መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
7-13 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 23-24
“ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ”
(ዘጸኣት 23:1) “ወረ ሓሶት ኣይትንዛሕ። ብተንኰል ብምምስካር፡ ምስ እኩይ ኣይትተሓባበር።
ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧
ናብ ፈተውትኻን ናብ እተፈልጦም ሰባትን ኢ-መይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ምልኣኽ ባህ ይብለካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከምቲ ንዝረኸቦ ሓድሽ ዜና ቕድሚ ዅሉ ኼውሪ ዚህንጠ ጋዜጠኛ፡ ንስኻ እውን ንዝረኣኻዮ ሓድሽ ዜና ወይ ንዝሰማዕካዮ ተመክሮ ኽትዝርግሖ ትህንጠ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ኢ-መይል ቅድሚ ምልኣኽካ፡ ‘እዚ ኽዝርግሖ ሓሲበ ዘለኹ ሓበሬታ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ርግጸኛ ድየ፧ ብሓቂ እተማልአ ሓበሬታ ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትታ ኣሎካ። ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ከይሓሰብካዮ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ናይ ሓሶት ወረ ኽትዝርግሕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ልክዕነት እቲ ሓበሬታ እንተ ተጠራጢርካ፡ ኣብ ክንዲ እትልእኮ፡ ደምስሶ።
ኢ-መይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ቀልጢፍካ ምልኣኽ ካልእ ሓደጋ እውን ኣለዎ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ዕዮና ቐይዲ ተገይሩሉ ወይ ከኣ ተኣጊዱ ኣሎ። ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዘለዉ ተጻረርትና ኸኣ ኣብ መንጎና ፍርህን ጥርጣረን ምእንቲ ኺዘርኡ ዀነ ኢሎም ናይ ሓሶት ወረ ይዝርግሑ እዮም። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዘጋጠመ ዅነታት ከም ኣብነት ንርአ። ከይ.ጂ.ቢ. ዚብሃል ናይ ምስጢር ፖሊስ፡ ብዙሓት ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ንህዝቢ የሆዋ ኸም ዝኸሓድዎም ዚገልጽ ናይ ሓሶት ወረ ነዝሐ። ብዙሓት ከኣ ነዚ ናይ ሓሶት ወረ ስለ ዝኣመኑ፡ ካብ ውድብ የሆዋ ረሓቑ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ድሕሪ ግዜ መብዛሕትኦም እኳ እንተ ተመልሱ፡ ገሊኦም ግና ጠፊኦም ተሪፎም እዮም። እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ጠፊኣ እያ። (1 ጢሞ. 1:19) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ሳዕቤን ከተወግድ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣሉታዊ ወይ ዘይተረጋገጸ ወረ ኣይትዘርግሕ። ኣይትተዓሾ። ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ።
(ዘጸኣት 23:2) እከይ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ፣ ምስ ብዙሓት ወጊንካ ፍትሒ ንምቕናን ኣይትመስክር።
it-1 11 ¶3
ኣሮን
ኣሮን ኣብቲ ሰለስቲኡ ስሕተቱ፡ ቀንዲ ጀማሪ እቲ ግጉይ ተግባር ዝነበረ ኣይመስልን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ጸቕጢ ዅነታት ወይ ጽልዋ ኻልኦት ካብ መገዲ ቕንዕና ኼስሕቶ ዝፈቐደ እዩ ዚመስል። ብፍላይ ኣብቲ ቐዳማይ በደል፡ ነቲ፡ “እከይ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ” ኣብ ዚብል ትእዛዝ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኪዓይየሉ ምኸኣለ ነይሩ። (ዘጸ 23:2) ይኹን እምበር፡ ድሕሪኡ ስሙ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣኽብሮት ተጸዊዑ ይርከብ እዩ፣ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ንሕጋውነት ክህነት ኣሮን ከም ዚቕበሎ ኣርእዩ እዩ።—መዝ 115:10, 12፣ 118:3፣ 133:1, 2፣ 135:19፣ ማቴ 5:17-19፣ 8:4።
(ዘጸኣት 23:3) ኣብ ነገር ድኻ ኣይተዳሉ።
it-1 343 ¶5
ዑረት
ብብልሽውና ፍርዲ ኣቢሉ ዚፍጸም ጕድለት ፍትሒ፡ ብዑረት ተመሲሉ ኣሎ፣ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ኣንጻር ጉቦ፡ ህያባት፡ ወይ ኣድልዎ እተዋህበ ብዙሕ ምሕጽንታ ኣሎ፣ ከመይሲ፡ እዚ ንዳኛ ኼዕውሮን ነቲ ብዘይ ኣድልዎ ዚፍጸም ፍትሒ ዕንቅፋት ኪኸውንን ይኽእል ነይሩ እዩ። “ጉቦ ብንጹር ንዚርእዩ የዕውር።” (ዘጸ 23:8) “ጉቦስ ኣዒንቲ ጥበበኛታት የዕውር።” (ዘዳ 16:19) ዳኛ ሽሕ ሳዕ ቅኑዕን ኣስተውዓልን እኳ እንተ ዀነ፡ እናተፈለጦ ወይ ከይተፈለጦ በቲ ኻብቶም ሰብ ነገር ዚውሃቦ ህያብ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ህያብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒት እውን ኬዕውር ከም ዚኽእል ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ፣ ከምዚ ድማ ይብል፦ “ብፍርድኹም ኣይትዓምጹ። ንድኻ ኣይተዳሉ፡ ወይ ንሃብታም ኣብሊጽካ ኣይትርአ።” (ዘሌ 19:15) ስለዚ፡ ሓደ ዳኛ ብስምዒቱ ተደሪኹ ወይ ብብዙሓት ኪፍቶ ኢሉ፡ ንሃብታም ብምኽንያት ሃብቱ ጥራይ ሕማቕ ኪፈርዶ ኣይግባእን እዩ ነይሩ።—ዘጸ 23:2, 3።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 23:9) “ንጓና ኣይትጨቍኖ። ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ምዃን ከመይ ከም ዝዀነ ትፈልጡ ኢኹም።
“ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ”
የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንጓኖት ኬኽብሩ ኣብ ክንዲ ዚእዝዞም፡ ከም ዚድንግጹሎም ኪገብር እዩ ጽዒሩ። (ዘጸኣት 23:9 ኣንብብ።) “ጓና ምዃን ከመይ ከም ዝዀነ” ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እብራውያን ኣብ ትሕቲ ባርነት ቅድሚ ምእታዎም፡ ግብጻውያን ብሰንኪ ዓሌታዊ ሓበንን ሃይማኖታዊ ጽልእን ይፍንፍንዎም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍ. 43:32፣ 46:34፣ ዘጸ. 1:11-14) እስራኤላውያን፡ ጓኖት ኰይኖም መሪር ህይወት እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ የሆዋ ግና ንጓና “ኸም ወዲ ዓዲ” ገይሮም ኪሕዝዎም እዩ ዚጽበዮም ነይሩ።—ዘሌ. 19:33, 34።
(ዘጸኣት 23:20, 21) “ኣብ መገዲ ኺሕልወካን ናብታ ዘዳለኽዋ ቦታ ኼእትወካን መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ። 21 ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ተኣዘዝ። ስመይ ኣብኡ ስለ ዝዀነ፡ ኣበሳኹም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ እሞ፡ ካብኡ ኣይትዕሎ።
it-2 393
ሚካኤል
1. ብዘይካ ገብርኤል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስሙ ተጠቒሱ ቕዱስ መልኣኽ፣ ከምኡ ድማ በይኑ “ሊቀ መላእኽቲ” ተባሂሉ እተጸውዐ። (ይሁ 9) እዚ ሚካኤል ዚብል ስም እዚ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ ዓሰርተ እዩ ዚርከብ፣ ኣብኡ ድማ “ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ ንሓደ ኻብኡ ዚንእስ መልኣኽ፡ ካብ “መስፍን መንግስቲ ፋርስ” ተቓውሞ ምስ ኣጋጠሞ ኺሕግዞ ኸም ዝመጸ እውን ተገሊጹ ኣሎ። ሚካኤል፡ “እቲ መስፍንኩም፡” ማለት መስፍን ህዝቢ ዳንኤል፡ ከምኡ እውን “እቲ ምእንቲ ህዝብኻ [ህዝቢ ዳንኤል] ዚቐውም ዓብዪ መስፍን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዳን 10:13, 20, 21፣ 12:1) እዚ ኸኣ፡ ሚካኤል ንእስራኤላውያን ብበረኻ ዝመርሖም መልኣኽ ምዃኑ የመልክት። (ዘጸ 23:20, 21, 23፣ 32:34፣ 33:2) ‘ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ድያብሎስ ዜከራኽር ኣልይዎ ምምጓቱ’ ነዚ መደምደምታ እዚ ዚድግፍ እዩ።—ይሁ 9።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 23:1-19) “ወረ ሓሶት ኣይትንዛሕ። ብተንኰል ብምምስካር፡ ምስ እኩይ ኣይትተሓባበር። 2 እከይ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ፣ ምስ ብዙሓት ወጊንካ ፍትሒ ንምቕናን ኣይትመስክር። 3 ኣብ ነገር ድኻ ኣይተዳሉ። 4 “ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኺብካ፡ ምለሰሉ። 5 ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኢኻ፡ ዕሽሽ ኢልካ ኣይትሕደጎ። ጽዕነቱ ንምእላይ ሓግዞ። 6 “ኣብ ነገር እቲ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ድኻ፡ ፍርዲ ኣይተቕንን። 7 “ካብ ክሲ ሓሶት ርሓቕ፣ ንንጹህን ንጻድቕን ከኣ ኣይትቕተል፣ ከመይሲ፡ ኣነ ንእኩይ ኣየጽድቖን እየ። 8 “ጉቦ ብንጹር ንዚርእዩ የዕውር፡ ንቓላት ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ ጉቦ ኣይትቀበል። 9 “ንጓና ኣይትጨቍኖ። ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ምዃን ከመይ ከም ዝዀነ ትፈልጡ ኢኹም። 10 “ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፡ ፍርያታ ኸኣ ኣክብ። 11 ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፡ ቃድራ ሕደጋ እምበር ኣይትሕረሳ፣ ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘሎ ድኻ ድማ ይብልዓያ፣ ነቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣእዋም ኣውልዕካን ከምኡ ግበር። 12 “ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኺዓርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን ጓናን ከኣ እፎይ ምእንቲ ኺብሉ፡ ኣዕርፍ። 13 “ንዅሉ እቲ ዝበልኩኹም ሓልውዎ፣ ስማት ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ኣብ ከናፍርካ እውን ኣይሰማዕ። 14 “ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ በዓል ግበረለይ። 15 በዓል ቅጫ ኣብዕል። ኣብታ ግዜ እቲኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 16 ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ በዅሪ ፍረ ጻዕርኻ በዓል ዓጺድ ኣብዕል፣ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት በዓል ምእካብ ኣብዕል። 17 ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ። 18 “ደም መስዋእተይ ምስ ብኹዕ ኣይትሰውእ። ኣብ በዓላተይ ዚቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ኸኣ፡ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። 19 “እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣምጽእ። “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።
14-20 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 25-26
“ኣብ ማሕደር ዚርከብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር”
(ዘጸኣት 25:9) ልክዕ ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ዘለኹ ምስሊ ጌርኩም ነቲ ማሕደርን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ግበርዎ።
it-1 165
ታቦት ኪዳን
ምስልን ንድፍን። የሆዋ ንሙሴ ማሕደር ኪሰርሕ ኪእዝዞ ኸሎ ፈለማ ዝሃቦ ነገር፡ ምስልን ንድፍን እቲ ታቦት እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ማሕደርን ኣብ ብምሉኡ እቲ ሰፈር እስራኤልን ልዑል ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ። እቲ ሳጹን እቲ፡ ኣስታት 2.5 እመት ዝንውሓቱ፡ 1.5 እመት ዝግፍሑ፡ 1.5 እመት ከኣ ዝቝመቱ እዩ ነይሩ (ከ. 111 × 67 × 67 ሰ.ሜ.)። ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እተሰርሐ ዀይኑ፡ ውሽጡን ግዳሙን ብጽሩይ ወርቂ እተለበጠ እዩ ነይሩ። “ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ፡” ማለት ማራኺ ኣኽሊል ኣቝጽልቲ ዚመስል ቅርጺ ነይርዎ እዩ። እቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ታቦት፡ ማለት እቲ መኽደኒ፡ ብወርቂ እተለበጠ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ወርቂ እተሰርሐ ዀይኑ፡ ንውሓቱን ግፍሑን ማዕረ እቲ ሳጹን እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እዚ መኽደኒ ድማ፡ ብሞደሻ ተቐጥቂጦም እተሰርሑ ኪሩቤል ነይሮም እዮም፣ እቶም ኪሩቤል ፊት ንፊት ኰይኖም ኣራእሶም ኣድኒኖም፡ ኣኽናፎም ከኣ ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ ታቦት ኣጽሊሎምዎ እዮም ነይሮም። (ዘጸ 25:10, 11, 17-22፣ 37:6-9) እዚ መኽደኒ እዚ “ቦታ መተዓረቒ” ወይ “መኽደን መተዓረቒ” ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ነይሩ እዩ።—እብ 9:5፡ እ.ጽ፣ ኣብ “መኽደን መተዓረቒ” ርአ።
(ዘጸኣት 25:21) ነቲ መኽደኒ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንብሮ፣ ኣብቲ ታቦት ከኣ ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣንብር።
it-1 166 ¶2
ታቦት ኪዳን
እቲ ታቦት፡ ብቐንዱ ኽልተ ጽላት ምስክር ወይ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ቕዱስ መዘኻኸሪ ወይ ምስክር ዚቕመጠሉ ቕዱስ መዝገብ ኰይኑ እዩ ዜገልግል ነይሩ። (ዘጸ 25:16) “ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን” ኣብቲ ታቦት ተነቢሩ ነይሩ፣ ደሓር፡ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ኸይተሃንጸት ከላ ግና፡ ኣልጊሱ ነይሩ እዩ። (እብ 9:4፣ ዘጸ 16:32-34፣ ዘሁ 17:10፣ 1ነገ 8:9፣ 2ዜና 5:10) ሙሴ ቐቅድሚ ሙማቱ፡ ቅዳሕ “መጽሓፍ ሕጊ” ንሌዋውያን ካህናት ኪህቦም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ዘይኰነስ፡ “ኣብ ጐድኒ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽኩም ኣንብርዋ፣ ኣብኡ ኸኣ ንምስክር ትኹንካ” ኢልዎም እዩ።—ዘዳ 31:24-26።
(ዘጸኣት 25:22) ኣብኡ ኣነ ኽግለጸልካ፡ ካብ ልዕሊ እቲ መኽደኒ ድማ ምሳኻ ኽዛረብ እየ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፡ ኵሉ እቲ ንእስራኤላውያን ዝእዝዘካ ነገር ከፍልጠካ እየ።
it-1 166 ¶3
ታቦት ኪዳን
ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ የመልክት። እቲ ታቦት ኣብ ብምሉኡ ታሪኹ፡ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “ኣብኡ ኣነ ኽግለጸልካ፡ ካብ ልዕሊ እቲ መኽደኒ ድማ ምሳኻ ኽዛረብ እየ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፡ ኵሉ እቲ ንእስራኤላውያን ዝእዝዘካ ነገር ከፍልጠካ እየ።” “ኣነ ብደበና ኣብቲ መኽደኒ ኽርአ እየ።” (ዘጸ 25:22፣ ዘሌ 16:2) ሳሙኤል ንየሆዋ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚቕመጥ’ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ (1ሳሙ 4:4)፣ ስለዚ፡ እቶም ኪሩቤል፡ “ምስሊ እቲ ሰረገላ” የሆዋ እዮም። (1ዜና 28:18) በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ሙሴ ምስ ኣምላኽ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣቱ፡ ካብ ልዕሊ መኽደን ታቦት ምስክር፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፣ ኣምላኽ ከኣ ይዛረቦ ነበረ።” (ዘሁ 7:89) ደሓር፡ እያሱን ፊንሃስ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ቀሪቦም ንየሆዋ ሓቲቶምዎ እዮም። (እያ 7:6-10፣ መሳ 20:27, 28) ይኹን እምበር፡ ሊቀ ኻህናት ጥራይ እዩ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ብሓቂ ዚኣቱን ነቲ ታቦት ዚርእዮን ዝነበረ፣ ነዚ ድማ ምስ የሆዋ ንምዝርራብ ዘይኰነስ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ንምፍጻም እዩ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ዚገብሮ ዝነበረ።—ዘሌ 16:2, 3, 13, 15, 17፣ እብ 9:7።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 25:20) እቶም ኪሩቤል ከኣ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም የጽልልዎ፣ ፊት ንፊት ድማ ይኹኑ። ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ይኹን።
it-1 432 ¶1
ኪሩብ፡ ኪሩቤል
ምስሊ ኪሩቤል ኣብቲ ኣብ በረኻ እተተኽለ ኣቕሑ ማሕደር ነይሮም እዮም። ብኽልቲኡ ወሰን መኽደኒ እቲ ታቦት፡ ካብ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጦም እተሰርሑ ኽልተ ኪሩቤል ነይሮም እዮም። ፊት ንፊት ኰይኖም፡ ብናይ ኣምልኾ መልክዕ ገጾም ናብ መኽደን ገይሮም ዘድነኑ እዮም ነይሮም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ነቲ መኽደኒ ንምሕላዉን ንምዕቋቡን ብዜርኢ ኣገባብ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ዘርጊሖም የጽልልዎ ነይሮም እዮም። (ዘጸ 25:10-21፣ 37:7-9) ኣብቲ ንማሕደር ዚኸውን ውሽጣዊ ዓለባ ድንኳንን ኣብቲ ንቕድስቲ ኻብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ መጋረጃን እውን ምስሊ ኪሩቤል ተጠሊፎም ነይሮም እዮም።—ዘጸ 26:1, 31፣ 36:8, 35።
(ዘጸኣት 25:30) ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወትሩ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ኣንብር።
it-2 936
እንጌራ ምርኣይ
ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ ኽፋል እቲ ማሕደር ወይ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ሰደቓ ዚንበር፡ ኣብ ሰሰንበት እውን ብሓድሽ ዚትካእ እንጌራ። (ዘጸ 35:13፣ 39:36፣ 1ነገ 7:48፣ 2ዜና 13:11፣ ነህ 10:32, 33) እንጌራ ምርኣይ ብእብራይስጢ እተዋህቦ ስያመ ቓል ብቓሉ፡ “እንጌራ ገጽ” ዚብል እዩ። “ካብ ቅድሚ ገጹ” ኪብሃል ከሎ፡ “ካብ ቅድሚኡ” ኸም ማለት እዩ (2ነገ 13:23)፣ ስለዚ፡ እቲ እንጌራ ምርኣይ ከም መባእ ኰይኑ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ገጽ የሆዋ ነይሩ ማለት እዩ። (ዘጸ 25:30) እቲ እንጌራ ምርኣይ፡ “እተደራረበ እንጌራ” (2ዜና 2:4)፡ ወይ “እንጌራ መባእ” (ማር 2:26) ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 25:23-40) “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ግበር፣ ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። 24 ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፣ ብዙርያኡ ድማ ካብ ወርቂ መኽፈፍ ግበረሉ። 25 ክንዲ ስፍሓት ኢድ ዝግፍሑ ጥርዚ ግበረሉ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ ግበረሉ። 26 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ፡ ነቲ ቐላብቲ ኣብቲ እቲ ኣርባዕተ እግሪ ዚጋጠመሉ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ። 27 እቲ ቐላብቲ፡ ንምጻር እቲ ሰደቓ ዚኸውን ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ጥርዚ ይኹን። 28 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ፣ እቲ ሰደቓ ድማ ብእኡ ይጸወር። 29 “ጻሕልታቱን ጽዋኣቱን መስዋእቲ መስተ ዜፍስሱሉ ዕትሮታቱን ጭሔሎታቱን እውን ግበር። ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበሮ። 30 ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወትሩ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ኣንብር። 31 “ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ቀዋሚ ቐንዴል ግበር። እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ይገበር። መቘሚኡን ጕንዱን ጨናፍሩን ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ከኣ ብሓደ እተገብረ ይኹን። 32 ካብ ጐድንታት እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ሽዱሽተ ጨንፈር ይዘርጋሕ፣ ማለት ሰለስተ ጨንፈር ካብቲ ሓደ ጐድኑ፡ ሰለስተ ጨንፈር ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ጐድኑ ይዘርጋሕ። 33 ኣብ ሓደ ጕጅለ ጨናፍር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ጨናፍር ድማ፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ ይገበር። በዚ ኸምዚ እቲ ሽዱሽተ ጨንፈር ካብቲ ጕንዲ ቐዋሚ ቐንዴል ይዘርጋሕ። 34 ኣብቲ ጕንዲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ ይገበር። 35 ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብቲ ጕንዲ ዚወጽእ ቀዳማይ ክልተ ጨንፈር ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር እውን ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኰታስ ካብቲ ጕንዲ ንዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበር። 36 እቲ ኸበብትን እቲ ጨናፍርን ብምሉኡ እቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ብሓደ እተገብረ ይኹን። 37 ሸውዓተ ቐንዴል ግበረሉ፣ እቲ ቐነዲል ምስ በርሀ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኼብርህ እዩ። 38 እቲ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን እቲ ናቱ መትሓዚታት ሓውን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን። 39 ምስ ኵሉ እዚ ኣቕሑ እዚ፡ ካብ ሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ይገበር። 40 ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ጌርካ ኸኣ ተጠንቂቕካ ግበሮ።
21-27 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 27-28
“ካብ ክዳውንቲ ኻህናት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧”
(ዘጸኣት 28:30) ነቲ ኡሪምን ነቲ ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣንብሮ፣ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን። ኣሮን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ ነቲ መፍረዲ እስራኤላውያን ይጹሮ።
it-2 1143
ኡሪምን ቱሚምን
ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኡሪምን ቱሚምን ዕጫ ምንባሩ ይኣምኑ እዮም። ኣብ ትርጉም ጄምስ ሞፋት፡ ኣብ ዘጸኣት 28:30፡ “ቅዱስ ዕጫ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት፡ ኡሪምን ቱሚምን ሓዲኡ “እወ” እተቐርጾ፡ ሓዲኡ “ኣይፋል” እተቐርጾ፡ ሓዲኡ ኸኣ ጥራዩ ዝዀነ ሰለስተ ኽፋላት ዝሓዘ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ። ሕቶ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ዕጫ ይወድቕ እሞ፡ እቲ ጥራዩ እንተ ዘይበጺሑ፡ “ኣይፋል” ወይ “እወ” ዚብል ምላሽ ይርከብ ነይሩ። ገሊኦም ከኣ፡ ኡሪምን ቱሚምን ብሓዲኡ ሸነኽ ጻዕዳ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ጸሊም ዝዀነ ኽልተ ጸፊሕ ኣእማን ከም ዝነበረ እዮም ዚኣምኑ። ምስ ተደርበየ፡ ክልተ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ “እወ፡” ክልተ ጸሊም እንተ ዀይኑ “ኣይፋል፡” ጸሊምን ጻዕዳን እንተ ዀይኑ ድማ ምላሽ ከም ዘየልቦ ጌርካ ይርአ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ዳግም ንምጥቃዕ ብኻህን ኣቢሉ ሕቶ ምስ ኣቕረበ፡ መልሲ ኣይተዋህቦን። ሓደ ኻብ ሰቡ ዝሓጥአ ስለ ዝመሰሎ፡ “ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ብቱሚም መልስ” ኢሉ ለመነ። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ሳኦልን ዮናታንን ተወስዱ፣ ድሕርዚ፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዕጫ ኣውደቑ። ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ “ብቱሚም መልስ” ዚብል ልማኖ፡ ካብቲ ምውዳቕ ዕጫ እተፈልየ እዩ ዚመስል፣ ግናኸ፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ምትእስሳር ከም ዘሎ እውን ይሕብር ይኸውን።—1ሳሙ 14:36-42።
(ዘጸኣት 28:36) “ካብ ጽሩይ ወርቂ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ግበር እሞ፡ ኣብኡ፡ ‘ቅድስና ናይ የሆዋ’ ዚብል ከም ኣቀራርጻ ማሕተም ጌርካ ቕረጸሉ።
it-1 849 ¶3
ግምባር
ሊቀ ኻህናት እስራኤል። መጠምጠምያ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ብሸነኽ ቅድሚቱ፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል ቃላት “ከም ኣቀራርጻ ማሕተም” እተጻሕፈሉ “ቕዱስ ምልክት ተወፋይነት” ዚብሃል ቀጸላ ወርቂ ነይርዎ እዩ። (ዘጸ 28:36-38፣ 39:30) እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ እስራኤል ቀንዲ ተወካሊ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ኣምልኾ ብምንባሩ፡ ንሓላፍነቱ ብቕድስና ኺሕልዎ ይግባእ ነይሩ እዩ፣ እዚ ጽሕፈት እዚ ኸኣ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ወትሩ ቕድስና ኺሕሎ ኸም ዘለዎ የዘኻኽሮም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚውክል ብቑዕ ምስሊ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ድማ የሱስ ነቲ ንቕድስና ኣምላኽ ዚድግፍ ኣገልግሎት ክህነት ብየሆዋ እተወፈየ ምዃኑ ዜመልክት እዩ ነይሩ።—እብ 7:26።
(ዘጸኣት 28:42, 43) ካብ በፍታ ድማ ሕፍረት ስጋኦም ዚኸድን ስረ ግበረሎም። እዚ ኸኣ ካብ ሕቘኦም ክሳብ ሰለፎም ይብጻሕ። ኣሮንን ደቁን ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪመጹ ኸለዉ፡ ወይ ኣብቲ መቕደስ ንምግልጋል ናብቲ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ ይከደንዎ። እዚ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።
ክብረት ብምሕላው ንየሆዋ ኣኽብሮ
ብሕልፊ ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸለና፡ ክብረት ብምሕላው ዝመጸ ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብር ኣሎና። መክብብ 5:1 “ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ” ትብል። ሙሴን እያሱን ኣብ ቅድስቲ ቦታ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣሳእኖም ኬውጽኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። (ዘጸ. 3:5፣ እያ. 5:15) ከምኡ ኽገብሩሉ ዝነበሮም ምኽንያት ከኣ፡ ኣኽብሮት ንምርኣይ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ካህናት “ንሕፍረቶም ዚኸድን” ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተሰርሐ ስረ ኪኽደኑ ነበሮም። (ዘጸ. 28:42, 43) እዚ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ዜገልግሉሉ እዋን ሕፍረቶም ከይቅላዕ ይሕግዞም ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ካህናት፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኽብረት ምሕላው ዘውጸኦ ስርዓት ኪሕሉ ነበሮ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 28:15-21) “ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ ብጠላፋይ ኣግብር። ከምቲ ኤፎድ ጌርካ ይገበር፣ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ይገበር። 16 ምስ ተዓጽፈ፡ ትርብዒት፡ ስድሪ ዝንውሓቱን ስድሪ ዝግፍሑን ይኹን። 17 ኣብኡ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ግበረሉ። ኣብቲ ቐዳማይ መስርዕ፡ ሮቢኖስን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን። 18 ኣብቲ ኻልኣይ መስርዕ፡ ቱርቆይዝን ሰፊሮስን ያስጲስን። 19 ኣብቲ ሳልሳይ መስርዕ፡ ለሸምን ኣጋትን ኣሜትስጦስን። 20 ኣብቲ ራብዓይ መስርዕ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያሸፈን። ኣብ መቓናት ወርቂ ኸኣ ይገበር። 21 እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት እቶም 12 ደቂ እስራኤል ይኹን። ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ተገይሩ ን12 ነገዳት ሓሓደ ስም ይቀረጸሉ።
ትፈልጥዶ፧
እቲ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቡ ዚገብሮ ዝነበረ ኽቡር ኣእማን ካበይ እዩ መጺኡ፧
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ በረኻ ምስ ኣተዉ፡ ኣምላኽ ነዚ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኺገብሩ መምርሒ ሃቦም። (ዘጸኣት 28:15-21) እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዝዮን፡ ስመራግዶስ፡ ሰመንጉኒ፡ ሰፊሮስ፡ ኣልማዝ፡ ህያክንቶስ፡ ኣካት፡ ኣሜቲስጦስ፡ ክሪሶሊት፡ ኦኒክስ፡ ከምኡውን ያስጲስን ዝኣመሰለ ኣእማን ነበሮ። እስራኤላውያን ነዚ ኽቡር ኣእማን እዚ ብሓቂዶ ኺረኽብዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፧
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ንኽቡር ኣእማን ልዑል ግምት እዩ ነይርዎም፡ ይነግዱሉ ድማ ነበሩ። ንኣብነት፡ ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ካብቲ ሎሚ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ምናልባት እውን ህንዲ ዚርከባሉ ሃገራት ክቡር ኣእማን ይረኽቡ ነበሩ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ መዐደኒታት እተፈላለየ ኽቡር ኣእማን ይርከቦ ነበረ። ነገስታት ግብጺ ኣብቲ እተቘጻጸርዎ ዞባታት ንዝነበረ ማዕድን ዚፋሓረሉ ቦታታት ንብሕቶም ጥራይ ይጥቀሙሉ ነበሩ። እቲ ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ክቡር ነገራት ንኺረኽቡ ኢሎም ኣዕሚቖም ይዅዕቱን ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ከኣ ነዃላት ይነድሉን ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ተፋሒሩ ዚርከብ ዝነበረ ኽቡር ኣእማን፡ ሰፊሮስን ቶጳዝዮንን ምዃኑ፡ እዮብ ፈልዩ ጠቒስዎ ኣሎ።—እዮብ 28:1-11, 19።
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ክቡር ነገራት ሒዞም ስለ ዝወጹ፡ እቲ ኣብ ዘጸኣት ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ንሰብ ግብጺ ኸኣ ገፈፍዎም” ይብለና። (ዘጸኣት 12:35, 36) ስለዚ እምበኣር፡ እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ግብጺ ዝረኸብዎ ኣእማን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ሊቀ ኻህናት ተጠቒሞምሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
(ዘጸኣት 28:38) ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፣ ኣብቲ እስራኤላውያን ቅዱስ መባእ ኬቕርቡ ኸለዉ ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገራት በደል ምስ ዚግበር ከኣ፡ ኣሮን ሓላፍነት ኪጸውር እዩ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ወትሩ ኣብ ግምባሩ ይኹን።
it-1 1130 ¶2
ቅድስና
እንስሳታትን ፍርያትን። በዅሪ ዘበለ ብዕራይን በዅሪ ዘበለ በጊዕን በዅሪ ዘበለ ጤልን ንየሆዋ ኸም እተቐደሰ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ፣ ስለዚ፡ ኪብጀውዎ ነይርዎም። ንመስዋእቲ ኪኸውን፡ ገለ ኽፋሉ እውን ነቶም እተቐደሱ ኻህናት ኪውሃብ ነይርዎ። (ዘሁ 18:17-19) በዅሪ ፍረን ዕሽርን ከኣ ቅዱስ እዩ ነይሩ፣ ኵሉ መስዋእትን መባእን እውን ንኣገልግሎት መቕደስ እተቐደሰ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 28:38) ኵሉ እቲ ንየሆዋ እተቐደሰ ዘበለ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ ኣይነበሮን፣ ንተራ ኣገልግሎት ኪውዕል ወይ ኪረክስ እውን ኣይነበሮን። ሓደ ኣብነት፡ ብዛዕባ ዕሽር እተዋህበ ሕጊ እዩ። ሓደ ሰብ ንበል ካብ ስርናዩ ዕሽር ኪህብ እንተ መዲቡ፡ ድሕሪኡ ብዘይፍላጥ ንሱ ወይ ኣባል ቤተ ሰቡ ንገሊኡ ኻብኡ ወሲዱ ብእኡ ምግቢ እንተ ኣዳልዩ፡ እቲ ሰብ እቲ ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሱ በዳሊ እዩ ዚኸውን ነይሩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ ኸኣ፡ ካብ መጓሰኡ ጥዑይ ድዑል ኣብ ርእሲ ምስዋኡ፡ ኣብቲ መባእ 20 ሚእታዊት ወሲኹ ብምምጻእ ነቲ መቕደስ ኪኽሕሶ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ ዘበለ ቕዱስ ነገራት፡ ዓብዪ ኣኽብሮት የሕድሩ ነበሩ።—ዘሌ 5:14-16።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 27:1-21) “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ መሰውኢ ግበር፣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑን ይኹን። እቲ መሰውኢ ትርብዒት፡ ቍመቱ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን። 2 ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ግበረሉ፣ እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ ኣርባዕተ መኣዝን ብሓደ እተገብረ ይኹን፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ብነሓሲ ለብጦ። 3 ሓምዅሽቱ ንምውጋድ ዚኸውን ድስትታት፡ ምስኡ ድማ መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ሻኳታትን መትሓዚታት ሓውን ግበር፣ ኵሉ ኣቕሑኡ ኻብ ነሓሲ ግበሮ። 4 ካብ ነሓሲ ኸኣ መርበብ፡ ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ርበ ግበረሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ መርበብ ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኻብ ነሓሲ ኣርባዕተ ቐለቤት ግበር። 5 ኣብ ትሕቲ ጥርዚ እቲ መሰውኢ ኣንብሮ፣ እቲ መርበብ ከኣ ብኸፊል ናብ ውሽጢ እቲ መሰውኢ ናብ ታሕቲ ይዘርጋሕ። 6 ነቲ መሰውኢ ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ግበረሉ፣ ንዕኡ ኸኣ ብነሓሲ ለብጦ። 7 እቲ መሰውኢ ኺጽወር ከሎ፡ እቲ ዘንግታት ብኽልቲኡ ሸነኹ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዘንግታት ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ። 8 ነቲ መሰውኢ፡ ጓንጓ ሳጹን ጌርካ ኻብ ኣልዋሕ ግበሮ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ከረን ዘርኣየካ ጌርካ ግበሮ። 9 “ነቲ ማሕደር ከኣ ኣጸድ ግበረሉ። ብሸነኽ ደቡብ፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ እቲ ኣጸድ ብሓደ ሸነኹ፡ ተፋሒሱ ብእተገብረ ቕጭን በፍታ፡ 100 እመት ዝንውሓቱ መኸወሊታት ይሃልዎ። 10 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ድማ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ ይሃልዎ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። 11 ብሸነኽ ሰሜን ዘሎ መኸወሊታት 100 እመት ዝንውሓቱ ይኹን፣ 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ኸኣ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ካብ ብሩር ድማ ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዓንቃሪቦታትን መላግቦታትን ይሃልዎ። 12 ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ግፍሒ እቲ ኣጸድ ድማ 50 እመት ዝንውሓቱ መኸወሊታት፡ ምስ ዓሰርተ ዓንድን ዓሰርተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን። 13 ግፍሒ እቲ በቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኣጸድ ከኣ 50 እመት ይኹን። 14 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡ ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን። 15 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡ ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን። 16 “ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም እተገብረ 20 እመት ዝንውሓቱ መጋረዲ፡ ምስ ኣርባዕተ ዓንድን ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይሃልዎ። 17 ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ዘሎ ኣዕኑድ፡ መላግቦታት ብሩርን ዓንቃሪቦታት ብሩርን ይሃልዎ፣ ዚስኵዓሉ መቘሚኡ ግና ካብ ነሓሲ ይኹን። 18 እቲ ኣጸድ፡ 100 እመት ዝንውሓቱ፡ 50 እመት ዝግፍሑ፡ 5 እመት ዝቝመቱ፡ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ እተሰርሐ ይኹን፣ ካብ ነሓሲ ኸኣ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይሃልዎ። 19 ኵሉ እቲ ኣብ ማሕደር ዚዕየየሉ ኣቕሑን መተዓየይን ሽኻላቱን ኵሉ እቲ ሽኻላት ኣጸድን ካብ ነሓሲ ይኹን። 20 “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም። 21 ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ጥቓ እቲ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መብራህትታት ምእንቲ ኺበርህ፡ ኣሮንን ደቁን የዳልዉ። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤላውያን፡ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።
28 መስከረም–4 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 29-30
“ንየሆዋ ዚውሃብ መባእ”
(ዘጸኣት 30:11, 12) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “ቈጸራ ጌርካ ንደቂ እስራኤል ክትቈጽሮም ከለኻ፡ ኪምዝገቡ ኸለዉ መዓት ምእንቲ ኸይመጾም፡ ኣብ ዚቝጸሩሉ እዋን ነፍሲ ወከፍ በጃ ህይወቱ ንየሆዋ ይሃብ።
it-2 764-765
ምዝገባ
ኣብ ሲና። እቲ ቐዳማይ ምዝገባ ብትእዛዝ የሆዋ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ እታ እስራኤላውያን ኻብ ግብጺ ዝወጹላ ኻልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ሲና ሰፊሮም ከለዉ እዩ ተገይሩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ንሙሴ ንምሕጋዝ፡ ከካብ ነገድ ነቲ ኣብ ነገዶም ዚግበር ምዝገባ ብሓላፍነት ዚከታተሉ ሹማምንቲ ተሓርዮም ነይሮም እዮም። ኣብቲ ምዝገባ እቲ፡ ኣብ ሰራዊት ንምግልጋል ብቑዓት ዚዀኑ ደቂ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዀኑ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ተመዝጊቦም እዮም፣ ብዘይካዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቶም ምዝጉባት ንኣገልግሎት ማሕደር ዚኸውን ፈፍርቂ ሲቃል ($1.10) ግብሪ ኪኸፍሉ ኸም ዚግባእ ገሊጹ ኣሎ። (ዘጸ 30:11-16፣ ዘሁ 1:1-16, 18, 19) ድምር ቍጽሪ እቶም ምዝጉባት፡ ብዘይካ እቶም ኣብታ ምድሪ ርስቲ ዘይብሎም ሌዋውያን፡ 603,550 እዩ ነይሩ። ሌዋውያን ነቲ ማሕደር ግብሪ ኣይከፍሉን እዮም ነይሮም፣ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ እውን ኣይሕተቱን እዮም ነይሮም።—ዘሁ 1:44-47፣ 2:32, 33፣ 18:20, 24።
(ዘጸኣት 30:13-15) ኵሎም እቶም እተመዝገቡ፡ ብሲቃል መቕደስ፡ ፍርቂ ሲቃል ይሃቡ። ሓደ ሲቃል፡ ዕስራ ጌራ እዩ። ንየሆዋ ዚውሃብ መባእ ከኣ፡ ፍርቂ ሲቃል እዩ። 14 ወዲ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዀነ እተመዝገበ ዘበለ ዅሉ፡ መባእ የሆዋ ይሃብ። 15 ንህይወትኩም ንምትዕራቕ ንየሆዋ መባእ ክትህቡ ኸለኹም፡ ሃብታም ካብ ፍርቂ ሲቃል ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ።
it-1 502
መባእ
ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ገሊኡ መባእ ግዴታ እዩ ነይሩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ምስ ቈጸሮም፡ ወዲ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዘበለ ወዲ ተባዕታይ በጃ ህይወቱ፡ “ብሲቃል መቕደስ፡ ፍርቂ ሲቃል [ኣስታት $1.10]” ኪህብ ነይርዎ። እዚ ድማ ንምትዕራቕ ህይወቶም ምእንቲ ኪኸውን፡ “ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ” ዚውሃብ “መባእ የሆዋ” እዩ ነይሩ። (ዘጸ 30:11-16) ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ (ዘ ጂዊሽ ዎር፡ VII, 218 [vi, 6])፡ እዚ “ቕዱስ ግብሪ” እዚ ድሕሪኡ ኣብ ዓዓመት እዩ ዚኽፈል ነይሩ።—2ዜና 24:6-10፣ ማቴ 17:24፣ ኣብ “ግብሪ” ርአ።
(ዘጸኣት 30:16) ነቲ ናይ ዕርቂ ገንዘብ ብሩር ካብ እስራኤላውያን ወሲድካ፡ ንእስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም መዘከርታ፡ ንምትዕራቕ ህይወትኩም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኪኸውን ሃብ።”
ትፈልጥዶ፧
እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ብኸመይ እዩ ዚምወል ነይሩ፧
እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ብግብሪ፡ ብቐንዱ ኸኣ በቲ ብግዴታ ዚወሃብ ዝነበረ ዕሽር እዩ ዚምወል ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ዓይነት ግብሪ እውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ማሕደር ኪህነጽ ከሎ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ እተመዝገበ እስራኤላዊ፡ “መባእ ንእግዚኣብሄር” ዚኸውን ፈረቓ ሲቃል ኪእክብ ኣዚዝዎ ነይሩ እዩ።—ዘጸኣት 30:12-16።
እዚ ተግባር እዚ፡ ኣብ ኣይሁድ ልሙድ ኰይኑ ዝቐጸለ እዩ ዚመስል፣ ከመይሲ፡ ኣይሁድ ዓመታዊ ግብሪ ቤተ መቕደስ ኪኸፍሉ ኸለዉ፡ ፈረቓ ሲቃል እዮም ዚህቡ ነይሮም። የሱስ ንጴጥሮስ፡ ካብ ኣፍ ዓሳ ወሲዱ ግብሪ ኪኸፍል ኪእዝዞ ኸሎ፡ ነዚ ግብሪ እዚ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ።—ማቴዎስ 17:24-27።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 29:10) “ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።
it-1 1029 ¶4
ኢድ
ምንባር ኣእዳው። ኣብ ልዕሊ ሰብ ወይ ካልእ ነገር፡ ክትሕዞ ኢልካ ዘይኰነስ፡ ብኻልእ ዕላማ እውን ኣእዳው ይንበር ነይሩ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ትርጉም፡ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ንፍሉይ ዕዮ ኸም እተሸመ ንምምልካት እዩ። ኣብቲ ኣብ ሽመት ካህናት እተገብረ ጽምብል፡ ኣሮንን ደቁን ኣብ ርእሲ እቶም መስዋእቲ ዚዀኑ ሓደ ዝራብዕን ክልተ ድዑልን ኣእዳዎም ኣንበሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንሳቶም ካህናት የሆዋ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸለዉ ምእንታኦም እቶም እንስሳታት ከም ዚስውኡ ኣመልከቱ። (ዘጸ 29:10, 15, 19፣ ዘሌ 8:14, 18, 22) ሙሴ ብትእዛዝ ኣምላኽ ንእያሱ ተካኢኡ ኪኸውን ኪሸሞ ኸሎ፡ ኢዱ ኣንበረሉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንእያሱ “መንፈስ ጥበብ መልኦ” እሞ ንእስራኤላውያን ብግቡእ ኪመርሖም ከኣለ። (ዘዳ 34:9) ኣብ ልዕሊ ዚባረኹ ሰባት እውን፡ ኣእዳው ይንበር ነይሩ እዩ። (ዘፍ 48:14፣ ማር 10:16) ብዘይካዚ፡ የሱስ ክርስቶስ ንገሊኦም ዘሕወዮም ሰባት ተንክይዎም ወይ ኣእዳዉ ኣንቢሩሎም እዩ። (ማቴ 8:3፣ ማር 6:5፣ ሉቃ 13:13) ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከኣ፡ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ተዋሂቡ እዩ።—ግብ 8:14-20፣ 19:6።
(ዘጸኣት 30:31-33) “ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ። 32 ኣብ ስጋ ሰብ ኣይለኸ፣ ከምቲ ኣቃምማኡ ጌርኩም ድማ ካልእ ኣይትግበሩ። ንሱ ቕዱስ እዩ። ንዓኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን። 33 ከምኡ ዝበለ ቕብኢ ዚገብርን ንዘይተፈቕደሉ ሰብ ዚለክን ዘበለ፡ ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።’”
it-1 114 ¶1
ቅቡእ፡ ምቕባእ
ኣብቲ የሆዋ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ፡ ኣቃምማ ዘይቲ ቕብኣት ገሊጹሉ ኣሎ። እቲ ዘይቲ ቕብኣት ከኣ ብሉጽ መቃምምቲ፡ ማለት ከርበ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ፡ ቃስያ፡ ዘይቲ ኣውልዕ ተሓዋዊሱ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። (ዘጸ 30:22-25) ማንም ሰብ ቕብኢ ኣቃሚሙ ንተራ ዕላማ ወይ ንዘይተፈቕደሉ ዕላማ ምስ ዚጥቀም፡ እዚ ብሞት ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 30:31-33) እዚ ኸኣ ብምሳልያዊ መገዲ ንኣገዳስነትን ንቕድስናን እቲ ብቕዱስ ዘይቲ ተቐቢኡ ዚውሃብ ሽመት ዜርኢ እዩ ነይሩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 29:31-46) “ነቲ ድዑል ሽመት ወሲድካ ድማ፡ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ። 32 ኣሮንን ደቁን ከኣ ነቲ ስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዚርከብ መሶብ ዘሎ እንጌራን ይብልዕዎ። 33 ነቲ ኻህናት ኪዀኑ ንምሻምን ንምቕዳስን ዕርቂ እተገብረሉ ነገራት ይብልዕዎ። ግናኸ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ዘይተፈቕደሉ ሰብ ኣይብልዓዮ። 34 ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ሽመትን ካብቲ እንጌራን ክሳዕ ንግሆ እንተ ተሪፉ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ። ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣይበላዕ። 35 “ንኣሮንን ንደቁን ከም ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ እዚ ግበረሎም። ብሸውዓተ መዓልቲ ድማ ካህናት ኪዀኑ ሽሞም። 36 መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ንዕርቂ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕርብ፣ ነቲ መሰውኢ ብምትዕራቕ ድማ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሃዮ፡ ክትቅድሶ እውን ቅብኣዮ። 37 ብሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኣተዓርቆ፣ ቅዱስ ቅዱሳን መሰውኢ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ ቀድሶ። ነቲ መሰውኢ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ፡ ኪቕደስ እዩ። 38 “ኣብቲ መሰውኢ እተቕርቦ እዚ እዩ፦ ወትሩ መዓልቲ መዓልቲ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ገንሸል። 39 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ኣቕርቦ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ ኣቕርቦ። 40 ምስቲ ሓደ ገንሸል፡ ብርብዒ ሂን ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተ ድማ ርብዒ ሂን ወይኒ ኣቕርብ። 41 ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ከምቲ ናይ ንግሆ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ጽልግልግ ምስ በለ ኣቕርቦ። ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ። 42 እዚ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ኢለ ዝግለጸልኩም፡ ንውሉድ ወለዶኹም ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ። 43 “ኣብኡ ንእስራኤላውያን ክግለጸሎም እየ፣ ብኽብረይ ድማ ኪቕደስ እዩ። 44 ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ መሰውእን ከኣ ክቕድሶ እየ፣ ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ክቕድሶም እየ። 45 ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ክነብር፡ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ። 46 ኣነ ኣብ መንጎኦም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም። ኣነ የሆዋ ኣምላኾም እየ።