እዮብ
4 ካብ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእል መን ኣሎ፧+
ሓደ እኳ የልቦን!
6 ከም ወዓላይ መዓልቱ ኽሳዕ ዚውድእ፡
ምእንቲ ኺዓርፍሲ ኻብኡ ናብ ካልእ ጠምት።+
7 ኦም እኳ ተስፋ ኣለዎ።
እንተ ተቘሪጹ፡ መሊሱ ይጥጥዕ፣
ውልዶታቱ ምብቋል ኣየቋርጽን።
10 ሰብ ግና ይመውት እሞ ተሰኒፉ በጥ ይብል፣
ሰብ ትንፋሱ እንተ ሓሊፋ፡ ኣበይ ኣሎ፧+
11 ካብ ባሕርስ ማያት ይጠፍእ፣
ፈለግ እውን ይነጽፍን ይነቅጽን።
12 ሰብ ከኣ በጥ ይብል፡ ኣይትንስእን ድማ።+
ሰማይ ክሳዕ ዘይህሉ ኣይነቕሑን፡
ካብ ድቃሶም እውን ኣይትንስኡን።+
14 ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧+
ራህዋይ ክሳዕ ዚመጽእ፡
ኵሉ መዓልትታት ግዴታዊ ኣገልግሎተይ ክጽበ እየ።+
ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ* ኢኻ።
16 ሕጂ ግና ስጕምትታተይ ትቘጽር፡
ሓጢኣተይ ጥራይ ድማ ትቋመት ኣለኻ።
17 ኣበሳይ ኣብ ከረጺት ተሓቲሙ ኣሎ፣
ስሕተተይ እውን ብመጣበቒ ትሓትሞ።
18 ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእ፡
ከውሒ እውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ፡
19 ከምቲ ማይ ንኣእማን ዚብሕጕጎ፡
ወሓይዙ ኸኣ ንሓመድ ሓጺቡ ዚወስዶ፡
ከምኡ ድማ ንስኻ ንተስፋ መዋቲ ሰብ ተጥፍኦ።
20 ክሳዕ ዚጠፍእ ትሕይሎ፣+
ትርኢቱ ለዊጥካ ትሰድዶ።
21 ደቁ ይኸብሩ፡ ንሱ ግና ኣይፈልጦን፣
ይሓስሩ፡ ንሱ ግና ኣይግንዘቦን።+
22 ብስጋኡ ኽሳዕ ዘሎ ጥራይ እዩ ዚሳቐ፣
ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ጥራይ እዩ ዚሓዝን።”*