ኣብቲ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ዝዀነ የሆዋ ተወከል
“ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፡ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም።”—ዳን. 2:21።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ፍጥረትን እተፈጸመ ትንቢትን፡ የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ፡ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ምዃኑ ምርዳእና እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧
ናይ የሆዋ ሰሌዳ ግዜ ብፍጻመታት ዓለም ወይ ብመደባት ደቂ ሰብ ዘይጽሎ ስለምንታይ እዩ፧
1, 2. የሆዋ ንግዜ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚርድኦ ዚሕብር እንታይ እዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ነዊሕ ይገብር፡ ግዜ ንምዕቃን ዚሕግዝ ነገራት ኣዳለወ። ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፡ ንዘበናትን ንመዓልትታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ” በለ። (ዘፍ. 1:14, 19, 26) ብመሰረት ፍቓዱ ድማ ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ዀነ።
2 ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ክሳዕ ሕጂ ንባህርይ ግዜ ኺፈልጥዎ ኣይከኣሉን። ሓደ መዝገበ ፍልጠት፡ “ግዜ ሓደ ኻብቲ ዓሚቝ ምስጢራት ዓለም እዩ። ንናይ ሓቂ እንታይነቱ ኺገልጾ ዚኽእል ድማ የለን” በለ። የሆዋ ግና ንግዜ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚርድኦ። ከመይሲ፡ “ንሰማያት ዝፈጠረ . . . ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን” ንሱ እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዚነግር’ እዩ። (ኢሳ. 45:18፣ 46:10) ኣብኡን ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ዘላትና እምነት ምእንቲ ኽትድልድል፡ ፍጥረትን እተፈጸመ ትንቢታትን፡ የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ዜርኢ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
ፍጥረት፡ ኣብቲ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽ ንዘላትና እምነት የደልድላ
3. ኣብ ግኡዝ ዓለም፡ ግዜ ብልክዕ ከም ዚሕሎ ዚሕብር ነገራት እንታይ እዩ፧
3 ኣብ ግኡዝ ዓለም ዘለዉ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ነገራት፡ ግዜኦም ይሕልዉ እዮም። ንኣብነት፡ ምንግብጋብ ኣቶማት ፈጺሙ ኣይቀያየርን እዩ። ብኣቶም እናተሓገዘ ዚሰርሕ ሰዓት፡ ን80 ሚልዮን ዓመት ድሕሪ ምስራሑ፡ ብሓንቲ ሰከንድ እውን እንተ ዀነ ኣይጋገን እዩ። ፕላኔታትን ከዋኽብትን እውን፡ ልክዕ ግዜኦም ሓልዮም እዮም ዚንቀሳቐሱ። እቲ ኣቐዲምካ ኺፍለጥ ዚከኣል ኣቀማምጣኦም፡ ብዛዕባ ወቕትታትን ብዛዕባ ኣንፈት ጕዕዞን ንምፍላጥ ይሕግዝ እዩ። ገባሪ እዚ ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል “ሰዓት” ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ብሓይሊ ብርቱዕ’ ስለ ዝዀነ፡ ብሓቂ ውዳሰ ይግብኦ እዩ።—ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ።
4. ህያዋን ፍጥረታት ግዜኦም ዚሕልዉ ምዃኖም፡ ጥበብ ኣምላኽ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
4 ህያዋን ፍጥረታት እውን እንተ ዀኑ፡ ግዜኦም ብልክዕ ይሕልዉ እዮም። ንዑደት ህይወት ብዙሓት ኣትክልትን እንስሳታትን ዚቈጻጸር ውሽጣዊ ሰዓት ኣሎ። ብዙሓት ኣዕዋፍ ብባህረት ተመሪሐን፡ መዓስ ሰፈር ኪቕይራ ኸም ዘለወን ይፈልጣ እየን። (ኤር. 8:7) ደቂ ሰብ እውን፡ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለዎ፡ ብዛዕባ ለይትን ቀትርን ድማ ዚሕብር ውሽጣዊ ሰዓት ኣለዎም። ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ እተፈልየ ሰዓት ዘለዎ ቦታ ብነፋሪት እንተ ተጓዒዙ፡ ነቲ ሓድሽ ሰዓት ንኺለምዶ፡ ሒደት መዓልትታት የድልዮ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ፍጥረት ግዜኡ ዚሕሉ ምዃኑ፡ እቲ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ዝዀነ የሆዋ፡ ሓያልን ጥበበኛን ምዃኑ እዩ ዜርኢ። (መዝሙር 104:24 ኣንብብ።) እወ፡ እቲ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽ፡ ጥበበኛን ሓያልን እዩ። ንፍቓዱ ኸም ዚፍጽሞ ኸኣ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
ኣብ ግዜኡ እተፈጸመ ትንቢታት፡ እምነትና የደልድለልና
5. (ሀ) ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ ክንፈልጥ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ ፍጻመታትን መዓስ ከም ዚፍጸምን ኪንበ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
5 ፍጥረት ብዛዕባ ‘ዘይርአ ባህርይ’ የሆዋ ብዙሕ ይምህረና እኳ እንተ ዀነ፡ ‘መጻኢ ደቂ ሰብ እንታይ ይመስል፧’ ንዚብልን ንኻልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን ግና ኣይምልሶን እዩ። (ሮሜ 1:20) ስለዚ፡ መልሲ ንምርካብ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ ነገራት ክንምርምሮ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ድማ፡ ኣብ ልክዕ ግዜኡ እተፈጸመ ትንቢታት ንረክብ ኢና። የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ኪፈልጥ ስለ ዚኽእል፡ እንታይ ከም ዜጋጥም ኪገልጽ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንገሊኡ ፍጻመታት ምስ ዕላማኡን ምስ ሰሌዳ ግዜኡን ብዚሰማማዕ መገዲ ኸም ዚፍጸም ኪገብሮ ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ትንቢታት ኣብ ግዜኡ እዩ ዚፍጸም።
6. የሆዋ ብዛዕባ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥ ከም ዚደልየና ዚሕብር እንታይ እዩ፧
6 የሆዋ፡ ኣምለኽቱ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ትንቢታት ኪርድእዎን ካብኡ ጥቕሚ ኺረኽቡን ይደልዮም እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸምቲ ናትና ድሩት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ሓደ ፍጻመ ኺንበ ኸሎ ግና፡ ንዓና ኺርድኣና ብዚኽእል መገዲ እዩ ዚዛረብ። (መዝሙር 90:4 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም “ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ” ትገልጽ እያ፣ እዚ ኸኣ ክንርድኦ እንኽእል መዐቀኒ ግዜ እዩ። (ራእ. 9:14, 15) ትንቢታት ብኸመይ ኣብ ግቡእ ግዜኦም ከም እተፈጸሙ ምርዳእና፡ በቲ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ከምኡውን ብቓሉ ኸም እንተኣማመን ኪገብረና ኣለዎ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።
7. እቲ ኤርምያስ ብዛዕባ የሩሳሌምን ይሁዳን እተነበዮ ትንቢት ምፍጻሙ፡ የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
7 ፈለማ ናብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. እስከ ንመለስ። “ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡” “ብዛዕባ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ” ዚገልጽ ቃል እቲ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽ፡ ‘ናብ ኤርምያስ መጸ።’ (ኤር. 25:1) የሆዋ፡ የሩሳሌም ከም እትባድም፡ ኣይሁድ ድማ ካብ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ብምርኮ ኸም ዚውሰዱ ተነበየ። “ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ኪግዝኡ” ምዃኖም ከኣ ሓበረ። ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ኣጥፍእዋ፣ ኣይሁድ ከኣ ካብ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ብምርኮ ተወስዱ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መወዳእታ እተን 70 ዓመት እንታይ እዩ ኼጋጥም፧ ኤርምያስ፡ “እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፤ ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ፡ ክዝክረኩም እየ እሞ፡ ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ኸም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ” ኢሉ ተነበየ። (ኤር. 25:11, 12፣ 29:10) እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ማለት ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ብ537 ቅ.ክ. ንኣይሁድ ካብ ባቢሎን ሓራ ምስ ኣውጽእዎም ተፈጸመ።
8, 9. ብዛዕባ ምምጻእ መሲሕን ምቛም ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽን ዚገልጽ ትንቢታት ዳንኤል፡ የሆዋ፡ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
8 ምስ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ካልእ ትንቢት እስከ ንርአ። ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ቅድሚ ምውጽኦም ክልተ ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ብነብዪ ዳንኤል ኣቢሉ፡ የሩሳሌም ክትሕደስ ዚብል ትእዛዝ ምስ ወጸ ድሕሪ 483 ዓመት፡ መሲሕ ከም ዚመጽእ ተነበየ። እቲ ሽዑ ንጉስ ሜዶንን ፋርስን ዝነበረ ድማ፡ ብ455 ቅ.ክ. የሩሳሌም ንኽትሕደስ ትእዛዝ ሃበ። ልክዕ ድሕሪ 483 ዓመት፡ ማለት ብ29 ድ.ክ. የሱስ ብዓል ናዝሬት ኣብ እዋን ጥምቀቱ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብአ፣ መሲሕ ድማ ኰነ።a—ነህ. 2:1, 5-8፣ ዳን. 9:24, 25፣ ሉቃ. 3:1, 2, 21, 22።
9 ሕጂ ድማ ብዛዕባ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት እተነበዮ ትንቢት እስከ ንርአ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት፡ ብዛዕባ ህላወ የሱስ ዚገልጽ “ትእምርቲ” ብምሃብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ካብ ሰማይ ዚድርበየሉ እዋንን ብዛዕባ እቲ ሽዑ ኣብ ምድሪ ዜጋጥም መከራን ብምግላጽ፡ መሲሓዊት መንግስቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ከም እትቐውም ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:3-14፣ ራእ. 12:9, 12) ብዘይካዚ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ዘመናት ኣህዛብ ዚፍጸመሉን’ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትገዝእ እትጅምረሉን ልክዕ እዋን፡ ማለት ብዛዕባ 1914 ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 21:24፣ ዳን. 4:10-17።b
10. ኣየናይ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ፍጻመታት እዩ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኺፍጸም፧
10 ኣብ ቅድሜና፡ እቲ የሱስ ብትንቢት ዝገለጾ ብርቱዕ “መከራ” ይጽበየና ኣሎ። ድሕሪኡ ድማ፡ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኪጅምር እዩ። እዚ ዅሉ ፍጻመታት ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚፍጸም ፈጺሙ ኣየጠራጥርን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ነቲ እቲ ፍጻመታት ዜጋጥመሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ መዲብዎ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 24:21, 36፣ ራእ. 20:6።
‘ግዜ ዓድግ’
11. ኣብ ዘመን መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና ምፍላጥና፡ ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዚግባእ፧
11 መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ኸም ዝጀመረትን ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ከም ዘለናን ምፍላጥና፡ ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዚግባእ፧ (ዳን. 12:4) ብዙሓት ሰባት ነቲ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ይርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ፍጻመታት እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት ዚፍጽም ምዃኑ ኣይርድኡን እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ስርዓት እዚ ዚጠፍእ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም፣ ገሊኣቶም ከኣ ደቂ ሰብ “ሰላምን ደሓንን” ከም ዜምጽኡ ይኣምኑ። (1 ተሰ. 5:3) ንሕናኸ፧ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንነብር ከም ዘለና እንተ ተገንዚብና፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ፡ ንኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ኣብ ምግልጋልን ካልኦት ንዕኡ ንኺፈልጥዎ ኣብ ምሕጋዝን ንኸነውዕሎ ደይኰንናን ክንጽዕር ዚግብኣና፧ (2 ጢሞ. 3:1) ንኣጠቓቕማ ግዜና ብዚምልከት ጥበብ ዝመልኦ ውሳነ ኽንገብር ኣሎና።—ኤፌሶን 5:15-17 ኣንብብ።
12. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ዘመን ኖህ እተዛረቦ ነገራት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
12 ኣብዛ ኣቓልቦና ብዚሰርቕ ብዙሕ ነገራት ዝመልአት ዓለም ‘ግዜ ምዕዳግ’ ቀሊል ኣይኰነን። የሱስ፡ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። ዘመን ኖህ ከመይ እዩ ነይሩ፧ እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከም እትጠፍእ ብትንቢት ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ሽዑ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ብማይ ኣይሂ ኸም ዚጠፍኡ ድማ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ኸም ምዃኑ መጠን፡ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ነጊርዎም እዩ። (ማቴ. 24:37፣ 2 ጴጥ. 2:5) ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም “ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ማቴ. 24:38, 39, 44) ንሕና እውን ከምቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ዘይኰነስ፡ ከም ኖህ ክንከውን ኣሎና። እሞኸ ድሉዋት ንኽንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
13, 14. ንምምጻእ ወዲ ሰብ እናተጸበና፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምዝካርና እዩ ብተኣማንነት ንኸነገልግሎ ዚሕግዘና፧
13 ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብናያ ግዜ ዚመጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ግና ክንዝክር ኣሎና። ሰሌዳ ግዜኡ ብፍጻመታት ዓለም ወይ ብመደባት ደቂ ሰብ ኣይጽሎን እዩ። የሆዋ ነቲ ፍቓዱ ዚፍጽመሉ ግዜን ነቲ ውጽኢቱን ይቈጻጸሮ እዩ። (ዳንኤል 2:21 ኣንብብ።) ከመይሲ፡ ምሳሌ 21:1፡ “ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ” ትብል እያ።
14 የሆዋ ንዕላማኡ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ንምፍጻም፡ ንፍጻመታት ኪቈጻጸሮ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ እተራእየ ብዙሕ ኣገዳሲ ለውጥታት፡ ብፍላይ እቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ትንቢታት ይፍጸም ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየትን ብዛዕባ ሳዕቤናቱን እሞ ሕሰብ። ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ዓብዪ ፖለቲካዊ ለውጢ ብቕልጡፍ ኬጋጥም ተጸብዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ብምኽንያት እቲ ለውጢ፡ እቲ ብስራት ኣብተን ቅድሚኡ ዕዮና ተኣጊዱለን ዝነበረ ብዙሓት ሃገራት ብስፍሓት ይስበኽ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ንኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ብተኣማንነት ንምግልጋል ዝኸውን ግዜ ንዓድግ።
የሆዋ ንዕላማኡ ኣብ ግዜኡ ኸም ዚፍጽሞ ተኣማመን
15. ምስ ውድባዊ ምትዕርራይ ብዚተሓሓዝ፡ እምነትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
15 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣዘውቲርና ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንካፈል፡ የሆዋ ንዕላማኡ ኣብ ግዜኡ ኸም ዚፍጽሞ ኽንተኣማመን ኣሎና። ብምኽንያት እቲ ዚቀያየር ዘሎ ዅነታት ዓለም፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ለውጢ ኽንገብር የድሊ ይኸውን። ውድብ የሆዋ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንሰብኮ ዚሕግዘና ምትዕርራይ ይገብር ይኸውን። ምስ ከምዚ ዝበለ ምትዕርራይ ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባርን ኣብ ትሕቲ እቲ “ርእሲ ማሕበሩ” ዝዀነ ክርስቶስ ብተኣማንነት ብምግልጋልን፡ ኣብቲ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” እምነት ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 5:23።
16. የሆዋ ኣብ ግዜ ጸበባና ኸም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
16 የሆዋ፡ ‘ብግዜ ጸበባ’ ኸም ዚድግፈና ተኣማሚንና ብናጽነት ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና እዩ። (እብ. 4:16) እዝስ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚግደሰልና ዜርኢ ደይኰነን፧ (ማቴ. 6:8፣ 10:29-31) ምእንቲ ኺሕግዘና ኣዘውቲርና ብምጽላይ፡ ምስ ጸሎትናን ምስ መምርሒኡን ዚሰማማዕ ስጕምቲ ድማ ብምውሳድ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እውን ክንጽልየሎም ኣሎና።
17, 18. (ሀ) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንጸላእቱ እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ (ለ) ካብ ኣየናይ መፈንጠራ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧
17 ሕጂ ‘ብዘይምእማን እንዋላወለሉ’ ዘይኰነስ፡ ብእምነትና እንብርትዓሉ እዋን እዩ። (ሮሜ 4:20) ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ማለት ሰይጣንን እቶም ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ ዘለዉን፡ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ እንተላይ ንዓና ዝሃበና ዕዮ ደው ንምባል ይጽዕሩ ኣለዉ። (ማቴ. 28:19, 20) ሰይጣን መጥቃዕቲ የውርደልና እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ “ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ‘ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ብኸመይ ካብ ፈተና ኸም ዜውጽኦም ይፈልጥ እዩ።’—1 ጢሞ. 4:10፣ 2 ጴጥ. 2:9።
18 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኼጥፍኦ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይተዋህበና፡ መዓስ ከም ዜጋጥም ከኣ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ክርስቶስ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ንጸላእቲ ኣምላኽ ከም ዜጥፍኦም፡ ልዑላውነት የሆዋ ኸኣ ከም ዚረጋገጽ ንፈልጥ ኢና። ነዚ እናፈለጥና ኽነስና፡ ነቲ ሕጂ ዘለናሉ “ዘመናትን ወርሓትን” ከየስተውዓልናዮ ኽንተርፍሲ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ዀን እዩ! “ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ብዚብል ኣተሓሳስባ ኸይንፍንጠር ክንጥንቀቕ ኣሎና።—1 ተሰ. 5:1፣ 2 ጴጥ. 3:3, 4።
‘ተስፋ ግበር’
19, 20. ብየሆዋ ተስፋ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
19 የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ፡ ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል ፍጥረቱን እናተማህሩ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ነይሩ። መክብብ 3:11፡ “ንዅሉ በብግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ትብል።
20 የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ዘይምልዋጡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና! (ሚል. 3:6) ኣምላኽ፡ “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” እዩ። (ያእ. 1:17) ሰሌዳ ግዜኡ በቲ ደቂ ሰብ ዚጥቀሙሉ ኸም ዙረት ምድሪ ዝኣመሰለ ኣቈጻጽራ ኣይጽሎን እዩ። ከመይሲ፡ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” እዩ። (1 ጢሞ. 1:17) ስለዚ፡ ‘ንኣምላኽ ምድሓንና ተስፋ ንግበር።’ (ሚክ. 7:7) እወ፡ “ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፡ በርትዑ፡ ልብኹምውን ይጽናዕ።”—መዝ. 31:24።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 186-195 ርአ።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ዳንኤል፡ እቲ ብኣምላኽ እተነግረ ትንቢት ከም ዚፍጸም ይተኣማመን ነበረ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ንግዜኻ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዲኻ እትጥቀመሉ ዘለኻ፧