በረኸትዶ ወይስ መርገም—ምርጫ ኣሎካ!
“ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ [ኣሎኹ] . . . ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። ”—ዘዳግም 30:19
1. ሰባት እንታይ ናይ ምግባር ተውህቦ ኢዩ ዘለዎም፧
የሆዋ ኣምላኽ ነዞም መስተውዓልቲ ሰብኣውያን ፍጡራቱ: ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘሎና ገይሩ ኢዩ ሰሪሑና። ብዘይምሕሳብ ዝንቀሳቐስ ሰብ ወይ ሮቦት ኴንና ኣይተፈጠርናን: ኣብ ክንድኡስ ምርጫታት ናይ ምግባር መሰልን ሓላፍነትን ተዋሂቡና ኢዩ። (መዝሙር 100:3) እቶም ናይ መጀመርያ ሰባት—ኣዳምን ሄዋንን—ኣብ ኣካይዳኦም ምርጫ ክገብሩ ናጻ ኢዮም ነይሮም: በቲ ዝገበርዎ ምርጫ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተቲ ኢዮም ነይሮም።
2. ኣዳም እንታይ ዓይነት ምርጫ ኢዩ ዝገበረ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧
2 ፈጣሪ ንሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ብቐጻሊ በረኸት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ምሉእ ዘይጉዱል ምድላዋት ገይሩሎም ኢዩ። እቲ ዕላማ እቲ ግን ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈጸመ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኣዳም ጌጋ ዝዀነ ምርጫ ስለ ዝገበረ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ሰብኣይ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዚዝዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ኣዳም ክእዘዝ መሪጹ ነይሩ እንተዝኸውን: እቶም ቀዳሞት ወለድና ምተባረኹ ነይሮም። ዘይምእዛዝ ሞት ኣምጽአ። (ዘፍጥረት 3:6, 18, 19) ስለዚ ድማ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ኵሎም ዘርኢ ኣዳም ሓለፈ።—ሮሜ 5:12
በረኸት ክርከብ ይከኣል ኢዩ
3. ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ከም ዝፍጸም መረጋገጺ ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ፧
3 የሆዋ ኣምላኽ እቲ ንደቅሰብ ክባርኾም ዝገበሮ ዕላማ ኣብ መወዳእታ ክፍጸመሉ ዝኽእል መገዲ ኣቚሙ ኢዩ። ኣብ ኤደን ብትንቢት “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ብምባል ኣቐዲሙ ባዕሉ ብዛዕባ ሓደ ዘርኢ ተዛረበ። (ዘፍጥረት 3:15) ድሕርዚ ኣምላኽ ጸኒሑ እቲ በረኸት በቲ ካብ ወለዶ ኣብርሃም ዝዀነ ዘርኢ ኣቢሉ ኣብ ደቅሰብ ክወርድ ምዃኑ ተመባጽዐ።—ዘፍጥረት 22:15-18
4. የሆዋ ንደቅሰብ ንምብራኽ እንታይ ምድላዋት ኢዩ ዝገበረ፧
4 እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዝባርኽ ዘርኢ: የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተረጋገጸ። ነቲ የሱስ ንደቅሰብ ንምብራኽ ኣብ መደብ የሆዋ ዘለዎ ቦታ ኣመልኪቱ: እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ።” (ሮሜ 5:8) እቶም ንኣምላኽ ዝእዘዙ: ካብቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ዘምጽኦ ረብሓታት ከኣ ዝጥቀሙ ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ በረኸት ኣምላኽ ከስተማቕሩ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ምእዛዝን በረኸትን ዲኻ ክትመርጽ፧ ዘይምእዛዝ ካልእ ኣዝዩ እተፈልየ ፍረ ኢዩ ዘምጽእ።
መርገምከ፧
5. ትርጕም ናይታ “መርገም” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ፧
5 ናይ በረኸት ኣንጻር: መርገም ኢዩ። እታ “መርገም” እትብል ቃል ብዛዕባ ሓደ ሰብ ሕማቕ ምዝራብ ወይ ከኣ ኣንጻሩ ተላዒልካ እኩይ መግለጺ ምግባር ማለት ኢያ። እታ ቀላ·ላህ ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ካብታ ቃል ብቓሉ “ምብራህ” ዝትርጕማ ቃ·ላልʹ እትብል ሱር ግሲ ዝመጸት ኢያ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ክትውዕል ከላ ግን ‘ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ሕማቕ ክወርድ ገለ ነገር ምባል’ ወይ ‘ምንዓቕ’ ማለት ኢያ።—ዘሌዋውያን 20:9 ትሓዓ ፣ 2 ሳሙኤል 19:43
6. ንኤልሳእ ዝምልከት ኣብ ጥቓ ጥንታዊት ቤትኤል እንታይ ፍጻመ ኣጋጠመ፧
6 ንመርገም ዝምልከት እተወስደ ቁልጡፍ ስጕምቲ ዝገልጽ: ብድራማ መልክዕ ዝቐረበ ኣብነት ርአ። እዚ: ነብዪ ኤልሳእ ካብ ያሪኮ ናብ ቤትኤል ክድይብ ከሎ ዝዀነ ነገር ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ: ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም: ኣታ በራሕ: ደይብ: ኣታ በራሕ: ደይብ: ኢሎም ኣላገጹሉ። ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮም: ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ [“ኣንስተይቲ” ትሓዓ] ድቢ ኻብ ዱር ወ[ጻ]: ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበ[ራ]።” (2 ነገስት 2:23, 24) ኤልሳእ ነቶም ዘላግጹሉ ዝነበሩ ቈልዑ ብልክዕ እንታይ ኢሉ ከም ዝረገሞም ኣይተገልጸን። ይኹን እምበር: ብሓደ ምስቲ መለኮታዊ ፍቓድ ተሰማሚዑ ዝኸይድ ነብዪ ኣምላኽ ብስም የሆዋ እተባህለ ስለ ዝነበረ: እቲ ብቓላት እተገልጸ ነገር ኣስሊጡ ኢዩ።
7. ነቶም ንኤልሳእ ዘላገጽሉ ቈልዑ እንታይ ኣጋጠሞም: ስለምንታይከ፧
7 ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ላግጺ ኤልሳእ እቲ ልሙድ ናይ ኤልያስ ባርኖስ ተኸዲኑ ስለ ዝነበረ እቶም ቈልዑ ከኣ ንኤልያስ ዝትክእ ዝዀነ ይኹን ነብዪ ኣብቲ ካበቢ ክህሉ ስለ ዘይደለዩ ኢዩ ዝመስል። (2 ነገስት 2:13) ነቲ ናይ ኤልያስ ተካኢ ናይ ምዃን ዝቐረቦ ብድሆ መልሲ ንምሃብ: ከምኡውን ነቶም ቈልዑን ወለዶምን ንነብዪ የሆዋ ግቡእ ዝዀነ ክብሪ ከርእዩ ከም ዝግብኦም ንኽምህሮም: ኤልሳእ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘላግጹ ዝነበሩ መናዓብቲ ብስም ኣምላኽ ኤልያስ ሕማቕ ክወርዶም ተዛረበ። የሆዋ ድማ እተን ክልተ ድቢ ካብ ዱር ወጺአን ካብቶም መላገጽቲ ነ42 ክሰባብራኦም ብምግባሩ ንኤልሳእ ከም ነብዪ መጠን ስምረቱ ኣርኣየ። ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ርክብ መትረብ ኣኽብሮት ከም ዘይነበሮም ብግልጺ ስለ ዘርኣዩ የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደ።
8. ህዝቢ እስራኤል እንታይ ንኽገብሩ ኢዮም እተሰማምዑ: ምስ ከመይ ዝበለ ተስፋታትከ፧
8 ዓመታት ኣቐዲሙ: እስራኤላውያን ነቲ ናይ ኣምላኽ መደብ ኣኽብሮት ብዘይምርኣይ ተመሳሳሊ ዝዀነ ነገር ገይሮም ነይሮም ኢዮም። እቲ ኵነታት ብኸምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዓብዩ:- ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ናይ ግብጻውያን ባርነት ከም “በኽናፍ ንስሪ” ገይሩ ምስ ኣውጽኦም ስምረቱ ገሊጹሎም ኢዩ። ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ ድማ ንኣምላኽ ክእዘዙ ምዃኖም ተመባጽዑ። ምእዛዝ ስምረት ኣምላኽ ምስ ምርካብ ክፈላለ ብዘይክእል መገዲ ብኸመይ ተተሓሒዙ ከም ዘሎ ኣስተብህል። የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ከምዚ በለ:- “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም።” ብድሕሪኡ እቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም ብኣወንታ መለሱ። (ዘጸኣት 19:4, 5, 8፣ 24:3) እስራኤላውያን ንኣምላኽ ከም ዘፍቅርዎን ንዕኡ ከም እተወፈዩን ተዛረቡ: ከምኡውን ቃሉ ክእዘዙ ምሒሎም ኢዮም። ከምዚ ምግባር ድማ ዓቢ በረኸት ዘምጽእ ኢዩ።
9, 10. ሙሴ ኣብ ከረን ሲናይ ከሎ እስራኤላውያን እንታይ ኢዮም ዝገበሩ: ምስ ከመይ ዝበለ ሳዕቤንከ፧
9 ይኹን እምበር: እቲ ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ስምምዖም “በጻብዕ እግዚኣብሄር” ጌና ከይተቐርጸ ከሎ መለኮታዊ መርገም ኣድላዪ ኰነ። (ዘጽኣት 31:18) ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ዝወረዶም ስለምንታይ ኰን ኢዩ፧ እስራኤልውያን የሆዋ እተዛረቦ ኵሉ ንኽገብሩ ድልየት ኣርእዮምዶ ኸይነበሩ፧ እወ: ብቓሎም በረኸት ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም: ብተግባራቶም ግን መርገም ዘስዕብ መገዲ ኢዮም መሪጾም።
10 ሙሴ ኣብ ከረን ሲናይ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ክቕበል ከሎ ኣብ ዝነበረ 40 መዓልትታት: እስራኤላውያን ነቲ ኣቐድም ኣቢሎም ንየሆዋ እሙናት ናይ ምዃን ዝገበርዎ መብጽዓ ኣፍረስዎ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአየ: ናብ ኣሮን ተአከበ እሞ: ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ: እቲ ሰብኣይ: እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ: ተንስእ: ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና: በልዎ።” (ዘጽኣት 32:1) እዚ ናብቲ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕን ንምቕናዕን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሰብኣዊ ወኪሉ ዘርኣይዎ ናይ ዘይምኽባር ኣረኣእያ ዘንጻባርቕ ካልእ ኣብነት ኢዩ። እስራኤላውያን ነቲ ናይ ግብጻውያን ኣምልኾ ጣኦት ናብ ምቕዳሕ ወደቑ: ኣብ ሓደ መዓልቲ 3,000 ዝዀኑ ብሰይፊ ምስ ተቐትሉ ድማ ዘስካሕክሕ ፍረ ዓጸዱ።—ዘጸኣት 32:2-6, 25-29
ናይ በረኸትን መርገምን መግለጺ
11. ንበረኸትን መርገምን ዝምልከት እንታይ መምርሒታት ኢዩ ብእያሱ እተፈጸመ፧
11 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ናይ 40 ዓመታት ነዊሕ ጕዕዞ: ሙሴ ነቲ ንየሆዋ ናይ ምእዛዝ መገዲ እንተድኣ መሪጾም ክዓጽድዎ ዝኽእሉ በረኸት ዘርዘሮ። ንየሆዋ ንኸይእዘዙ እንተድኣ መሪጾም ክወርዶም ዘለዎ መርገም እውን ዘርዚርዎ ኢዩ። (ዘዳግም 27:11–28:10) እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ድሕሪ ሓጺር ግዜ: እያሱ ነቲ ብዛዕባ በረኸትን መርገምን ዝምልከት ሙሴ ዝሃቦ መምርሒ ፈጺምዎ ኢዩ። ሽዱሽተ ነገዳት እስራኤል ኣብ እግሪ ከረን ዔባል: እቶም ካልኦት ሽዱሽተ ነገዳት ድማ ኣብ ቅድሚ ከረን ጌሪዚም ደው በሉ። ሌዋውያን ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ስንጭሮ ደው በሉ። እቶም ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባል ሰፊሮም ዝነበሩ ነገዳት ድማ ነቲ ዝንበበሎም ዝነበረ መርገም “ኣሜን” ኢሎም ይምልስሉ። ካልኦት ድማ ኣብ ትሕቲ ከረን ጌሪዚም ኰይኖም ነቲ እቶም ሌዋውያን ገጾም ናብኦም ገይሮም ዘንብብዎ በረኸት ይምልስሉ።—እያሱ 8:30-35
12. ገለ ካብቲ ብሌዋውያን እተገልጸ መርገም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
12 እቶም ሌዋውያን ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ከለዉ ትሰምዖም ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰበ:- “እተወቕረን ዝፈሰሰን: እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ: በእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ: ሐቢኡ ኸኣ ዜንብሮ: ርጉም ይኹን። . . . ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። . . . ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። . . . ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን። . . . ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። . . . ምሰ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ: ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ: ርጉም ይኹን። . . . ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። . . . ምስ ሓብቱ: ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ: ዚድቅስ ርጉም ይኹን። . . . ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። . . . ንብጻዩ ብስዉር ዚቐትል ርጉም ይኹን። . . . ነፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም: ይኹን። . . . ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኺገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን።” ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርገም ድማ እቶም ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባል ዝነበሩ ነገዳት “ኣሜን” ይብሉ።—ዘዳግም 27:15-26
13. ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቃላት ገይርካ: ገለ ካብቲ ሌዋውያን ዝገለጽዎ በረኸታት ብኸመይ መቕረብካዮ፧
13 ሕጂ ድማ እቶም ሌዋውያን “ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን: ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩኽ ይኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ብሩኽ ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ብሩኽ ትኸውን: ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን” ክብሉ ከለዉ እቶም ኣብ ቅድሚ ከረን ጌሪዚም ዝነበሩ ነገዳት ንነፍሲ ወከፍ ምርቓ ዝህብዎ መልሲ ትሰምዖ ከም ዘሎኻ ገይርካ ሕሰብ።—ዘዳግም 28:3-6
14. እስራኤላውያን በየናይ መሰረት ኢዮም በረኸት ክቕበሉ ዝነበሮም፧
14 ነዚ በረኸት እዚ ንምርካብ ዘድሊ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ: እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ: እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።” (ዘዳግም 28:1, 2) እወ: መለኮታዊ በረኸት ንምስትምቓር ቀንዲ ኣድላዪ ነገር ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንሕናኸ ሕጂ፧ ‘ንቓል እግዚኣብሄር ምስማዕ’ ብምቕጻል በብውልቅና በረኸትን ህይወትን ክንመርጽ ዲና፧—ዘዳግም 30:19, 20
ተጠንቂቕካ ምርኣዩ
15. ኣብቲ ኣብ ዘዳግም 28:3 ተመዝጊቡ ዘሎ በረኸት እንታይ ነጥቢ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ካብኡኸ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
15 ሓደ እስራኤላዊ ንየሆዋ ብምእዛዙ ከስተማቕሮ ዝኽእል ገለ በረኸታት እስከ ንርአ። ንኣብነት: ዘዳግም 28:3 “ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን: ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን” ትብል። ካብ ኣምላኽ በረኸት ምርካብ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ወይ ዘሎካ መዝነት እተመርኰሰ ኣይኰነን። ገሊኣቶም ምናልባት ብቝጠባ ኣብ እተሃስየ ቦታ ወይ ውግእ ኣብ ዘናወጻ ከተማ ስለ ዝነብሩ ኣብ መፈንጠራ ዝኣተዉ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ካልኦት ንየሆዋ ኣብ ካልእ ቦታ ኰይኖም ከገልግልዎ ይናፍቑ ይዀኑ። ገለ ክርስትያናት ሰብኡት ድማ ኣብ ጉባኤ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ክልተ ጉባኤ ጉባኤ ዝብላ ቃላት ብሓንሳብ ከይኰና ኢየ ገላቢጠየንኰይኖም ስለ ዘይተመዘዙ ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ ክርስትያናት ኣንስቲ ከም ፓይነራት ወይ ሚስዮናውያን ኰይነን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዘይ ምክፋለን ጓሂ ይስምዐን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ‘ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕን ነቲ ካብኡ ዝድለ ድማ ተጠንቂቑ ዝገብሮን’ ሰብ ሕጅን ንዘለኣለምን ክባረኽ ኢዩ።
16. እቲ ኣብ ዘዳግም 28:4 ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ኢዩ ሎሚ ኣብ ማሕበር የሆዋ ዝርአ ዘሎ፧
16 ዘዳግም 28:4 ከምዚ ትብል:- “ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩኽ ይኸውን።” እታ ንኻልኣይ ኣካል እተመልክት ‘ናትካ ’ እትብል ንጽል ናይ እብራይስጢ ክንዲ ስም: እቲ በረኸት ሓደ እዙዝ እስራኤላዊ ብብሕቱ ዝረኽቦ ምዃኑ እትሕብር ኢያ። እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ እዙዛት ኣገልገልቲኸ፧ እቲ ሎሚ ኣብ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርአ ዘሎ ዓለምለኻዊ ወሰኽን ምስፍሕፋሕን እቶም ልዕሊ 5,000,000 ዝዀኑ ኣወጅቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ብዘርኣይዎ ልባዊ ጻዕሪ ዝመጸ በረኸት ኣምላኽ ኢዩ። (ማርቆስ 13:10) ኣብቲ ኣብ 1995 እተገብረ ምብዓል ናይ ድራር ጐይታ ልዕሊ 13,000,000 ተኻፈልቲ ምንባሮም ድማ ዝያዳ ዕቤት ክርከብ ከም ዝኽእል ዘርኢ መርትዖ ኢዩ። ናይታ መንግስቲ በረኸታት ተስተማቕርዶ ኣሎኻ፧
እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ምርጫ ፍልልይ ኣምጺኡ ኢዩ
17. በረኸት ወይ መርገም ‘ምርካብ’ ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ ኢዩ፧
17 ስለዚ: ንሓደ እዙዝ እስራኤላዊ በረኸት ይስዕቦ ነይሩ ኢዩ። “እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ” ዝብል መብጽዓ ተዋሂብዎ ነበረ። (ዘዳግም 28:2) ብተመሳሳሊ ብዛዕባ መርገም እውን “እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ” ተባሂሉ ነበረ። (ዘዳግም 28:15) ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነብር እስራኤላዊ እንተ ትኸውን ነይርካ በረኸትዶ ‘ምረኸብካ’ ወይስ መርገም፧ እዚ ንኣምላኽ ኣብ ምእዛዝካን ዘይምእዛዝካን እተመርኰሰ ምዀነ ነይሩ።
18. እስራኤላውያን መርገም ከወግዱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
18 ኣብ ዘዳግም 28:15-68 እቲ ናይ ዘይምእዛዝ መሪር ሳዕቤን ከም መርገም ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ። ገሊኡ ልክዕ አንጻር ናይቲ ኣብ ዘዳግም 28:3-14 ተዘርዚሩ ዘሎ ብምእዛዝ ዝመጽእ በረኸት ኢዩ። እስራኤላውያን ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ክካፈሉ ብምምራጾም መብዛሕትኡ ግዜ መሪር ፍረ ናይ መርገም ዓጺዶም ኢዮም። (እዝራ 9:7፣ ኤርምያስ 6:6-8፣ 44:2-6) እዝስ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! እዚ ከምዚ ዝበለ ሳዕቤን ነቲ ብንጹር ኣየናይ ሕማቕ ኣየናይ ድማ ጽቡቕ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ የሆዋ ምሉእ ሕግታትን ስርዓታትን ተኣዚዞም ቁኑዕ ዝዀነ ምርጫ ብምግባር ክውገድ ይከኣል ነይሩ ኢዩ። ሎሚ ብዙሓት ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ተግባራት ብምግባር: ናይ ጾታ ዘይስነ-ምግባር ብምፍጻም: ዘይሕጋዊ ሓሽሽ ብምጥቃም: ኣብ ኣልኮላዊ መስተታት ብምጥሓል: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ብምግባር ኣንጻር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክኸዱ ብምምራጾም ቃንዛን ሓዘንን የሕልፉ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ምርጫ ምግባር: ከም ጥንታውያን እስራኤልን ይሁዳን መለኮታዊ ምንጻግን ዘየድሊ ጓሂ ልብን ኢዩ ዘፍሪ።—ኢሳይያስ 65:12-14
19. ይሁዳን እስራኤልን ንየሆዋ ምእዛዝ ክመርጹ ከለዉ ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ በረኸት ግለጾ።
19 እስራኤላውያን ንየሆዋ ክእዘዙ ከለዉ ጥራይ ኢዩ: ኣኽል ታርፍ በረኸትን ቅሳነትን ክሰፍን ዝኽእል ዝነበረ። ንኣብነት: ብዛዕባ ኣብ ግዜ ሰሎሞን ዝነበረ እዋን ከምዚ ነንብብ:- “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ። . . . ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።” (1 ነገስት 4:20-25) ኣብቲ ካብ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝመጽእ ዝነበረ ምጽራር ግኑን ዝነበረሉ ናይ ንጉስ ዳዊት ግዜ እውን ከይተረፈ: እቶም ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ሓቂ ምእዛዝ ክመርጹ ከለዉ ናይ የሆዋ ደገፍን በረኸትን ተመኪሮምዎ ኢዮም።—2 ሳሙኤል 7:28, 29፣ 8:1-15
20. ኣምላኽ ንሰባት ዝምልከት እንታይ እምንቶ ኢዩ ዘለዎ፧
20 ንኣምላኽ ክትእዘዞ ዲኻ ወይስ ኣይክትእዘዞን ኢኻ፧ እስራኤላውያን ምርጫ ነይርዎም ኢዩ። ሽሕ’ኳ ኵላትና ካብ ኣዳም ሓጥእ ዝንባለ እንተወረስና: ናጻ ምርጫ ናይ ምግባር ውህበት እውን ተዋሂብና ኢና። ሰይጣን: እዛ እክይቲ ዓለምን ዘይፍጽምናናን እኳ እንተለዉ እቲ ልክዕ ዝዀነ ምርጫ ክንገብር ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ: ኣብ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ፈተናን ግድልን: ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ እውን ቅኑዕ ምርጫ ዝመርጹ ክህልዉ ምዃኖም ፈጣሪና እምንቶ ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 5:8-10) ኣብ መንጎኦም ክትህሉ ዲኻ፧
21. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንምርምር፧
21 ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ: በቲ ናይ ቀደም ኣብነታት ገይርና ኣረኣእያናን ተግባራትናን ክንመዝኖ ክንክእል ኢና። ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦ ቃላት ብሞሳ እንምልሰሉ ይግበረና:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ [ኣሎኹ] . . . ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ።”—ዘዳግም 30:19
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ኣምላኽ ንሓጢኣተኛታት ሰባት በረኸት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ዝገበሮም ብኸመይ ኢዩ፧
◻ መርገም እንታይ ኢዩ፧
◻ እስራኤላውያን ኣብ ክንዲ መርገም በረኸት ክቕበሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብምእዛዞም እንታይ በረኸት የስተማቕሩ ነበሩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ከረን ጌሪዚምን ከረን ዔባልን ተኣከቡ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.