መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
6-12 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 6-7
“ሕጂ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ”
(ዘጸኣት 6:1) የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ኪሰድዶም ኪግደድ እዩ፣ ብሓያል ኢድ እውን ኪሰጕጎም ኪግደድ እዩ” በሎ።
(ዘጸኣት 6:6, 7) “ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፣ ካብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፣ ካብ ባርነቶም ከኣ ከናግፈኩም እየ፣ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን እውን ከድሕነኩም እየ። 7 ህዝበይ ክትኰኑ ድማ ክወስደኩም እየ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ። ኣነ ኻብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።
it-2 436 ¶3
ሙሴ
ኣብ ኣተሓሳስባ ሰብ እስራኤል እውን ዓብዪ ለውጢ ተራእዩ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ንሙሴ ተቐቢሎምዎ ኼብቅዑ፡ ብትእዛዝ ፈርኦን ስራሕ ምስ ከበዶም ግና፡ ኬማርሩ ብምጅማሮም ሙሴ ብተስፋ ምቝራጽ ተላዒሉ ንየሆዋ ለሚንዎ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 4:29-31፣ 5:19-23) ሽዑ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ እቲ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝኣተወሎም ቃል ከም ዚፍጽሞ ብምሕባር፡ ማለት ንእስራኤል ካብ ግብጺ ብምውጻእን ከም ዓብዪ ህዝቢ ገይሩ ኣብ ምድሪ ተስፋ ብምምስራትን ምሉእ ትርጉም እቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ኺገልጽ ምዃኑ ብምሕባር ኣበርቲዕዎ እዩ። (ዘጸ 6:1-8) ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ሰብ እስራኤል ንሙሴ ኣይሰምዕዎን። ድሕሪ እቲ ታሽዓይ መዓት ግና፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጐድኑ ዀይኖምን ምስኡ ኺተሓባበሩ ጀሚሮምን እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ድሕሪ እቲ ዓስራይ መዓት፡ “ተሰሊፎም” ምእንቲ ኺወጹ ብስሩዕ መገዲ ኺውድቦምን ኪመርሖምን ክኢሉ እዩ።—ዘጸ 13:18።
(ዘጸኣት 7:4, 5) ፈርኦን ግና ኣይኪሰምዓኩምን እዩ። ኣነ ድማ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኸንብር፡ ንሰራዊተይ ንህዝበይ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ብዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ። 5 ግብጻውያን ድማ ኢደይ ኣንጻር ግብጺ ዘርጊሐ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”
it-2 436 ¶1-2
ሙሴ
ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ግብጺ። ሙሴን ኣሮንን ኣብቲ ‘ውግእ ኣማልኽቲ’ ኣገዳሲ ቦታ ነይርዎም እዩ። ፈርኦን ኣብ ቅድሚ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት፡ ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቖም ኪዀኑ ዘለዎም ያኔስን ያምብሬስን (2ጢሞ 3:8)፡ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኣንጻር የሆዋ ተሰሊፎም ሓይሎም ኬርእዩ ጸውዐ። እቲ ኣሮን ብመምርሒ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ዝገበሮ ቐዳማይ ተኣምር፡ የሆዋ ኻብቶም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸም ዚበልጽ ኣርኣየ፣ ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ። (ዘጸ 7:8-13) ድሕሪ እቲ ሳልሳይ መዓት ድማ፡ እቶም ካህናት እውን ከይተረፉ፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ” ኢሎም ኪእመኑ ተገደዱ። በቲ ምጕልንጭዋ ኣመና ስለ እተወቕዑ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቦም ንሙሴ ኺቃወምዎ ኣይከኣሉን።—ዘጸ 8:16-19፣ 9:10-12።
መዓታት ኣለስሊሱን ኣትሪሩን። ሙሴን ኣሮንን ንምምጻእ ዓሰርተ መዓት በብሓደ ኣፍሊጦም እዮም። እቲ መዓት ከኣ ከምቲ ዝበልዎ መጺኡ እዩ፣ እዚ ድማ ሙሴ ንየሆዋ ወኪሉ ኸም ዝመጸ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ስም የሆዋ ኣብ ግብጺ ተኣዊጁን ተወርዩን እዩ፣ እዚ ድማ፡ ንገሊኦም ኬለስልሶም ከሎ፡ ንገሊኦም ግና ኣትሪርዎም እዩ—ማለት ንልቢ እስራኤላውያንን ንልቢ ገሊኦም ግብጻውያንን ኣለስሊስዎ፡ ንልቢ ፈርኦንን ንልቢ ኣማኸርቱን ንልቢ ደገፍቱን ግና ኣትሪርዎ እዩ። (ዘጸ 9:16፣ 11:10፣ 12:29-39) እቶም ግብጻውያን ንኣማልኽቶም ከም ዘጕሃይዎም ገይሮም ኣይኰኑን ኣሚኖም፣ የግዳስ፡ የሆዋ ንኣማልኽቶም ይፈርዶም ከም ዘሎ ፈሊጦም እዮም። ትሽዓተ መዓት ምስ መጸ፡ ሙሴ “ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ገላዉ ፈርኦንን ኣብቲ ህዝብን ኣዝዩ ኽቡር” ኰይኑ ነይሩ እዩ።—ዘጸ 11:3።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 6:3) ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተረኣኽዎም፣ ብስመይ የሆዋ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን።
it-1 78 ¶3-4
ኵሉ ዚኽእል
የሆዋ ነቲ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” (ኤል ሻዳይ) ዚብል መዓርግ፡ ንኣብርሃም ብዛዕባ ይስሃቅ ኬተስፍዎ ኸሎ ተጠቒሙሉ እዩ፣ ኣብርሃም ነቲ ተስፋ እቲ ምእንቲ ኺኣምነሉ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈዎ ንምፍጻም ዘለዎ ኽእለት ዓባይ እምነት ኬሕድር ነይርዎ። ድሕርዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንይስሃቅን ንያእቆብን ከም ወረስቲ ኺዳን ኣብርሃም ኪባርኾም ከሎ ነዚ መዓርግ እዚ ተጠቒሙሉ ኣሎ።—ዘፍ 17:1፣ 28:3፣ 35:11፣ 48:3።
ምስዚ ብምስምማዕ፡ የሆዋ ጸኒሑ ንሙሴ፡ “ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ [በኤል ሻዳይ] ተረኣኽዎም፣ ብስመይ የሆዋ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን” ኢልዎ እዩ። (ዘጸ 6:3) እዚ ግና ኣበው ንስም የሆዋ ኣይፈልጥዎን ነይሮም ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ኰኑ ኻልኦት ኣዘውቲሮም ንስሙ ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። (ዘፍ 4:1, 26፣ 14:22፣ 27:27፣ 28:16) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣብቲ ህይወት ኣበው ዚትርኽ መጽሓፍ ዘፍጥረት፡ እቲ “ዅሉ ዚኽእል” ዚብል መጸውዒ 6 ሳዕ ጥራይ እዩ ዚርከብ፡ እቲ ብሕታዊ ስም የሆዋ ግና ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ 172 ሳዕ እዩ ዚርከብ። ይኹን እምበር፡ እዞም ኣበው እዚኦም፡ ኣምላኽ በቲ “ዅሉ ዚኽእል” ዚብል ናይ መዓርግ ስም ኪጽዋዕ መሰልን ብቕዓትን ከም ዘለዎ ብብሕታዊ ተመክሮኦም እኳ እንተ ረኣይዎ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ሒዝዎ ዘሎ ምሉእ ትርጉም ንምርዳእ ዜኽእል ኣጋጣሚ ግና ኣይረኸቡን። ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ ዘ ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሽነሪ (ጥራዝ 1፡ ገጽ 572) ከምዚ ይብል፦ “እቲ ንኣበው እተገልጸ ዝቐደመ ግልጸት፡ ኣብ ናይ ርሑቕ መጻኢ ተስፋታት ዘተኰረ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ማለት ያህወህ፡ ብርቱዕ ኣምላኽ (ኤል) ብምዃኑ፡ ንምፍጻሙ ዚኽእል (ትርጉም እቲ ሳዳይ ኪኸውን ይኽእል) ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ኪዀኑ ኸም ዚግባእ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። እቲ ኣብ ቈጥቋጥ እተገልጸ ግልጸት ዝዓበየን ብዝያዳ ዜቀራርብን እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኰነ ንሱ ምሳታቶም ብቐጥታን ብቐጻልን ምህላዉ፡ ብጠቕላላ ኣብቲ ያህወህ ዚብል ፍሉጥ ስሙ ተጠቓሊሉ እዩ።”—ብጀይ. ዲ. ዶግላስ እተሰናደወ፡ 1980።
(ዘጸኣት 7:1) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ርአ፡ ንፈርኦን ከም ኣምላኽ ገይረካ ኣለኹ፣ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪኻ ኪኸውን እዩ።
it-2 435 ¶5
ሙሴ
ሙሴ ብርእሱ ዘይተኣማመን ብምዃኑ ዘይብቑዕ ኣይገበሮን። ሙሴ ግና ክኢላ ተዛራቢ ዘይምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብርእሱ ኸም ዘይተኣማመን ኣርኣየ። ኣብዚ ሙሴ ኻብቲ 40 ዓመት ይገብር ኣቐዲሙ ንእስራኤል ኬድሕን ኢሉ ብኢደ ወነኑ ገዛእ ርእሱ ዘቕረበሉ እዋን ኣጸቢቑ እተፈልየ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣጋጣሚ፡ ብቐጻሊ ምስ የሆዋ ተማጐተ፣ ኣብ መወዳእታ ንየሆዋ፡ ነቲ ዕዮ ንኻልእ ኪህቦ ሓተቶ። ኣምላኽ በዚ እኳ እንተ ተቘጥዐ፡ ንሙሴ ግና ኣይነዓቖን፣ የግዳስ፡ ንሓዉ ኣሮን ኣፈኛኡ ኪኸውን ሃቦ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሙሴ ወኪል ኣምላኽ ኰነ፣ ስለዚ፡ ሙሴ ነቲ ንዕኡ ወኪሉ ዚዛረብ ኣሮን፡ ከም “ኣምላኽ” ኰነሉ። ኣብቲ ስዒቡ ምስ ዓበይቲ እስራኤል እተገብረ ኣኼባን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ዝቐረቡሉ ኣጋጣሚታትን፡ ኣምላኽ ንሙሴ መምርሒታትን ትእዛዛትን ዝሃቦ፡ ሙሴ ድማ ብተራኡ ናብ ኣሮን ዘመሓላለፎ፡ በዚ ኸምዚ እውን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን (እዚ ወራሲ እቲ 40 ዓመት ይገብር ንሙሴ ዘህደሞ ፈርኦን እዩ) ኪቐርቡ ኸለዉ ኣሮን እተዛረበ እዩ ዚመስል። (ዘጸ 2:23፣ 4:10-17) ደሓር፡ የሆዋ ንሙሴ ብዛዕባ ኣሮን ኪዛረቦ ኸሎ “ነብዪኻ” ኢልዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ብኣምላኽ ይምራሕ ብምንባሩ ንኣምላኽ ነብዪኡ ዝዀነ፡ ኣሮን ከኣ ብሙሴ ይምራሕ ማለት እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ንፈርኦን ከም ኣምላኽ ገይረካ ኣለኹ” ኢልዎ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈርኦን መለኮታዊ ሓይልን ስልጣንን ስለ እተዋህቦ፡ ንንጉስ ግብጺ ኺፈርሆ ኸም ዘይብሉ ዜመልክት እዩ ነይሩ።—ዘጸ 7:1, 2።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 6:1-15) የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ኪሰድዶም ኪግደድ እዩ፣ ብሓያል ኢድ እውን ኪሰጕጎም ኪግደድ እዩ” በሎ። 2 ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ እየ። 3 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተረኣኽዎም፣ ብስመይ የሆዋ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን። 4 እታ ጓኖት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ምድሪ፡ ምድሪ ከነኣን ክህቦም እውን ምሳታቶም ኪዳን ኣቘምኩ። 5 ሕጂ ድማ ቍዝማ እቶም ግብጻውያን ባሮት ገይሮምዎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ሰሚዐ ኣለኹ፣ ኪዳነይ ከኣ ዘኪረ ኣለኹ። 6 “ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፣ ካብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፣ ካብ ባርነቶም ከኣ ከናግፈኩም እየ፣ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን እውን ከድሕነኩም እየ። 7 ህዝበይ ክትኰኑ ድማ ክወስደኩም እየ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ። ኣነ ኻብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም። 8 ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸእትወኩም እየ፣ ንዓኻትኩም ድማ ርስቲ ገይረ ኽህበኩም እየ። ኣነ የሆዋ እየ።’” 9 ጸኒሑ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን እዚ መልእኽቲ እዚ ነገሮም፣ ንሳቶም ግና ተስፋ ኻብ ምቝራጾምን ካብ ብርቱዕ ባርነትን እተላዕለ፡ ንሙሴ ኣይሰምዕዎን። 10 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ 11 “ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኺሰድዶም ተዛረቦ” በሎ። 12 ሙሴ ግና ንየሆዋ፡ “እንሆ፡ እስራኤላውያን እኳ ኣይሰምዑንን፣ ኣነ ወታእ እየ እሞ፡ ፈርኦን ግዳ ኸመይ ኢሉ ኺሰምዓኒ፧” ኢሉ መለሰሉ። 13 የሆዋ ግና ንሙሴን ንኣሮንን፡ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኼውጽኡ፡ ንእስራኤላውያንን ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን እንታይ ትእዛዝ ከም ዚነግሩ መሊሱ ተዛረቦም። 14 ርእስታት ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን። እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም። 15 ደቂ ስምኦን፡ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል ወዲ እታ ከነኣናዊትን እዮም። እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም።
13-19 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 8-9
“ካብ ትዕቢት ፈርኦን እንረኽቦ መለበሚ”
(ዘጸኣት 8:15) ፈርኦን ድማ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኣትረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን።
it-2 1040-1041
ንቕጽና
የሆዋ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ሞት ዚግብኦም ሰባትን ኣህዛብን ብህይወት ኪቕጽሉ ፈቒዱሎም እዩ። (ዘፍ 15:16፣ 2ጴጥ 3:9) ገሊኦም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ምሕረት ንምርካብ ጽቡቕ ምላሽ ኬርእዩ ኸለዉ፡ (እያ 2:8-14፣ 6:22, 23፣ 9:3-15) ገሊኦም ግና ኣንጻር የሆዋን ኣንጻር ህዝቡን ብምቛም ልቦም ብዝያዳ ኣትሪሮም እዮም። (ዘዳ 2:30-33፣ እያ 11:19, 20) የሆዋ ንሰባት፡ ነቓጻት ከይኰኑ ስለ ዘይዓግቶም፡ ‘ልቦም ኪተርር ከም ዚሓድጎም’ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ እቶም ተሪር ዝልቦም ሕነ ኺፈዲ ኸሎ፡ በዚ ስጕምቱ እዚ ኣቢሉ ዓብዪ ሓይሉ ኸም ዚርአን ስሙ ኸም ዚውረን ይገብር እዩ።—ምስ ዘጸ 4:21፣ ዮሃ 12:40፣ ሮሜ 9:14-18 ኣረኣኢ።
(ዘጸኣት 8:18, 19) እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ኺገብሩን ጻጹት ኬውጽኡን ፈተኑ፣ ግናኸ፡ ኣይከኣሉን። እቶም ጻጹት ከኣ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን መጹ። 19 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ድማ ንፈርኦን፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ” በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን።
(ዘጸኣት 9:15-17) ክሳዕ ሕጂ ንዓኻን ንህዝብኻን ብብርቱዕ ለበዳ ምወቓዕኩኻ ነይረ፣ ንስኻ እውን ካብ ምድሪ ምተደምሰስካ ኔርካ። 16 ግናኸ፡ ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ። 17 ብዘይምስዳድካዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ፧
it-2 1181 ¶3-5
በረኻ
ብተወሳኺ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብዅነታት ብምጥቃም፡ እኩያት ከይተፈለጦም ንዕላማኡ ኸም ዜገልግሉ ይገብር እዩ። እኩያት ዚጻረርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣገልገልቱ ንጽህናኦም ዓቂቦም ኪመላለሱ ብዜኽእል ደረጃ ንእኩያት ኪቕይዶም ይኽእል እዩ፣ ተግባራቶም እውን ንጽድቁ ኸም ዜጕልሕ ኪገብር ይኽእል እዩ። (ሮሜ 3:3-5, 23-26፣ 8:35-39፣ መዝ 76:10) እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ምሳሌ 16:4፡ “የሆዋስ ኵሉ ንዕላማኡ ገበሮ፣ እወ፡ ንእኩይ እኳ ንመዓልቲ ጥፍኣት ገበሮ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ የሆዋ ብሙሴን ኣሮንን ኣቢሉ ነቶም ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን ኪስድዶም ሕቶ ዘቕረበሉ ፈርኦን ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ነዚ ግብጻዊ ገዛኢ እዚ እኩይ ኣይገበሮን፣ ኰይኑ ግና፡ ኪነብር ፈቒዱሉ እዩ፡ ፈርኦን እኩይ ከም ዝዀነን ሞት ከም ዚግብኦን ዜርኢ ዅነታት እውን ኣምጺኡ እዩ። የሆዋ ኸምዚ ዝገበረሉ ዕላማ ኣብ ዘጸኣት 9:16 ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ” ኢሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ዓሰርተ መዓትን እቲ ድሕሪኡ ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠሞም ጥፍኣትን፡ ሓይሊ የሆዋ ብዜደንቕ መገዲ እተራእየሉ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 7:14-12:30፣ መዝ 78:43-51፣ 136:15) ድሕሪኡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ይዛረቡ ነይሮም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ተወርዩ እዩ። (እያ 2:10, 11፣ 1ሳሙ 4:8) የሆዋ ንፈርኦን ብኡብኡ እንተ ዚቐትሎ ነይሩ፡ እቲ ንኽብሩን ንድሕነት ህዝቡን ዘገልገለ ዜደንቕ ሓይሉ ኣይምተራእየን ነይሩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 8:21) ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፡ ናባኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያን ድማ ብጽንጽያ ኸልቢ ኺመልኣ እየን፣ ነታ ደው ዚብሉላ ምድሪ እውን ኪሽፍንዋ እዮም።
it-1 878
ጽንጽያ ኸልቢ
እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት በቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል እተዋህበ ስያመ፡ ንምንታይ ዓይነት ሓሸራ ኸም ዜመልክት ብእተወሰነ የጠራጥር እዩ፣ እዚ ስያመ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ራብዓይ መዓት ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ጎሼን ንዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ፈጺሙ ዘይጸለዎም ቀዳማይ መዓት እዩ ነይሩ። (ዘጸ 8:21, 22, 24, 29, 31፣ መዝ 78:45፣ 105:31) እታ ዓሮብ እትብል ቃል፡ “ጽንጽያ ኸልቢ፡” “ጻጹት፡” “ጽንጽያ፡” “ሕንዚዝ” ተባሂላ ብእተፈላለየ መገዲ ተተርጒማ ኣላ።
እቲ ብትግርኛ “ጽንጽያ ኸልቢ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንፍርዙናት ዓይነት ሃመማ የመልክት። ኣንስትዮ እዚ ጽንጽያ ኸኣ፡ ቈርበት በሲዐን ደም እንስሳታትን ሰባትን ይመጽያ እየን። ገሊኡ ዘርኢ እዚ ጽንጽያ እዚ ኣብ ደረጃ ዕጭ (ላርቫ) ኸሎ፡ ጽግዕተኛ ዀይኑ ኣብ ውሽጢ እንስሳታትን ሰባትን ይነብር እዩ፣ እቲ ጽግዕተኛ ሰባት ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ትሮፒካዊ ኽፋል ዓለምና ይርከብ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጽንጽያ ኸልቢ ዘምጽእዎ መዓት፡ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያንን እንስሳታቶምን ብዙሕ ሽግር፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት እውን ሞት ኣምጺኡ ኪኸውን ኣለዎ።
(ዘጸኣት 8:25-27) ፈርኦን ከኣ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ኪዱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንኣምላኽኩም ሰውኡ” በሎም። 26 ሙሴ ግና፡ “እቲ ንየሆዋ ኣምላኽና እንስውኦ፡ ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን እዩ እሞ፡ ከምኡ ምግባር ግቡእ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ፍንፉን ዝዀነ ነገር እንተ ሰዊእና፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፧ 27 ከምቲ ዝበለና ደኣ ናብ በረኻ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኽንከይድን ኣብኡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውእን ኢና” በሎ።
ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት
8:26, 27—ሙሴ እቲ እስራኤላውያን ዚስውእዎ “ርኽሰት፡ ግብጻውያን” ምዃኑ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ግብጺ ሓያሎ እንስሳታት ይምለኹ ነይሮም እዮም። እምበኣር፡ ሙሴ ብዛዕባ መስዋእትታት ምጥቃሱ እስራኤላውያን ንየሆዋ ንምስዋእ ሓራ ንኺወጹ ድፍኢት ይውስኸሉ ነበረ፡ ብዝያዳ ኼእምኖም ዚኽእል ነጥቢ ድማ እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 8:1-19) ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን ኬድካ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 2 ምስዳዶም እንተ ኣቢኻ ኸኣ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቕዓ እየ። 3 ፈለግ ኒል ድማ ብቝርዖብ ሓሰኽሰኽ ኪብል እዩ፣ ደዪበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ኣባይቲ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ መልወሲታትካን ኪኣትዋ እየን። 4 እተን ቍርዖብ ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ኪድይባ እየን።”’” 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ናብ ልዕሊ ኣፍላግን መትረባት ኒልን ረግረጋትን ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ’ በሎ።” 6 ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሐ፣ እተን ቍርዖብ ድማ ደዪበን፡ ንምድሪ ግብጺ ኸደናኣ። 7 እቶም ስሒር ዚግብሩ ኻህናት ግብጺ ግና፡ በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ገበሩ፣ ንሳቶም እውን ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ቝርዖብ ኣደየቡ። 8 ፈርኦን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ነዘን ቍርዖብ ካባይን ካብ ህዝበይን ኬርሕቐለይሲ፡ ንየሆዋ ለምኑለይ፣ ኣነ ድማ ነቲ ህዝቢ ንየሆዋ ኺስውእ ክሰድዶ እየ” በሎም። 9 ሽዑ፡ ሙሴ ንፈርኦን፡ “እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ካብ ኣባይትኻን ኪርሕቃስ መዓስ ከም ዝልምን ብኽብረትካ ንገረኒ። ኣብ ፈለግ ኒል ጥራይ ድማ ኪተርፋ እየን” በሎ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ጽባሕ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ከም የሆዋ ኣምላኽና ዝበለ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። 11 እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ እየን። ኣብ ኒል ጥራይ ኪተርፋ እየን” በሎ። 12 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ፣ ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽአን ቍርዖብ፡ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 13 የሆዋ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፣ እተን ቍርዖብ ከኣ ኣብ ኣባይትን ኣብ ኣጸድን ኣብ መሮርን ሞታ። 14 ማእለያ ኣብ ዘይብሉ ዅምራታት ድማ ኰመርወን፣ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት። 15 ፈርኦን ድማ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኣትረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን። 16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ዘርጊሕካ፡ ንደበቝበቛ ምድሪ ውቓዕ እሞ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ጻጹት ኪኸውን እዩ’ በሎ።” 17 ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣሮን ድማ ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ንደበቝበቛ ምድሪ ወቕዖ እሞ፡ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን ጻጹት መጸ። ኵሉ ደበቝበቛ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ጻጹት ኰነ። 18 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ኺገብሩን ጻጹት ኬውጽኡን ፈተኑ፣ ግናኸ፡ ኣይከኣሉን። እቶም ጻጹት ከኣ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን መጹ። 19 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ድማ ንፈርኦን፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ” በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን።
20-26 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 10-11
“ሙሴን ኣሮንን ዓብዪ ትብዓት ኣርእዮም”
(ዘጸኣት 10:3-6) ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትትሕት እትኣቢ፧ ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 4 ንህዝበይ ምስዳዱ እንተ ኣቢኻ ግና፡ እንሆ፡ ጽባሕ ናብ ውሽጢ ዶባትካ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ። 5 ምድሪ ምርኣይ ክሳዕ ዘይከኣል ከኣ ንገጽ ምድሪ ኪኸድኑ እዮም። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ድማ፡ ኪበልዕዎ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዚዓቢ ዘሎ ዅሉ ኣእዋም እውን ኪበልዕዎ እዮም። 6 ንኣባይትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ንኣባይቲ ዅላ ግብጽን ከኣ ኪመልእወን እዮም፣ ከምኡ ዝበለ ኻብቲ ኣቦታትካን ኣቦሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ዘይረኣይዎ ኪኸውን እዩ።’” ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ።
ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ
6 ሙሴ ነቲ ንኣማልኽቲ ዚውክል ዝነበረ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኺዛረብ ከሎ ዘርኣዮ ትብዓት እውን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ፈርኦን ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ምዃኑን ወዲ እቲ ራ ዚበሃል ኣምላኽ ጸሓይ ከም ዝዀነን ጌርካ ይርአ ነበረ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ድማ ንምስሉ የምልኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንሱ ዜውስኦ ቓል ከም ሕጊ ይርአ ነበረ፣ ገባርን ሓዳግን ከኣ እዩ ነይሩ። ሓያልን ትዕቢተኛን ነቓጽን ብምንባሩ፡ ካልኦት ሓደ ነገር ኪገብር ኣይነግርዎን እዮም ነይሮም። እቲ ጓሳ ዝነበረ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ብተደጋጋሚ እናቐረበ ብዛዕባ ኣዕናዊ መዓት ብትብዓት ይዛረብ ነበረ። እንታይ ኪፍቀደሉ እዩ ግን ዝሓተተ፧ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ባሮት ፈርኦን ካብታ ሃገር ንኺወጹ እዩ ፍቓድ ዚሓትት ነይሩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ትብዓት ኣድልይዎዶ፧ እሂናይ ደኣ!—ዘሁ. 12:3፣ እብ. 11:27።
(ዘጸኣት 10:24-26) ፈርኦን ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ “ኪዱ ንየሆዋ ኣገልግልዎ። ኣባጊዕኩምን ከብትኹምን ጥራይ ይትረፋ። ቈልዑኹም እውን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ። 25 ሙሴ ግና፡ “ንስኻ ድማ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ክትህበና ኢኻ፣ ንሕና እውን ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውኦም ኢና። 26 ማልና እውን ምሳና ኪኸዳ እየን። እቲ ንየሆዋ ኣምላኽና ንምምላኽ እንጥቀመሉ ኻባታተን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንስሳ እኳ ኣይክትተርፍን እያ፣ ኣብኣ ኽሳዕ እንበጽሕ ድማ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ እንታይ ከም እነቕርብ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ።
(ዘጸኣት 10:28) ፈርኦን ከኣ፡ “ካብ ቅድመይ ርሓቕ! በታ ገጸይ ዝረኣኻላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ” በሎ።
(ዘጸኣት 11:4-8) ሙሴ ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ፡ ናብ ማእከል ግብጻውያን ክወጽእ እየ፣ 5 ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ መጥሓን እትሕዝ ገረድ፡ ኵሉ በዅሪ እንስሳ እውን ኪመውት እዩ። 6 ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ፡ ከምኡ ዝበለ ኸቶ ዘይኰነ፡ መሊሱ ኸኣ ዘይከውን ብርቱዕ ኣውያት ኪኸውን እዩ። 7 የሆዋ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኪፈሊ ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ከልቢ እኳ ናብ እስራኤላውያን፡ ናብ ሰቦም ወይ ናብ ማሎም ኣይኪነብሕን እዩ።’ 8 ኵሎም ገላዉኻ ድማ ብርግጽ ናባይ ኪወርዱ፡ ‘ንስኻ ምስ ኵሉ እቲ ዚስዕበካ ህዝቢ ኺድ’ እናበሉ ድማ ኪሰግዱለይ እዮም። ድሕርዚ፡ ክወጽእ እየ።” ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ወጸ።
it-2 436 ¶4
ሙሴ
ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው ንምባል ትብዓትን እምነትን ኣድልዩ። ሙሴን ኣሮንን ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኪዓይዩ ዝኸኣሉ፡ ብሓይሊ የሆዋን ብመንፈሱን ኣቢሎም ጥራይ እዮም። ንቤተ መንግስቲ ፈርኦንን ንንጉስ እታ ናይ ሽዑ ሓይሊ ዓለምን እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎም። እቲ ኣምላኽ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ ዕቡይ ፈርኦን በቶም ኣማኸርቱን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለውቱን ባሮቱን ተኸቢቡ ኺርአ ኸሎ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግርማ ነይርዎ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብቶም ተጻረርቲ ሙሴ ብቐዳምነት ዚስርዑ ስሒር ዚገብሩ ኻህናት እተባህሉ መራሕቲ ሃይማኖት ነይሮም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብቲ ግዝኣት እቲ ብድሕሪ ፈርኦን ዚስራዕ ሓያል ጽልዋ ነይርዎም እዩ። እዞም ኵሎም ንፈርኦንን ንኣማልኽቲ ግብጽን ኪድግፉ እተሰለፉ እዮም ነይሮም። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ሳዕ እዮም ቀሪቦም፣ ፈርኦን ድማ ንእብራውያን ባሮቱ ኻብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኼውጽኦም ስለ ዘይደለየ፡ ልቡ በብግዜኡ ይተርር እዩ ነይሩ። ሙሴን ኣሮንን፡ ሻምናይ መዓት ከም ዚመጽእ ምስ ኣፍለጡ፡ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ተሰጒጎም እዮም፣ ታሽዓይ መዓት ከም ዚመጽእ ምስ ኣፍለጡ ኸኣ፡ ገጽ ፈርኦን ኪርእዩ እንተ ፈቲኖም ከም ዚሞቱ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም እዩ።—ዘጸ 10:11, 28።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 10:1, 2) የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን እቶ፣ ከመይሲ፡ እዚ ትእምርትታተይ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽገብር፡ ልቡን ልቢ ገላዉኡን ኪተርር ሓዲገዮ እየ፣ 2 ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ብርቱዕ ነገርን ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታትን ድማ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ምእንቲ ኸተዘንቱ ኢለ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።”
w95 1/9 11 ¶11
መሰኻኽር ኣንጻር ሓሰውቲ ኣማልኽቲ
11 እስራኤላውያን ገና ኣብ ግብጺ ከለዉ፡ የሆዋ “እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ክገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግር፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ፡ ኣነ ንልቡን ንልቢ ገላውኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፈርኦን እቶ” ብምባል ንሙሴ ናብ ፈርኦን ለኣኾ። (ዘጸኣት 10:1, 2) እዙዛት እስራኤላውያን ንደቆም ብዛዕባ ሓያል ግብርታት የሆዋ ክነግርዎም ነበሮም። ደቆም ድማ ብግዲኦም ንደቆም፡ ከምኡ እናበለ ኸኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ከምኡ ክግበር ነበሮ። በዚ ኸኣ ሓያል ግብርታት የሆዋ ይዝከር። ሎሚውን ብተመሳሳሊ፡ ወለዲ ንደቆም ናይ ምምስካር ሓላፍነት ኣለዎም።—ዘዳግም 6:4-7፣ ምሳሌ 22:6
(ዘጸኣት 11:7) የሆዋ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኪፈሊ ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ከልቢ እኳ ናብ እስራኤላውያን፡ ናብ ሰቦም ወይ ናብ ማሎም ኣይኪነብሕን እዩ።’
it-1 783 ¶5
ጻኦት
የሆዋ ብዜደንቕ ሓይሉ ገይሩ ንስሙ ልዕል ኣበለ፡ ንእስራኤል እውን ሓራ ኣውጽኦ። ሙሴ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ውሑስ ቦታ ምስ በጽሑ ንደቂ እስራኤል ብመዝሙር መርሖም፣ ሓብቱ ነብዪት ሚርያም ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ነተን ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ዝሰዓባኣ ኣንስቲ እናመርሓተን ድማ ነቶም ዚዝምሩ ሰብኡት ብመዝሙር መለሰትሎም። (ዘጸ 15:1, 20, 21) እስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ምሉእ ብምሉእ ተፈልዩ። ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ካብ ሰብ ወይ ካብ እንስሳ ጕድኣት ኣይወረዶምን ነይሩ፣ ከልቢ እኳ ናባታቶም ኣይነብሐን ወይ ልሳኑ ኣየወሳወሰን ነይሩ። (ዘጸ 11:7) ኣብ ዘጸኣት ዘሎ ዛንታ፡ ፈርኦን ምስ ሰራዊቱ ናብ ባሕሪ ኸም ዝኣተወን ኣብኡ ኸም ዝጠፍአን ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ መዝሙር 136:15 ግና “[የሆዋ] ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ደርበዮም” ትብል እያ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 10:1-15) የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን እቶ፣ ከመይሲ፡ እዚ ትእምርትታተይ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽገብር፡ ልቡን ልቢ ገላዉኡን ኪተርር ሓዲገዮ እየ፣ 2 ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ብርቱዕ ነገርን ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታትን ድማ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ምእንቲ ኸተዘንቱ ኢለ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።” 3 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትትሕት እትኣቢ፧ ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 4 ንህዝበይ ምስዳዱ እንተ ኣቢኻ ግና፡ እንሆ፡ ጽባሕ ናብ ውሽጢ ዶባትካ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ። 5 ምድሪ ምርኣይ ክሳዕ ዘይከኣል ከኣ ንገጽ ምድሪ ኪኸድኑ እዮም። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ድማ፡ ኪበልዕዎ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዚዓቢ ዘሎ ዅሉ ኣእዋም እውን ኪበልዕዎ እዮም። 6 ንኣባይትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ንኣባይቲ ዅላ ግብጽን ከኣ ኪመልእወን እዮም፣ ከምኡ ዝበለ ኻብቲ ኣቦታትካን ኣቦሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ዘይረኣይዎ ኪኸውን እዩ።’” ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ። 7 ገላዉ ፈርኦን ድማ፡ “ክሳዕ መዓስ እዩ እዚ ሰብኣይ እዚ ኼፈራርሃና፧ ንየሆዋ ኣምላኾም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ስደዶም። ግብጺ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በልዎ። 8 ሽዑ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም፣ ንሱ ድማ፡ “ኪዱ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። ግናኸ፡ መነመን እዮም ዚኸዱ፧” በሎም። 9 ሙሴ ኸኣ፡ “ንየሆዋ በዓል ስለ እነብዕል፡ ምስ ንኣሽቱናን ምስ ዓበይትናን ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ከብትናን ክንከይድ ኢና” በሎ። 10 ንሱ ድማ፡ “ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን እንተ ሰዲደኩምሲ፡ የሆዋ ምሳኻትኩም ኣሎ! ክፉእ ከም ዝሓሰብኩም ንጹር እዩ። 11 ከምኡ እሞ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዝለመንኩምዎ እዚ እዩ እሞ፡ ሰብኡት ጥራይ ኬድኩም፡ ንየሆዋ ኣገልግልዎ” በሎም። ሽዑ፡ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሰጐጕዎም። 12 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኣንበጣ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺመጹን ኵሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ኣትክልቲ እታ ምድሪ ምእንቲ ኺበልዑን፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ” በሎ። 13 ብኡብኡ፡ ሙሴ ንበትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሓ፣ የሆዋ ኸኣ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን ብምልእታ እታ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ናብታ ምድሪ ኣንፈሰ። ምስ ነግሀ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽአ። 14 እቶም ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ መጹ፣ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ድማ ዓለቡ። ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ፣ ክንዳኡ ዝምብዛሖም ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበሩን፡ ብድሕሪኡ እውን ከማታቶም ዝበሉ ኸቶ ኣይኰኑን። 15 ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደንዋ፣ ምድሪ እውን ጸልመተት። ንዅሉ ኣትክልቲ ምድርን ንዅሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ፍረ ኦምን ድማ በልዕዎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ኣትክልቲ መሮር ገለ ለምለም እኳ ኣይተረፈን።
27 ሓምለ–2 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 12
“ፋስጋ—ንክርስትያናት ዘለዎ ኣገዳስነት”
(ዘጸኣት 12:5-7) በጊዕኩም ከኣ ዓመት ዝገበረ ጥዑይ ተባዕታይ ይኹን። ካብ ገንሸላት ወይ ካብ ኣጣል ውሰዱ። 6 ክሳዕ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ሓልውዎ፣ ጽልግልግ ምስ በለ፡ ኵሉ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤል ይሕረዶ። 7 ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ኣብተን ዚበልዑለን ኣባይቲ፡ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ይንጸግዎ።
“ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ”
4 የሱስ ብ14 ኒሳን፡ 33 ድ.ክ. ሞተ። ኣብ እስራኤል 14 ኒሳን በዓል ፋስጋ ዚበዓለላ እተሐጕስ መዓልቲ እያ ነይራ። ኣብ ዓዓመት በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ስድራቤታት ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸል ብሓባር ይበልዓ ነበራ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እተን ስድራቤታት፡ ብ14 ኒሳን 1513 ቅ.ክ. ሓደ መልኣኽ ንበዅሪ ግብጻውያን ኪቐትል ከሎ፡ ደም እቲ ገንሸል ግን ንበዅሪ እስራኤላውያን ከም ዘድሓኖም ይዝክራ ነበራ። (ዘጸኣት 12:1-14) እቲ ገንሸል ፋስጋ ንየሱስ ጽላሎት ኰይንዎ ነበረ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ የሱስ “ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 5:7) እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ፡ ከምቲ ደም ገንሸል ፋስጋ፡ ንብዙሓት ምድሓን ኰይኑ እዩ።—ዮሃንስ 3:16, 36
(ዘጸኣት 12:12, 13) በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኸኣ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ። ኣነ የሆዋ እየ። 13 እቲ ደም ከኣ ኣብተን ዘለኹምወን ኣባይቲ ምልክትኩም ይኹን፣ ነቲ ደም ርእየ ድማ ክሓልፈኩም እየ፣ ንምድሪ ግብጺ ኽወቕዓ ኸለኹ ኸኣ፡ እቲ መዓት ኬጥፍኣኩም ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ።
it-2 583 ¶6
ፋስጋ
ገሊኡ መዳያት በዓል ፋስጋ፡ ብየሱስ ተፈጺሙ እዩ። እቲ ኣብ ኣባይቲ ግብጺ እተለኽየ ደም ነቶም በዅሪ ዘበሉ ኻብ ኢድ እቲ ዜጥፍእ መልኣኽ ዜድሕኖም ምዃኑ፡ ምስቲ ደሓር እተፈጸመ ይተኣሳሰር እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ ቕቡኣት ክርስትያናት ኪገልጽ ከሎ ናይ ጉባኤ በዅራት ከም ዝዀኑ ተዛሪቡሎም እዩ (እብ 12:23)፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ከኣ ብደም ገይሩ ዜድሕን መድሓኒ ኸም ዝዀነ ተዛሪቡሉ እዩ። (1ተሰ 1:10፣ ኤፌ 1:7) ካብ ኣዕጽምቲ ገንሸል ፋስጋ ድማ፡ ሓደ እኳ ኣይስበርን እዩ ነይሩ። ካብ ኣዕጽምቲ የሱስ እውን ሓደ እኳ ኸም ዘይስበር ትንቢት ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ እዋን ሞቱ ተፈጺሙ እዩ። (መዝ 34:20፣ ዮሃ 19:36) እምበኣር፡ እቲ ኣይሁድ ንዘመናት ዝሓለውዎ ፋስጋ፡ ሓደ ኻብቲ ሕጊ ንዚመጽእ ጽላሎት ዝዀነሉን ናብቲ “ገንሸል ኣምላኽ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘመልከተሉን እዩ ነይሩ።—እብ 10:1፣ ዮሃ 1:29።
(ዘጸኣት 12:24-27) “ነዚ ነገር እዚ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ ስርዓት ጌርኩም ሓልውዎ። 25 ናብታ የሆዋ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ከምቲ ዝበሎ፡ ነዚ በዓል እዚ ሓልውዎ። 26 ደቅኹም፡ ‘እዚ በዓል እዚ ንዓኻትኩም እንታይ ማለት እዩ፧’ ምስ ዚብሉኹም፡ 27 ‘ነቲ ንግብጻውያን ኪወቕዖም ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ንኣባይቲ እስራኤላውያን ዝሓለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዝነሓፈ የሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ እዩ’ በልዎም።” ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ንመዘከርታ ትኹነልኩም’
13 ሓደስቲ ወለዶታት ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ኣቦ ንውሉዱ ኣገዳሲ ትምህርትታት የመሓላልፈሉ ነበረ። ሓደ ኻብቲ ትምህርትታት፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኼዕቍብ ዚኽእል ምዃኑ እዩ። እቶም ቈልዑ፡ የሆዋ ሓደ ዘይፍለጥ ረቂቕ ነገር ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ዚግደሰሎምን ዚሓልየሎምን ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይምሃሩ ነበሩ። ነዚ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡” ንህይወት በዅሪ እስራኤላውያን ብምዕቋብ ኣርእይዎ እዩ።
14 ከም ክርስትያን ወለዲ መጠን፡ ንደቅኻ ብዛዕባ ታሪኽ ፋስጋ ኣብ ዓዓመት ክትምህሮም ከም ዘሎካ ዚሕብር ትእዛዝ እኳ እንተ ዘይተዋህበካ፡ ፋስጋ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኸም ዘዕቈቦም ዜዘኻኽር ምዃኑ ግና ክትምህሮም ትኽእል ኢኻ። እሞኸ፡ የሆዋ፡ መዕቈብ ህዝቡ ምዃኑ፡ ብሓቂ ኸም እትኣምነሉ ትገልጸሎም ዲኻ፧ (መዝ. 27:11፣ ኢሳ. 12:2) ነዚኸ፡ ዜሰልኪ ኣስተምህሮ ብምሃብ ዘይኰነስ፡ ምስ ውሉድካ ባህ ዜብል ዝርርብ ብምፍጣር ዲኻ እትገብሮ፧ ነዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ስድራ ቤትካ ንምልዕዓል ክትጥቀመሉ ጽዓር።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 12:12) በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኸኣ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ። ኣነ የሆዋ እየ።
it-2 582 ¶2
ፋስጋ
እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ዓሰርተ መዓት፡ ምናዳ ኸኣ እቲ ሞት በዅሪ ዘስዓበ ዓስራይ መዓት፡ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ግብጺ ዝወረደ ፍርዲ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 12:12) ድዑል ወይ ገንሸል ነቲ ራ ዚብሃል ኣምላኾም እተቐደሰ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ደም ገንሸል ፋስጋ ኣብ ልዳውቲ ምልካይ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ንኣምላኾም ከም ምጽራፍ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብዕራይ ቅዱስ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ፣ በዅሪ ብዕራይ ዘበለ ሙማቱ ድማ፡ ነቲ ኦሲሪስ ዚብሃል ኣምላኾም ጽፍዒት እዩ ነይሩ። ፈርኦን ንባዕሉ ወዲ ራ ተባሂሉ ፍሉይ ኣኽብሮት ይውሃቦ ነይሩ እዩ። በዅሪ ወዲ ፈርኦን ሙማቱ፡ እቲ ራ ዚብሃል ኣምላኾምን ፈርኦንን ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ።
(ዘጸኣት 12:14-16) “‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፣ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ንየሆዋ በዓል ጌርኩም ኣብዕልዋ። ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ኣብዕልዋ። 15 ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዐ ዘበለ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ መባዅዕቲ ኻብ ኣባይትኹም ኣወግድዎ። 16 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እውን፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። በዘን መዓልትታት እዚአን ዕዮ ኣይተዓየ። እቲ ነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ ጥራይ ይዳለወልኩም።
it-1 504 ¶1
ኣኼባ
ኣብ ኵሉ እቲ “ቕዱስ ኣኼባታት፡” ኣድካሚ ዕዮ ኣይዕየን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ በዓል ቅጫ ኣብ ዚብዓለሉ ቕነ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልትን ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልትን “ቅዱስ ኣኼባ” ይግበር ነይሩ እዩ፣ የሆዋ ድማ፡ “በዘን መዓልትታት እዚአን ዕዮ ኣይተዓየ። እቲ ነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ ጥራይ ይዳለወልኩም” ኢሉ መምርሒ ሂቡ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 12:14-16) ኣብቲ “ቕዱስ ኣኼባታት” ግና፡ እቶም ካህናት ንየሆዋ መስዋእቲ ንምስዋእ ይዓይዩ ነይሮም እዮም (ዘሌ 23:37, 38)፣ እዚ ኸኣ ነቲ ንቡር መዓልታዊ ዕዮ ኸይዕየ ዚእዝዝ ትእዛዝ ዚጥሕስ ኣይነበረን። እቲ ኣጋጣሚታት እቲ፡ ሰባት ቦዚኖም ዚውዕሉሉ እዋን ዘይኰነስ፡ ዓብዪ መንፈሳዊ ጥቕሚ ዚረኽቡሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብታ ሰሙናዊ እትሕሎ መዓልቲ ሰንበት፡ ሰባት ንኣምልኾን ንትምህርትን ብሓባር ይእከቡ ነይሮም እዮም። ኣብኡ ድማ ከምቲ ጸኒሖም ኣብ ምኵራባት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ እቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ይንበብን ይግለጽን ነይሩ እዩ። (ግብ 15:21) ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ወይ ኣብ ካልእ “ቅዱስ ኣኼባታት” ኣድካሚ ዕዮ ዘይዓዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ገዛእ ርእሶም ንጸሎት ይውፍዩ፡ ብዛዕባ ፈጣርን ዕላማኡን እውን የስተንትኑ ነይሮም እዮም።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 12:1-20) የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ በሎም፦ 2 “እዛ ወርሒ እዚኣ፡ መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹነልኩም። ካብ ኣዋርሕ ዓመት ቀዳመይቲ ትኹነልኩም። 3 ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፦ ‘ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ነንቤት ኣቦኦም ሓደ በጊዕ፡ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። 4 እቶም ቤተ ሰብ ንሓደ በጊዕ ዚውሕዱ እንተ ዀይኖም ግና፡ ንሳቶምን እቲ ዝቐረበ ጐረቤቶምን ኣብ ቤቶም ከም ቍጽሪ ሰባት ይማቐልዎ። ክትግምግሙ ኸለኹም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ በጊዕ ክንደይ ዚኣክል ከም ዚበልዕ መድቡ። 5 በጊዕኩም ከኣ ዓመት ዝገበረ ጥዑይ ተባዕታይ ይኹን። ካብ ገንሸላት ወይ ካብ ኣጣል ውሰዱ። 6 ክሳዕ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ሓልውዎ፣ ጽልግልግ ምስ በለ፡ ኵሉ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤል ይሕረዶ። 7 ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ኣብተን ዚበልዑለን ኣባይቲ፡ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ይንጸግዎ። 8 “‘ነቲ ስጋ ኸኣ በዛ ለይቲ እዚኣ ይብልዕዎ። ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። 9 ርእሱ ምስ ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ስጋ ብጥረኡ ወይ ዝበሰለ፡ ማለት ብማይ እተጠጠቐ፡ ኣይትብልዑ። 10 ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ፣ ነቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ኣንድድዎ። 11 ሓቛቝኹም ተዓጢቕኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ከኣ ብልዕዎ፣ ቀልጢፍኩም ድማ ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ የሆዋ እዩ። 12 በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኸኣ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ። ኣነ የሆዋ እየ። 13 እቲ ደም ከኣ ኣብተን ዘለኹምወን ኣባይቲ ምልክትኩም ይኹን፣ ነቲ ደም ርእየ ድማ ክሓልፈኩም እየ፣ ንምድሪ ግብጺ ኽወቕዓ ኸለኹ ኸኣ፡ እቲ መዓት ኬጥፍኣኩም ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ። 14 “‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፣ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ንየሆዋ በዓል ጌርኩም ኣብዕልዋ። ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ኣብዕልዋ። 15 ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዐ ዘበለ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ መባዅዕቲ ኻብ ኣባይትኹም ኣወግድዎ። 16 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እውን፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። በዘን መዓልትታት እዚአን ዕዮ ኣይተዓየ። እቲ ነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ ጥራይ ይዳለወልኩም። 17 “‘በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦ እየ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሓልዉ። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ሓልውዋ። 18 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብ ምሸት እታ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ክሳዕ ምሸት እታ መበል 21 መዓልቲ እታ ወርሒ ቕጫ ብልዑ። 19 ጓና ይኹን ወይ ወዲ ዓዲ፡ ሓደ እኳ ብኹዕ እንተ በሊዑ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ቤትኩም መባዅዕቲ ኣይረኸብ። 20 ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ። ኣብ ኵሉ እቲ እትቕመጥዎ፡ ቅጫ ብልዑ።’”