1 ዜና መዋእል
25 ዳዊትን ኣሕሉቕ እቶም ጕጅለታት ኣገልግሎትን ከኣ ንገለ ኻብ ደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን፡+ ብመሰንቆን* ብበገናን+ ብጸናጽል ሸሓንን+ እናተነበዩ ኼገልግሉ ፈለይዎም። ዝርዝር እቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት እዚ እዩ፦ 2 ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፣ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣሳፍ ነበሩ፣ ንሱ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ ይንበ ነበረ። 3 ካብ የዱቱን፡+ ደቂ የዱቱን፦ ገዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሺምዒን ሓሻብያን ማቲትያን፡+ ሽዱሽተ፣ እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንየሆዋ እናኣመስገነን እናወደሰን ብመሰንቆ ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዱቱን ነበሩ።+ 4 ካብ ሄማን፡+ ደቂ ሄማን፦ ቡቂያን ማታንያን ዑዚኤልን ሸቡኤልን የሪሞትን ሓናንያን ሓናኒን ኤሊኣታን ጊዳልቲን ሮማምቲ-ዔዘርን ዮሽብቃሻን ማሎቲን ሆቲርን ማሓዚኦትን። 5 ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ሄማን እዮም፣ ንሱ ኸኣ ኣብቲ ንኽብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ* ዚምልከት ነገር ናይ ንጉስ ብዓል ራእይ ነበረ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንሄማን፡ 14 ኣወዳትን 3 ኣዋልድን ሃቦ። 6 ኵሎም እዚኣቶም ንኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ብጸናጽል ሸሓንን ብበገናን ብመሰንቆን+ ኪዝምሩ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቦኦም ነበሩ።
ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ ነበሩ።
7 ቍጽሮም ምስቶም ንየሆዋ ምዝማር ዝሰልጠኑ ኣሕዋቶም፡ ኵሎም ክኢላታት፡ 288 ነበረ። 8 ንዕዮኦም ከኣ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ፡ ክኢላ ዀነ ተልመዴን ብማዕረ ዕጫ ኣውደቑ።+
9 እቲ ቐዳማይ ዕጫ ኻብ ኣሳፍ ንዮሴፍ ወጸሉ፣+ እቲ ኻልኣይ ንገዳልያ+ (ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን 12 ነበሩ)፣ 10 እቲ ሳልሳይ ንዛኩር፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 11 እቲ ራብዓይ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 12 እቲ ሓምሻይ ንነታንያ፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 13 እቲ ሻድሻይ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 14 እቲ ሻውዓይ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 15 እቲ ሻምናይ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 16 እቲ ታሽዓይ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 17 እቲ ዓስራይ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 18 እቲ መበል 11 ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 19 እቲ መበል 12 ንሓሻብያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 20 ነቲ መበል 13፡ ሹባኤል፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 21 ነቲ መበል 14፡ ማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 22 ነቲ መበል 15፡ ንየሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 23 ነቲ መበል 16፡ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 24 ነቲ መበል 17፡ ንዮሽብቃሻ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 25 ነቲ መበል 18፡ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 26 ነቲ መበል 19፡ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 27 ነቲ መበል 20፡ ንኤሊኣታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 28 ነቲ መበል 21፡ ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 29 ነቲ መበል 22፡ ንጊዳልቲ፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 30 ነቲ መበል 23፡ ንማሓዚኦት፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 31 ነቲ መበል 24፡ ንሮማምቲ-ዔዘር፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12።