መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
6-12 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 1-2
“የሆዋ ኣብ ምድሪ ህይወት ፈጠረ”
(ዘፍጥረት 1:3, 4) ኣምላኽ ከኣ፡ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኰነ። 4 ኣምላኽ ከኣ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ኪፈልዮ ጀመረ።
(ዘፍጥረት 1:6) ኣምላኽ ከኣ፡ “ኣብ መንጎ ማያት፡ ጠፈር ይኹን፣ ንማያት ድማ ካብ ማያት ይፍለ” በለ።
(ዘፍጥረት 1:9) ኣምላኽ ከኣ፡ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፡ ንቑጽ መሬት እውን ይርአ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ።
(ዘፍጥረት 1:11) ኣምላኽ ድማ፡ “እታ ምድሪ፡ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን ፍረ ምስ ዘርኡ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ።
it-1 527-528
ፍጥረት
ኣምላኽ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ “ብርሃን ይኹን” ምስ በለ፡ ምንጪ እቲ ብርሃን ካብ ምድሪ ኺርአ ዘይከኣለሉ ብደበናታት ሰንጢቑ ዝመጽእ ብርሃን እዩ ዚርአ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ጀይ. ዳብልዩ. ዋትስ ዚብሃል ተርጓሚ፡ “በብቝሩብ ድማ ብርሃን ኰነ” ኢሉ ብምትርጓም ከም ዝሓበሮ፡ እዚ በብቝሩብ ኰይኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ 1:3፡ ኤ ዲስቲንክቲቭ ትራንስሌሽን ኦቭ ጀነሲስ) ኣምላኽ ከኣ ንብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ነቲ ብርሃን፡ መዓልቲ ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸልማት ድማ ለይቲ ኢሉ ሰመዮ። እዚ ኸኣ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ እናዞረት፡ ኣብ ገዛእ ዘንጋ እውን ትዘውር ከም ዝነበረ ይሕብር፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ምብራቓውን ምዕራባውን ንፍቀ ኽቢ በብተራ ብርሃንን ጸልማትን ኪረኽቦ ይኽእል ነይሩ ማለት እዩ።—ዘፍ 1:3, 4።
ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ፡ ኣምላኽ “ንማያት . . . ካብ ማያት” ብምፍላይ፡ ጠፈር ገበረ። ገሊኡ ማያት ኣብቲ ዝነበሮ ኣብ ምድሪ ተረፈ፣ ግናኸ፡ ብዙሕ ማይ ካብ ገጽ ምድሪ ናብ ላዕሊ ተላዕለ፣ ኣብ መንጎ እዚ ኽልቲኡ ኸኣ ጠፈር ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር፡ ሰማይ ኢሉ ሰመዮ፣ እዚ ስያመ እዚ ግና ምስ ምድሪ ብዚተኣሳሰር እዩ ተዋሂቡ ደኣ እምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ንኸዋኽብቲ ወይ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ሰማያት ዘሎ ኻልእ ኣካላት ከም ዝሓዘ ዜመልክት ኣይኰነን።—ዘፍ 1:6-8፣ ኣብ ጠፈር ርአ።
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ እቲ ተኣምር ዚገብር ሓይሊ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ኸም ዚእከብ ገበሮ እሞ ንቑጽ መሬት ኰነ፣ ኣምላኽ እውን ነቲ ንቑጽ መሬት፡ ምድሪ ኢሉ ሰመዮ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣብ ኣቶማት ስርዓት ህይወት ብምስራዑ፡ ሳዕርን ኣትክልትን ፍረ ዚፈሪ ኣእዋምን በቘለ፣ እዚ ኸኣ ብኣጋጣሚ ወይ በብቝሩብ ብፍልቀት ዝዀነ ኣይኰነን። እዚ ሰለስተ ዓይነት ኣትክልቲ እዚ፡ “በብዓይነቱ” ኺፈሪ ዚኽእል ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ።—ዘፍ 1:9-13።
(ዘፍጥረት 1:14) ኣምላኽ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማያት ይኹኑ፣ ንወቕትታትን ንመዓልትታትን ንዓመታትን ከኣ ምልክት ይኹኑ።
(ዘፍጥረት 1:20) ኣምላኽ ከኣ፡ “ማያት ብህያዋን ፍጡራት ሓሰኽሰኽ ይበል፣ በረርቲ ፍጡራት ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማያት ይብረሩ” በለ።
(ዘፍጥረት 1:24) ኣምላኽ ከኣ፡ “ምድሪ፡ ህያዋን ፍጡራት በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን እንስሳ ዘገዳም ምድርን እውን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ።
(ዘፍጥረት 1:27) ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፣ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
it-1 528 ¶5-8
ፍጥረት
ኣብ ዘፍጥረት 1:16፡ እታ “ፈጠረ” ዝትርጕማ ባራ እትብል ቃል ኣይኰነትን ዘላ። የግዳስ፡ እታ “ገበረ” ዝትርጕማ ዓሳህ እትብል ቃል እያ ዘላ። ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:1 ተጠቒሱ ዚርከብ “ሰማያት” ስለ ዚጠቓለሉ፡ ቅድሚ እታ ራብዐይቲ መዓልቲ ተፈጢሮም ነይሮም እዮም። ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣምላኽ ነዞም ሰማያውያን ኣካላት እዚኦም “ገበሮም” ኪብሃል ከሎ፡ ምስ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ምስ ዘሎ ጠፈርን ሓድሽ ዝምድና ከም ዝጀመሩ የመልክት። “ኣምላኽ ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጠፈር ሰማያት ገበሮም” ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኣብ ጠፈር ከም ዘለዉ መሲሎም ኪርኣዩ ኸም ዝጀመሩ የመልክት። እቶም ብርሃናት “ንወቕትታትን ንመዓልትታትን ንዓመታትን . . . ምልክት ይኹኑ” ስለ እተባህሉ፡ ጸኒሖም ንወዲ ሰብ ብእተፈላለየ መገዲ ኸም መወከሲ ዀይኖም እዮም።—ዘፍ 1:14።
እታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ሰብ ዘይኰኑ ነፍሳት ንፈለማ ግዜ ኣብ ምድሪ እተፈጥሩላ እያ። ኣምላኽ፡ ሓደ ፍጥረት በብቝሩብ ናይ ካልእ ዓይነት ከም ዚምዕብል ኣይኰነን ገይሩ፣ የግዳስ፡ ብሓይሉ ገይሩ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ህያዋን ፍጥረታት እዩ ፈጢሩ። ስለዚ፡ “ኣምላኽ ድማ ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣብቲ ማያት ውንጅርጅርን ሓሰኽሰኽን ዚብል ኵሉ ህያው ፍጡር በብዓይነቱን ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ በራሪ ፍጡር በብዓይነቱን ፈጠረ” ተባሂሉ ኣሎ። በቲ ዝገበሮ ባህ ስለ ዝበሎ ኸኣ፡ ባረኾም ወይ “ተባዝሑ” በሎም፣ እዞም ፍጥረታት እዚኦም፡ “በብዓይነቱ” ኺፋረዩ ከም ዚኽእሉ ገይሮም እዮም ተፈጢሮም።—ዘፍ 1:20-23።
ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ “ኣምላኽ . . . እንስሳ ዘገዳም ምድሪ በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቱ፡ ኵሉ ለማሚ ምድሪ በብዓይነቱ ገበረ፣” እዚ ድማ ከምቲ ቕድሚኡ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ፍጥረታት ጽቡቕ ኰነ።—ዘፍ 1:24, 25።
ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ዕዮ ፍጥረት፡ ኣምላኽ ካብ እንስሳታት ዚልዕልን ካብ መላእኽቲ ዚትሕትን ሓድሽ ዓይነት ፍጡር ገበረ። እዚ ድማ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም ምስሉ እተፈጥረ ሰብ እዩ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:27 ዚርከብ ጸብጻብ ብዛዕባ ደቂ ሰብ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ኢሉ ኣጽሕር ኣቢሉ ኺገልጽ ከሎ፡ ንተመሳሳሊ ታሪኽ ዚትርኽ ኣብ ዘፍጥረት 2:7-9 ዘሎ ጸብጻብ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ኸም ዝገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ ከም ዝበለሉ፡ እቲ ሰብ ከኣ ህያው ፍጡር ኸም ዝዀነ፡ መንበሪቱ እትኸውን ገነትን ዚብላዕ ምግብን እውን ከም ዝሃቦ ገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ብዚርከብ ባእታታት ገይሩ ንሰብኣይ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ብመሰንገለ ኣዳም ገይሩ ሰበይቲ ገበረ። (ዘፍ 2:18-25) ሰበይቲ ምስ ተፈጥረት፡ እቲ ሰብ ዚብሃል “ዓይነት” ፍጥረት እተማልአ ዀነ።—ዘፍ 5:1, 2።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 1:1) ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።
ስነ ፍልጠት ንህይወትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
ዕድመ ምድርን ዩኒቨርስን
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዕድመ ምድሪ 4 ቢልዮን ዓመት፡ ዕድመ ዩኒቨርስ ድማ ካብ 13 ኽሳዕ 14 ቢልዮን ዓመት ከም ዝዀነ እዮም ዚግምቱ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዩኒቨርስ ካብ ዚፍጠር ክንደይ ዓመት ከም ዝገበረ ኣይነግርን እዩ። ኣብ ዝዀነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ምድሪ ኻብ እትፍጠር ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም ዝገበረት ዚገልጽ የለን። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ ፍቕዲ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ትብል። (ዘፍጥረት 1:1) እዚ ሓፈሻዊ መግለጺ እዚ፡ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ዜተኣማምን ስነ ፍልጠታዊ ሕግታት ተመርኲሶም፡ ዕድመ እዚ ግኡዝ ዓለም እዚ ኽንደይ ከም ዝዀነ ንኺውስኑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።
(ዘፍጥረት 1:26) ኣምላኽ ከኣ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፣ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ንእንስሳታት ዘቤትን ንዅላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለማምን ይግዝኡ” በለ።
it-2 52
የሱስ ክርስቶስ
ከም ኣምላኽ ፈጣሪ ኣይኰነን። ወዲ ኣብ ዕዮ ፍጥረት ተሳቲፉ እዩ፣ ግናኸ፡ ምስ ኣቦኡ ብሓባር ዚቝጸር ፈጣሪ ኣይኰነን። እቲ ንምፍጣር ዜኽእል ሓይሊ፡ ካብ ኣምላኽ በቲ ቕዱስ መንፈሱ ወይ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ኣቢሉ እዩ መጺኡ። (ዘፍ 1:2፣ መዝ 33:6) የሆዋ ምንጪ ዅሉ ህይወት ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኵሎም ዚርኣዩን ዘይረኣዩን ህያዋን ፍጥረታት ካብኡ እዮም ህይወት ረኺቦም። (መዝ 36:9) እምበኣር፡ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ንወዱ፡ ከም ወኪል ወይ ከም ሰራሕተኛ ደኣ እዩ ተጠቒሙሉ እምበር፡ ንሱስ ከምኡ ፈጣሪ ኣይኰነን። የሱስ ባዕሉ እኳ፡ እቲ ንፍጥረታት ዝፈጠረ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፣ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት እውን ነዚ ይምስክር እዩ።—ማቴ 19:4-6፣ ኣብ ፍጥረት ርአ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 1:1-19) ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ። 2 ምድሪ ድማ ቅርጺ ኣልቦን ባዶን ነበረት፣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ማይ እውን ጸልማት ነበረ። ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዘውር ነበረ። 3 ኣምላኽ ከኣ፡ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኰነ። 4 ኣምላኽ ከኣ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ኪፈልዮ ጀመረ። 5 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን፡ መዓልቲ ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ። 6 ኣምላኽ ከኣ፡ “ኣብ መንጎ ማያት፡ ጠፈር ይኹን፣ ንማያት ድማ ካብ ማያት ይፍለ” በለ። 7 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ገበሮ እሞ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ። ከምኡ እውን ኰነ። 8 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር፡ ሰማይ ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ። 9 ኣምላኽ ከኣ፡ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፡ ንቑጽ መሬት እውን ይርአ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 10 ኣምላኽ ድማ ነቲ ንቑጽ መሬት፡ ምድሪ ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ እኩብ ማያት ግና ባሕርታት ኢሉ ሰመዮ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 11 ኣምላኽ ድማ፡ “እታ ምድሪ፡ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን ፍረ ምስ ዘርኡ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 12 እታ ምድሪ ኸኣ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን ፍረ ምስ ዘርኡ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ኣውጽአት። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 13 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። 14 ኣምላኽ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማያት ይኹኑ፣ ንወቕትታትን ንመዓልትታትን ንዓመታትን ከኣ ምልክት ይኹኑ። 15 ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማያት ብርሃናት ይኹኑ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 16 ኣምላኽ ድማ እቲ ዝዓበየ ብርሃን ብመዓልቲ ኺገዝእ፡ እቲ ዝነኣሰ ብርሃን ከኣ ብለይቲ ኺገዝእ፡ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፣ ከዋኽብቲ እውን ገበረ። 17 ኣምላኽ ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጠፈር ሰማያት ገበሮም፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኼብርሁ፡ 18 ብመዓልትን ብለይትን ኪገዝኡ፡ ንብርሃን ከኣ ካብ ጸልማት ኪፈልዩ ኢሉ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 19 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ።
13-19 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 3-5
“ሕማቕ ሳዕቤን እቲ ናይ መጀመርታ ሓሶት”
(ዘፍጥረት 3:1-5) የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ እንስሳ መሮር፡ ተመን ኣዝዩ ጥንቁቕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧” በላ። 2 እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና። 3 ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡ ኣምላኽ፡ ‘ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን’ ኢሉ” በለቶ። 4 እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም። 5 ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ።
ዕላማ የሆዋ ኺፍጸም እዩ!
ሰይጣን ድያብሎስ ብተመን ተጠቒሙ፡ ሄዋን ንኣቦኣ የሆዋ ምእንቲ ኸይትእዘዞ ኣስሓታ። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ፣ ራእ. 12:9) ሰይጣን፡ ኣምላኽ ንሰብኣውያን ውሉዳቱ፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት” ከይበልዑ ኸም ዝኣዘዞም ገይሩ ተዛረበ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ድሌትኩም ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም ማለት ድዩ፧’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። ቀጺሉ ድማ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም” ኢሉ ውጹእ ሓሶት ተዛረበ። “ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ . . . ስለ ዝፈለጠ እዩ” ኢሉ ድማ ንኣምላኽ ከይትእዘዞ ኣስድዓ። ካብታ ፍረ ምስ ዚበልዑ ምስትውዓል ስለ ዚረኽቡ፡ የሆዋ ኻብታ ፍረ ኺበልዑ ኸም ዘይደልዮም እዩ ሰይጣን ዚእምት ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ‘ከም ኣምላኽ ክትኰኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን እውን ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢሉ ናይ ሓሶት ተስፋ ኣተስፈዎም።
(ዘፍጥረት 3:6) እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ንምብልዓ ጥዕምቲ፡ ንኣዒንቲ ኸኣ ደስ እተብል፡ እወ፡ እታ ኦም ንምጥማታ ባህ እተብል ምዃና ረኣየት። ካብ ፍሪኣ ወሲዳ ድማ በልዐት። ድሕሪኡ፡ ሰብኣያ ምስኣ ምስ ኰነ እውን፡ ንዕኡ ሃበቶ፣ ንሱ ኸኣ በልዐ።
ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና
ሄዋን ሓጢኣት ምፍጻም እንተ ዘይኰይኑ ካልእ መዋጽኦ ዘይብሉ ኵነታት ድዩ ኣጋጢምዋ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታኣ እስከ ኣእቱ። እቲ ተመን ዝበሎ ነገር ምስቲ ኣምላኽን ኣዳምን ዝበልዎ ነገር ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር ኢዩ ነይሩ። ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ መጺኡ ንሓደ እተፍቅሮን እትኣምኖን መታለሊ ኢዩ ኢሉ እንተ ዝኸሶ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ሄዋን ኣብቲ ተመን ብርቱዕ ጽልኢ ብምሕዳር፡ ምስማዕ እውን ብምእባይ፡ ካብቲ ዝገበረቶ እተፈልየ ስምዒት ከተርኢ ነበራ። ብዘይዚውን እቲ ተመን ንጽድቂ ኣምላኽን ንቓላት ሰብኣያን ኣብ ሕቶ ዘእትዎ እንታዋይ ኢዩ፧ ሄዋን ነቲ ስርዓት ርእስነት ካብ ዘለዋ ኣኽብሮት ተላዒላ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቅድሚ ምግባር ምኽሪ ክትሓትት ነበራ። ንሕና እውን ምስቲ ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒታት ዝጻረር ነገር እንተ ተነጊሩና ከምኡ ክንገብር ኢዩ ዘሎና። እንተዀነ ግን፡ ሄዋን ጽቡቕን ክፉእን ባዕላ ክትውስን ስለ ዝደለየት፡ ንቓላት ናይቲ ፈታኒ ኣመነቶ። ነቲ ሓሳብ ዝያዳ ብዘስተንተነቶ መጠን፡ ዝያዳ ድራኸ ኣሕደረላ። ነቲ ክፉእ ትምኒት ካብ ኣእምሮኣ ኣብ ክንዲ እትሓኮ ወይ ምስቲ ርእሲ ስድራቤታ ኣብ ክንዲ እትመያየጠሉ፡ ብዛዕባኡ ብምሕሳባስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ጌጋ ኰን ኢያ ፈጺማ!—1 ቈረንቶስ 11:3፣ ያእቆብ 1:14, 15።
ኣዳም ቃል ሰበይቱ ሰምዐ
ሄዋን ነዊሕ ከይጸንሐት ኣዳም ኣብቲ ሓጢኣታ ንኽሓብራ ደፋፍኣቶ። ብቐሊሉ ሕራይ ኢሉ ምቕባሉ ብኸመይ ኢና እንገልጾ፧ (ዘፍጥረት 3:6, 17) ኣዳም ኣብ መንጎ ክልተ ተኣማንነት ኢዩ ተቐርቂሩ። ነቲ ንሄዋን እታ ፍቕርቲ መዋስብቱ እውን ወሲኹ ኵሉ ነገር ዝሃቦ ፈጣሪኡ ደዀን ይእዘዝ ይኸውን፧ ኣዳም እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ደዀን ይደሊ ይኸውን፧ ወይስ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ናይ ሰበይቱ ሓጢኣት ክሓብር ይውስን ይኸውን፧ ኣዳም ነታ እተኸልከለት ፍረ ብምብላዕ ሄዋን ክትረኽቦ ዝሓሰበቶ ነገር ናይ ሓቂ ከም ዘይኰነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 2:14) ስለዚ ኣዳም ደይመደይ ኢሉ ኣንጻር ኣምላኽ ምኻድ መረጸ። ካብ ሰበይቱ ንኸይፍለ ዝነበሮ ፍርሂ ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ኣብ ዝነበሮ ክእለት ዘሕደሮ እምነት ከም ዝዛየደ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
(ዘፍጥረት 3:15-19) ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። 16 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጻዕሪ ጥንስኺ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፣ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፣ ንሰብኣይኪ ሃረር ክትብልዮ ኢኺ፡ ንሱ እውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። 17 ንኣዳም ከኣ፡ “ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ፡ ካብታ፡ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ድማ ስለ ዝበላዕካ፡ ብሰርኻ ምድሪ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ መዓልትታት ህይወትካ፡ ካብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። 18 እሾዅን ተዀርባን ከተብቍለልካ እያ፣ ኣትክልቲ መሮር ድማ ክትበልዕ ኢኻ። 19 ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ።
ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧
ደቂ ኣንስትዮ ብኣምላኽ ተረጊመን ድየን፧
ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ “ድያብሎስ . . . ዚብሀል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” እዩ ‘ተረጊሙ።’ (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:14) ኣምላኽ፡ ኣዳም ንሰበይቱ ኸም ‘ዚመልካ’ ኺሕብር ከሎ፡ ስምረቱ ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:16) ብዛዕባ ሳዕቤን ሓጢኣት እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
3:17—ምድሪ በየናይ መገዲ እያ እተረግመት፡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ፧ እቲ ንምድሪ እተባህለ መርገም፡ ንኸተልምዓ ኣጸጋሚት ክትከውን ምዃና እዩ ዘመልክት። ዘርኢ ኣዳም በቲ እታ እተረግመት መሬት ዘፍረየቶ እሾኽን ተዀርባን ኣጸቢቖም ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ እኳ፡ ላሜክ ኣቦ ኖህ ‘ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮኦምን ጻዕሪ ኢዶምን’ ምጽንናዕ ክረክብ ተመንዩ እዩ። (ዘፍጥረት 5:29) ድሕሪ ማይ ኣይሂ የሆዋ ንኖህን ንደቁን ንምድሪ ኽመልእዋ ዕላማኡ ምዃኑ ብምግላጽ ባረኾም። (ዘፍጥረት 9:1) እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝረገማ መርገም ሽዑ ዝሰረዞ እዩ ዝመስል።—ዘፍጥረት 13:10።
it-2 186
ቅልውላው፡ ጻዕሪ ሕርሲ
ጻዕሪ ሕርሲ ምስ ሕርሲ እተተሓሓዘ ቅልውላው እዩ። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ምስ ሓጥአት፡ እዚ ኣብ ሕርሲ እንታይ ሳዕቤን ከም ዜስዕበላ ኣምላኽ ሓቢሩ እዩ። ብተኣዛዝነት እንተ ትመላለስ ነይራ፡ በረኸት ኣምላኽ እውን ምስኣ ምቐጸለ እሞ ሕርሲ ምሉእ ሓጐስ ምዀነ። ከመይሲ፡ “በረኸት የሆዋ የሀብትም፣ ስቓይ እውን ኣይውስኸሉን።” (ምሳ 10:22) ምስ ሓጥአት ግና፡ ዘይፍጹም ሰብነታ ብሓፈሻኡ ስቓይ ኣስዒቡላ እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንዓኣ (እቲ ንሱ ዝፈቐዶ፡ ከም ዝገበሮ ጌርካ ብብዝሒ ስለ ዚግለጽ)፡ “ጻዕሪ ጥንስኺ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፣ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ።—ዘፍ 3:16።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 4:23, 24) ላሜክ ድማ ንኣንስቱ ዓዳን ጺላን ከምዚ በለን፦ “ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ቃለይ ስምዓ፣ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፦ ስለ ዘቝሰለኒ፡ ሰብኣይ፡ ስለ ዝወቕዓኒ ድማ፡ ጐበዝ ቀተልኩ። 24 ንቃየል 7 ዕጽፊ ሕነ እንተ ተፈድዩሉስ፡ ንላሜክ ከኣ 77 ዕጽፊ።”
it-2 192 ¶5
ላሜክ
እታ ላሜክ ንኣንስቱ ዝገጠመለን ግጥሚ (ዘፍ 4:23, 24) ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ ዓመጻ መንፈስ ተንጸባርቕ እያ። ላሜክ ዝገጠማ ግጥሚ ኸምዚ ትብል፦ “ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ቃለይ ስምዓ፣ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፦ ስለ ዘቝሰለኒ፡ ሰብኣይ፡ ስለ ዝወቕዓኒ ድማ፡ ጐበዝ ቀተልኩ። ንቃየል 7 ዕጽፊ ሕነ እንተ ተፈድዩሉስ፡ ንላሜክ ከኣ 77 ዕጽፊ።” ላሜክ ንርእሱ ይከላኸል ከም ዝነበረ ደኣ እምበር፡ ከም ቃየል ደይ መደይ ኢሉ ኸም ዘይቀተለ እዩ ዚማጐት ነይሩ። ንርእሱ ንምክልኻል ኢሉ ንዝወቕዖን ንዘቝሰሎን ሰብኣይ ከም ዝቐተለ ተዛሪቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ሕነ ኺፈዲ ዚደሊ ዘበለ ምእንቲ ኸይትንክፎ ኢሉ እዩ ነዛ ግጥሚ እዚኣ ገጢሙ።
(ዘፍጥረት 4:26) ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ፡ ንሱ እውን ሄኖስ ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ፡ ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ።
it-1 338 ¶2
ጸርፊ
እቲ ብግዜ ሄኖስ፡ ማለት ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ “ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ብቕንዕና ወይ ብግቡእ ኪጽውዑ ኸም ዝጀመሩ ዜመልክት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣቤል ኣቐዲሙ ንኣምላኽ ብስሙ ይጽውዖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ 4:26፣ እብ 11:4) ከምቲ ገሊኦም ምሁራት ዚብልዎ እንተ ዀይኑ፡ ስም ኣምላኽ ጸዊዖም ኪብሃል ከሎ፡ ንሰባት ወይ ንጣኦታት ብስም የሆዋ ብምጽዋዕ፡ ብሕማቕን ብዘይግቡእን ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ የመልክት፣ እዚ ድማ ጸርፊ ንኣምላኽ እዩ።—ኣብ ሄኖስ ርአ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 4:17–5:8) ድሕሪኡ፡ ቃየል ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ ንሳ እውን ጠኒሳ፡ ንሄኖክ ወለደት። ከተማ ኸኣ ኪሰርሕ ጀመረ እሞ፡ ነታ ኸተማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኢሉ ሰመያ። 18 ንሄኖክ ከኣ ዒራድ ተወልደሉ። ዒራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ፣ ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ፣ ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። 19 ላሜክ ከኣ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ። ስም እታ ቐዳመይቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ጺላ ነበረ። 20 ዓዳ ኸኣ ንያባል ወለደት። ንሱ ድማ መስራቲ እቶም ኣብ ድንኳናት ዚቕመጡን ማል ዘለዋኦምን ኰነ። 21 ስም ሓዉ ኸኣ ዩባል እዩ። ንሱ ድማ መስራቲ እቶም ተጻወትቲ መሰንቆን እምብልታን ኰነ። 22 ጺላ ኸኣ ነቲ ኻብ ነሓስን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት ናውቲ ዚሓጕድ ቱባል-ቃይን ወለደት። ሓብቲ ቱባል-ቃይን ከኣ ናዓማ እያ። 23 ላሜክ ድማ ንኣንስቱ ዓዳን ጺላን ከምዚ በለን፦ “ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ቃለይ ስምዓ፣ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፦ ስለ ዘቝሰለኒ፡ ሰብኣይ፡ ስለ ዝወቕዓኒ ድማ፡ ጐበዝ ቀተልኩ። 24 ንቃየል 7 ዕጽፊ ሕነ እንተ ተፈድዩሉስ፡ ንላሜክ ከኣ 77 ዕጽፊ።” 25 ኣዳም ከኣ መሊሱ ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ ንሳ እውን ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ዘርኢ ተኪኡለይ” ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። 26 ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ፡ ንሱ እውን ሄኖስ ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ፡ ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ።
5 መጽሓፍ ታሪኽ ኣዳም እዚ እዩ። በታ ኣምላኽ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። 2 ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ፡ ባረኾም፡ ሰብ ኢሉ እውን ሰመዮም። 3 ኣዳም ድማ 130 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ብምስሉን ብመልክዑን ወዲ ወለደ፡ ሴት ኢሉ እውን ሰመዮ። 4 ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፡ 800 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 5 ስለዚ፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወት ኣዳም 930 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 6 ሴት ድማ 105 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንሄኖስ ወለደ። 7 ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፡ 807 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 8 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሴት 912 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ።
20-26 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 6-8
“ልክዕ ከምኡ ገበረ”
(ዘፍጥረት 6:9) ታሪኽ ኖህ እዚ እዩ። ኖህ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ። ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ኣበር ዘይብሉ ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።
(ዘፍጥረት 6:13) ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ “ብሰሮም ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ ንዅሉ ስጋ መወዳእታ ኽገብረሉ ወሲነ እየ፣ ስለዚ፡ ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።
ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህን ዳንኤልን እዮብን ስዓብ
ኖህ ዘጋጠሞ ብድሆታት። ብግዜ እቲ ኣቦ ኣቦሓጎ ኖህ ዝነበረ ሄኖክ፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ነበሩ። አረ ኣብ ልዕሊ የሆዋ “ዜሰምብድ” ዘረባ ይዛረቡ ነይሮም እዮም። (ይሁ. 14, 15) ዓመጻ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ብግዜ ኖህ ድማ፡ ‘ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ ነበረት።’ ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ፡ ኣንስቲ ወሰዱ እሞ፡ ጨካናት ደቓሉ ወለዱ። (ዘፍ. 6:2-4, 11, 12) ኖህ ግና ካብ ኵሎም እተፈልየ ነበረ። “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ ረኸበ። . . . ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ኣበር ዘይብሉ ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።”—ዘፍ. 6:8, 9።
(ዘፍጥረት 6:14-16) ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ ንዓኻ መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ብውሽጣን ብደጊኣን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። 15 ከምዚ ኸኣ ግበራ፦ እታ መርከብ ምንዋሓ 300 እመት፡ ምግፋሓ 50 እመት፡ ቍመታ ድማ 30 እመት ይኹን። 16 ነታ መርከብ ካብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቝመቱ ንብርሃን ዚኸውን መስኰት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ፣ ታሕተዋይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ግበረላ።
“ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”
እቲ ዕዮ ንሓያሎ ዓመታት፡ ምናልባት እውን ካብ 40 ኽሳዕ 50 ዓመት እዩ ወሲዱ። ኦም ኣውዲቖም፡ ጐቲቶም ወሲዶም፡ ጸልጺሎም፡ ጸሪቦም፡ ኬላግብዎ ነበሮም። እታ መርከብ ታሕታይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ነበራ፣ ብርክት ዝበለ ኽፍልታት፡ ብሓደ ጐድና ድማ ማዕጾ ነበራ። ኣብ ላዕላይ ሸነኻ መሳዅቲ፡ ከምኡ ድማ ማይ ምእንቲ ኺፈስስ፡ ኣብ ማእከሉ ብርኽ ኢሉ ቕንን ዝበለ ናሕሲ ነበራ።—ዘፍጥረት 6:14-16።
(ዘፍጥረት 6:22) ኖህ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።
በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ጕየ
ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ቕድድም ተዓጊሶም ንኺዕወቱ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ኖህ ዝጸሓፎ ሓሳባት እሞ ኣቕልበሉ። (እብራውያን 11:7 ኣንብብ።) ‘ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኺመጽእ፡’ ንኖህ “ገና ዘይተራእየ ነገር” እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 6:17) ማይ ኣይሂ ቕድሚኡ ፈጺሙ ዘየጋጠመ ነገር እኳ እንተ ነበረ፡ ኖህ ከም ዘይከኣል ወይ ከም ዘይከውን ነገር ገይሩ ኣይረኣዮን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዅሉ እተዛረቦ ነገር ከም ዚፍጽሞ፡ ኖህ እምነት ነይርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኺፍጽሞ እተሓትቶ ነገር ኣዝዩ ኸቢድ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይረኣዮን። የግዳስ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ይብለና። (ዘፍ. 6:22) ኖህ ብዙሕ ነገራት እዩ ገይሩ። ዕዮኡ፡ መርከብ ምስራሕ፡ እንስሳታት ምእካብ፡ ንሰባትን ንእንስሳታትን ዚኸውን ምግቢ ኣብታ መርከብ ምኽዛን፡ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ምስባኽ፡ ከምኡውን መንፈሳውነት ስድራ ቤቱ ምድልዳል ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኺገብር ወትሩ ቐሊል ከም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እምነትን ትዕግስትን ኖህ፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ህይወትን በረኸትን ከም ዚረኽቡ ገበሮም።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 7:2) ካብ ኵሉ ዓይነት ንጹህ እንስሳ ሸሸውዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፣ ካብ ኵሉ ዘይንጹህ እንስሳ ኸኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ምሳኻ ውሰድ፣
ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
7:2—እንስሳታት ንጹህን ዘይንጹህን ተባሂሎም እተፈለዩ ብምንታይ መሰረት እዮም፧ እቲ መፍለዪ ዝነበረ ንመስዋእቲ ዝበቅዕን ዘይበቅዕን እንታይ እዩ ዝብል ደኣ እምበር ክብላዕ ዝኽእልን ዘይክእልን እንታይ እዩ ዝብል ኣይነበረን። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ስጋ እንስሳ ኣይብላዕን እዩ ነይሩ። ንመግቢ “ንጹህ” ከምኡውን “ዘይንጹህ” እንስሳ ተባሂሉ ኽፍለ ዝጀመረ ኣብ ሕጊ ሙሴ ጥራይ እዩ፡ እቲ ሕጊ ምስ ተሳዕረ ኸኣ ኣብቂዑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:9-16፣ ኤፌሶን 2:15) ኖህ፡ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ካብታ መርከብ ምስ ወጸ “ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ።”—ዘፍጥረት 8:20።
(ዘፍጥረት 7:11) ኣብ መበል 600 ዓመት ዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 17 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዅሉ ዓይኒ ማያት እቲ ሰፊሕ መዓሙቝ ማይ ተቐድደ፡ መሳዅቲ ሰማያት ከኣ ተኸፍተ።
ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
7:11—እቲ ንዓለም ዘዕለቕለቐ ማይ ኣይሂ ኻበይ እዩ መጺኡ፧ ኣብታ ኻልአይቲ ናይ ፍጥረት መዋእል ወይ “መዓልቲ፡” “ጠፈር” ምድሪ ኽፍጠር ከሎ “ኣብ ትሕቲ ጠፈር” ኰነ “ኣብ ልዕሊ ጠፈር” ማያት ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:6, 7) እቲ “ኣብ ትሕቲ ጠፈር” ዝነበረ ማያት፡ እቲ ዛጊት ኣብ ምድሪ ዝነበረ ማያት ክኸውን ከሎ፡ እቲ “ኣብ ልዕሊ ጠፈር” ዝነበረ ማያት ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ደስኪሉ ዝነበረ “ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት” እዩ ነይሩ። እዚ ማያት እዚ ኣብ መዓልቲ ኖህ ናብ ምድሪ ፈሰሰ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 6:1-16) ሰባት ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሑ ምስ ጀመሩ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ 2 እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ። ካባታተን ድማ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። 3 ድሕርዚ፡ የሆዋ፡ “ንሱ ስጋ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ንሰብ ኣይኪጻወሮን እዩ። ስለዚ፡ መዓልትታቱ 120 ዓመት ኪኸውን እዩ” በለ። 4 በተን መዓልትታት እቲአንን ብድሕሪኡን፡ ነፊሊም ኣብ ምድሪ ነበሩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰባት ኣተዉ፣ ንሳተን ድማ ኣወዳት ወለዳሎም። ንሳቶም ከኣ እቶም ስሙያት ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ጀጋኑ እዮም። 5 የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ። 6 የሆዋ ኸኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ልቡ እውን ጐሃየ። 7 ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ስለ ዝገበርክዎም ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎም ሰባት፡ ንሰብ ምስ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን በረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ብሓባር ካብ ገጽ ምድሪ ኽድምስሶም እየ” በለ። 8 ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ ረኸበ። 9 ታሪኽ ኖህ እዚ እዩ። ኖህ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ። ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ኣበር ዘይብሉ ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ። 10 ኖህ ድማ ሰለስተ ኣወዳት፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ። 11 ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልአት። 12 ኣምላኽ ድማ ንምድሪ ረኣያ፡ ተበላሽያ ኸኣ ነበረት፣ ኵሉ ስጋ፡ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣበላሽዩ ነበረ። 13 ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ “ብሰሮም ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ ንዅሉ ስጋ መወዳእታ ኽገብረሉ ወሲነ እየ፣ ስለዚ፡ ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። 14 ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ ንዓኻ መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ብውሽጣን ብደጊኣን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። 15 ከምዚ ኸኣ ግበራ፦ እታ መርከብ ምንዋሓ 300 እመት፡ ምግፋሓ 50 እመት፡ ቍመታ ድማ 30 እመት ይኹን። 16 ነታ መርከብ ካብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቝመቱ ንብርሃን ዚኸውን መስኰት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ፣ ታሕተዋይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ግበረላ።
27 ጥሪ–2 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 9-11
“ኵላ ምድሪ ብሓደ ቛንቋ . . . ትዛረብ ነበረት”
(ዘፍጥረት 11:1-4) ኵላ ምድሪ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ጕጅለ ቓላትን ትዛረብ ነበረት። 2 ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ሲንኣር ጐልጐል ስንጭሮ ረኸቡ፡ ኣብኡ እውን ተቐመጡ። 3 ንሓድሕዶም ድማ፡ “ንዑ፡ ሕጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ነብስሎ” ተባሃሃሉ። ስለዚ፡ ሕጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ቅጥራን ከኣ ኣብ ክንዲ ጭቃ መንደቕ ተጠቕሙ። 4 ሽዑ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ምእንቲ ኸይንብልሲ፡ ንዑ፡ ከተማን ርእሱ ኽሳብ ሰማያት ዚበጽሕ ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ” በሉ።
it-1 239
ዓባይ ባቢሎን
መለለዪ ጥንታዊት ባቢሎን። ከተማ ባቢሎን ኣብቲ ግምቢ ባቤል እተሃንጸሉ እዋን እያ ኣብ ጐላጕል ሲንኣር ተደኲና። (ዘፍ 11:2-9) ህንጸት እቲ ግምብን እታ ኸተማን ንስም ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ነቶም ‘ስሞም ኬጸውዑ’ ዝደለዮ ሃነጽቲ እዩ ልዕል ዜብል ነይሩ። እቲ ኣብ ዑናታት ጥንታዊ ባቢሎን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ክፋል መሶጶታምያ ብፍሕረት እተረኽበ ግምብታት ዚጉራት እተፈላለየ ቕርጺ ወይ ቅዲ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ግምቢ ሃይማኖታዊ ባህርይ ከም ዝነበሮ ዜረጋግጽ እዩ ዚመስል። የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ህንጸት ቤተ መቕደስ ብምግልባጥ ዝወሰዶ ወሳኒ ስጕምቲ፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሕዝ መበቈል ከም ዘለዎ ገይሩ ብንጹር ዚዅንን እዩ። እቲ ነታ ኸተማ ብእብራይስጢ እተዋህባ ባቤል ዚብል ስም “ድብልቕልቕ” ዚብል ትርጉም ኪህልዎ ኸሎ፡ ክልቲኡ እቲ ብቛንቋ ሱመራውያንን (ካ-ዲንጊር-ራ) ብቛንቋ ኣካዳውያንን (ባብ-ይሉ) እተዋህበ ስም ግና “ኣፍ ደገ ኣምላኽ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ እቶም ዝተረፉ ተቐማጦ እታ ኸተማ ነቲ ዚዅንን መልእኽቲ ኼጥፍኡ ኢሎም ንስማ ለዊጦምዎ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ሓድሽ ወይ መተካእታ ስም ነታ ኸተማ ምስ ሃይማኖት ምትሕሓዙ ኣይተረፎን።
it-2 202 ¶2
ቋንቋ
ኣብ ዘፍጥረት፡ ገለ ኻብቶም ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ዓሌት ደቂ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ዝሃቦም መምርሒ ዚጻረር ዕዮ ንምዕያይ ከም ዝሓበሩ ተዘንትዩ ኣሎ። (ዘፍ 9:1) ፋሕ ኢሎም ‘ንምድሪ ኣብ ክንዲ ዚመልእዋ፡ ኣብ መሶጶታምያ ኣብ ዚርከብ ጐላጕል ሲንኣር ንሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ኪእክቡ ወሰኑ። እቲ ቦታ እቲ፡ ሃይማኖታዊ ግምብታት ዘለዎ ሃይማኖታዊ ማእከል ኪኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ እዩ ዚመስል።—ዘፍ 11:2-4።
(ዘፍጥረት 11:6-8) የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ሓደ ዝቛንቋኦም ሓደ ህዝቢ እዮም፣ እዚ ኸኣ ኪገብሩ ጀሚሮም። ሕጂ ድማ ካብቲ ኺገብርዎ ዚህቅኑ፡ ዘይከኣሎም ኣይኪህሉን እዩ። 7 ሓደ ናይቲ ሓደ ቛንቋ ምእንቲ ኸይርድኦስ፡ ንዑ ናብኡ ንውረድ እሞ ቛንቋኦም ንደባልቕ” በለ። 8 የሆዋ ድማ ካብኡ ናብ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ እውን በብቝሩብ ገደፉ።
it-2 202 ¶3
ቋንቋ
እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንቛንቋኦም ብምድብላቕ ነቲ ብሓድነት ዚዓይይዎ ዝነበሩ ዕዮ ደው ኣበሎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ዕዮ ተሓባቢሮም ከም ዘይዓይዩን ናብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ፋሕ ከም ዚብሉን ገበሮም። ምድብላቕ ቋንቛ ነቲ ደቂ ሰብ ኣእምሮኣዊ ብልሓቶምን ጕልበቶምን ኣተሓባቢሮም ገዘፍቲ መደባት ንምትግባርን ነቲ ኣብ እተፈላለየ ቛንቋታት ብተመክሮን ብምርምርን እተዋህለለ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ሰብኣዊ ፍልጠት ንምድማርን ዘለዎም ክእለት ስለ ዚድርቶ፡ ኣብ መጻኢ ንኣምላኽ ተጻሪሮም ብግጉይ ኣንፈት ከይግስግሱ ዓጊቱ ወይ ንግስጋሰኦም ኣዝሒልዎ እውን እዩ። (ምስ መክ 7:29፣ ዘዳ 32:5 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ ምድብላቕ ቋንቋ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ዓብዪ ኸፋፋሊ ረቛሒ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደገኛን ጐዳእን ሸቶታት ከይወቕዑ ግና ገቲኡ እዩ። (ዘፍ 11:5-9፣ ምስ ኢሳ 8:9, 10 ኣረኣኢ።) ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውህሉል ዓለማዊ ፍልጠትን ወዲ ሰብ ነዚ ብግጉይ ዚጥቀመሉ ኣገባብን ክንዕዘብ ከለና፡ እቲ ኣብ ባቤል እተጀመረ ጻዕሪ ብዘይ ዓጋቲ እንተ ዚቕጽል ነይሩ ናብ ምንታይ ከም ዚምዕብል ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኺርኢ ኸም ዝኸኣለ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና።
(ዘፍጥረት 11:9) የሆዋ ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፣ ካብኣ ኸኣ የሆዋ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም።
it-2 472
ኣህዛብ
ድሕርዚ፡ ኪረዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ኵሎም ቋንቋታት ነናቶም ባህልን ስነ ጥበብን ልምድታትን ባህርያትን ሃይማኖትን ኣማዕበሉ። (ዘሌ 18:3) ካብ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑ ድማ፡ ብዙሓት ህዝብታት ነቶም ባዕሎም ዘቘምዎም ኣማልኽቶም ዚውክሉ ሓያሎ ጣኦታት መሃዙ።—ዘዳ 12:30፣ 2ነገ 17:29, 33።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 9:20-22) ኖህ ድማ ሓረስታይ ኪኸውን ጀመረ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸለ። 21 ካብ ወይኒ ምስ ሰተየ ኸኣ ሰኸረ፡ ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ድማ ጥራዩ ዀነ። 22 ካም ኣቦ ከነኣን ከኣ ዕርቃን ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም።
(ዘፍጥረት 9:24, 25) ኖህ ካብ ስኽራን ወይኑ ምስ ተበራበረ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ፈለጠ። 25 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ከነኣን ርጉም ይኹን። ንኣሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን።”
it-1 1023 ¶4
ካም
ከነኣን ኣብቲ ነገር እቲ ብቐጥታ ተሳቲፉን ኣቦኡ ካም ከይኣረሞ ተሪፉን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ኖህ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካም ዝረኣዮ፡ ምናልባት እውን ኣብ ወዱ ከነኣን ድሮ ዚርአ ዝነበረ ሕማቕ ዝንባለ ብድራኸ መንፈስ ይንበ ነይሩ ይኸውን። እቶም ካብ ዘርኢ ሴም ዝዀኑ እስራኤላውያን ንከነኣናውያን ምስ ኣምበርከኽዎም፡ እቲ መርገም ብኸፊል ተፈጺሙ እዩ። እቶም ዘይጠፍኡ ከነኣናውያን፡ (ንኣብነት፡ ጊብዖናውያን [እያ 9]) ባሮት እስራኤላውያን ኰይኖም እዮም። ድሕሪ ዘመናት ከኣ፡ ዘርኢ ከነኣን ወዲ ካም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እተን ካብ ዘርኢ ያፌት ዝዀና ሜዶንን ፋርስን፡ ግሪኽ፡ ሮሜ ዚብሃላ ሓይሊ ዓለማት ምስ ኰኑ ድማ፡ እቲ መርገም ብተወሳኺ ተፈጺሙ እዩ።
(ዘፍጥረት 10:9, 10) ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ ዀነ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ከም ኒምሮድ፡ ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ዘሎ። 10 መጀመርታ መንግስቱ ድማ፡ ባቤልን ኤሬክን ኣካድን ካልነን ኣብ ምድሪ ሲንኣር ነበራ።
it-2 503
ኒምሮድ
መጀመርታ መንግስቲ ኒምሮድ፡ ኣብ ምድሪ ሲንኣር ዚርከባ ከተማታት ባቤልን ኤሬክን ኣካድን ካልነን እየን ነይረን። (ዘፍ 10:10) ስለዚ፡ ህንጸት ባቤልን ግምባን ዝጀመረ፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ መደምደምታ እዚ ምስ ያታ ኣይሁድ እውን ይሰማማዕ እዩ። ብዛዕባ እዚ፡ ጆሰፈስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “[ኒምሮድ] ንሰባት ካብ ፍርሃት ኣምላኽ ዜላቕቐሉ ሓደ በይኑ መገዲ፡ ብቐጻሊ ጽግዕተኛታት ብርታዕኡ ምግባር ምዃኑ ስለ ዝኣመነ፡ በብቝሩብ ነቲ ዅነታት ናብ ምልኪ ቐየሮ። ካብቲ ማያት ኪበጽሖ ዚኽእል ዝበረኸ ግምቢ ሃኒጹ ሕነ ሞት ኣቦታቱ ብምፍዳይ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም ብሓድሽ ኬዕለቕልቓ እንተ ደለዩ፡ ንሱ ሕነ ኸም ዚፈዲ ፈከረ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንኣምላኽ ተገዛኢ ምዃን ከም ባርነት ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ፡ ንምኽሪ [ኒምሮድ] ብህንጥዮት ይስዕብዎ ነበሩ፣ ስለዚ፡ ግምቢ ኺሃንጹ ተላዕሉ፡ . . . እቲ ግምቢ ድማ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ብዝለዓለ ፍጥነት ክብ ኪብል ጀመረ።”—ጁዊሽ ኣንቲኲቲስ I, 114, 115 (iv, 2, 3)።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 10:6-32) ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራይምን ጱጥን ከነኣንን እዮም። 7 ደቂ ኩሽ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካን እዮም። ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን እዮም። 8 ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ። 9 ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ ዀነ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ከም ኒምሮድ፡ ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ዘሎ። 10 መጀመርታ መንግስቱ ድማ፡ ባቤልን ኤሬክን ኣካድን ካልነን ኣብ ምድሪ ሲንኣር ነበራ። 11 ካብታ ምድሪ እቲኣ፡ ናብ ኣሶር ከይዱ ንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ንከላህን ሰርሐን፣ 12 ንሬስን እውን ኣብ መንጎ ነነዌን ከላህን ሰርሓ፦ እዚኣ ዓባይ ከተማ እያ። 13 ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን 14 ንጳጥሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ። 15 ከነኣን ንሲዶን በዅሩን ንሔትን 16 ንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን 17 ንሒዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን 18 ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ፡ ዓሌታት ከነኣናውያን ፋሕ በሉ። 19 ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን ክሳብ እታ ጥቓ ጋዛ ዘላ ጌራር፡ ክሳብ ሶዶምን ጎሞራን ኣድማን ጥቓ ላሻዕ ዘላ ጸቦኢምን ነበረ። 20 እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን ደቂ ካም እዮም። 21 ንሴም እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርን ሓው እቲ ዓብዪ ዝዀነ ያፌትን እውን ደቂ ተወልዱሉ። 22 ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን እዮም። 23 ደቂ ኣራም፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን እዮም። 24 ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ወለደ፣ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 25 ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡ ስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ። 26 ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን 27 ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን 28 ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን 29 ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30 መንበሪኦም ድማ ካብ ሜሻ ኽሳብ እቲ ኣኽራን ምብራቕ ዝዀነ ሰፋር ተዘርግሐ። 31 እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን ደቂ ሴም እዮም። 32 እዚኣቶም ከከም ትውልዶምን በብህዝቦምን ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተበተኑ።