ዘዳግም
28 “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ ንምግባር ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ብርግጽ እንተ ሰሚዕካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ልዕል ኬብለካ እዩ።+ 2 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ትሰምዕ ስለ ዘለኻ፡ ኵሉ እዚ በረኸት እዚ ኺመጸካን ኬርክበካን እዩ፦+
3 “ኣብ ከተማ ብሩኽ ክትከውን፡ ኣብ መሮር እውን ብሩኽ ክትከውን ኢኻ።+
4 “ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ብሩኽ ኪኸውን እዩ።+
5 “ከፈርካን+ መልወሲኻን+ ብሩኽ ኪኸውን እዩ።
6 “ክትኣቱ ኸለኻ ብሩኽ ክትከውን፡ ክትወጽእ ከለኻ እውን ብሩኽ ክትከውን ኢኻ።
7 “የሆዋ ነቶም ዚትንስኡኻ ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዚስዓሩ ኺገብሮም እዩ።+ ካብ ሓደ ኣንፈት ኬጥቅዑኻ እዮም፡ ካባኻ ግና ብሸውዓተ ኣንፈት ኪሃድሙ እዮም።+ 8 የሆዋ ኣብ ማዕከንካን ኣብ ኵሉ ተግባርካን በረኸት ኪእዝዘልካ፡+ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ። 9 ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ ትሕሉን ብመገድታቱ ትመላለስን ስለ ዘለኻ፡ የሆዋ ኸምቲ ዝመሓለልካ፡+ ንዕኡ ቕዱስ ህዝቢ ገይሩ ኬቝመካ እዩ።+ 10 ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ስም የሆዋ ኣባኻ ኸም እተጸውዐ+ ኺርእዩን ኪፈርሁኻን እዮም።+
11 “ኣብታ የሆዋ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ የሆዋ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ኪገብረልካ እዩ።+ 12 ኣብ ወቕቱ ዝናም ንምድርኻ ምእንቲ ኺህብን+ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምእንቲ ኺባርኽን፡ የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ማዕከኑ ዝዀነ ሰማያት ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ኣህዛብ ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይክትልቃሕን ኢኻ።+ 13 እዚ ኣነ ሎሚ ኽትሕልዎን ክትገብሮን ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ተኣዚዝካ፡ የሆዋ ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይኪገብረካን፡ ላዕሊ እምበር፡+ ታሕቲ ኣይኪገብረካን እዩ። 14 ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ንምኻድን ንምግልጋሎምን፡+ ካብቲ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+
15 “ግናኸ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ንምግባር ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ዘይሰሚዕካ፡ ኵሉ እዚ መርገም እዚ ኺመጸካን ኬርክበካን እዩ፦+
16 “ኣብ ከተማ ርጉም ክትከውን፡ ኣብ መሮር እውን ርጉም ክትከውን ኢኻ።+
17 “ከፈርካን+ መልወሲኻን ርጉም ኪኸውን እዩ።+
18 “ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ርጉም ኪኸውን እዩ።+
19 “ክትኣቱ ኸለኻ ርጉም ክትከውን፡ ክትወጽእ ከለኻ እውን ርጉም ክትከውን ኢኻ።
20 “ስለቲ ኽፉእ ተግባራትካን ንዓይ ስለ ዝሓደግካንን፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ የሆዋ ኣብ ኵሉ እትገብሮ ተግባርካ መርገምን ዕግርግርን መቕጻዕትን ኪሰድደልካ እዩ።+ 21 የሆዋ ኻብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተካ፡ ሕማም ኬልግበልካ እዩ።+ 22 የሆዋ ብዓባይ ሰዓልን ብብርቱዕ ረስንን+ ብነድርን ብብርቱዕ ዋዕን ብሰይፍን+ ብሃጕን ብዋግን+ ኪወቕዓካ እዩ፣ ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ ኪስዕቡኻ እዮም። 23 ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማያት ነሓሲ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ኸኣ ሓጺን ክትከውን እያ።+ 24 የሆዋ ንዝናም ምድርኻ ተጐጓን ደሮናን ኪገብሮ እዩ፣ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ካብ ሰማያት ኪወርደካ እዩ። 25 የሆዋ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኸም እትስዓር ኪገብረካ እዩ።+ ካብ ሓደ ኣንፈት ከተጥቅዖም ኢኻ፡ ካባታቶም ግና ብሸውዓተ ኣንፈት ክትሃድም ኢኻ። ንዅለን መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትከውን ኢኻ።+ 26 ሬሳታትካ ድማ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ ኣይኪህሉን እዩ።+
27 “የሆዋ፡ ክትሓውየሉ ብዘይትኽእል ምጕልንጭዋ ግብጽን ጀርባዶን መበላይን ዕንፍሩርን ኪወቕዓካ እዩ። 28 የሆዋ ብጽላለን ብዑረትን+ ብድንጋረን* ኪወቕዓካ እዩ። 29 ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፣+ እትገብሮ ዘበለ እውን ኣይኪቐንዓካን እዩ፣ ወትሩ ኽትዕመጽን ክትዝመትን ኢኻ፡ ዜድሕነካ እውን የልቦን።+ 30 ሰበይቲ ኽትሕጸ፡ ግናኸ ኻልእ ኪዕምጻ እዩ። ቤት ክትሃንጽ፡ ግናኸ ኣይክትነብረላን ኢኻ።+ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተክል፡ ግናኸ ፍሪኡ ኣይክትጥቀመሉን ኢኻ።+ 31 ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኺሕረድ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ። ኣድግኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺዝረፍ፡ ግናኸ ኣይኪምለሰካን እዩ። ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ኺውሃባ፡ ግናኸ ዜድሕነካ የልቦን። 32 ኣወዳትካን ኣዋልድካን እናረኣኻ ንኻልእ ህዝቢ ኺውሃቡ፡+ ንስኻ ድማ ወትሩ ሃረር ክትብሎም፡ ግናኸ ኣብ ኣእዳውካ ሓይሊ ኣይኪህሉን እዩ። 33 ፍረ ምድርኻን ኵሉ ፍርያትካን፡ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ወትሩ ኽትዕመጽን ክትጭፍለቕን ኢኻ። 34 በቲ ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ኸኣ ክትጽለል ኢኻ።
35 “የሆዋ ኣብ ኣብራኽካን ኣእጋርካን፡ ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳብ መንበስበስታኻ፡ ብዜሳቕን ብዘይሓውን ምጕልንጭዋ ኺወቕዓካ እዩ። 36 የሆዋ ንዓኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስን፡ ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰድደካ፡+ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕንጨይትን እምንን ከተገልግል ኢኻ።+ 37 ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም የሆዋ ዚሰጕጐካ ህዝብታት ከኣ መሰክሕን መመሰልን መላገጽን ክትከውን ኢኻ።+
38 “ናብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ኸተምጽእ፡ ኣንበጣ ስለ ዚበልዖ ግና፡ እትእክቦ ሒደት ኪኸውን እዩ።+ 39 ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተክልን ክትኵስኵስን፡ ሓሰኻ ስለ ዚበልዖ ግና፡ ወይኒ ኣይክትሰትን፡ ገለ እኳ ኣይክትእክብን ኢኻ።+ 40 ኣብ ኵላ ሃገርካ ኣእዋም ኣውልዕ ኪህልወካ፡ እቲ ኣውልዕካ ስለ ዚረግፍ ግና፡ ዘይቲ ኣይክትልከን ኢኻ። 41 ኣወዳትን ኣዋልድን ክትወልድ፡ ተማሪኾም ስለ ዚኸዱ ግና፡ ንዓኻ ኣይኪዀኑን እዮም።+ 42 ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ብዕስለታት ሓሸራ* ኺውረስ እዩ። 43 ኣብ ማእከልካ ዘሎ ጓና ኣብ ልዕሌኻ እናለዓለ ኪኸይድ፡ ንስኻ ግና እናተሓትካ ኽትወርድ ኢኻ። 44 ንሱ ኼለቅሓካ፡ ንስኻ ግና ኣይከተለቅሖን ኢኻ።+ ንሱ ርእሲ ኪኸውን፡ ንስኻ ግና ጭራ ኽትከውን ኢኻ።+
45 “እቲ ዝኣዘዘካ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ንምሕላው ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡+ እዚ ዅሉ መርገም+ እዚ ብርግጽ ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪስዕበካን ኬርክበካን እዩ።+ 46 ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ናይ ሓዋሩ ምልክትን ተኣምራትን ኪኸውን እዩ፣+ 47 እዚ ኸኣ ኵሉ ኣኺሉ ተሪፉካ ኸሎ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ብታሕጓስን ብሕጉስ ልብን ስለ ዘየገልገልካዮ እዩ።+ 48 የሆዋ ንጸላእትኻ ኣንጻርካ ኺሰድዶም፡ ንስኻ ድማ ጠሚኻን+ ጸሚእካን ዓሪቕካን ስኢንካን ከለኻ ኽትግዝኦም ኢኻ።+ ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣብ ክሳድካ ኣርዑት ሓጺን ኬንብር እዩ።
49 “የሆዋ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝቢ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኣንጻርካ ኼተንስእ እዩ፣+ ንሱ ኸም ንስሪ ዚምንጥል፡+ ቋንቋኡ ዘይትርድኦ ህዝቢ፡+ 50 ንኣረጊት ዘይሓፍር ወይ ንጐበዝ ዘየናሕሲ ጨካን ዝትርኢቱ ህዝቢ እዩ።+ 51 ክሳዕ እትጠፍእ፡ ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኪበልዑ እዮም። ክሳዕ ዜጥፍኡኻ፡ እኽሊ ዀነ፡ ጕዕሽ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምራኽ ከብቲ ዀነ፡ ወይ ዕየት በጊዕ ኣይኪሓድጉልካን እዮም።+ 52 እቲ እትእመነሉ ነዊሕን እተዓርደን መካበብያ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ኣብ ውሽጢ ዅለን እተን ኣብ ብዘላ ምድርኻ ዘለዋ ኸተማታት* ዓጽዮም ኪኸብቡኻ እዮም። እወ፡ ኣብ ውሽጢ ዅለን እተን ኣብ ብዘላ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ ምድርኻ ዘለዋ ኸተማታትካ ብርግጽ ኪኸብቡኻ እዮም።+ 53 ብሰንኪ ሕሰም እቲ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ጸላእትኻ ዜጽብቡልካ ጸበባን፡ ፍረ ኸርስኻ፡ ስጋ እቶም የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ክትበልዕ ኢኻ።+
54 “ኣብ መንጎኻ ዘሎ ኣዝዩ ተነቃፍን ሕንቁቕን ሰብ እኳ፡ ንሓዉን ነታ ዜፍቅራ ሰበይቱን ንዝተረፉ ደቁን ኣይኪድንግጸሎምን እዩ፣ 55 ብሰንኪ ሕሰም እቲ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ጸላእትኻ ንኸተማታትካ ዜጽብቡለን ጸበባን ከኣ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ደቁ ኣይኪመቕሎምን እዩ።+ 56 ተነቃፊት ብምዃና ብኸብዲ እግራ ንምድሪ ምርጋጽ እኳ ዘይትሓስብ ኣብ መንጎኻ ዘላ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ሰበይቲ እውን፡+ ንእተፍቅሮ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ኣይክትድንግጸሎምን እያ፣ 57 ብሰንኪ ሕሰም እቲ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ጸላእትኻ ንኸተማታትካ ዜጽብቡለን ጸበባን፡ ካብ መንጎ ኣእጋራ ንዝወጸ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን እኳ ብሕቡእ ክትበልዕ እያ።
58 “ነቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቕካ እንተ ዘይጌርካዮ፡+ ነዚ ናይ የሆዋ+ ኣምላኽካ ኽቡርን ዜፍርህን ስም ድማ እንተ ዘይፈሪህካ፡+ 59 የሆዋ ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ኣዝዩ ብርቱዕ መዓት፡ ዓብይን ነባርን መዓት፡+ ዜቐንዙን ሕዱርን ሕማም ኬምጽእ እዩ። 60 ኵሉ እቲ እትፈርሆ ዝነበርካ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ፡ ንሱ ኸኣ ብርግጽ ኪለግበካ እዩ። 61 ክሳዕ እትጠፍእ ድማ፡ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን መዓትን ኬምጽኣልካ እዩ። 62 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ዝምብዛሕኩም እኳ እንተ ነበርኩም፡+ ብቝጽሪ ኣመና ሒደት ክትተርፉ ኢኹም።+
63 “ከምቲ የሆዋ ሓደ እዋን ጽቡቕ ኪገብረልኩምን ኬብዝሓኩምን ደስ ዝበሎ ድማ፡ የሆዋ ኼጥፍኣኩምን ኬጽንተኩምን ደስ ኪብሎ እዩ፣ ካብታ እትርስተይዋ ምድሪ ኽትምንቈሱ ኢኹም።
64 “የሆዋ ድማ ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ፋሕ ኬብለካ እዩ፣+ ኣብኡ ኸኣ ንስኻን ኣቦታትካን ዘይትፈልጥዎም ኣማልኽቲ ዕንጨይትን እምንን ከተገልግል ኢኻ።+ 65 ኣብ መንጎ እቶም ኣህዛብ እቲኦም ሰላም ኣይኪህልወካን እዩ፣+ ንኸብዲ እግርኻ እውን መዕረፊ ኣይክትረክብን ኢኻ። የግዳስ፡ የሆዋ ኣብኡ ሸቐልቀል ዚብል ልብን+ ዝደኸማ ኣዒንትን ቅብጸትን* ኪህበካ እዩ።+ 66 ህይወትካ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ኽትከውን እያ፣ ለይትን መዓልትን ክትርዕድ ኢኻ፣ ንህይወትካ እውን ክትሰግእ ኢኻ። 67 ብሰንኪ እቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ራዕድን ብሰንኪ እቲ ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ነገርን፡ ንግሆ፡ ‘እንተ ዚመሲ’ ኽትብል፡ ምሸት ድማ፡ ‘እንተ ዚነግህ’ ክትብል ኢኻ። 68 የሆዋ ብመርከብ ገይሩ ናብታ ‘ደጊም ኣይክትርእያን ኢኻ’ ዝበልኩኻ ግብጺ ብርግጽ ኪመልሰካ እዩ፣ ኣብኣ ኸኣ ርእስኹም ግዙእን ግዝእትን ጌርኩም ንጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም፡ ዓዳጊ ግና የልቦን።”