ዘፍጥረት
1 ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።+
2 ምድሪ ድማ ቅርጺ ኣልቦን ባዶን ነበረት፣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ማይ*+ እውን ጸልማት ነበረ። ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ*+ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት+ ይዘውር ነበረ።
3 ኣምላኽ ከኣ፡ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኰነ።+ 4 ኣምላኽ ከኣ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ኪፈልዮ ጀመረ። 5 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን፡ መዓልቲ ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኢሉ ሰመዮ።+ ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ።
6 ኣምላኽ ከኣ፡ “ኣብ መንጎ ማያት፡ ጠፈር ይኹን፣+ ንማያት ድማ ካብ ማያት ይፍለ”+ በለ። 7 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ገበሮ እሞ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 8 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር፡ ሰማይ ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ።
9 ኣምላኽ ከኣ፡ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፡ ንቑጽ መሬት እውን ይርአ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 10 ኣምላኽ ድማ ነቲ ንቑጽ መሬት፡ ምድሪ ኢሉ ሰመዮ፣+ ነቲ እኩብ ማያት ግና ባሕርታት ኢሉ ሰመዮ።+ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።+ 11 ኣምላኽ ድማ፡ “እታ ምድሪ፡ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን ፍረ ምስ ዘርኡ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 12 እታ ምድሪ ኸኣ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን+ ፍረ ምስ ዘርኡ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ኣውጽአት። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 13 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ።
14 ኣምላኽ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ+ ብርሃናት+ ኣብ ጠፈር ሰማያት ይኹኑ፣ ንወቕትታትን ንመዓልትታትን ንዓመታትን ከኣ ምልክት ይኹኑ።+ 15 ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማያት ብርሃናት ይኹኑ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 16 ኣምላኽ ድማ እቲ ዝዓበየ ብርሃን ብመዓልቲ ኺገዝእ፡+ እቲ ዝነኣሰ ብርሃን ከኣ ብለይቲ ኺገዝእ፡ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፣ ከዋኽብቲ እውን ገበረ።+ 17 ኣምላኽ ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጠፈር ሰማያት ገበሮም፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኼብርሁ፡ 18 ብመዓልትን ብለይትን ኪገዝኡ፡ ንብርሃን ከኣ ካብ ጸልማት ኪፈልዩ ኢሉ እዩ።+ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 19 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ።
20 ኣምላኽ ከኣ፡ “ማያት ብህያዋን ፍጡራት* ሓሰኽሰኽ ይበል፣ በረርቲ ፍጡራት ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማያት ይብረሩ” በለ።+ 21 ኣምላኽ ድማ ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣብቲ ማያት ውንጅርጅርን ሓሰኽሰኽን ዚብል ኵሉ ህያው ፍጡር* በብዓይነቱን ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ በራሪ ፍጡር በብዓይነቱን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 22 ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፣+ በረርቲ ፍጡራት ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። 23 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሓምሸይቲ መዓልቲ።
24 ኣምላኽ ከኣ፡ “ምድሪ፡ ህያዋን ፍጡራት* በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን* እንስሳ ዘገዳም ምድርን እውን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 25 ኣምላኽ ድማ እንስሳ ዘገዳም ምድሪ በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቱ፡ ኵሉ ለማሚ ምድሪ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።
26 ኣምላኽ ከኣ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና+ ሰብ ንግበር፣+ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ንእንስሳታት ዘቤትን ንዅላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለማምን ይግዝኡ” በለ።+ 27 ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፣ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።+ 28 ኣምላኽ ከኣ ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን+ ግዝእዋን፣+ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ”+ በሎም።
29 ኣምላኽ ከኣ፡ “እንሆ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዚህብ ኵሉ ተኽልን ኵሉ ዘርኢ ዚህብ ፍረ ዘለዎ ኦምን ሂበኩም ኣለኹ። ምግቢ እውን ይኹንኩም።+ 30 ንዅሉ እንስሳ ዘገዳም ምድርን ንዅሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህይወት ዘለዎን* ከኣ፡ ለምለም ኣትክልቲ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ።
31 ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፣ እንሆ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ።+ ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሻድሸይቲ መዓልቲ።