የሆዋ: ኣምላኽ ቃል ኪዳናት ኢዩ
“ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን።”—ኤርምያስ 31:31
1, 2. (ሀ) የሱስ ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረት ምሸት እንታይ በዓል ኢዩ ዝጀመረ፧ (ለ) የሱስ ምስ ሞቱ እተተሓሓዘ እንታይ ኪዳን ኢዩ ዝጠቐሰ፧
ኣብታ ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ ዝነበረት ምሸት: የሱስ ምስቶም 12 ሃዋርያቱ ብምዃን በዓል ፋስጋ ኣብዓለ። የሱስ እዚ ፋስጋ እዚ ምስኣቶም ኰይኑ ዝበልዖ ናይ መወዳእታ መኣዲ ምዃኑ: ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ከም ዝመውት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ነቶም ናይ ቀረባ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ብዙሕ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ንምግላጽ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕመሉ።—ዮሃንስ 13:1–17:26
2 የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድሕሪ ምስጓጉ: ነቲ ክርስትያናት ከብዕልዎ እተኣዘዙ ኣብ ዓመት ዓመት ዝግበር እንኮ ሃይማኖታዊ በዓል—ዝኽሪ ሞቱ—ዘቘመ ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኪበልዑ ኸለዉ: የሱስ እንጌራ ኣልዐለ: ባሪኹ ቘሪሱ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፤ እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ: በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፤ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።” (ማቴዎስ 26:26-28) ሰዓብቲ የሱስ ንሞቱ ብቕልል ዝበለን ክብሪ ብዘለዎን ኣገባብ ክዝክርዎ ነበሮም። የሱስ ድማ ምስ ሞቱ እተተሓሓዘ ሓደ ኪዳን ጠቒሱ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ “ሓድሽ ኪዳን” ብምባል ተጸዊዑ ኣሎ።—ሉቃስ 22:20
3. ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኪዳን እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝሕተት፧
3 እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ሓድሽ ኪዳን እንተድኣ ዀይኑ: ካልእ ብሉይ ኪዳን ኣሎ ማለት ድዩ፧ ምስኡ እተተሓሓዘ ካልእ ዝዀነ ይኹን ኪዳናት ኣሎዶ፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ኢዩ: ምኽንያቱ የሱስ ደም ናይቲ ኪዳን “ንሕድገት ሓጢኣት” ከም ዝፈስስ ተዛሪቡ ኢዩ። ኵልና ከምዚ ዝበለ ሕድገት ኣዝዩ የድልየና ኢዩ።—ሮሜ 3:23
ምስ ኣብርሃም እተገብረ ኪዳን
4. ነቲ ሓድሽ ኪዳን ምእንቲ ኽንርድኦ እንታይ ጥንታዊ ኪዳን ኢዩ ዝሕግዘና፧
4 እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽንርዳእ: ናይ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ዳርጋ 2,000 ዓመታት ንድሕሪት ናብቲ ታራን ስድራቤቱን—ኣብራም (ደሓር ኣብርሃም እተባህለ) ከምኡውን ንኣብራም ሰበይቱ ሳራይ (ደሓር ሳራ እተባህለት) ሓዊስካ—ካብታ ብልጽግቲ ከተማ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብታ ኣብ ሰሜናዊ መሰጶታምያ ዝነበረት ካራን እተጓዕዝሉ ግዜ ክንምለስ ኣሎና። ታራ ክሳዕ ዝመውት ኣብቲ ቦታ እቲ ጸንሑ። ድሕርዚ: ብትእዛዝ የሆዋ: እቲ ወዲ 75 ዓመት ዝነበረ ኣብርሃም ንርባ ኤፍራጥስ ሰጊሩ ኣብ ድንኳናት እናተቐመጠ ሰበኽ-ሳግማዊ ናብራ ንኸሕልፍ ንደቡባዊ ምዕራብ ገጹ ናብ ምድሪ ኸንኣን ገጹ ከደ። (ዘፍጥረት 11:31–12:1, 4, 5፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-5) እዚ ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ ኢዩ ነይሩ። ኣብርሃም ገና ኣብ ካራን ከሎ: የሆዋ ከምዚ በሎ:- “ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ: ንስምካውን ከዕብዮ እየ: ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም: ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።” ጸኒሑ: ኣብርሃም ናብ ከንኣን ምስ ሰገረ: የሆዋ ወሲኹ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ” ብምባል ተዛረቦ።—ዘፍጥረት 12:2, 3, 7
5. እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ ምስ ኣየናይ ኣብ ታሪኽ ኣገዳሲ ዝዀነ ትንቢት ኢዩ ዝተሓሓዝ፧
5 እቲ ንኣብርሃም እተዋህበ መብጽዓ ምስ ካልእ የሆዋ ዝሃቦ መብጽዓታት እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ: ንኣብርሃም ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ፍሉጥ ሰብ ከም ዝኸውን: ንፍጻሜ ናይቲ ንመጀመርታ ግዜ እተመዝገበ ትንቢት ድማ መራኸቢ ሰንሰለት ገይርዎ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ምስ ሓጥኡ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ፍርዲ ወሰነ: ኣብታ ኣጋጣሚ እቲኣ ድማ: ነቲ ንሄዋን ዘስሓታ ሰይጣን ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ።” (ዘፍጥረት 3:15) እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኪዳን እቲ ንተግባራት ሰይጣን ዘጥፍእ ዘርኢ ካብ መስመር ወለዶ ናይቲ ርእሲ ኣቦታት እቲ ኽመጽእ ምዃኑ ኢዩ ሓቢሩ።
6. (ሀ) እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ ብመን ኣቢሉ ክፍጸም ነበሮ፧ (ለ) ኪዳን ኣብርሃም እንታይ ኢዩ፧
6 መብጽዓ የሆዋ ምስ ሓደ ዘርኢ እተተሓሓዘ ብምንባሩ: ኣብርሃም እቲ ዘርኢ እቲ ክመጽኣሉ ዝኽእል ወዲ ክወልድ የድልዮ ነበረ። ንሱን ሳራን ግን ብዕድመ ዝደፍኡን ገና ውሉድ ዘይብሎምን ኢዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን: የሆዋ ነቲ ናይ ምፍራይ ሓይሎም ብተኣምራታዊ መገዲ ብምሕዳስ ባረኾም: ሳራ ድማ ንኣብርሃም ወዲ: ማለት ይስሃቅ ወለደትሉ: በዚ ኸኣ እቲ ንዘርኢ ዝምልከት መብጽዓ ህያው ኰይኑ ቀጸለ። (ዘፍጥረት 17:15-17፣ 21:1-7) ዓመታት ጸኒሑ: ነቲ ዝፈትዎ ውሉዱ: ይስሃቅ: ንመስዋእቲ ክውፍዮ ፍቓደኛ ምዃኑ ክሳዕ ዘርኢ እውን ከይተረፈ ንእምነት ኣብርሃም ድሕሪ ምፍታኑ: የሆዋ ነቲ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ ከምዚ ብምባል ደገሞ:- “ኣዝየ ኽባርኸካ እየ: ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም።” (ዘፍጥረት 22:15-18) እዚ መቐጸልታ ዝዀነ መብጽዓ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኪዳን ኣብርሃም ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ: እቲ ጸኒሑ እተዋህበ ሓድሽ ኪዳን ድማ ምስኡ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኢዩ።
7. ዘርኢ ኣብርሃም ቍጽሮም ክስስን ዝጀመረ ብኸመይ ኢዩ: ተቐማጦ ግብጺ ንኽዀኑ ዝገደዶም ኵነታትከ እንታይ ኢዩ፧
7 ድሕሪ ገለ ግዜ ይስሃቅ: ኤሳውን ያእቆብን ዝበሃሉ ማንታ ደቂ ወለደ። የሆዋ ንያእቆብ ኣባሓጎ ናይቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ክኸውን መረጾ። (ዘፍጥረት 28:10-15፣ ሮሜ 9:10-13) ያእቆብ 12 ደቂ ነበርዎ። ሕጂ ዘርኢ ኣብርሃም ክስስን ዝጅምረሉ ግዜ ከም ዝኣኸለ ንጹር ኢዩ ነይሩ። ደቂ ያእቆብ ብዙሓት ካብኣቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ዝነበሮም ኣባጽሕ ምስ ኰኑ: ብሰንኪ ጥሜት ኵሎም ናብቲ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ብመለኮታዊ መሪሕነት መገዲ ኣዳልይሉ ዝነበረ ግብጺ ክግዕዙ ተገደዱ። (ዘፍጥረት 45:5-13፣ 46:26, 27) ድሕሪ ሒደት ዓመታት እቲ ኣብ ከንኣን ዝነበረ ጥሜት ኣቋረጸ። ስድራቤት ያእቆብ ግን: ፈለማ ከም ኣጋይሽ ጸኒሖም ግን ባሮት ብምዃን ኣብ ግብጺ ተረፉ። ሙሴ ንዘርኢ ያእቆብ ካብ ግብጺ ናጻ ዘውጽኦም ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት ካብቲ ኣብርሃም ንርባ ኤፍራጥስ እተሳገረሉ ግዜ ድሕሪ 430 ዓመታት ኢዩ። (ዘጸኣት 1:8-14፣ 12:40, 41፣ ገላትያ 3:16, 17) የሆዋ ሕጂ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ መብጽዓ ፍሉይ ቈላሕታ ይገብረሉ።—ዘጸኣት 2:24፣ 6:2-5
“ብሉይ ኪዳን”
8. የሆዋ ኣብ ሲና ምስ ዘርኢ ያእቆብ እንታይ ኢዩ ዝገበረ: እዚኸ ምስቲ ኪዳን ኣብርሃም እንታይ ርክብ ነበሮ፧
8 ያእቆብን ደቁን ናብ ግብጺ ክግዕዙ ኸለዉ: ዓቢ ስድራ ኢዮም ነይሮም: ዘርኦም ንግብጺ ሓዲጎምዋ ክወጹ ኸለዉ ግን: ኣዝዮም ብዙሓት ነገዳት ኰይኖም ነበሩ። (ዘጸኣት 1:5-7፣ 12:37, 38) የሆዋ ንዓኣቶም ናብ ከንኣን ቅድሚ ምምጽኡ: ንደቡብ ገጹ ናብ እግሪ እቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዝርከብ ከረን ሆሬብ (ወይ ድማ ሲና) መርሖም። ኣብኡ ድማ ምሳታቶም ኪዳን ተኣታተወ። እዚ ኸኣ ምስቲ “ሓድሽ ኪዳን” ብምንጽጻር “ብሉይ ኪዳን” ተባሂሉ ተጸውዐ። (2 ቈረንቶስ 3:14) የሆዋ በቲ ብሉይ ኪዳን ኣቢሉ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኪዳን ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ።
9. (ሀ) የሆዋ በቲ ኪዳን ኣብርሃም ኣቢሉ እንታይ ኣርባዕተ ነገራት ኢዩ እተመባጽዐ፧ (ለ) እቲ የሆዋ ምስ እስራኤል ዝኣተዎ ኪዳን እንታይ ተወሳኺ ተስፋታት ክርከብ ከም ዝከኣል ኢዩ ዝገበረ: በየናይ ቅድመ-ዅነትከ፧
9 የሆዋ ንእስራኤላውያን ንውዕላት ናይዚ ኪዳን እዚ ከምዚ ብምባል ገለጸሎም:- “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም።” (ዘጸኣት 19:5, 6) የሆዋ ዘርኢ ኣብርሃም (1) ዓቢ ህዝቢ ከም ዝኸውን (2) ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዓወት ከም ዝጓናጸፍ (3) ንምድሪ ኸንኣን ከም ዝወርስ: ከምኡውን (4) ህዝብታት በረኸት ዝረኽብሉ መትረብ ከም ዝኸውን ተመባጽዐ። ሕጂ ሕሩያት ህዝቡ: እስራኤል: “መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን” ብምዃን ትእዛዛቱ እንተድኣ ሓልዮም ነዚ በረኸታት እዚ ባዕላቶም ክወርስዎ ከም ዝኽእሉ ገለጸ። እስራኤላውያን ኣብዚ ኪዳን እዚ ክኣትዉ ተሰማሚዖምዶ፧ ብሓደ ዀይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ብምባል መለሱ።—ዘጸኣት 19:8
10. የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ሃገር ዘቘሞም ብኸመይ ኢዩ: ካብኣቶምከ እንታይ ኢዩ እተጸበየ፧
10 በዚ ኸምዚ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ሃገር ኣቘሞም። ንኣምልኾን ሲቪላዊ ናብራን ዝቈጻጸር ሕግታት ድማ ሃቦም። ድንኳን ማሕደር (ጸኒሑ ኣብ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ዝዀነ) ከምኡውን ኣብቲ ድንኳን ማሕደር ብምዃን ንዕኡ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርብ ክህነት ኣዳለወሎም። ነቲ ኪዳን ምሕላው ክበሃል ከሎ ንሕግታት የሆዋ ምእዛዝ: ብፍላይ ድማ ንዕኡ ጥራይ ምምላኽ ማለት ኢዩ። ካብተን ሕምብርቲ ናይቲ ሕግታት እቲ ዝዀና ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ናይ መጀመርታ ከምዚ ትብል ነበረት:- “ካብ ምድሪ ግብጺ: ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኹኻ: ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።”—ዘጸኣት 20:2, 3
በቲ ሕጊ ኪዳን ኣቢሉ ዝርከብ በረኸታት
11, 12. በየናይ መገድታት ኢዩ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እተዋህበ መብጽዓታት ኣብ እስራኤላውያን እተፈጸመ፧
11 እቲ ኣብ ሕጊ ኪዳን እተዋህበ መብጽዓታት ኣብ እስራኤላውያን ተፈጺሙዶ፧ እስራኤላውያንከ ‘ቅዱስ ህዝቢ’ ኰይኖምዶ፧ እስራኤላውያን ዘርኢ ኣዳም ከም ምዃኖም መጠን ሓጢኣተኛታት ኢዮም ነይሮም። (ሮሜ 5:12) እንተዀነ ግን: ኣብ ትሕቲ ሕጊ ካብ ሓጢኣቶም ንምንጻህ መስዋእትታት ይቐርብ ነበረ። የሆዋ ነቲ ኣብ ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ኣመልኪቱ ከምዚ በለ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም እሞ: ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነጽሁ ኢኹም።” (ዘሌዋውያን 16:30) ስለዚ እምበኣር: እስራኤላውያን እሙናት ኰይኖም ክርከቡ ኸለዉ ቅዱስ: ንኣገልግሎት የሆዋ ዝነጽሁ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም። እዚ ንጹህ ኵነታት እዚ ግን ነቲ ሕጊ ኣብ ምእዛዝን ቀጻሊ መስዋእትታት ኣብ ምቕራብን እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።
12 እስራኤላውያን ‘መንግስቲ ካህናት’ ኰይኖምዶ፧ ካብ መጀመርታ ናይቲ ኪዳን ኣትሒዞም የሆዋ ሰማያዊ ንጉሶም ብምዃን መንግስቲ ኢዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 33:22) ብተወሳኺ: እቲ ሕጊ ኪዳን ንሰብኣዊ ንግስነት ዝኸውን ምድላዋት ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ የሆዋ ጸኒሑ በቶም ኣብ የሩሳሌም ኰይኖም ዝገዝኡ ነገስታት ይውከል ነበረ። (ዘዳግም 17:14-18) እስራኤላውያን ግን መንግስቲ ካህና ት ነይሮምዶ፧ ኣብቲ ድንኳን ማሕደር ኰይኑ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርብ ክህነት ነይርዎም ኢዩ። ብኸመይ፧ እቲ ድንኳን ማሕደር (ጸኒሑ ቤት መቕደስ ዝዀነ) ንእስራኤላውያንን ዘይእስራኤላውያንን ማእከል ጽሩይ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። እቲ ህዝቢ ድማ እንኮ መትረብ ናይቲ ንደቅሰብ እተገልጸ ሓቂ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 6:32, 33፣ ሮሜ 3:1, 2) ሌዋውያን ካህናት ጥራይ ዘይኰኑስ: ኵሎም እሙናት እስራኤላውያን ናይ የሆዋ ‘መሰኻኽር’ ኢዮም ነይሮም። እስራኤላውያን ‘ምስጋንኡ ከዘንትዉ’ እተደኰኑ ‘ባርያ’ የሆዋ ኢዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 43:10, 21) ብዙሓት ትሑታት መጻእተኛታት ነቲ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ እተጠቕመሉ ሓይሊ ረኣዩ: በቲ ጽሩይ ኣምልኾ ድማ ተሳሕቡ። ጵሮሴሊት ከኣ ዀኑ። (እያሱ 2:9-13) ሓደ ነገድ ጥራይ ኢዮም ግን ቅቡኣት ካህናት ኰይኖም ዘገልገሉ።
ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጵሮሴሊት
13, 14. (ሀ) ጵሮሴሊት ኣብ ሕጊ ኪዳን ተኻፈልቲ ኣይነበሩን ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጵሮሴሊት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ዝኣተዉ ብኸመይ ኢዮም፧
13 ቦታ ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ጵሮሴሊት እንታይ ነበረ፧ የሆዋ ኪዳን ዝኣተወ ምስ እስራኤላውያን ጥራይ ኢዩ ነይሩ፣ እቶም ‘ሕውስዋስ ህዝቢ’ ኣብኡ እኳ እንተ ነበሩ: ተኻፈልቲ ናይቲ ኪዳን ምዃኖም ግን ኣየተጠቕሰን። (ዘጸኣት 12:38፣ 19:3, 7, 8) ዋጋ በጅነት ናይቶም በዅራት እስራኤል ክጽብጸቡ ከለዉ: በዅራት እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ቍጽሪ ኣይኣትዉን ኢዮም ነይሮም። (ዘሁልቍ 3:44-51) ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ ምድሪ ኸንኣን ንነገዳት እስራኤል ክትምቀል ከላ: ነቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣመንቲ ክኸውን ተባሂሉ እተመቕለ ቦታ ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 12:7፣ እያሱ 13:1-14) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ሕጊ ኺዳን ምስቶም ጵሮሴሊት ኣይተገብረን። ጵሮሴሊት ዝዀኑ ሰብኡት ግን ነቲ ሕጊ ብምእዛዝ ተገዚሮም ኢዮም። ንስርዓታት ናይቲ ሕጊ ሓልዮም: ካብቲ ምድላዋቱ ድማ ተጠቒሞም ኢዮም። እቶም ጵሮሴሊትን እስራኤላውያንን ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኪዳን ኢዮም ነይሮም።—ዘጸኣት 12:48, 49፣ ዘሁልቍ 15:14-16፣ ሮሜ 3:19
14 ንኣብነት: ሓደ ጵሮሴሊት ከይፈለጠ ሰብ እንተድኣ ቐቲሉ: ልክዕ ከም ሓደ እስራኤላዊ ናብ ከተማ ዕቝባ ክሃድም ይኽእል ነበረ። (ዘሁልቍ 35:15, 22-25፣ እያሱ 20:9) ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ‘ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤል’ ዝኸውን መስዋእቲ ይቐርብ ነበረ። ጵሮሴሊት ከም ኣባላት እቲ ማሕበር መጠን ኣብቲ ስርዓት ይካፈሉ: በቲ መስዋእቲ ድማ ይተዓረቑ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 16:7-10, 15, 17, 29፣ ዘዳግም 23:7, 8) ጵሮሴሊት ኣብቲ ሕጊ: ምስ እስራኤላውያን ዝቐረበ ሕብረት ስለ ዝነበሮም ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ እታ ናይ መጀመርታ ‘መርሖ መንግስቲ’ ንኣይሁድ ተባሂላ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለት ጵሮሴሊት እውን ብእኣ ተጠቀምቲ ኰይኖም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ‘ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያ’ ሓደ ካብቶም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ዘድሊ ነገራት ክሓልዩ እተመዘዙ “ብጽቡቕ እተመስከረሎም . . . ሾብዓተ ሰብኣይ” ነበረ።—ማቴዎስ 16:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:5-10፣ 6:3-6፣ 8:26-39
የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም ይባርኾ
15, 16. እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ብምሳልያዊ መገዲ እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ዘርኢ ኣብርሃም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ከም ሃገር ምስ ቈሙ: የሆዋ ብመሰረት ነቲ ርእሲ ኣቦታት ኣትይሉ ዝነበረ መብጽዓ ባረኾም። ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ መሪሑ ኣእተዎም። እቲ ድሕርዚ እተገብረ ነታ ምድሪ ኣብቶም ነገዳት ናይ ምምቓል መስርሕ ድማ: ፍጻሜ ናይቲ የሆዋ ነታ ምድሪ ንዘርኢ ኣብርሃም ክህቦም ምዃኑ ዝሃቦ መብጽዓ ነበረ። እስራኤላውያን እሙናት ኰይኖም ምስ ዝርከቡ: የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ክህቦም ምዃኑ ዝሃቦ መብጽዓ ይፍጽሞ ነበረ። እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ግዝኣት ንጉስ ዳዊት ሓቅነቱ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ግዜ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት: ሳልሳይ መዳይ ናይቲ ምስ ኣብርሃም እተኣትወ ኪዳን ተፈጸመ። “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።”—1 ነገስት 4:20
16 ህዝብታት በቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ እስራኤላውያን ኣቢሎም ዝባረኹ ግን ብኸመይ ኢዮም፧ ከምቲ ድሮ እተጠቕሰ: እስራኤላውያን ፍሉያት ህዝቢ የሆዋ: ኣብ ህዝብታት ወኪላቱ ኢዮም ነይሮም። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ኸንኣን ቀቅድሚ ምእታዎም: ሙሴ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ህዝብታት: ምስ ህዝቡ ተሐጐሱ።” (ዘዳግም 32:43) ብዙሓት ወጻእተኛታት ድማ ምላሽ ሃቡ። ‘ብዙሓት ሕውስዋስ ህዝቢ’ ድሮ ምስ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም ነይሮም ኢዮም: ነቲ ኣብ ምድረ በዳ እተገልጸ ሓይሊ የሆዋ ርእዮምዎ: ነቲ ክሕጐሱ ብሙሴ ዝቐረበሎም ዕድመ ኸኣ ሰሚዖምዎ ኢዮም። (ዘጸኣት 12:37, 38) ጸኒሑ: ሞኣባዊት ሩት ነቲ እስራኤላዊ ዝነበረ ቦኣዝ ተመርዓወቶ: እኖሓጎ ናይቲ መሲሕ ድማ ኰነት። (ሩት 4:13-22) ቄናዊ ዮናዳብ ከምኡውን ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ: ብዙሓት ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ሰባት ዘይእሙናት ክዀኑ ከለዉ ንሳቶም ግን ነቲ ቅኑዕ ስርዓታት ብምድጋፍ ፍሉያት ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም። (2 ነገስት 10:15-17፣ ኤርምያስ 35:1-19፣ 38:7-13) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፋርስ: ብዙሓት ወጻእተኛታት ጵሮሴሊት ብምዃን ምስ እስራኤል ሓቢሮም ኣንጻር ጸላእታ ተዋጊኦም ኢዮም።—ኣስቴር 8:17 NW እግረ-ጽሑፍ።
ሓድሽ ኪዳን ኣድለየ
17. (ሀ) የሆዋ ነተን ሰሜናዊትን ደቡባዊትን መንግስታት እስራኤል ዝነጸገን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣይሁድ መወዳእትኡ ከም ዝንጸጉ ዝገበሮም እንታይ ኢዩ፧
17 ገና ግን: እቶም ፍሉያት ህዝቢ ኣምላኽ ምሉእ ፍጻሜ ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መብጽዓ ምእንቲ ክረኽቡ እሙናት ክዀኑ ነበሮም። እሙናት ግን ኣይነበሩን። ሓቂ ኢዩ: ብልጽቲ እምነት ዝነበረቶም እስራኤላውያን ነይሮም ኢዮም። (እብራውያን 11:32–12:1) እንተዀነ ግን: እቶም ህዝቢ ስጋዊ ረብሓታት ንምርካብ ተስፋ ብምግባር ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ናብ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ይምለሱ ነበሩ። (ኤርምያስ 34:8-16፣ 44:15-18) ውልቀ-ሰባት ነቲ ሕጊ ኣብ ዘይመዓላኡ ኣውዓልዎ ወይ ፈጺሞም ዕሽሽ በልዎ። (ነህምያ 5:1-5፣ ኢሳይያስ 59:2-8፣ ሚልክያስ 1:12-14) ድሕሪ ሞት ሰሎሞን: እስራኤላውያን ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን መንግስቲ ተመቕሉ። እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ፈጺማ ዓለወኛ ዀይና ምስ ተረኽበት: የሆዋ ከምዚ ብምባል ኣወጀ:- “ፍልጠት ስለ ዝአቤኻ: ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽአብየካ እየ።” (ሆሴእ 4:6) እታ ደቡባዊት መንግስቲ እውን ነቲ ኪዳን ስለ ዝጠለመት ዝገደደ መቕጻዕቲ ተቐበለት። (ኤርምያስ 5:29-31) ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ምስ ነጸግዎ: የሆዋ ድማ ብወገኑ ነጸጎም። (ግብሪ ሃዋርያት 3:13-15፣ ሮሜ 9:31–10:4) ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ምሉእ ፍጻሜ ናይቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኪዳን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓድሽ ምድላው ገበረ።—ሮሜ 3:20
18, 19. እቲ ኪዳን ኣብርሃም ምሉእ ብምሉእ ፍጻሜኡ ምእንቲ ኽረክብ: የሆዋ እንታይ ሓድሽ ምድላው ኢዩ ዝገበረ፧
18 እቲ ሓድሽ ምድላው እቲ: ሓድሽ ኪዳን ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነዚ ኣቐዲሙ ተዛሪብሉ ነይሩ ኢዩ:- “እንሆ: ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን: ይብል እግዚኣብሄር። . . . ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፤ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።”—ኤርምያስ 31:31-33
19 እቲ የሱስ ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝጠቐሶ ሓድሽ ኪዳን እዚ ኢዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: የሱስ እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ኪዳን: ንሱ ከም ማእከላይ ብምዃን ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱን የሆዋን ክግበር ዝነበሮ ምዃኑ ኢዩ ገሊጹ። (1 ቈረንቶስ 11:25፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5፣ እብራውያን 12:24) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ: እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ: በዚ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ ዝያዳ ዕዙዝን ነባርን ፍጻሜ ክረክብ ነበሮ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ የሆዋ ኣብቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኪዳን እንታይ ኢዩ እተመባጽዐ፧
◻ የሆዋ ፍጻሜ ናይቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኪዳን ኣብ ስጋውያን እስራኤል ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ጵሮሴሊት ካብቲ ብሉይ ኪዳን እተጠቕሙ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ሓድሽ ኪዳን ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ በቲ ሕጊ ኪዳን ኣቢሉ ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ኪዳን ኣብርሃም ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ