኻልእ ምሳሌታትን ምእንቲ ኽንርድኦ፡ በብቝሩብ ብርሃን ስለ ዜብርሃልና ኸነመስግኖ ይግባእ።
(ማቴዎስ 25:40) እቲ ንጉስ ከኣ፡ ‘ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኺብሎም እዩ።
“ኣዕሩኸይ ኢኹም”
ተስፋኻ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምንባር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ምስቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ሰለስተ መገድታት ጥራይ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምሉእ ልብኻ ብምክፋል እዩ። ክርስቶስ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ኪሰብኩ ንኣሕዋቱ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 24:14) ይኹን እምበር፡ እቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ኣሕዋት ክርስቶስ ብዘይ ደገፍ ናይቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕ፡ ነቲ ሓላፍነት ኪፍጽምዎ ምኸበዶም ነይሩ። ብሓቂ፡ ኣባላት እቶም ክፍሊ ኻልኦት ኣባጊዕ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋሎም፡ ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ እዮም ዚሕግዝዎም። ልክዕ ከም ክርስቶስ፡ እቲ ኽፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነዚ መግለጺ ዕርክነት ዝዀነ ተግባር ዓብዪ ሞሳ እዩ ዘለዎ።
እቶም ክፍሊ ኻልኦት ኣባጊዕ ንኣሕዋት ክርስቶስ ኪሕግዙ ዚኽእልሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ብገንዘቦም ብምድጋፍ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ብገንዘብ ዓመጻ” ንርእሶም ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ኣተባብዖም። (ሉቃ. 16:9) ብገንዘብና ምስ የሱስ ወይ ምስ የሆዋ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ኢና ማለት ግን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ስጋዊ ሃብትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ብምውዓል፡ ዕርክነትና ወይ ፍቕርና ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብግብርን ብሓቅን” ከነርኢ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 3:16-18) ከምዚ ዝኣመሰለ ገንዘባዊ ደገፍ እንገብር፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለና፡ ንዕዮ ህንጸትን ንመጸገንን እቲ እንእከበሉ ኣዳራሽ ዚኸውን ገንዘብ ክንውፊ ኸለና፡ ከምኡውን ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምድጋፍ ገንዘብ ክንህብ ከለና እዩ። እቲ እንውፍዮ መጠን ገንዘብ ሒደት ይኹን ብዙሕ ብዘየገድስ፡ የሆዋን የሱስን ነቲ ብሓጐስ እንገብሮ ወፈያ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም።—2 ቈረ. 9:7።
ኵላትና ኣዕሩኽ ክርስቶስ ከም ዝዀንና እነርእየሉ ሳልሳይ መገዲ፡ ብናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣቢሉ ንዚመጽእ መምርሒ ብምእዛዝ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ እዮም። (ኤፌ. 5:23) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 13:17) ሓድሓደ ግዜ እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ንዚህቡና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ምእዛዝ ኣጸጋሚ ዀይኑ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዚገብርዎ ነገር ንርኢ ንኸውን፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዚህቡና ምኽሪ ዘሎና ኣረኣእያ ኼዛብዖ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ነዞም ዘይፍጹማት ሰባት ባህ ኢልዎ እዩ ዚጥቀመሎም። ስለዚ፡ ነቲ ስልጣኖም ብኸመይ ከም እንቕበሎ እነርእየሉ መገዲ ምስ ክርስቶስ ንዘሎና ዕርክነት ብቐጥታ ይጸልዎ እዩ። ነቲ ሽማግለታት ዜርእይዎ ጕድለታት ዕሽሽ ብምባል ንመምርሒኦም ብሓጐስ ምስ እንስዕብ፡ ንክርስቶስ ዘሎና ፍቕሪ ኢና እነርኢ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 25:1-23) “ሽዑ፡ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2 ካባታተን እተን ሓሙሽተ ዓያሹ፡ እተን ሓሙሽተ ኸኣ ለባማት ነበራ። 3 እተን ዓያሹ፡ ቀቀንዴለን እኳ እንተ ወሰዳ፡ ዘይቲ ግና ኣይተማልኣን። 4 እተን ለባማት ግና፡ መምስ ቀንዴለን፡ ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማልኣ። 5 መርዓዊ ምስ ደንጐየ፡ ኵላተን ትኽስ በላ፡ ደቀሳ ኸኣ። 6 ፍርቂ ለይቲ፡ ‘እንሆ መርዓዊ! ክትቅበላኦ ውጻ’ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ተሰምዐ። 7 ሽዑ፡ ኵለን እተን ደናግል ተንሲአን፡ ቀቀንዴለን ኣሰናደዋ። 8 እተን ዓያሹ ነተን ለባማት፡ ‘ቀነዲልና ኺጠፍእ ስለ ዝበለ፡ ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና’ በላአን። 9 እተን ለባማት ከኣ፡ ‘ምናልባት ንዓናን ንዓኻትክንን ኣይኣክልን ይኸውን። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኼድክን ንርእስኽን ዓድጋ’ ኢለን መለሳለን። 10 ንሳተን ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ፣ እተን ድሉዋት ዝነበራ ኸኣ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፣ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ። 11 ደሓር፡ እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ኣርሕወልና!’ በላ። 12 ንሱ ግና፡ ‘ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ’ ኢሉ መለሰለን። 13 “እምበኣር፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 14 “ከምቲ ኺገይሽ ዝበለ እሞ፡ ንባሮቱ ጸዊዑ፡ ገንዘቡ ብሕድሪ ዝሃቦም ሰብ እውን ትመስል። 15 ንሱ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ ታለንት፡ ንሓደ ኽልተ፡ ንሓደ ኸኣ ሓደ ሂብዎም ገሸ። 16 እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተቐበለ፡ ብኡብኡ ኸይዱ፡ ብእኡ ነገደ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ድማ ረብሐ። 17 እቲ ኽልተ እተቐበለ ኸኣ፡ ተወሳኺ ኽልተ ረብሐ። 18 እቲ ሓደ ጥራይ እተቐበለ ግና ከይዱ፡ ኣብ ምድሪ ዅዒቱ፡ ነቲ ገንዘብ ጐይታኡ ሓብኦ። 19 “ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶም ድማ ተጸባጸበ። 20 እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተቐበለ ኸኣ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ታለንት ሒዙ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ ታለንት ብሕድሪ ሂብካኒ ኔርካ፣ እንሆ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ታለንት ረቢሐ’ እናበለ ቐረበ። 21 ጐይታኡ ድማ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ። 22 እቲ ኽልተ ታለንት እተቐበለ እውን ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ክልተ ታለንት ብሕድሪ ሂብካኒ ኔርካ፣ እንሆ፡ ተወሳኺ ኽልተ ታለንት ረቢሐ’ በለ። 23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ።